እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ህዝቢ ትግራይ ሱር-በተኽ ለውጢ እዩ ዝጠልብ'
ኣብ ሕዳር 2020 ብዝተወልዐ ኲናት፡ ንኣስታት ክልተ ዓመት መመላእታ ኣብ ዕጽዋን ክባን ኣትዩ ብኹሉ ዓይነት ሕጽረታት መግብን መድሃኒትን ተሸጊሩ ዝጸንሐ ህዝቢ ትግራይ፡ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ናይ ተስፋን መስተርሆትን ንፋስ ጀማሚሩዎ ኣሎ።
ብመሰረት እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ቅሉዕ ተዅስን ውግእን ተቋሪጹ፡ ከበድቲ ዕጥቅታት ኣረኪቡ፡ ተዋጋእቲ ሓይልታት ካብ ዕርድታቶም ስሒቦም ይርከቡ። ሓይልታት ኤርትራን ኣምሓራን ካብቲ ክልል ምውጻእ ጀሚሮም ከምዘለዉ ድማ ይንገር።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ምስ ፌዴራል መንግስቲ ፖለቲካዊ ዘተ ክካየድን፡ ክልላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ክምስረትን ትጽቢት ይግበር። እቲ ናይ ሰላምን ዳግመ ሕውየትን ዕማማት ፍሒዅ ኣብ ዝብለሉ ዘሎ እዋን፡ መራሕቲ ህወሓት'ውን ዳግመ ምትዕርራይ ንኽገብሩ ኣብ ጽዑቕ ኣኼባታት ተጸሚዶም ይርከቡ።
ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣዘዝትን ኣመራርሓ ህወሓትን ብዕጽው ዝዝትይሉ ዘለዉ ዛዕባ፡ ነቲ ውድብ ቅርበት ካብ ዘለዎም ገለ ሰባት፡ ዝወጽአ ሓበሬታ ወጻኢ፡ ዝርዝር ትሕዝትኡ ዛጊድ ኣይተነጸረን። እንተዀነ፡ ብሰፊሑ የዘራርብ ኣሎ።
ንምዃኑ ኣብ ትግራይ እንታይ ዓይነት ለውጢ እዩ ዝጥለብ ዘሎ? እቲ ከይዲኸ እንታይ ይመስል? ክንብል ንነጠፍቲ ምሁራንን ኣመራርሓ ተቓውሞን ሕቶ ኣቕሪብና ኣለና።
ንኣማኻሪ ሕጊ ርእሰ ምምሕዳር ትግራይ፡ ኣቶ ኣማኑኤል ኣሰፋ ግን፡ ብስልኪ ሓቲትናዮ ምላሽ ክህበና ኣይፈቐደን።
ብዕጽው ዝካየዱ ኣኼባታት
ኣቦ መንበር ህወሓትን ርእሰ ምምሕዳርን፡ ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እዩ፡ ንቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ፡ ውጥን ‘ምትዕርራይ’ ኣቕሪቡ ዘጽደቐ።
ደብረጽዮን፡ "ዓቕሚ ኣባላት ህወሓትን ካልኦት ተጋሩን ንምጥቃም ዘኽእለና ምትዕርራይ ክንገብር ከፍቅድ ዝተኸብረ ቤት ምኽሪ ሓላፍነት ክህብ እሓትት" ብዝብል መንፈስ እዩ ነቲ ቤት ምኽሪ ዝሓተተ።
መርስዔ ኪዳነ፡ ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ሚኒሶፐታ ዝነብር፡ መሃንዲስ ኮይኑ፡ ካብቶም ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ብዕቱብ ዝነጥፉ ዘለዉ ምሁራት ሓደ እዩ።
መርስዔ፡ ቅድሚ ሕዚ ከምዚ ዓይነታት ብዕጽው ተደጋገሚ ኣኼባታት ምክያዶም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
“20 መዓልቲ፤ 30 መዓልታት ምዕጻው ዝተለምደ እዩ። ህዝቢ ከየሳተፍካ፡ መዕጾ ዓጺኻ እትገብሮ ምይይጥ ውጺኢቱ ብዙሕ ቅቡልነት ዘለዎ ኣይኮነን። ነቲ ዝነበረ ‘ስታትስኮ’ [ዝነበረ ምሕደራ] ናይ ምቕጻል ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ ዝሕብር እዩ። መሰረታዊ ለውጢ ንክመጽእ ምይይጥ ዘድሊ እንተኾይኑ’ውን፡ ህዝቢ ዘሳተፈ ዝተፈላለያ ፖለቲካዊ ውድባት’ውን ዘካተተ ክኸውን ምተገበኦ ነይሩ” ይብል።
“ስለዚ እቲ ኣካይዳ ንባዕሉ ዓቢ ጸገም ዘለዎ እዩ”።
ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ውድብ ባይቶና ዓባይ ትግራይ፡ ክብሮም በርሀ ብወገኑ፡ እቲ ብዕጽዉ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ካብ መጀመርትኡ ቅቡል ከምዘይኮነ እዩ ንቢቢሲ ዝዛረብ።
“ከምቲ ወለድና ዝብልዎ፡ ‘ኣመል መስ መግነዝ’ እዩ። ዓጺኻ ዝግበር ዝርርብ፡ ህዝቢ ዘይፈልጦ፡ ውድባት ትግራይ ዘይፈልጥዎ ምሁራት ትግራይ ዘይፈልጥዎ፡ ሚድያታት ትግራይ ዘይርእዎ ዘይስምዕዎ ዘተ፡ ዘተ ክኸውን ኣይኽእልን” ኢሉ።
ነቲ ከይዲ ካብ ምንቃፍ ሓሊፉ፡ ምናልባሽ’ውን “ንካልእ ሓደጋ ዘቃልዕ ከይኸውን” ዝብል ስግኣት ኣለዎ።
“ዝኹሉ ህዝቢ ጠፊኡ፡ ኣብዝሓ መሬት ትግራይ ኣረኪቦም’ውን ክመሃሩ ዝኽእሉ ሰባት ኣይኮኑን። እዚ ኹሉ ዀይኑ’ውን ካልእ ሰብ ከሳትፉ ኣይደልዩን፤ ባህሮኦም ዝፈቕደሎም ኣይመስልነን። ንዕኡ እዩ ‘ውን ብዕጽው ዝተገብረ” ኢሉ።
ገለ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ግን፡ እቲ ምትዕርራይ ‘ንተቓወምትን ምሁራትን ኣሳታፋይን’ ከምዝኸውንን፡ ‘ንህዝቢ ትግራይ ካብ ጸገም ዘውጽእ’ ክኸውን እዩ ካብ ዝብል ተስፋ ተበጊሶም ከምዝደገፍዎን ንድምጺ ወያነ ርእይቶኦም ሂቦም።
ህወሓት፡ ቃልሲ ኣንጻር ደርጊ ዝቐለሰን ንኣስታት 30 ዓመታት ንኢትዮጵያ ብዓብላለይነት ከም ዝመርሐን ከምዝንቀፍን ይፍለጥ።
ኩሉ ግዜ ንረብሓ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ከምዝበለን ሙሉእ ህዝባዊ ድጋፍ ከምዘለዎን ድማ ይገልጽ።
ብቤት ምኽሪ ህዝቢ ኢትዮዮጵያ ‘ዝተነጽገ’ ቅድሚ ክልተ ዓመት ዝተኻየደ ሓዊሱ፡ ተኸታተልቲ መረጻታት ብዘይተነሓናሒ ከምዝሰዓረ ይገልጽ።
ክብሮም ግን ይብል፡ እዚ ዓብላልነቶም ተጠቒሞም፡ “እቲ ገዛ ዓጽዮም ዝገብርዎ ዘለዎ፡ ከምቲ ቅድሚ ሕዚ ‘ንሳቶም ዶ እዚ ከይጠፍኦም፤ ንሳቶም እናሃለዉ እንታይ ከይንኾን’ ብዝብል ነቲ ማሕበሰብ ከታልልዎ'ዮም ዝደልዩ ዘለዉ” ኢሉ።
“ስለዚ” ይብል ክብሮም፡ ‘እቲ ምትዕርራይ ዝበሃል፡ ንሕና ‘ምጥፍፋእ’ ኢና ንብሎ” ኢሉ።
ክብሮም ወሲኹ፡ ህዝቢ ትግራይ ከይፈለጠ “ብሕቡእ ሽኩዕ ዝግበር ዘሎ ‘ምበር ብሕግን ስርዓትን ዝካየድ ዘሎ ኣይኮነን” ኢሉ ይድምድም።
ንህዝቢ ኮነ ነቶም መቓልስቶም ተጋደልቲትን ውድባትን’ውን ክብረት ከምዘይብሎም ዘርኢ ምዃኑ እዩ ዝነቅፍ።
እንታይ ዓይነት ለውጢ እዩ ዝድለ ዘሎ?
