እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራውያን፡ ስለምንታይ'ዮም ብብዝሒ ካብ ኢትዮጵያ ዝወጽኡ ዘለዉ?
ኣብ ዝሓለፈ ወርሕን ፈረቓን ዝተፈላለየ ብዝሒ ዘለዎም ኣርባዕተ ጕጅለታት ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ክኣትዉ ከምዝተታሕዙ ፖሊስ እታ ሃገር ገሊጹ።
ብፍላይ እታ 54 ሰባት ዝሓዘት ካልኣይቲ ጕጅለ ብዙሓት ትሐቲ ዕድመ ህጻናትን ኣደ ቈልዑን ዝነበሩዋ እያ። እዚኦም እቶም ብፖሊስ ኬንያ ዝተተሓዙ ኰይኖም፡ ብሓለዋ ዶባት ከይተራእዩ ናብ ዩጋንዳን ኬንያን ዝኣትዉ ዘለዉ ስደተኛታት ብዙሓት እዮም።
ሙሉጌታ ስብሃቱ ዝተባህለ ኣብ ኬንያ ዝነብር ኤርትራዊ፡ “ብዝሒ ናይቲ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ዝውሕዝ ዘሎ ክትርዳእ እንተደሊኻ፡ ነዚ ሰንበት ሰንበት ናብ ቤት ክርስትያን ኪዳነ ምህረት ዝመጽእ ዘሎ ሰብ ምርኣይ ይከኣል’ዩ” ይብል።
እቲ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን ብኤርትራውያን ዝውነን እዩ። ቅድሚ ክልተ ሰለስት ዓመት፡ እቲ ቤት ክርስትያን ዳርጋ ንዅሎም ምእመናን ይሕዞም ከምዝነበረ ዝገልጽ ሙሉጌታ፡ ሕጂ ግን ቀጽሪ እቲ ቤተ ክርስትያን ከይተረፈ ብሰብ ከምዝመልእ ይገልጽ።
ኣብተን ኣብ ናይሮቢ ዘለዋ ኤርትራውያን ዝግልገሉለን ካልኦት ኣብያተ እምነት’ውን ተመሳሳሊ ብዝሒ ከምዘሎ ዝጠቅስ ሙሉጌታ፡ እቲ ተርእዩ ብዝሒ ሓደስቲ ሰባት ከምዘመልክት የረድእ። ኣብ ዩጋንዳ’ውን ካብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ይውሕዙ ከምዘለው ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
ምኽንያት ብዝሒ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ
ኣብ 2015 ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተወ ብወዲ ጠዓመ ዝጽዋዕ ኢንጂነር ፊልሞን፡ ኣብታ ከተማ፡ ኣብ ከም መብራት ሃይል፡ ጃሞ፡ ቦሌ፡ ሃያ ሁለት ዝበሃል ከባቢታት ብዝሒ ኤርትራውያን መዓልታዊ ይውስኽ ከምዘሎ ይሕብር።
ኣብ 2018፡ ውዕል ሰላም ኢትዮ-ኤርትራን ምስ ተኸተመን ንሓጺር እዋን ዶባት ክልቲአን ሃገራት ምስ ተኸፈተን ኣዝዩ ብዙሕ ኤርትራዊ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝወሓዘ፡ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት (ዩኤንኤንችሲኣር)ን ሓያሎ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጸብጺቦሞ ነይሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰለስተ ዓመታት እውን ዋሕዚ ኤርትራውያን ንኣዲስ ኣበባ መሊሱ ወሲኹ። ስለምንታይ ግን ከምኡ ኰይኑ?
