ትግራይ፡ ‘ቈጽሊ እናበላዕኩ ኣብ ጐቦ ገርዓልታ ክልተ ወርሒ ተቐሚጠ’

መስራቲ ‘ገርዓልታ ኣድቬንቸር ቱርስ’ ገብረህይወት ረዳኢ፡ ንልዕሊ 11 ዓመታት ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ክነጥፍ ጸኒሑ።

ኣብ እዋን እቲ ንኽልተ ዓመታት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ግን፡ ንሓያሎ ስነ-ልቦናውን ቍጠባውን ክሳራታት ተቓሊዑ ጸኒሑ።

ንሱ፡ ኣብ መጀመርታ ኣዋርሕ እቲ ኲናት መንበሪ ገዛኡን ንስርሑ ተገልግል ዝነበረት መኪናን ከም ዝተቓጸሉን፣ ኣብ ጕዕዞ ዝጥቀመሎም ዝነበሩ ኣቝሑ (ሓዀርቲ ዝጥቀሙሉም 19 ቴንዳ ከምኡ’ውን ልዕሊ 45 ስሊፒን ባግን) ከም ዝተዘምተን ይገልጽ።

“ኲናት ልዕሊ ዓቕምና’ዩ ነይሩ። ክልተ ወርሒ ኣብ ጐቦ ተቐሚጠ እየ - ምስ ስድራይ፤ ክልተ ቈልዑ ኣለውኒ። ሓሙሽተ መዓልቲ ቈጽሊ በሊዕና ኢና፤ ገልዒ በለስ ዕሾኽ ጨልቢብና በሊዕና ኢና . . . ከቢድ ነይሩ” ክብል ይዝክሮ።

ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ናብ ገዛኡ ክምለስ እንከሎ ግን፡ ኣስክሬን ወዲ 72 ዓመት ኣቦኡ ኣብ ዕጽው ገዛ ከም ዝረኸቦ ይዛረብ።

“ብጣዕሚ ከቢድ . . . ከተልዕሎ እንከለኻ ጭንቂ ዝወልደልካ ነገር’ዩ። ሓደ ለይቲ ብቢንቶ ተሳጊረ ናብ ገዛይ ምስ ከድኩ’የ ወዲ 72 ዓመት ቀሺ ወላዲየይ ተቐቲሎም ጸኒሖምኒ። እቲ ኣስክሬን ጨና ፈጢሩ’የ ረኺበዮ። እዚ ዅሉ ተደሚሩ ክብድ ዝበለ፣ ልዕሊ ቃላት ዝዀነ ነገር’ዩ።”

እቲ ኲናት፡ ኣብ ሰብን ንብረትን ካብ ዘስዓቦ ዕንወትን ብርሰትን ብዝሰገረ ነቲ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ንብርክት ዝበሉ ሰባት ሒዙ ዝጸንሐ ዓውዲ ቱሪዝም እቲ ክልል’ውን ሃስዩዎ ይርከብ።

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ንሰብመዚ ቱሪዝም ኢትዮጵያ ብምጥቃስ ዝወጽኡ ጸብጻባት፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ከምኡ’ውን ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ኲናትን፡ እቲ ኢንዱስትሪ ክልተ ቢልዮን ዶላር ከም ዝኸሰረ የመልክቱ።

እቲ ኣብ ሕዳር ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጐ መንግስቲ ፈደራልን መራሕቲ ትግራይን ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ሚኒስትሪ ቱሪዝም እቲ ብኲናት ሓድሕድ እታ ሃገር ዝተጸልወ ኢንዳስትሪ ዳግማይ ንምብርባር ጻዕርታት ይገብር ከም ዘሎ ይግለጽ።

‘ሕብረሰተብ ሰላም መጺኣ ክብል ጀሚሩ’

ገብረህይወት፡ ድሕሪ ልዕሊ ክልተ ዓመታት ኣብ መወዳእታ ሰሙን ዝሓለፈ ጥሪ 2023 ንፈለማ እዋን በጻሕቲ ዓዲ ብምቕባል ናብ ስርሑ ተመሊሱ ኣሎ።

መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ ጐቦታት ገርዓልታን ዓፋርን ናብ ዝርከቡ መስሕባት ኣጋይሽ ይመርሕ።

“ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ምሳይ ተጓዒዙ ዝነበረ ስዊዘርላንዳዊ ጋሻ፡ ‘ድሕሪ ኲናት፡ ትግራይ ክርእያ ይደሊ’የ’ ስለ ዝበለኒ ብ23 ጥሪ ንፈለማ እዋን ኣብ ትግራይ በጻሒ ዓዲ ተቐቢለ” ይብል።

ክሳብ ሕጂ ድማ፡ ኣብ ትግራይ ኣስታት 32 ጕጅለ በጻሕቲ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ተቐቢሉ ከም ዝሰርሐ ገሊጹ። ሓንቲ ጕጅለ ብማእከላይ ገምጋም ካብ 2 ክሳብ ሓሙሽተ ሰባት ትሕዝ፤ ክሳብ ኣርባዕተ መዓልታት ከም ዝጸንሑ’ውን ሓቢሩ።

“እቲ ናይ መጀመርታ ዳርጋ ሕልሚ’ዩ ነይሩ፤ ናይ እማን ድየ ናብቲ ዝፈትዎ ሞያይ ተመሊሰ ኢለ ክኣምኖ ኣይክኣልኩን።”

ገብረህይወት፡ ቅድሚ እቲ ኲናት ጽቡቕ ናብራን ኣታውን ስለ ዝነበሮ፡ ኣብ ትሕቲኡ ኣስታት ሓሙሽተ ሰባት’ውን ዕድል ስራሕ ፈጢሩ ምንባሩ ይዛረብ።

“ሕዚ፡ ጸንቂቕና ንሰርሕ ኣለና፤ እቲ ሕብረተሰብ’ውን ነቲ ጋሻ ክሪኦ እንከሎ ‘ተመስገን እዚኦም ምምጻእ እንተጀሚሮምስ፡ ሰላም ተመሊሱ ማለት’ዩ’ ዝብል” ብምባል ነቲ ዓውዲ ተስፋ ዝህቡ ምዕባለታት ምህላዎም ጠቒሱ።

ቍጠባውን ማሕበራውን ቅልውላው ነበርቲ ኣኽሱም

ውርሻታት ስልጣነ ዘመነ ኣኽሱም፡ ሰፊሕ ከባቢታት ትግራይ'ዮም ሸፊኖም ዝርከቡ።

ሓወልቲ ኣኽሱም ድማ፡ ኢትዮጵያ ኣብ መዝገብ ዝድህሰሱ ሓድጊታት ዓለም፡ ትካል ባህሊ፡ ትምህርትን ሳይንስን [ዩኔስኮን] ዘመዝገበቶ ሃብታ'ዩ።

ዓመታዊ ልዑል ቍጽሪ ዘለዎም በጻሕቲ ዓዲ ካብ ውሽጢን ወጻእን ክኣ ከተማ ኣኽሱም ይበጽሑ።

ተምሃሮን ምሁራትን ዩኒቨርሲቲታት'ውን ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣብ ዙርያ ኣኽሱም የዳልውን ብቐረባ ይመሃርሉን። ካብዚ እታ ከተማ እትረኽቦ እቶት ኣሎ።

እዚ ንዝሓለፉ ዓመታት ተሰናኺሉ ብምጽንሑ ብርክት ዝበሉ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ኣብቲ ዓውዲ ብምንጣፍ እቶት ዝረኽቡ ዝነበሩ ሰባት፡ ንዝተፈላለዩ ማሕበራውን ቍጠባውን ቅልውላዋት ተቓሊዖም ጸኒሖም።

ቅድሚ ኢሉ፡ ኣብ ዓመት ኣስታት 18 ሽሕ በጻሕቲ ዓዲ ናብ ኣኽሱም ይበጽሑ ከም ዝነበሩን፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣስታት 1,500 ወጻእተኛታት ይበጽሑ ከም ዝነበሩን ጸብጻባት ቤት ጽሕፈት ቱሪዝም እታ ከተማ የመልክቱ።