‘እዚ ሓድሽ መገዲ ኣይኮነን’ ዝብል፡ ምሁር መርስዔ ኪዳነ፡ ‘ድሕሪ ገምጋም ሓድሽ ለውጢ ክነምጽእ ኢና’ ዝብል ዝተለምደ ምዃኑ ይዝክር።
ህወሓት ኣብ ዝሓለፈ 10ን 15ን ዓመታት ብተደጋጋሚ ከምዚ ዓይነት ‘ቃል ክኣቱ’ ጸኒሑ እዩ።
ንኣብነት፡ ኣብ 2010 ዓ.ም፡ ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ ን35 መዓልታት ዕጽው ገምጋም ዘካየደ ኮይኑ፡ ኣብ መግለጺኡ “ላዕለዋይ ኣመራርሓይ በስቢሱ እዩ” ኢሉ ብምእዋጅ፡ መሰረታዊ ለውጢ ከምጽእ ቃል ኣትዩ ነይሩ።
እንተዀነ፡ እቲ ትጽቢት ዝተገብረሉ ለውጢ ምምጻእ ኣይከኣለን፤ ተባሂሉ ይንቀፍ።
መርስዔ፡ “ሕዚ’ውን ተመሳሳሊ ዑደት እዩ ዝኸይድ ዘሎ። ነቲ ዑደት ንሱ ናይ ምቕጻል ኣካይዳ እዩ ዝመስል፤ ዕላምኡ ድማ እቲ ጽገናዊ ለውጢ ገይርካ ንምቕጻል ዝሓሰበ እዩ ዝመስል” ኢሉ።
ብፍላይ ድሕሪ እዚ ንክልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናትን ጥፍኣትን ስዒቡ፡ ህዝቢ ሓድሽ ለውጢ ዝጠልብ ዘሎ ይመስል።
ብመገዲ ማሕበራዊ ሚድያታትን ብዝተፈላለዩ መገድታትን እቲ መንእሰይ ምሕታት ጀሚሩ ኣሎ።
ንኣብነት፡ ገለ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ዝነበሩ፡ ቃልሲ ህዝቢ፡ ብኣመራርሓ ህወሓት ከምዝተቖጸየ ብቕሉዕ ኣብ ሚድያታት ወጺኦም ይኸሱ ኣለዉ። እቲ ኲናት እንተዀነ’ውን፡ ብሰንኪ እዚ ውድብ ዝመጽአ ከምዝኾነ ዝኣመኑ ኣለዉ።
እዚ መንፈስ፡ ኣብቲ ህወሓት ንልዕሊ 30 ዓመታት ሙሉእ ንሙሉእ ዝተቖጻጸሮ ክልል ዝተለምደ ኣይነበረን።
ኣባለትን ካድረታትን ህወሓት ግን፡ ውድቦም ንህዝቢ ትግራይ ናብ ብራኸ ለውጢ ከምዘምጸኦ እንተኾነ፡ እቲ ዕቤት በቶም ‘ወረርቲ’ ዝብልዎም፡ ከምዝተዓንቀፈ እዮም ዝገልጹ።
ኣብቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ትግራይ፡ ኣብዝሓ መሰረተ ልምዓት እቲ ክልል ከም ዝዓነወን ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ከምዝሃለቐን ዓለም ለኸ ትከላት ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።
“ጽገናዊ ለውጢ ህዝቢ ዝጠልቦ ኣይመስልንን። በቲ ኣነ ዘለኒ ገምጋም ህዝቢ ትግራይ ዝጠልቦ ፡ ሓድሽ ስርዓት- ሱር በተኽ ዝኾነ ለውጢ እዩ። እዚ ንምምጽእ እንተዀይኑ ድማ፡ ኣሳታፊ ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ” ይብል መርስዔ።
