እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
‘ዕላማይ ብስእነት ሕክምና ዓይነስውር ኴንካ ዘይንበረላ ትግራይ ምርኣይ እዩ’- ዶክተር ፍጹም በቀለ
ቅድሚ 30 ዓመታት ሰፊሕ ጸገም ጥዕና ዓይኒ ኣብ ዝነበራ ትግራይ ፈላማይ ስፐሻሊስት ሕክምና ዓይኒ ኰይኑ ከገልግል ዝጀመረ ዶክተር ፍጹም በቀለ ኣብ መንግስታዊ ሆስፒታላትን ኣብ ውልቀ ትካሉን ብርሃን ዓይኒ ኣሽሓት ሰባት ከም ዝምለስ ብምግባር ኣብ ዕብየት ሕክምና ዓይኒ ትግራይ ኣገዳሲ ተራ ተጻዊቱ። በዚ ድማ ብዙሓት ሰባት ‘ፍጹም ብርሃን’ ኢሎም ይጽውዕዎ።
ከቢድ ጸገም ጥዕና ዓይኒ ካብ ዘለዎም ከባቢታት ዓለም ሓንቲ ኣብ ዝዀነት ትግራይ፡ ዶክተር ፍጹም በቀለ ዳርጋ ኣብ ነፍስወከፍ ገዛ ዝፍለጥ ሽም እዩ።
ቅድሚ 30 ዓመት ፈላማይ ስፐሻሊስት ሕክምና ዓይኒ ኣብ ትግራይ ኰይኑ ስራሕ ካብ ዝጅምር ንደሓር ንትምህርትን ስልጠናን ካብ ዝገበሮም ውሱናት መገሻታት ወጻኢ ካብ ትግራይ ተፈልዩ ኣይፈልጥን።
ማእከል ሕክምና ዓይኒ ኲሓን ካልኦትን ካብ ምጥያሽ ብተወሳኺ ብሞያኡ ብርሃን ዓይኒ ኣሽሓት ሰባት ክምለስ ሰሪሑ እዩ።
ኣብ ከተማ መቐለ፡ ቀበሌ 11 (ኢንኮዶ) ዝተወለደ ዶ/ር ፍጹም፡ ካብ 14 ኣሕዋቱ፡ ካብ መወዳእታ መበል ሳልሳይ እዩ።
ኣብ 1972 [ኣግ] ፈተና 12 ክፍሊ ወሲዱ ዝለዓለ ነጥቢ ካብ ዘምጽኡ ተምሃሮ ዝነበረ ተምሃራይ ፍጹም፡ ዓቢይ ሓዉ እኳ ዶክተር እንተዀነ፡ ትምህርቲ ሕክምና ንምጽናዕ ሓሳብ ከምዘይነበሮ ይዝክር።
“ዳይረክተር ቤት ትምህርትና ንኣርባዕተ ዝለዓለ ነጥቢ ዝነበረና ተምሃሮ ሓርዩ፡ ‘ሕክምና እንተመረጽኩም ይሓይሽ’ ኢሉ ነቲ ዝመላእናዮ ቅጥዒ ቀይሩዎ።”
በዚ ድማ ኣብ ኮሌጅ ሳይንስ ሕክምና ጐንደር ኣትዩ፡ ሕክምና ኣጽኒዑ።
ሆስፒታል ኲሓ፡ መሳርሒታተይ ሒዘ መጺአ
ዶክተር ፍጹም ኣብ 1984 [ኣግ] ክኢላ ሕክምና ዓይኒ ንምዃን ኣብ ትምህርቲ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ንሓደ ወርሒ ኣብ ሆስፒታል መቐለ ሰሪሑ ነይሩ። ኣብቲ እዋን ዝረኣዮ ነገር፡ ትምህርቱ ምስወደአ ናብ ትግራይ ክምለስ ከምዘለዎ ክውስን ከምዝገበሮ ይዝክር።
