እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ ከምቲ ናይ 77 ሓደጋ ጥምየት ከምዘንጸላለዋ ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ኣፍሊጡ
እታ ብሰንኪ ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኵናት ኣመና ዝተሃሰየት ትግራይ፡ ምስቲ ኣብ 1977 [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ዝዳረግ ‘ሞትን ጥምየትን’ ኣንጸላሊይዋ ከምዘሎ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጌታቸው ረዳ ኣፍሊጡ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ትማሊ ኣማስዩ ዘውጽኦ መግለጺ “91 ሚኢታዊት ትግራይ ሓደጋ ሞትን ጥምየትን ኣንጸላሊይዎ ኣሎ” ኢሉ።
ሰበስልጣን መንግስቲ ፌደራል ግን “ጥሜት ኣሎ” ንዝብል ነጺጎሞ።
ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ሕዳር ትግራይን ማእኸላይ መንግስትን ኣብ ኲናት እዮም ነይሮም።
ብሰንኪ እቲ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስቲ፣ መሻርኽቱን ሓይልታት ትግራይን ንክልተ ዓመት ዝተኻየደ ኵናት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት ከምዝሞቱ ይግመት።
እቲ ኵናት መነባብሮ ሕርሻ ንኽዓንዉ መንቀሊ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ንኽነብሩ ስለዝተገደዱ ትግራይ ንብዙሕ ማሕበረ ቁጠባዊ ጸገማት ከምዝተቓለዐት ዝፍለጥ እዩ።
ነዚ ስዒቡ ኣብ ገለ ከባቢታት ዘጋጠመ ድርቂ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ስለዝወተሰኾ ነቲ ኩነታት ከምዘጋደዶ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ገሊጹ።
ምምሕዳር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ምስተፈረመ’ዩ ተመስሪቱ።
ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ኣቐዲሞም ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ብጥሜት ከምዝሞቱ ገሊጾም ነይሮም።
ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ትግራይ "ዝጋደደ ዘሎ ቅልውላው ውሕስነት መግቢ" ክብል ገሊጽዎ ነይሩ።
ኣሜሪካን ሕቡራት ሃገራትን ኣብ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ምጥፍፋእ ረድኤት ተቛሪጹ ዝጸንሐ ሓገዝ መግቢ ዳግማይ ከምዝጅምራ ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣፍሊጠን ከምዝነበራ ዝዝከር እዩ።
ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ጣልቃ ብምእታው ህይወት ሰባት ከድሕኑ ተማሕጺኑ።
ኮሚሽን ምሕደራ ሓደጋታት መንግስቲ ፌደራል ግን ኣብ ኢትዮጵያ ጥሜት ከምዘጋጠመ ዝግለጽ ጸብጻባት ብምንጻግ፡ መንግስቲ ብድርቂ ንዝተሃስዩ ሰባት ደገፍ ንምሃብ ጻዕርታት ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ።