መንእሰያት ስለምንታይ ጸባ ጡብ ኣደ ይሰትዩ ኣለዉ?

መብዛሕትኡ ግዜ፡ እቲ "ፈሳሲ ወርቂ" እዩ ዝበሃል። ገለ ክኢላታት ከይተረፉ ምንጪ "ስሕበት ሓይሊ" ምዃኑ ይዛረቡ።

ጸባ ጡብ ንህጻናት መኣዛታትን ተፈጥሮኣዊ ዓቕሚ ምክልኻል ሕማማት ከዕብዩን ከም ዝገብር፣ ከምኡ'ውን ንዕብየቶም ኣገዳሲ ምዃኑ ተመራመርቲ ይሰማምዑ።

ገለ ኣባጽሕ ሰባት ግን "ጸባ ጡብ ኣደ ፍሉይ እዩ፡" ብምባል ክሰትዩ ጀሚሮም ኣለዉ።

ወዲ 39 ዓመት ጀምሰን ሪተኖር፡ ኣቦ ሰለስተ ቈልዑ እዩ።

መጻምድቱ ንደቃ ኣብ እተጥብወሉ ዝነበረት እዋን፡ ዘየድልያ ተወሳኺ ጸባ ስለ ዝነበራ ንመጀመርታ ግዜ ጸባ ጡብ ሰትዩ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ መስተዪ ብርጭቈ ምስ ገበርኩዎ፡ ቍሩብ ግር ኢሉዋ ነይሩ፡" ኢሉ።

ጀምሰን፡ ኣብ ዩትዩብ ብዛዕባ ረብሓ ምስታይ ጸባ ጡብ ዘብርህ ቪድዮ ድሕሪ ምርኣዩ እዩ ዝያዳ ክፈልጥ ደልዩ።

"ዓቢይ ነገር እዩ ነይሩ" ይብል ጀምሰን።

ጀምሰን፡ ጸባ ጡብ መጻምዱ ምስታይ ኣካል መዓልታዊ ልምዱ ኰነ፣ ዕለታዊ ክልተ ጠርሙዝ ይወስድ።

"ምናልባት ኣብ ህይወተይ እቲ ዝበለጸ ኵነታት'ዩ ነይሩ፡" ይብል።

ወሲኹ፡ "ብርግጽ ጭዋዳታተይ ንምህናጽ ይሕግዘኒ ነይሩ። ክብደተይ ይንኪ ነይረ፣ ኣብ ርእሲኡ ድማ ኣብ ኣስታት ሸሞንተ ሰሙን ክሳብ ሓሙሽተ ሚእታዊት ጭዋዳታት ይውስኽ ነይረ፡" ኢሉ።

ጀምሰን፡ ጸባ ሰብ ኣካል ስርዓት ኣመጋግባኡ ኣብ ዝገበረሉ እዋን፡ ሓሚሙ ወይ ሰዓል ሒዙዎ ከም ዘይፈልጥ ይዛረብ።

"ከም ህጻን ክዓቢን ከም ህጻን ክድቅስን ስለ ዝደለኹ፡ ከም ህጻን'ውን ክበልዕ እየ ወሲነ። ጽቡቕ ተሰሚዑኒ፡ ጽቡቕ ድማ ኰይነ።"

ብመንገዲ ኢንተርነት ምዕዳግ ሓደጋ ኣለዎ

ጸባ ጡብ ምስታይ ንኣካላት መንእሰያት ረብሓ ኣለዎ እዩ ዝብል ሳይንሳዊ መርትዖ ከም ዘየሎ ተመራመርቲ ይዛረቡ።

ፍሉጣት ክኢላታት ግን ገና ጠቓሚ ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጹ።

"ብዙሕ ፕሮቲን ኣለዎ - ንሓደ ህጻን ጭዋዳታቱ ኣዝዩ ብቕልጡፍ እዩ ዘዕብዮ፡ ብርግጽ ድማ ብስፖርት ኣካላቶም ዝሃንጹ ሰባት ንሱ'ዩ ዘድልዮም፡" ይብል መስራቲ ዳይረክተር ትካል ጸባ ሰብ ዩኒቨርሲቲ ካሊፎርንያ ዶክተር ላርስ ቦደ።