“ሽዑ ኣብ ትግራይ ዝዀነ ዓይነት ሕክምና ዘይነበረሉ ኵነታት ነይሩ። ዝረኣኽዎ ነገር ዘደንግጽ እዩ። መጠን ናይቲ ሕማም፡ ናይቲ ህዝቢ ጸገም፡ እቲ ህዝቢ ንክሕምና ናብ ወሎ ቦሩ ሜዳ ወይ ናብ ኣስመራ እዩ ዝኸይድ ነይሩ። ዝዀነ ዓይነት ሕክምና ኣይነበረን። ሓሓሊፎም ዝመጹ ናይ ግብረ ሰናይ፡ ናይ ካቶሊክ ሚስዮንን እንተዘይኰይኑ ኣገልግሎት ሕክምና ኣይነበረን። ክምለስ ከምዘለኒ ሽዑ ፈሊጠ።”
ስለዚ ናብ ትግራይ ተመሊሱ ኣገልግሎት ሕክምና ዝህበሉ መሳርሕታት ከማልኡሉ ነቶም ናብ ትግራይ ንሓደ ወርሒ ዘምጽእዎ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይን (ማረት) ሀልፕኤጅ ዝተባህለ ገባሪ ሰናይን ውጥን (ፕሮፖዛል) ኣቕሪቡሎም።
ሓሳብ ዶክተር ፍጹም ተቐባልነት ረኺቡ ኣብ ሆስፒታል ኲሓ ክፍሊ ሕክምና ዓይኒ ንምኽፋት ወሲኖም። ድሕሪ ምዝዛም ትምህርቱ፡ ኣብ 1986 [ኣግ] ንሕልናኡ ብዝኣተዎ ቃል መሰረት፡ ናብ ትግራይ ተመሊሱ፤ እንተዀነ ዝጥቀመሎም መሳርሒታት ሕክምና፣ ናይ ስራሕ ቦታን ዝሕግዝዎ ሰብ ሞያን ኣይነበሩን።
ኣብ ሆስፒታል ኲሓ ኣብ ዝተተኸፈተ ፈላማይ ሕክምና ዓይኒ ትግራይ፡ ብናቱ መሳርሒ ሕክምና ስራሕ ከምዝጀመረ ይገልጽ።
“ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገዛእክዋ ካታራክቸት እትበሃል መሳርሒት መጥባሕቲ ሒዘ መጺአ፤ ብኣኣ ጥራይ ኣብ መዓልቲ ኣርባዕተ ሰብ ምስራሕ ምስጀመርኩ፡ እቲ ጸገም ገዚፍ እቲ ኣገልገሎት ውሱን ምዃኑ ግልጺ ነይሩ።”
ፈላማይ ሕክምና ዓይኒ ኣብ ትግራይ ዝዀነ ክፍሊ ሕክምና ዓይኒ ሆስፒታል ኲሓ ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን እኳ መሳርሒታት ሕክምና ከማልእ እንተኸኣለ፡ ሕጽረት ሰብ ሞያ ግን ኣጸጋሚ ከምዝነበረ ዶክተር ፍጹም ይዝክር።
“ሕክምና ዓይኒ ዝፈልጥ ነርስ ይኹን ሓጋዚ የለን። ሓደ ስፐሻሊስት ኣብ ሓደ ሆስፒታል ኰይኑ ከስልጥ ኣይክእልን። ብሱሩ እውን ንዅሉ ዓይነት ሕማም ስፐሻሊስት ኣየድልዮን።
