እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምኻድን ምዝራብን ዝኸልእ ጠንቍ ዘይተፈልጠ ንሓካይም ኣደናጊሩ ዘሎ ሕማም እንታይ እዩ?
ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሓካይም፡ ብሰንኪ ርኡይ ጠንቂ ዘይብሉ ሳሕቲ ዘጋጥም ኵነታት ሓደ ቈልዓ ከምዝተደናገሩ ይግለጽ ኣሎ።
ወዲ 10 ዓመት ጁድ ኬይል፡ ብሰንኪ እቲ ኵነታቱ ክኸይድን ክዛረብን ኣይክእልን።
ኣብ ኬንት ዝነብር ጁድ፡ ሕጽረት ትንፋሱ እናገደደ ምስከደ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ለካቲት እዩ ናብ ሆስፒታል ሜድወይ ማሪታይም ተወሲዱ።
ኣብዚ እዋን እቲ ህጻን ብመንበር ዓረብያ እዩ ዝንቀሳቐስ።
ብእግሩ ደው ክብልን ቅልጽሙ ወይ ርእሱ ከንቀሳቕስ ኣይክእልን፡ ሓንጐሉ ግን ኣይተጐድአን።
ስድራ ጁድ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሓካይም ጠንቁ ከለልዩ ከምዘይከኣሉ ይዛረቡ።
ጁድ፡ ዘይፍለጥ ዓይነት ሞተር ፖሊኒውሮፓቲ ከምዘለዎ እዩ ተረጋጊጹ - ሞተር ፖሊኒውሮፓቲ ንስርዓተ ነርቭ ዝጸሉ ሕማማት ንምግላጽ ዝውዕል ሓፈሻዊ ቃል እዩ።
ኣቦኡ ፒተር ኬይል፡ "ዳርጋ ኵሎም ኣብ ለንደን ዝርከቡ ሓካይም ስነ-ኣእምሮ ብዛዕባ ኵነታት ጁድ ይፈልጥ'ዮም" ኢሉ።
"ቅሩብ ተስፋታት’ኳ እንተሃለዉ፡ ግን ይሕሾ ኣሎ ክንብል ኣይንኽእልን - ምኽንያቱ ድማ ስለ ዘይንፈልጥ’ዩ።"
ውጽኢት መርመራኡ ኣብ ስጳኛ፡ ጀርመንን ኣመሪካን ከምኡ'ውን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሓካይም ተዘርጊሑ ኣሎ።
ስድራቤት ጁድ፡ ኣብ መስከረም 2022 ኣብ ሞሮኮ ኣብ ዕረፍቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ወዶም ብሕጽረት ትንፋስ ይሳቐ ከምዝነበረ ኣስተብሂሎም።
ናብ ሃገሮም ምስ ተመልሱ፡ ሕማም ኣዝማን ጸገም ምስትንፋስን እንተሃልይዎ ብዝብል መርመራ ተገይሩሉ። ብድሕሪኡ ናብ ክኢላ እዝኒ፡ ኣፍንጫን ጐረሮን ተወኪሱ። ብተወሳኺ ናይ ኢንዶስኮፒን ደምን መርመራ እንተተገብረሉ’ውን እቶም ውጽኢታት ንጹር ኣይነበሩን።
ጁድ ኣብ ለካቲት 2023 ብገለ ዝተጠብሰ ድንሽ ምስ ተሓነቐ ናብ ሕክምና ተወሲዱ፤ ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ድማ ሓደ ክኢላ መርመራ እዝኒ፡ ኣፍንጫን ጐረሮን እቲ ህጻን ጸገም ኤፒግሎቲስ (ኣብ ሱር መልሓስ ትርከብ መግቢ ናብ ግሎቲስ ከይኣቱ እትዓግት ኣካል) ከምዘለዎ ረኺቡ፤ ብዝበለጸ ንምዕዛብ ድማ ንሓደ ለይቲ ክጸንሕ ተገይሩ።
ንጽባሒቱ ንግሆ ውነኡ ኣጥፊኡ፡ ኣብ ለንደን ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ህጻናት ኤቨሊና ተሰጋጊሩ፡ ኣብኡ ድማ ንልዕሊ 300 መዓልታት ክንክን ተገይሩሉ።
ወለዱ፡ ኵነታት ጁድ ከይገድድ ወይ እታ ጓል ክልተ ዓመት ሓፍቱ ኤሎዲ እውን ከየጋጥማ ኣብ ስግኣት ይርከቡ።
"ልዕሊ 300 መዓልታት ኣብ ሆስፒታል ድሕሪ ምጽናሑ፡ ክሳዕ ሕጂ እቲ ጸገም እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጡን፡ ቃል ብቓሉ ድማ ኵሉ ፈቲኖም እዮም" ይብል ፒተር።
ጁድ ኣብ ታሕሳስ ካብ ሆስፒታል ህጻናት ኤቨሊና ወጺኡ፡ ኣብ ሆስፒታል ሜድወይ ማሪታይም ኣርባዕተ ለይቲ ድሕሪ ምጽንሑ ንበዓል ልደት ናብ ገዛኡ ተመሊሱ።
ጁድ፡ እቲ ኵነታቱ ኣካላዊ ጽልዋ'ኳ እንተሕደረሉ፡ ዓቕሚ ኣእምሮ ግን ከምዘሎ እዩ።
ብናይ ዓይኒ ምጥማት ዝሰርሕ ታብሌት እናተሓገዘ ድማ ምጽናዕ ክቕጽል ክኢሉ ኣሎ፤ እቲ ታብለት ኣክንዲ ኣእዳዉ ኣዒንቱ ተጠቒሙ ክእዝዞ ዝኽእል መሳርሒ’ዩ።
"ሕጂ'ውን ኣዒንቱ ከንቀሳቕስ ይኽእል'ዩ" ይብል ፒተር።
"ኣብ ውሽጡ ጁድ ከምዘሎ ስለንፈልጥ ድንቂ'ዩ። ህላወ ጥራይ ዘይኰነስ ህይወቱ ከምዝነብር ከነረጋግጽ ኢና ንደሊ።"
መንበር-መደያይቦ፡ ንኵነታቱ እትምጥን መኪናን ካልኦት ፍሉይ መሳርሒታት ንምግዛእ ምትእኽኻብ ገንዘብ ከምዝጀመሩ ስድራቤቱ ይገልጹ - ድሮ ድማ 14,449 ፓውንድ ኣዋህሊሎም ኣለዉ።