ይዅን’ምበር ድሕሪ’ቲ ኲናት ቍጽሪ በጻሕቶ ናብቶም ታሪኻዊን ጥንታዊን ቦታታት ኣዝዩ ኣንቈልቊሉ ጸኒሑ።

ኣብ እግሪ ቐጽሪ ሓወልቲ ኣኽሱም ብኢድ ዝተቐርጹ መሳቕልን ካልኦትን ብምሻጥ ዝመሓደር ዝነበረ መንእሰይ ግርማይ ተኽለ፡ ኣብ ንቡር እዋናት ካብ መስከረም ክሳብ ሚያዝያ ኣብ ዘሎ ግዜ ብርክት ዝበሉ ኣጋይሽ ዝመጽእሉ እዋን ምንባሩ ይዝክር።

በብዓመቱ ኣማኢት ኣሽሓት ሰዓብቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ፡ ከምኡ’ውን በጻሕቲ ዓዲ ኣብ ሕዳር ናብ ኣኽሱም ብምኻድ በዓል ሕዳር ጽዮን ኣብ ኣኽሱም የብዕሉ ምንባሮም ይገልጽ።

“እዚ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ጠፊኡ፣ ብሓዘን ብወተሃደራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተቐትሉ ኣሕዋትናን መተዓብይትናን ጐስቊልና ኢና ጸኒሕና። እንጀራና’ውን ምስኡ ጠፊኡ። ሕዚ ድሕሪ ሰላም ኣጋይሽ ክመጽኡ ይርኢ ኣለኹ፤ በዚ ሕጕስ’የ” ይብል።

በዓል ሕዳር ጽዮን እዚ ዓመት፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብድምቀት ከም ዝተኸብረ ይፍለጥ።

ኣብቲ ክልል፡ ካብ ሓወልታትን ገዳማትን ኣኽሱም ብዝሰገረ፡ ንሓዀርቲ ዝምችኡ ጐቦታትን ኣኽራናትን፡ ኣብያተ ክርስቲያናት ማርያም ደንገላት፣ መስጊድ ኣል-ነጃሺ፡ ጐቦታት ገርዓልታ፡ ሕዛእቲ ቃፍታ ሸራሮ ዝኣመሰሉ ጸጋታት ኣብ ኢንዳስትሪ ቱሪዝም ትግራይ ልዑል ኣበርክቶ ክገብሩ ከም ዝጸንሑ መስራቲት ‘ኣፍሪካ ቱር ጋይድ’ ዝዀነት ክኢላ እቲ ዓውዲ ንግስቲ ሰለሞን ትገልጽ።

“ሰብ ካብ ሓደ-ሓደ ናብ ካልእ ዓዲ ዝኸደሉ ምኽንያት ኣብኡ ዘየለ ግን ኣብ ካልእ ዘሎ ንምርኣይ ስለ ዝዀነ” እዚ ዓቢይ ዓቕሚ ትግራይ’ዩ ኢለ እየ ዝሓስብ። ባህላዊ ኣሰራርሓ ገዛውቲ፡ ባህላዊ መግቢታትን ኣከዳድናን በጻሕቲ ዓዲ ንምስሓብ ተወሳኺ ዓቕሚ ክዀኑ ዝኽእሉ’ዮም ክትብል ተረድእ።

እቲ ኲናትን ንዕኡ ስዒቦም ዝመጽኡ ማሕበረ-ቍጠባዊ ቅልውላዋትን ግን እቶም ምንጪ እቶቶም ዝነበረ ውልሰባትን ክፋላት ማሕበረሰብን ንጸገማት ከም ዝተቓልዑ ጠቒሳ።

"ካብ ኮቪድ ጀሚሩ ብጣዕሚ’ዩ ሃስዩና፤ እቲ ማሕበረሰብ ቍጠባኡ ተሃስዩ፤ ሆቴላት፡ ሰብ መኪና፡ ብቱሪዝም ዝንቀሳቐስ ዝነበረ ማሕበረሰብ ብምሉኡ’ዩ ተሃስዩ፤ ሆቴላት ተሰሪቘ፥ ተቓጺሎምን ዓንዮምን፤ ከም ኣል-ነጃሺ ዝበሉ ሓድጊታት ብከቢድ ብረት ተወቒዖም፣ ንዋየ ቅዱሳት ተሰሪቘም’ዮም። ዝሞቱ መሳርሕትና ኣለው፤ ብስነ-ልቦናን ቍጠባን ጐዲኡና’ዩ።”