“ስለዚ ታሕተዎት ናይ ዓይኒ ክኢላታት ክስልጥኑ ስለዝነበሮም ካልእ ፕሮፖዛል ኣዳሊና። ሀልፕኤጅ ኢንተርናሽናል ሓጊዞምና። ሽዑ ኣብ ትግራይ 12 ሆስፒታላት ነይረን። ስለዚ ኣብ ሕድሕድ ሆስፒታል ብውሑድ ሓደ ብዛዕባ ዓይኒ ዝፈልጥ ነርስ ክምደብ ብዝብል ከነሰልጥን ኣቕሪብና። መጀመርታ ሽዱሽተ ድሕሪኡ ሰለስተ ናብ ሃገረ ማላዊ ሰዲድና ንሓደ ዓመት ተማሂሮም መጺኦም።”
ብድሕሪኡ ግን ኣብ ሆስፒታል ኲሓ መሰልጠኒ ሕክምና ዓይኒ ብምኽፋት፡ ከቢድ ሕጽረት በዓል ሞያ ዝነበሮ ዓውዲ ሕክምና ትግራይ ከም ዝቃለል ገይሮም።
ሕክምና ዓይኒ ትግራይ ድሕሪ 30 ዓመታት
ኣብታ ከቢድ ጸገም ጥዕና ዓይኒ ዝነበራ ትግራይ ኣብ ኲሓ ሆስፒታል ዝተኸፈተ ሕክምና ዓይኒ እኹል ኣይነበረን። ስለዚ ዶክተር ፍጹምን መሳርሕቱን ኣብ ሆስፒታል ኣኽሱም ካልእ ማእከል መጥባሕቲ ዓይኒ ንምጥያሽ ውጥን ኣቕሪቦም።
“ሕብረት ኣውሮጳን ማረትን ሓጊዞም ነታ ትካል ሰሪሖምዋ፤ ኣቑሑት ድማ ሀልፕኤጅ ኢንተርናሽናል ኣማሊኡልና። ስለዚ ኣኽሱም እውን ናይ ስፔሻሊቲ ዝኸፈትናዮ ባዕልና ኢና።”
ዶክተር ፍጹም በቀለ፡ ን 11 ዓመታት ኣብ ትግራይ እንኮ ስፐሻሊስት ሕክምና ዓይኒ ኰይኑ ጸኒሑ። ብድሕሪኡ ግን ማእከላት ሕክምናን ሰብሞያን እናበዝሑ መጺኦም።
“ኣብዚእዋን፡ ኣብ ሽረ ናይ ባዕልና ሓደ ጨንፈር ኣለና (ናይ ውልቀ)፣ ኣብ ኣኽሱም ናይ መንግስቲ ሰለስተ ስፐሻሊስት ዘለዎ ሕክምና ኣሎ፤ ኣብ ሆስፒታል ዓዲ ግራት ሓደ ስፐሻሊስት ዘለዎ ሕክምና ኣሎ። ኣብ ሆስፒታል ኲሓ ከባቢ 8 ስፐሻሊስት ኣለዉ። 10 ናይ ስፐሻሊቲ ተምሃሮ ወይ ረዚደንትንስ እውን ኣለዉና።
“ስለዚ ካብታ ሓደ ሰብ ጥራይ ዝነበራ፡ ሕዚ ከባቢ 20 ሰብሞያ ዘለዉዋ ትግራይ ኰይና ኣላ ማለት እዩ” ይብል።
ትግራይ ልዕሊ 1.4 ሚእታዊት ምሉእ ዓይነ ስውርነት ዘለዎም ነበርቲ ብምሓዝ ኣብ ኢትዮጵያ ዝለዓለ መጠን ዓይነስዉርነት ካብ ዘለዎም ከባቢታት ከምእተጥቀስ ዝገልጽ ዶክተር ፍጹም፡ ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ዘጋጠመ ጉድኣትን ሕጽረት ምግብን እቲ መጠን ኣዝዩ ክውስኽ ከምዝገበሮ እዩ ዝኣምን።
