እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ትግራይ ‘ምትዕርራይ መሪሕነት’ ክግበር ሓቲቱ
ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣብ ፈጻሚ ስራሕ ክልላዊ መንግስቲ ዳግመ ምትዕርራይ ክግበር ሓቲቱ።
ንሱ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝተኻየደ መበል 6ይ ዘመን 5ይ ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ እዩ ኣብ መንግስቱ ዳግመ ምትዕርራይ ንኽግበር ናብቲ ባይቶ ሕቶ ኣቕሪቡ።
“ጀሚርናዮ ዘለና ንኡስ መድረኽ፡ ካብ ከቢድ ኲናት ናብ ሰላማዊ ፖለቲካዊ መድረኽ እንሰጋገረሉ መድረኽ እዩ። እዚ ናይ ስግግር ግዜ፡ ብጥንቃቐ ክትሓዝን ክምራሕን ይግባእ። ስለዚ ሰላምና ተሓልዩ ደልዲሉን ክቕጽል ዘኽእል ምትዕርራይ ክንገብር ይግባእ።
“ስለዚ ዓቕሚ ኣባላት ህወሓትን ካልኦት ተጋሩን ንምጥቃም ዘኽእለና ምትዕርራይ ክንገብር ከፍቅድ ዝተኸብረ ቤት ምኽሪ ሓላፍነት ክህብ እሓትት" ኢሉ።
ቅድሚ እዚ ትማሊ ዝጀመረ ጉባኤ ክልላዊ ባይቶ መሪሕነት ህወሓት ኣብ ኣኼባ ከም ዝቐነዩ ይግለፅ።
ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝጸንሐ ኲናት ከብቅዕ ብ2 ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ስምምዕ ዘላቒ ምቁራጽ ተጻብኦታት ስዒቡ'ውን፡ ህወሓት ንገለ ላዕለዎት ኣባላቱ ካብ ሓላፍነቶም ኣልዒሉ ዝብል ጽንጽንታ ተሰሚዑ ኔሩ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ኣብ መሓውር ኣመራርሓ ለውጢ ከም ዝገብረ ዝገልጽ ሓበሬታ ብሰፊሑ ተዘርጊሑ።
ኣባል ፈጻሚት እቲ ማእከላይ ኮሚተን ወሃቢ ቃልን ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ድሒሩ ብማሕበራዊ ሚዲያ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ንድሕነትን ህላወን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘድልዩ ነገራት ዝተመስረተ ንለውጢ ምርድዳእ ኣሎ፤ ካቢነ ሚኒስተራት ግን ኣይተመስረተን ወይ ዳግመ ኣሰላልፋ ኣይተገብረን" ክብል ገሊጹ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ትግራይ ናይ ስግግር መንግስቲ ከቕውም ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ትግራይ፡ መጻኢ ፖለቲካ እቲ ክልል፣ ምሕደራኡ፣ ስርዓትን ካልኦት ተዛመድቲ ጉዳያትን ጠሚቱ፡ ንውሕ ንዝበሉ መዓልታት ምይይጣት ክካየዱ ከም ዝቐነዩ ምንጪታት ቢቢሲ ይገልጹ።
ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ዝከታተሎ ዘሎ ጋዜጠኛን ተንታንን ጌታቸው ኣረጋዊ፡ ኣብቶም ኣኼባታት መሰረታዊ ለውጢ ከም ዘድልን ኣብዚ ምትእምማን ክግበርን ሕቶታት ክልዓሉ ቐንዮም ይብል።
“እዚ እቲ ስልጣን ዝሓዘ ብፍላይ ላዕለዋይ ኣካል ህወሓት ነዚ ብቐሊሉ ዘይክቕበሎ ይኽእል፤ ግን ድማ ህወሓት ናይ ውድብ ስራሕ ክሰርሕ፤ መንግስትን ውድብን ክፈላለዩ ኣብ ምርድዳእ ተበጺሑ’ዩ” ዝብል ጌታቸው፡ እቶም ምይይጣት መሪሕነት እቲ ክልል ብሓደ ውድብ ዘይኰነ፡ ዝተፈላለየ ውዳበዳታት ዘለዎ፣ መናእሰይን ሙሁራትን ዘሳተፈ ክኸውን ዝጠልቡ ምንባሮም ኣብሪሁ።
ሕጂ፡ ኣቦ መንበር ገዛኢ ሰልፊ ትግራይ ህወሓት ንኣባላት ባይቶ እቲ ክልል ዘቕረቦ ሕቶ ምትዕርራይ መሪሕነት ድማ፡ “ፈጻሚ ስራሕ መንግስቲ ክልወጥ’ዩ፤ እቲ ፖለቲካዊ ውሳነ ዝህብ ሓይሊ ክልወጥ’ዩ ብዝብል እየ ተረዲአዮ ዘለኹ” ኢሉ።
ድሕሪ ምቁራጽ ተጻብኦታት፡ ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኲናት ዝበጽሐ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራታት ክህሉ ዝግብኦ ተሓታትነት ዝምልከት ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ህወሓት ዝወርድ ሓያሎ ነቐፌታን ተቓውሞን ክርኣይ ጀሚሩ ኣሎ።
ድሕሪ እቲ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ መድረኻት ዘተ፡ ኣብ መሪሕነት እቲ ክልል ለውጢ ክመጽእ ትጽቢት ከም ዝገብር ዝዛረብ ጋዜጠኛ ጌታቸው ኣረጋዊ፡ እዚ ዘላቒ ክኸውን የተስፉ።
“ህወሓት ኣብ ትግራይ ዝህልዎ ተራ ከተወግዶ ወይ ከተንእሶ እትኽእል ውድብ ኣይኰነን፤ ግን ኣብቶም ጸገማት ስትራቴጂካዊ መሪሕነት ኣይሃበን ተሓታቲ’ዩ እንብሎ ዘለና መሪሕነት ግን ግልስ ክብል ክኽእል ኣለዎ” ኢሉ።