"ኣካላቶም ብስፖርት ዝሃንጹ ሰባት ንሰብነቶም ኣዝዮም እዮም ዝግደሱ፣ ስለዚ፡ ገለ ነገር ክህሉዎ ይኽእል'ዩ። በቃ ብድሕሪኡ ዘሎ ሳይንስ ግን ኣይንፈልጦን ኢና።"

ጸባ ደቂ-ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ፈይስቡክ፡ ክሬግስሊስትን ሬዲትን ከም ዝዕደግ ብምግላጽ፡ ዶክተር ቦደ ግን ንሕጂ ጥንቃቐ ክግበር ይምዕድ።

"እቲ ጸባ ዘይተመርመረ'ዩ፣ ንጥዕና ድማ ርኡይ ሓደጋታት ኣለዎ። ተሰካሚ ከም ኤችኣይቪ ወይ ሄፓታይተስ ዝኣመሰሉ ሕማማት ክኸውን ይኽእል'ዩ።"

ጸባ ጡብ፡ ኣብ ኣመጋግባን ሓፈሻዊ ጥዕናን ናይቲ ዘፍሪ ሰብ ዝምርኰስ ስለ ዝዀነ፡ ተሰካሚ ብዙሓት ረኽስታት ክኸውን ይኽእል።

መብዛሕትኡ ግዜ ደቀንስትዮ ካብ ቍጽጽረን ወጻኢ ንዝዀነ ሃዋሁ ስለ ዝቃልዓ፡ እቲ ጸባ ብቐሊሉ ክብከል ይኽእል'ዩ።

ኣብ 2015 ኣብ ኣመሪካ ሆስፒታል ኔሽንዋይድ ህጻናት ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ካብቶም ብኢንተርነት ዝተዓደጉ 101 ቅምሶታት ጸባ ጡብ፡ 75 ሚእታዊት ጐዳእቲ ረኽሲታት ዘስዕቡ ባእታታት ዝሓዙ ኰይኖም፡ 10 ሚእታዊት ድማ ምስ ጸባ ላሕሚ ወይ ፎርሙላ ህጻናት ዝተሓዋወሱ እዮም።

ጀምሰን ምስ መጻምዱ ምስ ተፈላለየ፡ ነቲ ኣብ መዝሓሊ መግቢ (ፍርጅ) ዝዓቀቦ ጸባ ጡብ ክረኽቦ ስለ ዘይከኣለ፡ ብኢንተርነት ክዕድግ ወሲኑ።

እቲ ጸባ ክብከል ይክእል'ዩ ዝብል ግንዛበ ከም ዘይነበሮ ይዛረብ።

"ኣብ ኢንተርነት ካብ ሓንቲ ሰብ ገዚአዮ፣ ግን ገለ ናይ ፈይስቡክ መርመራ ገይረ፡ ትኽክለኛ ሰብ መሲላትኒ። ስለዚ ዕድለይ ክፍትን ወሲነ፡"።

ሳይንሳዊ መረዳእታ ዘይምህላዉ ብዙሕ ኣየገደሶን፣ ምኽንያቱ፡ ተመኵሮኡ ኣዝዩ እወታዊ ምንባሩ ይዛረብ።

እቲ ዝኸፍአ ግን ካብ ካልኦት ሰባት ዝገጥሞ ዝነበረ ጸለመ ምዃኑ ይዛረብ።

"ሰባት ብርግጽ ብጐድኒ ዓይኖ'ዮም ዝጥምቱኒ ነይሮም፣ ምኽንያቱ፡ ጸባ ጡብ ንህጻን ከም ዝወሃብ እዮም ዝደልጡ። ከምቲ ሰባት ዝሓስቡዎ ግን ኣይኰነን።"

ዕሸላትከ?

