እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፍታሕ ሲፒጄ ሓቲቱ
ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዓለማዊ ትካል ሲፒጄ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝኣሰሮ ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ ብዘይ ዝኾነ ቅድመ ኩነት ብህጹጽ ክፈትሖ ሓቲቱ።
ብተወሳኺ ድማ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛታት ብዘይ ክሲ ምእሳር ደው ከብል ጸዊዑ'ሎ።
ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ 27 መጋቢት ኣብ ለገጣፎ ከምዝተኣሰረ እቲ ትካል ሓቢሩ።
ጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ፡ ኣብ ቴሌቪዥን ትግራይ ብዘቕርቦ ሰሙናዊ ናይ ፖለቲካ መደብን፡ ኣብ 'ፍትህ' ዝተብሃለት ናይ ውልቀ መጽሄት ብዘቕርቦ ጽሑፋቱን ዝፍለጥ እዩ።
ኣብ ናይ ውልቁ ፌስቡክን 'ኢትዮ ፎረም' ኣብ ዝበሃል ናይ ዩቱብ ቻነሉን ድማ፡ እዋናዊ ጸብጻባት የቕርብ ነይሩ።
መሓዙቱ ንሲፒጄ ከምዝበልዎ፡ እቲ ጋዜጠኛ ብኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን 28 መጋቢት ናብ ቤት-ርዲ ዝቐረበ ኾይኑ፡ ክሲ ከይቐረቦ ኣብ ቀይዲ ፖሊስ ክጸንሕ ተወሲኑ እዩ።
ጋዜጠኛ ያየሰው፡ ብመጋቢት 26 ሕማም ኮሮናቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ሓደ ጸብጻብ ምስኣቕረበ እዩ ተኣሲሩ።
ነቲ ጽብጻቡ ድማ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ነቒፍዎ ነይሩ።
"ህዝቢ ሓበሬታ ኣብ ዝደልየሉ ኣብዚ እዋን ንጋዜጠኛ ምእሳር፡ ነቐፌታዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ጸብጻባትን ናይ ተቓውሞ ሓሳባትን ንክህልዉ ዝገብር እዩ" ኢላ ተወካሊት ሲፒጄ ኣብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ፡ ሙቶኪ ሙሞ።
"ሰብመዚ ኢትዮጵያ፡ ንጋዜጠኛ ያየሰው ሽመልስ ብዘይቅድመ ኹነት ብህጹጽ ክፈትሕዎን፡ ኮሮናቫይረስ ዝምልከቱ ጸብጻባት ካብ ምምማይ ክቑጠቡን ኣለዎም" ኢላ።
ያየሰው ሽመልስ ቅድሚ ምእሳሩ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንመራሕቲ ሃይማኖት 200,000 መቓብር ከዳልዉ ሓቢርዎም ዝብል ነይሩ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ድማ፡ እቲ ጸብጻብ ሓሶት እዩ ዝበለ ኮይኑ፡ ኮነ ተባሂሉ ህዝቢ ንምድንጋር ዝቐረበ ክብል ድማ ነቲ ጸብጻብ ኮኒንዎ እዩ።
መሓዙቱ ንሲፒጄ ከምዝበልዎ፡ እቲ ጋዜጠኛ ዘቕርቦም ጸብጻባት ንማእከላይ መንግስቲ ዝነቕፉ ብምንባሮምን፡ ምስ ቴሌቪዥን ትግራይ ብዘለዎ ምትእስሳርን ኣብ ዓይኒ ሰበ-ስልጣን ማእከላይ መንግስቲ ኣትዩ ጸኒሑ እዩ።
ሰራሕተኛተት ጸጥታ ማእከላይ መንግስቲ የፈራርሕዎ ምንባሮም እውን እቶም ስሞም ክገልጹ ዘይደለዩ መሓዙቱ ንሲፒጄ ተዛሪቦም እዮም።
ኣብ ቀረባ እዋን፡ ምስ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ነበር ስዩም መስፍን ብዝገበሮ ቃለ-መሕተት፡ ካብ ሓደ ኣባል ጸጥታ ቴሌፎን ተደዊልዎ ምንባሩ'ውን ይግለጽ።