ብድሆታት ትንሳኤ ቱሪዝም ኣብ ትግራይ

ምንቅስቓስ ቱሪዝም እቲ ክልል ካብቲ ኲናት ወጻኢ ብኻልኦት ዝተፈላለዩ ጸገማት ብዙሕ ከይሰጐመ ዝጸንሐ ምዃኑ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ይገልጹ።

ቱሪዝም ውሽጢ ዓዲ ከምኡ’ውን ስርሓት ምልላይ ኣዝዮም ድኹማት ምዃኖም እቲ ሓደ ኰይኑ፡ ምሁራትን ተመራመርትን ስነ-ኵዕታን ታሪኽን ዝዀኑ ውልቀሰባት ሰባት ኣብ ሚድያ እኹል ስራሕ ዘይምስርሖም ድማ ካልእ ምኽንያት ከም ዝዀነ ክኢላ እቲ ዓውዲ ንግስቲ ትዛረብ።

“ኣብዚ ብዙሕ ዝንእዶ ሓድጊ-ቱሪዝም’ዩ፤ ክሳብ ካርታ ብምስራሕ ጽቡቓት ምልላያት’ዩ ዝሰርሕ። ብዓቢኡ ግን ባዕልና ናብቶም ቦታታት ኬድና ኣብ ምርኣይ ኰነ ምልላይ ውሑድ ውፍይነት እዩ ዘሎ።”

“ካልኣይ፡ ንዓይ ቢሮ ቱሪዝም እቲ ክልል (ቅድሚ እቲ ኲናት) ዝደኸመ እዩ ነይሩ፤ ትግራይ ኣብ ምልላይ፡ ሰብ-ሞያ ኣብ ምብቃዕ፡ ኬድካ ክትትል ኣብ ምግባር፡ ብመንግስቲ ዝተሰርሐ ኣይነበረን፤ እኹል ትዅረት ኣይተዋህቦን። እቲ ክልል እንተሰሪሑ’ዩ ክኣ ፈደራል’ውን ክድግፍ ዝኽእል” ኢላ።

ካብዚ ብዝብገስ ኣብቲ ዓውዲ ዝነጥፉ ሰብ ሞያ ዕጉባት ከም ዘይነበሩ፡ በጻሕቲ ዓዲ’ውን ጻንሒቶም ኣዝዩ ሓጺር ክኸውን ኣበርክቶ ይገብር ከም ዝነበረ ተዛሪባ።

እቲ ኣብ ጐረቤት ክልል ኣምሓራ ዘሎ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ ድማ ኣብ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ትግራይ’ውን ጽልዋ ከም ዘሕደረ እቶም ሰብ ሞያ ይገልጹ።

ቱሪዝም ክልላት ኣምሓራ፡ ትግራይን ዓፋርን ተመጋጋቢ ከም ዝዀነን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝጓዓዙ በጻሕቲ ዓዲ ኣብ ሰለስቲኡ ክልላት ዘለው መስሕባት ብሓደ መደብ ክበጽሑዎም ድልየት ከም ዘለዎም፡ መራሒ በጻሕቲን ክኢላታት ቱሪዝምን የረድኡ።

“ሓደ በጻሒ ዓዲ፡ ካብ ርሑቕ ዓዲ ኣሜሪካ፡ ኣውሮጳን ኤስያን ናብ ኢትዮጵያ ክመጽእ እንከሎ ፍሉይ ድልየት እንተዘይሃልይዎ ናብ ትግራይ ጥራይ ኢሉ ኣይመጽእን። እቲ ቱሪዝም ኣብ ዓፋር ሰሪሑ ትግራይ፣ ኣብ ሰሪሑ ኣብ ትግራይ እናበለ በዚ ምትእስሳር እዚ’ዩ ዝሰርሕ” ይብል ገብረህይወት።