ብተመሳሳሊ ኣብ ልዕሊ ስርዓተ ሕክምና ትግራይ ዝወረደ ዕንወት፡ ልክዕ ከምቲ ካልእ ዓውዲ፡ ኣገልግሎት ሕክምና ዓይኒ እውን ንድሕሪት ከምዝተጐተተን ፍሉይ ትዅረት ከምዝጠልብን ይኣምን።
“እተን ዝነበራና መሳርሒታት ብሰንኪ እቲ ኲናት ተሰሪቐን፣ ተቓጺለንን ተሰባቢረንን እየን።”
ሆስፒታል ፍጹም ብርሃን
ዶክተር ፍጹም ን 11 ዓመታት ጥራይ እዩ ኣብ መንግስታዊ ሆስፒታል ኲሓ ሰሪሑ።
“ነቲ ሆስፒታል ኣብ ዝብጻሕ ምስ ኣብጻሕኩዎን ካልኣይ ናይ ዓይኒ ስፐሻሊስት ምስመጽአን እቲ ስራሕ ንዕኡ ኣረኪበ ወጺአ” ብምባል ብድሕሪኡ ኣብ ትምህርትን ስልጠናን ጥራይ ከምዝሳተፍ ይገልጽ።
ንሱ ዘጣየሾ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ሆስፒታል ፍጹም ብርሃን፡ ኣብ ትግራይ ዝዓበየ ብውልቀ ዝውነን ሆስፒታል ዓይኒ እዩ። ናይ ባዕሉ ህንጻ ዘለዎን ተሓከምቲ ደቂሶም ዝሕከሙሉን እዩ።
“ኣብ ናይ መንግስቲ እናሃለኹ እውን ክሊኒክ ከፊተ፡ ብትርፊ ሰዓት ምሸት ምሸት 20 ቅርሺ እናኽፈልኩ ሰባት ይምርምር ነይረ” ይብል ጕዕዞ እቲ ኣስታት 25 ዓመታት ዘቝጸረ ትካል እንክገልጽ።
“ቀስ እናበልኩ ዘዕበኽዎ እዩ። ስራሕ ክጅምር እንተሎ ፋይናንስን ሓይሊሰብን ወሳኒ ስለዝነበረ፡ ገንዘብ ካብ ባንኪ ተለቂሐ። ነቲ ህንጻ ንምጅማር ናይ ቤተሰብ ሓገዝ እውን ሓቲተ። እቲ ህንጻ እውን ቀስ እናበለ ነዊሕ ግዘ ወሲዱ እዩ ተሰሪሑ።”
ሆስፒታል ፍጹም ብርሃን ኣብዚ እዋን ዓመታዊ ክሳብ 7 ሽሕ ንዝዀኑ ሰባት ኣገልግሎት ሕክምና ከምዝህብ ወናኒ እቲ ሆስፒታል ዶ/ር ፍጹም ይገልጽ።
ማዕረ ማዕረ እቲ ን ዓሰርተታት ዓመታት ዝሃቦ ኣገልግሎት ሕክምና፡ ዶክተር ፍጹም፡ ብግብረ ሰናይ እውን ብሰፊሑ እዩ ዝለዓል።
ኣብቲ ዝውንኖ ሆስፒታል ዓቕሚ ዘለዎ ከፊሉ ዓቕሚ ዘይብሉ ድማ ብዝኽእሎ ወይ ብነጻ ከምዝሕከም እዩ ዝዛረብ።
“ኣብዚ ዓለም እንታይ ክንገብር ኢና ተፈጢርና? ኢልና ራእይ እንተነቐምጥ ‘ተሓኪሙ ክሓዊ እናኸኣለ ሰኣን ሕክምና ዓይነ ስዉር ኴንካ ዘይንበረላ ትግራይ ምርኣይ’ ዝብል እዩ። ዕላማኻ እዚ እንተዀይኑ፡ ናብ ትካልካ ንዝመጸ ሰብ፡ ክኸፍል ዓቕሚ ስለዘይብሉ ክትመልሶ ኣይትኽእልን። ስለዚ ዝኸኣለ ይኸፍል። ፍርቂ እየ ዝኽእል ዝበለ እውን ንቕበሎ። ዓቕሚ ዘይብሉ ድማ ብናጻ ይሕከም። ‘ክትሓዊ ትኽእል ኔርካ ገንዘብ ስለዘይብልካ ግን ተመለስ እንተኢልካዮ’ ካብቲ ዝበጽሖ ጸገም ንስኻ ዝበደልካዮ ይገድድ” ይብል።
