እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ምልክታት ኮሮናቫይረስ እንታይ ይመስል?
ብርቱዕ ሕማም ሳንቡእ ዘስዕብ ፈለማ ኣብ ቻይና ዝተርኣየ ቫይረስ ናብ ምሉእ ዓለም ተዘርጊሑ ይርከብ። መዓልታዊ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት በቲ ቫይረስ ይልከፉ ኣለው። እቲ ቁጽሪ ካብቲ ብወግዒ ዝግለጽ ዘሎ ብዓሰርቲ ዕጽፊ ክዛይድ ከም ዝኽእል ተንተንቲ ይዛረቡ።
ምልክታት እቲ ሕማም
ብረስንን ደረቕ ሰዓልን ይጅምር። ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ናይ ምስትንፋስ ጸገም የስዕብ።
ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ፡ ክሳብ 14 መዓልቲ ዝኾነ ምልክት እቲ ሕማም ከየርኣየ ክጸንሕ ይኽእል እዩ።
ገለ ተመራመርቲ ግና ክሳብ 24 መዓልቲ'ውን ክጸንሕ ከም ዝኽእል ይገልጹ።
ሓደ ሓደ ሰባት፡ ምልክት እቲ ሕማም ከየርኣዩ፡ ነቲ ቫይረስ ከመሓላልፉ ከም ዝኽእሉ ቻይናውያን ሓካይም ይሕብሩ።
ኮሮና ቫይረስ ክሳዕ ክንደይ'ዩ ሓደገኛ?
ውድብ ጥዕና ዓለም ብመሰረት ካብ 44,000 ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ዝኣከቦ ጸብጻብ፡
- 81% ፈኲስ ምልክታት እዮም ዘርእዩ
- 14% ብርቱዕ ምልክታት የርእዩ
- 5% ብጽኑዕ ይሓሙ
እቶም በዚ ኮቪድ-19 ዝብል ስያመ ተዋሂብዎ ዘሎ ሕማም ዝሞቱ ግና ካብ 1%-2% ምዃኖም እዩ ዝግለጽ።
ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሕክምናዊ ክትትል ይግበረሎም ኣሎ፤ ስለዚ መጠን ሞት ክዛይድ ይኽእል እዩ።
እንተኾነ ግና ብዙሓት በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ግና ከይተፈለጡ ዝሓውዩ ሰባት'ውን ክህልው ስለ ዝኽእሉ እቲ መጠን ሞት ክጎድል ይኽእል እዩ።
ኮሮናቫይረስ ወይ ኮቪድ-19 ፈውሲ ኣለዎ ዶ?
ነቲ ቫይረስ ካብ ኣካላትና ዘወግድ ፈውሲ የለን። ሓካይም፡ ነቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት፡ ኣድላዩ ዝኾነ ካልእ ክንክን ከም ዝረኽቡ ብምግባር፡ ዓቕሚ ምክልኻል ኣካላቶም (immune system) ከም ዝሕይል ብምግባር እዮም ዝሕክምዎም ዘለው።
ዛጊት ነቲ ሕማም ክፍውስ ዝኽእል ክታበት ኣይተረኽበን።
ገለ ካብቲ ዝግበረሎም ክንክን፡ ናይ ምስትንፋስ ሓገዝ ከም ዝረኽቡን፡ ግቡእ መግብን ማይን ከም ዝሰትዩን ምግባርን'ዩ።
ክታበት ንምርካብ ብዝተፈላለዩ ኩባንያታትን ትካላትን ፈተነታት ይግበር ኣሎ።
ገለ ሆስፒታላት ድማ፡ ናይ ካልኦት ዓይነት ቫይረሳት ኣፋውስ ክሕግዝ ዝኽእል እንተኾይኑ፡ ፈተነታት የካይዳ ኣለዋ።
ብኸመይ ንርእስና ክንከላኸል ንኽእል?
ውድብ ጥዕና ዓለም ካብ ዝህቦም ምኽርታት እዞም ዝስዕቡ ይርከብዎም፡
- ኣእዳውኩም ተሓጸቡ- ሳሙናን ናይ ኢድ መሕጸቢ 'ጀል'ን ንቫይረስ ክቐትል ይኽእል'ዩ
- ክትስዑሉ ከለኹም ኣፍኩምን ኣፍንጫኹምን ተሸፈኑ- እንተ ተኻኢሉ ብ'ቲሹ' (ሶፍት)- ድሕሪኡ ድማ ነቲ ቫይረስ ንኸይላባዕ ኣእዳውኩም ተሓጸቡ።
- ዓይንኹም፡ ኣፍንጫኹምን ኣፍኩም ኣይትሓዙ- በቲ ቫይረስ ዝተለኽፈ ነገራት ምስ እትሕዙ ናብ ኣካላትኩም ክሰግር ስለዝኽእል
- ናብ ዝስዕሉ ይኹን ዝህንጥሱ ወይ ድማ ረስኒ ዘለዎም ሰባት ኣይትጸግዑ- እቲ ቫይረስ ከናጥርዎ ስለዝኽእሉ- እንተ ተኻኢሉ ሓደ ሜትሮ ካብኦም ክትርሕቁ ይምረጽ
በቲ ቫይረስ ንባዕልኹም ወይ ካልኦት ከም ዝተትሓዙ እንተተጠራጢርኩም
ንርእስኹም ካብ ካልኦት ሰባት ብምፍላይ፡ ኣብ ገዛኹም ጽንሑ፤ ካልኦት'ውን ከምኡ ክገብሩ ኣተባብዕዎም።
ኣብ ኢትዮጵያ እንተለኹም ድማ 8335 ብምድዋል ንኢንስቲትዩት ማሕበረሰብ ጥዕና ኢትዮጵያ ኣፍልጡ።