ካልእ ነጣፊ ማሕበራዊ ሚድያ፡ ኤርሚያስ ኣማረ ብወገኑ፡ እቲ ዝግበር ምትዕርራያት “ብባህሪኡ ውሽጣዊ እዩ፤ ንህዝቢ ዀነ ንካልኦት ውድባት ዝምልከት ኣይኮነን” ዝብል መርገጺ ኣለዎ። ዝጠቕሞን ዝጎድኦን ድማ ንባዕሉ ነቲ ውድብ እዩ ይብል።
ምስ’ቲ ውድብ ዝሳነዩ ገለ ምሁራት፣ ዓበይቲ ዓድን ወተሃደራዊ ኣዘዝትን እንተሓወሰ’ውን ዝገርም ኣይኮነን፡ ክብል ኤርሚያስ ንቢቢሲ ርእይትኡ ሂቡ።
ኤርሚያስ፡ እዚ ከይዲ፡ ኣፍልጦ ፌዴራል መንግስቲ ከይህልዎ ዝጥርጥር ኮይኑ፡ እቲ ንቕድሚት ዝፍጠር ክልላዊ ኣመራርሓ ድማ፡ ‘መሰጋጋሪ’ ዘይኮነስ፡ ናይ ህወሓትን ብልጽግናን ‘ሓበራዊ መንግስቲ’ እዩ ክበሃል ዘለዎ ይብል።
‘ከንቱ ልፍዓት’
ሰለስቲኦም ርእይቶ ወሃብቲ፡ በቲ ልሙድ መገዲ ለውጢ ክመጽእ እዩ ኢሎም ኣይኣምኑን።
“ኮይኑ ግን ሎሚ ዘሎ ናይ ሓይሊ ሚዛን ከምቲ ቅድሚ ሎሚ ዝደለኻዮ ዓምጺጽካን ኣገዲድካን ስልጣን ሒዝካ ንምቕጻል ዝኽእል ኩነታት የለን” ይብል መርስዔ።
“ብህዝቢ’ውን ተቐባልነት ኣይህልዎን፡” ዝበለ ኾይኑ፡ “ስለዚ ኣነ ፉታይል ኢፈርት [ከንቱ ልፍዓት] እየ ዝብሎ” ኢሉ።
“ካብኡ ዝተረፈ እቲ ጽገናዊ ለውጢ [‘ሱፐርፊሻል’- እዩ ዝብሎ] ንይምሰል ካብ ደገ ሓደ ክልተ ሰባት ኣእቲኻ እቲ ዝኣረገ ስርዓት ንምቕጻል ዝግበር ጻዕሪ፡ ንህዝቢ ትግራይ ናብ ዝገደደ ጸገም ዘእቱ እዩ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ገበን ዝፈጸሙ ሓይልታት ካብ ገበኖም ነጻ ዘውጽእ፤ ክይሕተቱ ዝገብርን’ውን እዩ” ኢሉ።
እቲ ጽገናዊ ለውጢ ብኣወንታ ንውሰዶ እንተዝበሃል’ውን ‘ሕዚ እዋኑ ኣይኮነን፤ ግዜ ሓሊፍዎ እዩ’ ይብል።
“እቲ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ከምዘይከኣለ ኣሚኑ፡ እቲ ባዕልቶም ‘በስቢሱን ጋዕዝዩን’ ዝበልዎ ስርዓት’ውን ክቕየር ከምዘለዎ ኣብ ትግራይ ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሐ ይመስለኒ’” ኢሉ።
ክብሮም’ውን በዚ ይስማመዕ።
“ሎሚ፡ ትማሊ ኣይኮነን። ናይ ቴክኖሎጅ፣ ኢንፊርሜሽንን ናይ ሚድያ ዘመን እዩ። እቲ ዝግበር ዘሎ ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ምውጽኡ ኣይተርፎን። ንሳቶም’ውን ከምኡ ኢሎም ዝቕጽልሉ ዕድል ዳርጋ የለን”።
እንታይ ይገበር?