ዶ/ር ፍጹም ከምዝብሎ እቲ ትካል ንዝመጽዎ ጥራይ ዘይኮነስ ከምቲ መንግስታዊ ትካላት ዝገብርዎ፡ ክመጹ ናብ ዘይክእሉ ሰባት ከይዱ ብወፈራ ሕክምና ናጻ ኣገልግሎት ይህብ።
“ከምቲ ኣብ መንግስቲ ዝግበር ‘ኣውት ሪች’ ዝበሃል፡ ብናይ ባዕልና ትራንስፖርት ኬድና፡ ኣብ ጣብያን ወረዳን ካብ ዝተኣከቡ ካብ 500 ክሳብ 600 ሰባት መርሚርና፡ ካብ 50 ክሳብ 60 ሰባት፡ ብናይ ባዕልና ትራንስፖርት ኣምጺእና፡ ኣብ ናትና ሆስፒታል ኣደቂስና፣ ብነጻ መጥባሕቲ ጌርና፣ ብናይ ባዕልና ትራንስፖርት ንመልሶም። ቀለቦም ጥራይ ኢና ሒዝኩም ምጹ እንብሎም።”
በዚ መሰረት ኣብ ዓመት ክሳብ “ሓደ ሽሕ ሰብ ብናጻ መጥባሕቲ” ከምዝግበረሎም እውን ይጠቅስ።
ነዚ እዮም ሰባት “ፍጹም ብርሃን” ኢሎም ዝጽውዕዎ።
“ሽመይ ፍጹም በቀለ እዩ። በቲ ስራሕ ምኽንያት ሰባት ብርሃን ብምርካቦም ዝበዝሑ ሰባት ‘ዶክተር ፍጹም ብርሃን’ ኢሎም እዮም ዝጽውዑኒ። ሽም እቲ ትካል ካብዚ እዩ ተወሲዱ።”
ህይወትና ብዘሐጕሱን ዘሕዝኑን ዝተመልአ እዩ
ን ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ሓኪም ዓይኒ ኰይኑ ኣብ ምስራሕ ዝርከብ ዶክተር ፍጹም፡ ንኽንደይ ዝኣኽሉ ሰባት መጥባሕቲ ከምዝገበረን ብርሃኖም ከምዝመለሰን ኣይፈልጦን።
ወፍሪ ሕክምና ዓይኒ ኣብ ዝገብረሎም እዋናት ኣብ መዓልቲ “ክሳብ 100 ሰባት መጥባሕቲ” ዝገበረሎም መዓልቲታት ይዝክር።
“ኣነን ዝሓዝኩዎ ጕጅለን ኣብ ዓመት ክሳብ 20 ሽሕ መጥባሕቲ ዘካየድናሉ እዋን ነይሩ። ሎሚ ኣብ ናይ ውልቀ ትካለይ ኣብ ዓመት ክሳብ 7 ሽሕ መጥባሕቲ ንሰርሕ። ስለዚ ብዓመት ማእከላይ 10 ሽሕ እኳ እንተወሲድካስ ብዙሕ እዩ።”
እንተዀነ እዚ ብርሃን ዓይኒ ሰባት ዝመልስ ስርሑ ማዕረ እቲ ዘሐጕሶ ዘጕህዮ ነገራት ከምዘለዎ እዩ ዝዛረብ።
“መዓልታዊ ህይወትና ብዅሉ ነገር ዝተመልአ እዩ። እቲ ዘሐጕስ፡ ሓኪምካ ብርሃን ዓይኖም እንትምለስ ‘ህይወቶም ከምዝተቐየረ፡ ጸሓይ ከምዘትሐዝካዮም’ ክነግሩኻ ትሕጐስ።