ጸባ ጡብ ደቂ-ሰብ ንጥዕና ዕሸላት ብኸመይ ከም ዝድግፍ እትምርምር ዶክተር ሜጋን ኣዛድ፡ "ፈጺመ ንዓበይቲ ሰባት ጸባ ጡብ ስተዩ ኣይምበልኩዎምን፡" ትብል።

"ይጐድኦም'ዩ ኣይብልን፣ እንተዀነ፡ ነቶም ብሓቂ ጸባ ጡብ ዘድልዮም - ከም ዕድሚኦም ከይኣኸለ ዝውለዱ ህጻናት - ከምኡ'ውን ንኽረኽቡዎ ክቃለሱ ዝኽእሉ ህጻናት ክጐድእ ዝኽእል ሳዕቤን ኣለዎ፡" ኢላ።

ዶክተር ቦደ፡ ትርፊ ዝዀነ ጸባ ሰብ፡ ኣብ ክንዲ ንመኽሰብ ዝሽየጥ፡ ንዝተጸገሙ ህጻናት ክውፈ ኣለዎ ይብል።

"ነቶም ኣዝዮም ተቓላዕቲ ዝዀኑ ህጻናት ንምምጋብ እኹል ጸባ የብልናን። ጸባ ጡብ ኣብ ቅድሚ ዕድሚኦም ከይኣኸለ ዝውለዱ ህጻናት ሕማማት ክፍውስ ዝኽእል ባህርያት ኣለዎ። ህይወት ከድሕን ይኽእል'ዩ።"

ዶክተር ኣዛድ፡ ኣብ ቃልሲ ዝርከባ ኣደታት ብኢንተርነት ንሃነጽቲ ኣካላት ጸባ ብምሻጥ ገንዘብ ክረኽባ ይኽእላ እየን ዝብል ሓሳብ እንተ ሃልይወን፡ እዚ ነቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎን ሓደገኛን ዝንባለ ንዓበይቲ ዝኸውን ጸባ ጡብ ምግዛእ ዝያዳ ከጋድዶ ከም ዝኽእል ይሕብር።

ጀምሰን ግን ናይ ገበን ስምዒት ከም ዘይስምዖ ይዛረብ።

"ሰባት ብጥምየት ዕሸላት ከሲሶምኒ። እንተዀነ፡ ኣብ ኣፍደገ ሆስፒታላት ደው ኢለ፡ ኣደታት ኵሉ ጸባ ክህባኒ ኣይኰንኩን ዝሓትት ዘለኹ።"

ልዕሊ 100 ደቂ ኣንስትዮ ተወሳኺ ጸባ ጡበን ክሸጣሉ ከም ዝፈተና ይዛረብ።

ዕድላት ጥዕናዊ ረብሓታት

ኣብ ዙርያ ጸባ ጡብ ሰፊሕ መጽናዕቲ ኣይተኻየደን ዘሎ።

"ንነዊሕ እዋን፡ ንመጽናዕቲ ዝምውል ሰባት ብዛዕባ ጸባ ጡብ ኣይግደሱን ነይሮም፣ ምኽንያቱ፡ ከም ኣገዳሲ ዘይኰነ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ስለ ዝረኣዩዎ፡" ትብል ዶክተር ኣዛድ።

እዚ ድማ፡ "ተባዕታዊ ኣረኣእያ'ዩ፡" ብምባል ትነቅፍ።

ሕጂ ግን እዚ ዝንባለ ይቕየር ኣሎ።

ብኣንጻር ናይቲ ዓበይቲ ሰባት ጸባ ጡብ ምስታይ ዘስዕቦ ሓደጋታት፡ ሕጂ ገለ ባእታታት ንሓያሎ ሕማማት ዓበይቲ፡ ንኣብነት ንሕማም ሪሕ (ነድሪ መላግቦ)፡ ሕማም ልቢ፡ መንሽሮን ቍጥዐ መዓንጣን ዝኣመሰሉ ፍወሳታት ክውዕል ከም ዝኽእል ይጽናዕ ኣሎ።