መርስዔ፡ እቲ ኣስታት 3 ሚልዮን ዝኸውን ዝተመዛበለ ህዝቢ ናብ መረበትኡ ዝምለሰሉ፤ ኣብያተ ትምህርትን ክሊኒካት ዝኽፈታሉ ፥ መንእሰይ ናብ ትምህርቱ ክምለስ፡ ኣትኲሩ ዝሰርሕ ‘ዘይሻራዊ’ ናይ ክኢላታት መንግስቲ [ቴክኖክራት] ክጣየስ ይሓትት።
እዚ ‘በዓል-ሓደራ' መንግስቲ፡ ብሓፈሻ ኣብ ሕውየትን ድሕነትን ህዝቢ ትግራይ ዝሰርሕ ዀይኑ፡ ምስ ፌዴራል መንግስቲ ተቐራሪቡ ክሰርሕ’ውን የኽእሎ እዩ ይብል።
መርስዔ፡ በዚ ዝሐሸ ኣማራጺ ዝብሎ፡ መራሕቲ ህወሓት ‘ልቢ ኣዕብዮም’ ካብቲ መድረኽ ግልስ ክብሉ ኣለዎም እዩ ዝብል።
ኤርሚያስ፡ በዚ ሓሳብ ኣይስማመዕን። ‘ሓደ ድጋፍ ህዝቢ ኣለኒ ኢሉ ዝኣመን ፖለቲካዊ ውድብ፡ ግልስ ይበል ክትብሎ ኣይትኽእልን’- ይብል።
“እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ንህወሓት ጠቕሊሉ ብዘወግድ ቴክኖክራት ክጣየሽ ኣለዎ ኢሎም ዝሞጉቱ ኣለዉ። እዚ እውን ጌጋ እዩ። ርግፅ ‘ግዝያዊ ምምሕዳር ፓለቲካዊ ስልጣን ኣይኮነን’ ካብ ዝብል ለዋህ ኣተሓሳስባ ዝተበገሰ እንተዝኸውን ዝፅላእ ሓሳብ ኣይነበረን። ግን ፓለቲካ ረብሓ እዩ’ሞ፡ እቶም ዝምደቡ ቴክኖክራት ፓለቲካዊ ረብሓ [ህወሓት] ከምዘይብሎም ብምንታይ ይፍለጥ?” ዝብል ሕቶ የልዕል።
ንሱ፡ ነቶም ብሄራዊ ውድባት ሓዊሱ፡ 'የገድሰኒ እዩ' ዝብል ንኹሉ ዘሳትፍ መስርሕ ክፍጠር ድማ ይምዕድ።
ክብሮም በርሀ፡ ቅድም ክብል ብብሄራዊ ውድባት ቀሪቡ ዝነበረ ኣማራጺ ሓሳብ፡ ምቛም መሰጋገሪ መንግሰቲ ምንጻጉ፡ ህወሓት ነቲ ፖለቲካ ንበይኑ ክበሕት ከምዝደሊ መረጋገጺ እዩ ዝብል እምነት ኣለዎ።
“ንሳቶም መፍትሒ ከምጽኡ ኣይኽእሉን፤ መፍትሒ ከምጽእ ዝኽእል ርእሲ’ውን ባህጊ’ውን የብሎምን። ምኽንያቱ፡ ኣብ ጥርኑፍነት ዝተመስረተ ፖለቲካ መፍትሒ ከምጽእ ኣይኽእልን” ይብል።
‘ኳ ዳአስ፡ ኩሉ ይምልከተኒ እዩ ዝብል፤ ምሁር፣ ጋዜጠኛን መንሰይን ‘ሎሚ እንታይ ይግበር ኣሎ’ ኢሉ ክሓትት ከምዘለዎ ይምሕጸን።
“እንተዘይኮይኑ፡ ‘ኣነ እንታይ ኣእተወኒ’ ዝብል፤ ኣበይ ከምዘብጸሐና ሪእናዮ ኢና”።
ዶ/ር ደብረጽዮን ግን፡ ኣብቲ ቤት ምኽሪ ለወባ ኣብ ዘቕረበሉ እዋን፡ ብጥንቃቐ ዝተሓሰበሉ ውጥን ከምዝዀነ እዩ ተዛሪቡ።
“ካብ ከቢድ ኲናት ናብ ሰላማዊ ፖለቲካዊ መድረኽ እንሰጋገረሉ መድረኽ እዩ። እዚ ናይ ስግግር ግዜ፡ ብጥንቃቐ ክትሓዝን ክምራሕን ይግባእ። ስለዚ ሰላምና ተሓልዩ ደልዲሉን ክቕጽል ዘኽእል ምትዕርራይ ክንገብር ኢና”።