“ገሊኦም ኣብ ንእስነቶም፡ ኣብ ዝሰርሑሉን ቤተሰብ ኣብ ዝጥውሩሉን ሰዓት፡ ተጠወርቲ ኰይኖም፡ እሞ ሰኣን ኣብ እዋኑ ምምጻኦም ብርሃን ዓይኖም ንዘልኣለም ዝሰኣንዎ ከጋጥሙኻ ከለዉ፡ ናቶም ጸገም ዘይኰነስ ናትና ከምዝኾነ ኢና እንወስዶ። ‘ንሕና ኣምሂርናዮም፡ ኣፍሊጥናዮም፡ ኣብ ቀረባ ሕክምና ሰሪሕናሎም እንተንኸውን፡ ኬድና እንተንምርምሮም ኣይምጠፍኡን’ ኢልና ንጠዓስ” ይብል።
ብዙሓት ንልዕሊ 10 ዓመት ዝዓወሩ ሰባት ሕክምና ተገይሩሎም ምርኣይ ምስጀመሩ፡ ብዕልልታን ታሕጓስን ስምዒቶም ክገልጹ ምርኣይ ልሙድ ከምዝዀነ እዩ ዝጠቅስ።
ደቀይ ክትክኣኒ ይሰርሕ ኣለኹ
ወዲ 61 ዓመት ዶ/ር ፍጹም በቀለ፡ ኣቦ ኣርባዕተ ቈልዑ እዩ።
በዅሪ ውላዱ ግን ናይ መንፈስ እምበር ናይ ስጋ ውላዱ ኣይኰነን።
ኣብ 1979 [ኣግ] ሓኪም ኰይኑ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ምስተመደበ ዘጋጠሞ ይዝክር።
“ሓደ ኣብ ደገ ተሓዲጉ ዝተረኸበ ህጻን፡ ንምግብና ናብቲ ሆስፒታል ስለዘምጽእዎ ኣነ ተቐቢለ ኣዕብየዮ። ካብ መስከረም 1980 [ኣግ] ጀሚሩ ምሳይ ዓብዩ። ሕዚ ዓብዪ ሰብኣይ ኰይኑ፤ ተመርዕዩ። በዓልቲ ቤቱ ዶ/ር እያ። ናይ ዓይኒ ስፔሻሊስት ትመሃር ኣላ።”
ኣብ ናይ 22 ዓመት ሓዳሩ ድማ ምስ በዓልቲ ቤቱ ሰለስተ ቈልዑ ኣፍርዩ።
“በዅሪ ጓለይ ኮሌጅ ኣትያ ኣላ። ኣብ ኣመሪካ እያ ዘላ። እታ ካልኣይቲ 18 ዕድመኣ እውን ሕዚ ናብ ኮሌጅ ሓሊፋ ኣላ። እቲ ሳልሳይ ድማ ወዲ 15 ዓመት ኰይኑ ሕዚ ካብ 9 ይ ናብ 10 ይ ሓሊፉ ኣሎ።”
ዶ/ር ፍጹም ደቁ ሕክምና ዓይኒ ኣጽኒዖም ነቲ ትካል ክቕጽልዎ ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ።
“ኵሉ ግዘ ክነብር እየ ኢለ ስለዘይሓስብ፡ ደቀይ ስፐሻሊስት ዓይኒ ገይረ፡ ነቲ ትካል ከቐጽልዎ ይሰርሕ ኣለኹ።”
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ምስ ካልኦት ሰባት ኰይኑ ካልእ ዓቢ ሆስፒታል ዓይኒ ንምህናጽ ኣብ ምንቅስቓስ ከምዝርከቡ ንቢቢሲ ገሊጹ።