ንግስቲ ካልእ ዓቢይ ብድሆ ኢላ እተልዕሎ ግን፡ መንግስታት ፈደራልን ትግራይን ድሕሪ ኲናት ጠጠው ምባሉ ቱሪዝም እቲ ክልል ክፉት ምዃኑ ወግዓዊ ዘይምግባሮም እዩ ትብል።

“ቱሪዝም ትግራይ ናብ ንቡር ተመሊሱ’ዩ ኢልካ ወግዓዊ ዘይምግባር ጸላዊ’ዩ፤ ምኽንያቱ ኲናት ከም ዘሎ ዝፈልጥ በጻሒ ዓዲ እዩ ዘሎ።”

ቱሪዝም ብምጅማሩ ዝልምልም ተስፋ

ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ መራሕቲ በጻሕቲ ዓዲ፡ ኣወሃሃድቲ ጕዕዞን ካልኦት ነቲ ዓውዲ ኣገደስቲ ዝዀኑ ኣካላትን ብዙሓት ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትሕቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝርከባ ከባቢታት ኣብ ዘለው መስሕባት ቱሪዝም ምብጻሕ ገይሮም ነይሮም።

እቲ ኢንዳስትሪ ኣቐዲሙ ብለበዳ ኮቪድ-19 ደው ኢሉ ክጸንሕ እንከሎ፡ ካብኡ ከይሓወየ እንከሎ ኲናት ብምምጽኡ ግን እቲ ክሳራታት ኣዝዩ ልዑል ክኸውን ከም ዝገበሮ ሓላፊ ቢሮ ቱሪዝም ትግራይ ተመራማሪ ቱሪዝም ዩኒቨርሲቲ መቐለ ዶክተር ኣጽብሃ ገብረእግዚኣብሄር ይገልጽ።

“ሎጃት፡ ባህላዊ ኣብያተ ብልዒን ሆቴላትን ዓንዮምን ተዘሚቶምን’ዮም። እቲ መሰረተ ልምዓት ክሳራታቱ ብዙሕ ኰይኑ፡ ስራሕ ይደልዩ’ዮም፤ “ብዳብል ክራይስስ ኢና ተወቒዕና” ኢሉ።

ሕጂ እቲ ኢንዳስትሪ ምንቕቓሕ የርኢ ምህላው፡ ካብ ቍጠባዊ ረብሓኡ ብዝሰገረ ኣብቲ ማሕበራዊ ባእታ ዝህልዎ ደገፍ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ዝገልጽ ዶክተር ኣጽብሃ፡ ዝተበጣጠሱ ማሕበራዊ ምትእስሳራት ኣብ ምጽጋን፡ እቲ ሰላም ዘላቒ ኣብ ምግባር ልዑል እጃም ክህልዎ የተስፉ።

“ቱሪዝም ብዛዕባ ሰብኣውነት’ዩ፤ ስለ ዝዀነ ድማ ዓቢይ ናይ ምሕዋይ (ሂሊን') ዓቕሚ’ዩ ዘለዎ። መብዛሕትኦም መስሕባት ትግራይ ዳርጋ ኣብ በረኻታት ዘለው ተፈጥሮኣዊ፡ ሓድጊታትን ገዳማትን መሳጊድን ስለ ዝዀኑ፡ እዚኦም ክዓንው እንከለው ሰብ ንዕኦም ክከላኸል ክብል ብዙሕ ህይወቱ ኣጥፊኡ’ዩ። ስለዚ፡ ሓድጉ ክቃጸል፡ ክፈርስ፡ ክዝመት፡ ክበርስ እንከሎ ዝርኣየ ዜጋ ሕዚ እቲ ኢንዳስትሪ ሓውዩ ክርእዮ እንከሎ፡ ጠንካራ ሓይሊ ሕውየት’ዩ ዘሎ” ኢሉ።

ኣብ መወዳእታ 2020 ዝነበረ ጸብጻባት እቲ ቤት ጽሕፈት፡ ቍጽሪ ኣጋይሽ ኣብ ዓመት ልዕሊ 90 ሽሕ በጺሑ ከም ዝነበረ የመላኽት።

ብርክት ንዝበሉ ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ግዝያውን ቀዋምን ዕድል ስራሕ ፈጢሩ ልዑል እቶት ዝገብር ዝነበረ ኢንዳስትሪ’ዩ።