ትግራይ፡ 'ካብ 1977 ዝገደደ ድርቂ እዩ ኣጋጢሙና ዘሎ'- ሰብመዚ

ኣብ ትግራይ ብዘጋጠመ ድርቂ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት እቲ ክልል፡ ልዕሊ 2 ሚልዮን ህዝቢ ንሓደጋ ጥምየት ከምዝተቓለዐ ሰብ መዚ ኣፍሊጦም።

ህይወት ናይቶም ብሰንኪ ድርቂ ንጥምየት ዝተቓልዑ ሰባት ንምድሓን ሓገዝ ዘተኣኻኽብ ፡ ብፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝምራሕ፡ ክልላዊ ሓይሊ ዕማም ዝተጣየሸ ኣሎ።

ፕረዚደንት ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ “ሰብኣውነት ዝስመዖ ኩሉ ሓገዝ ክገብር” ጻውዒት ከምዘቕረበ ቴሌቪዥን ትግራይ ጸብጺባ።

ኣብታ ንኣስታት ክልተ ዓመት ደማዊ ኲናት ዝተኻየደላ ትግራይ፡ ሕጽረት ዝናብ ብምግጣሙን ትካላት ረድኤት ሰብኣዊ ሓገዝ ብምቁራጾምን ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ከምዘለዉ ሰብመዚ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ጸኒሖም።

ውድብ ምግቢ ዓለምን ትካል ልምዓት ኣመሪካ ዩኤስኤኣይዲን፡ ሓገዝ ንዘድልዮም ዝመጸ ረድኤት ኣብ ዘይመዓልኡ ውዒሉ፡ ብምባል ዕደላ ምግቢ ደው ካብ ዘብሉ ኣዋርሕ ኣቒጺሮም ኣለዉ።

እቲ ክልላዊ ሓይሊ ዕማም ዕላዊ ኣብ ዝተገበረሉ መድረኽ፡ ኮምሽነር ኮምሽን ምክልኻል ሓደጋን ቅድመ ድሉውነትን ትግራይ ዶ/ር ገብረህይወት ገብረእግዚኣብሄር፡ ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ድርቂ ከምዘጋጠመ ምግላጹ ማዕኸናት ዜና እቲ ክልል ጸብጺበን።

“ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት፡ 32 ወረዳታት፡ 196 ጣብያታትን እዩ እቲ ከቢድ ድርቂ ኣጋጢሙ ዘሎ። ካብ (ተሓራሲ) መሬት ትግራይ 48 ምኢታዊት ጥራሕ እዩ ተሓሪሱ። ምዕራብን ደቡብን ትግራይ ኣብ ኢድ ካልኦት ሓይልታት እዩ ዘሎ። ካብዚ 48 ምኢታዊት እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ 3 ዞባታት ዝነበረ ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብ ምንም የብሉን።”

ነቲ ድርቂ ስዒቡ ብዘጋጠመ ጥምየት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ጥራይ፡ 25 ህጻናት ዝርከቡዎም 400 ሰባት ምሟቶም እውን እቲ ኮምሽነር ገሊጹ።

“እቲ ከቢድ ዝበሃል ድርቂ ኣብ ትግራይ ኣብ 1951ን 1977 ን (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ዝነበረ እዩ፤ ካብኡ ዝገደደ እዩ ገጢሙና ዘሎ። በዚ ድርቂ እዚ (ኩነታት) ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ናብ ጥምየት ዓብዩ ኣሎ። ኣብታ ዝሓለፈት ወርሒ ናብ 400 ዝኾኑ ወገናት ብሰንኪ ጥምየት ህይወቶም ስኢኖም ኣለዉ።

“ 83 ኣብ ኣበርገለ የጭላ፣ 66 ዝኾኑ ኣብ ኣጽቢ፣ 77 ዝኾኑ ኣብ ኢሮብን ጋንታ ኣፈሹምን፡ 208 ኣብ እንዳባጻሕማ [ሞይቶም]። ካብዚኦም 25 ህጻናት ይርከብዎም” ኢሉ።

ካብ 2019 ኣኣ ጀሚሩ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምዕሩይ ወቕታዊ ዝናብ ከምዘይነበረ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት የረድኡ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን፡ ንክልተ ዓመታት ዘካየድዎ ኲናት ደው ንምባል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ውዕሊ ሰላም ምፍርራሞም ስዒቡ ናብ ምርግጋእ እትምለስ ዘላ ትግራይ፡ ብሰንኪ ድርቅን ምትእጉጓል እቲ ስምምዕን፡ ካብ ሰብኣዊ ቅልውላው ክትወጽእ ኣይከኣለትን።

ኣብቲ ክልል ካብ መንበሪኦም ዝተፈናቐሉ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ነበርቲ፡ ድሕሪ እቲ ስምምዕ ሓደ ዓመት''ውን፡ ዛጊድ ኣብ ግዝያዊ መዕቖቢ ከቢድ ኩነታት የሕልፉ ከምዘለዉ እዩ ዝግለጽ።

ዝተፈላለዩ ሓይልታት ዝተሳተፉሉ ዘረፋ ሰብኣዊ ሓገዝ ምፍጻሙ ብምግላጽ፡ ትካላት ሰብኣዊ ሓገዝ ዕደላ ምግቢ ጠጠው ዝዝከር ኰይኑ፡ ኣብቲ ክልል ን 10 ኣዋርሕ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘይቀረበ ሰብመዚ ይገልጹ።

ነቲ ሓደጋ ብውሽጣዊ ዓቕሚ ንምክልኻል፡ ወለንተኛታት ብማሕበራዊ ሚድያ ሓዊሱ ሰብኣዊ ሓገዝ ከተኣኻኽቡን ክዕሉን ይረአ ኣለዉ።