እቲ ሓደን ቀንድን ምኽንያት ኵናት ትግራይ ምዃኑ ዝገልጽ ኢንጂነር ፊልሞን፡ ኣብተን ኣብ ትግራይ ዝነበራ ኣርባዕተ መዓስከራት ስደተኛታት ዝነበረ ስደተኛ ዳርጋ ብምሉኡ ናብ ኣዱስ ኣበባ ከምዝገዓዘ ይሕብር።
እቲ ካልኣይ ምኽንያት፡ እቲ ካብ መዓስከራት ስደተኛታት ትግራይ ናብቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ መዓስከር ኣለምዋጭ ዝኣተወ’ውን፡ እቲ መዓስከር፡ ስደተኛታት ክነብሩሉ ዘይምቹእ ስለዝዀነ እቲ ዝኽኣለ ካብቲ መዓስከር መሞሊቝ ናብ ኣዲስ ኣበባ ይመጽእ ከምዘሎ ይገልጽ።
ኣብ ርእሲኡ፡ ውግእ ሓድሕድ ሱዳን ምስ ኣጋጠመ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብመገዲ ደቡብ ሱዳን ናብ ኢትዮጵያ፡ ዩጋንዳን ኬንያን ተሰዲዶም። ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት [ዩኤንኤችሲኣር] ኣብ መወዳእታ 2022 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣብ ሱዳን ኣብ ዓመተ 2022 ልዕሊ 1.1 ሚልዮን ምዝጉባት ስደተኛታት ከምዝነበሩ ይሕብር።
ካብዚኦም እቶም 70 ሚእታዊት [ኣስታት 800 ሽሕ] ደቡብ ሱዳናውያን ክዀኑ እንከለዉ ድሕሪ ደቡብ ሱዳን ኣብ ካልኣይ ደረጃ ዝስርዑ ከኣ ኤርትራውያን እዮም።
ኣብ ሱዳን ኣስታት 126 ሽሕ ምዝጉባት ኤርትራውያን ስደተኛታት ከምዝነበሩ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መበል ሳልሳይ ርብዒ ዓመት 2023፡ ብዙሓት ካብቶም ኣብ ሱዳን ዝነብሩ ዝነበሩ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ምዝጉባትን ዘይምዝጉባትን ስደተኛታት ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ዝተኸሰተ ኲናት ሓድሕድ ናብ ደቡብ ሱዳን፡ ግብጺ፡ ጫድን ኢትዮጵያን ከምዝተሰደዱ ገሊጹ።
ኢንጂነር ፊልሞን፡ “ብኤርትራውያን ኣብ ዝውነን ሓደ-ሓደ ኣብያተ መስተን ኣብያት መግብን ምስ እትኣቱ ብዘይካ ኤርትራውያን ካልእ ሰብ ዘይትርእየሉ እዋናት ኣሎ” ክብል፡ እቲ ቍጽሪ ኣብ ዝሓለፈ ውሑዳት ዓመታት ኣዝዩ ከምዝወሰኸ የረድእ።
መሓሪ ኣለም ዝተባህለ ካልእ ነባሪ ኣዲስ ኣበባ ብወገኑ፡ እቲ ምኽንያት ልክዕ ከምዚ ፊልሞን ዝሓበሮ ምዃኑ ብምግላጽ፡ “እቲ ናይ ባህልን ቋንቋን ምምስሳል ኣዲስ ኣበባ ንኤርትራዊ ዝያዳ ተመራጺት ከምዝገብራ፡ ይጠቅስ።
ይዅን እምበር “እቲ ኤርትራዊ ብገለ ወገናት ብጽቡቕ ኣይጥመትን እዩ” ይብል መሓሪ።
ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት እቶም ኤርትራውያን፡ ወጻኢታት ክራይ ገዛ ንምንካይ ብዙሓት ኣብ ሓደ ገዛ ተሻሪኾም ከምዝነብሩ ይሕብር።
መሓሪ፡ “ሰብና ኣብ ዝኸዶ ጻዕራም ስለዝዀነ ኣብ ዝተፈለላየ ንጥፈታተ እዩ ዝሳተፍ። ይዅን እምበር ገሊኦም ብጸሊም ዕዳጋ ሰልዲ ተሽርፉ ኢኹም ተባሂሎም ዝተኣሰሩ’ውን ኣለዉ” ይብል።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነበር ስደተኛ ብሕጊን ስርዓትን ናይታ ሃገር ተገዚኡ ክኸይድን ብሕማቕ ዘጠምቶ ኣካይዳታት ከወግድን ከኣ ይመክር።
ንምዃኑ እዞም ኤርትራውያን ንምንታይ'ዮም ብብዝሒ ካብ ኢትዮጵያ ዝወጽኡ ዘለዉ?