ብፍላይ ዶክተር ኣዛድ ኣብ ጸባ ጡብ ዝርከቡ 'ፕሪባዮቲክ ፋይበር' ዝርከቦ 'ኦሊጎሳካራይድስ' (HMOs) ክህሉዎም ብዝኽእል ጥዕናዊ ረብሓታት ኣዝዩ ይሕጐስ።

እዞም ጽሕግታት ብደቂ-ሰብ ዝሕከኹ ዘይኰኑስ ብጠቐምቲ ባክተርያ መዓንጣ ኣብ ህጻናት ጥዑይ ማይክሮባዮም ንምድንፋዕ ይጠቕሙ።

"ተመራመርቲ፡ ኤችኤምኦ ንዓበይቲ ኣብ ከም ነድሪ መዓንጣ ዝኣመሰሉ ኵነታት ንምሕጋዝ ክጥቀምሉ ይኽእሉ ድዮም ዝብል ይርእዩ ኣለዉ። እቲ ማይክሮባዮም ንብዙሕ መዳያት ጥዕናና ኣገዳሲ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና፣ ስለዚ፡ ንማይክሮባዮም መዓንጣ ንምትዕጽጻፍን ንምምሕያሽን ሓደስቲ መንገድታት ክንረክብ እንተ ክኢልና፡ እዚ ኵሉ ዓይነት ረብሓ ክህሉዎ ይኽእል'ዩ። ከምኡ'ውን ካብ ጸባ ጡብ ዝመጽእ ኤችኤምኦታት ብዙሕ ተስፋ የርእዩ ኣለዉ።"

ኣብ 2021 ዝተሓትመ መጽናዕቲ፡ ዶክተር ቦደ፡ ሓደ ኤችኤምኦ፡ ምምዕባል ኣተሮስክለሮሲስ - ናብ ወቕዒ ልብን ወቕዒን ዘስዕብ ምዕጻው ሻምብቆታት ደም - ከም ዘጕድሎ ረኺቡ።

"ባእታታት ጸባ ደቂ-ሰብ ብዘደንቕ መንገዲ ፍሉያት እዮም፡" ይብል ዶክተር ቦደ።

እዚ፡"ብደቂ-ሰብ ንደቂ-ሰብ ዝምዕብል እንኮ ነገር'ዩ።"

ዘይከምቶም ዝበዝሑ መድሓኒታት፡ ሰባት ድሕሪኡ ኣብ ኣካላቶም ብዘእትውዎም ሰብ-ሰርሖ ውህደታት ዝማዕበሉ፡ ውህደታት ጸባ ሰብ ዝያዳ ውሑስን ውጽኢታውን ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይዛረብ።

እዚኦም ርኡይ ተስፋ እኳ እንተ'ለዎም፡ እቲ ሕክምናዊ መረዳእታ ግን ገና ውሑድ እዩ።

ቀጻሊ ሕክምናዊ መጽናዕትታት ክዕወቱ እንተ ክኢሎም፡ እዞም ውህደታት ኣብ ምክልኻል ወቕዒ ልብን ወቕዒን ዓቢይ እጃም ክጻወቱ ይኽእሉ እዮም።

እዞም ሕማማት፡ ዓመታዊ ሞት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ዘስዕቡ'ዮም።

"ብዝሒ ብወቕዒ ልብን ወቕዒን ዝሞቱ ሰባት ብሚልዮን ክትቅንስ እንተ ትኽእል እሞ ሕሰቡዎ፣ ዘገርም ምዕባለ ምዀነ፡" ይብል ዶክተር ቦደ።