ኢንጂነር ፊልሞን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዙሓት ኤርትራውያን ተገፊፎም ብወገን ዓሰብ ናብ ኤርትራ ከምዝተጠረዙ ይሕብር።
ኣብ ሰነ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝተፈጸመ ግፋ ዘሻቐሎ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ [ኢሰመኮ] ኣብ ልዕሊ’ቶም ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ከኣ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ክግበር ዝጸንሐ ማእሰርቲ ደው ክብል ምጽውዑ ዝዝከር’ዩ።
ይዅን እምበር፡ ኣካላት ጸጥታ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንምሕጽንታ ናይቲ ኮሚሽን ዕሽሽ ብምባል ኣብ መወዳእታ ሰነ 2023፡ ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ኣስታት 200 ኤርትራውያን ብግዴታ ናብ ኤርትራ ምጥራዞም ከምዘሻቐሎ መግለጺ ኣውጺኡ ነይሩ።
ኢንጂነር ፊልሞን “ማእሰርትን ጥርዝያን ኣብ ቦታኡ እናሃለወ፡ ኣብዚ ቐረባ ሳምንቲ ኣብ መንጐ እዘን ክልተ ሃገራት ብሰንኪ ጉዳይ ባሕሪ ወጥሪ ስለዝተኸስተ ካልእ ስክፍታን ሻቕሎትን ብምፍጣሩ ብዙሕ ሰብ ካብታ ሃገር ይወጽእ ኣሎ” ይብል።
ቅድሚ ክልተ ሰሙን ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኬንያ ዝመጽአ ሽሙ ክዕቀብ ዝሓተተ ኤርትራዊ፡ ብዙሕ ሰብ እተን ሃገራት ናብ ግጭት ከየምርሓ ስግኣት ከምዘሕደረ ሓቢሩ።
ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ነቲ ኣብ መንጐአን ዝነበረ ኲናትን ኵነተ ኲናትን ኣብ 2018 ብውዕል ሰላም ምስ ፈትሓኦ ካብ ማሕበረ ሰብ ዓለም ብዙሕ ኣድናቘት ረኺበን እየን።
ከም መርኣይኡ እውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ሽልማት ኖበል ሰላም ተሸሊሙ።
እንተዀነ፡ እቲ ተስፋ ሰላም ብቅልጡፍ በኒኑ ኣብ 2020 ኣብ ትግራይ ኵናት ተወሊዑን ብዙሕ ሰብ ሃሊቑን።
እቲ ኲናት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ምስ ተዛዘመ ግን ኣብ መንጐ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝነበረ ምዉቕ ርክብ ክሕርፍፍ ጀሚሩ ከምዘሎ ይግለጽ ኣሎ።
ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ንኣባላት ባይቶ ሃገሩ፡ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ሞትን ሕየትን ጉዳይ’ዩ ዝትሕዝቶኡ ዝሃቦ መግለጺ፡ ካብተን መዳውብቱ ዝዀና ሶማል፡ ጅቡትን ኤርትራን ተሪር ግብረ መልሲ ኣጋጢምዎ።
መሓሪ ኣለም ሕማቕ ኣይምጻእ እምበር ግጭት እንተተኸሲቱ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ጥፍኣት ዘኽትል ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል ይገልጽ።
ሓደ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣብ ኬንያ ዝኣተወ ኤርትራዊ መንእሰይ “ኣነ ዕድለኛ ኰይነ’የ ቀልጢፈ ሰሊጡኒ’ምበር የዕሩክተይ ብኣስገርቲ ንኽመጽኡ ንሓሙሽተ ወርሒ ሪጋ ሒዞም ይጽበዩ ኣለው፡” ይብል።
እቲ ምኽንያት ግን ይውስኽ፡ '' ብዙሓት ካብ ሱዳን ዝመጽኡ ኤርትራውያን ፕሮሰስ ንካናዳ ከምኡ'ውን ኣውሮጳ ስለዘዎም፡ ወረቐት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከኣ ስለዘድልዮም ግድን ንዩጋንዳ ክኸዱ ኣለዎም'' ይብል።