እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘሎ ዝርገሐ ኮሮናቫይረስ ዛጊት እንታይ ንፈልጥ?
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዑ ሰባት 12 ከምዝበጽሐ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እዚ ድማ፡ ሓደ ተወሳኺ ብሕማም ኮሮናቫይረስ ዝተትሓዘ ሰብ ከምዝረኸበት ብምርግጋጻ እዩ።
እቲ ሓድሽ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ፡ ወዲ 34 ዓመት ኢትዮጵያዊ ኮይኑ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 10 መጋቢት ካብ ዱባይ ዝተመለሰ ከምዝኾነ ተገሊጹ'ሎ።
እታ ሃገር፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 3 መጋቢት እያ ፈላማይ ብኮሮናቫይረስ ዝተጠቕዐ ሰብ ከምዘሎ ኣረጋጊጻ።
ድሕሪ 12 መዓልታት ድማ፡ ኣብታ ሃገር ብዝሒ በዚ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት 12 በጺሑ'ሎ።
በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት መነ መን እዮም?
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ፈላማይ ብኮቪድ-19 ከም ዝተጠቕዐ ዝተገለጸ ሰብ፡ ወዲ 48 ዓመት ጃፓናዊ ክኸውን ከሎ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 25 ለካቲት ካብ ቡርኪናፋሶ ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ።
ድሕሪ ሸሞንተ መዓልታት ከኣ፡ እቲ ጃፓናዊ ብሕማም ኮሮናቫይረስ ከምዝተለኸፈን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 'ቦሌ ጨፋ' ኣብ ዝበሃል ማእከል ከምዝተወሸበን መግለጺ ተዋሂቡ።
ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 6 መጋቢት (15 መጋቢት) ድማ፡ ካልኦት ተወሰኽቲ 3 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ ዘረጋገጸ ኮይኑ፤ እቶም ተሓከምቲ ከኣ ምስቲ ፈላማይ ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸቦ ዝተገልጸ ጃፓናዊ ርክብ ዝነበሮም እዮም።
ንሳቶም ከኣ፡ ሓደ ወዲ 42 ዓመት ኢትዮጵያዊ፡ ክልቲኦም ከኣ ወዲ 44 ከምኡ ድማ ወዲ 47 ዓመት ጃፓናውያን ምዃኖም ተገሊጹ ነይሩ።
ብጽባሒቱ፡ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ 7 መጋቢት ድማ፡ ካብ ዱባይ ናብታ ሃገር ዝኣተወ ኢትዮጵያዊ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፈ ተረጋጊጹ።
ካብኡ ቀጺሉ ድማ፡ 8 መጋቢት ሓንቲ ካብ ዱባይ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣተወት እንግሊዛዊት ዲፕሎማት እቲ ሕማም ከምዘጥቀዓ ተገሊጹ።
ድሕሪ ክልተ መዓልቲ፡ 10 መጋቢት ከኣ ክልተ ካልኦት ሰባት እቲ ቫይረስ ከምዝተረኸቦም ተረጋጊጹ። እታ ሓንቲ፡ ምስቲ ፈላማይ እቲ ቫይረስ ከምዘለዎ ዝተረጋገጸ ጃፓናዊ ርክብ ዝነበራ፡ ጓል 44 ዓመት ጃፓናዊት ክትከውን እንከላ፡ እቲ ኻልእ ድማ ወዲ 39 ዓመት ኦስትርያዊ እዩ። እተን ሳልሰይቲ ድማ፡ ጓል 85 ዓመት ኢትዮጵያዊት እየን።
13 መጋቢት ድማ፡ ሓደ ካብ ቤልጅየም ናብታ ሃገር ዝኣተወ ወዲ 28 ዓመት ኢትዮጵያዊን ካልእ ካብ ዱባይ ዝመጸ ወዲ 34 ዓመት ኢትዮጵያውን በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ተገሊጹ።
ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ሰሉስ 15 መጋቢት (24 መጋቢት) ድማ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልቲ ካብ ዱባይ ዝተመለሰ ወዲ 34 ዓመት ኢትዮጵያዊ በቲ ቫይረስ ከምዝተጠቕዐ ተረጋጊጹ። ብዝሒ ናይቶም ኣብ ኢትዮጵያ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ድማ፡ 12 ከምዝበጽሐ ተገሊጹ።
ኩነታት ጥዕና ናይቶም ሕሙማት ከመይ ኣሎ?
ሚኒስትሪ ጥዕና ኢትዮጵያ፡ መብዛሕተኦም ካብቶም ሕሙማት ኣብ ጽቡቕ ጥዕናዊ ኩነታት ከምዘለዉ እዩ ዝገልጽ።
እቲ ሚኒስትሪ ኣብ 22 መጋቢት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እተን ጓል 85 ዓመት ተሓካሚት ጥራይ፡ ኣብ "ከቢድ ሕማም" ከምዘለዋ ገሊጹ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ እንታይ ገይሩ?
ኣብ ኢትዮጵያ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ሓሙሽተ ምስበጽሐ፡ ኣብ 16 መጋቢት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል የኽእሉ እዮም ንዝበሎም ውሳነታት ኣሕሊፉ።
ኣብ መላእ እታ ሃገር ን 15 መዓልታት ኣብያተ ትምህርቲ፣ ስፖርታዊ ምንቅስቓሳትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ደው ክብል ምዃኑ ገሊጹ።
ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ'ውን ካብ መዓስከሮም ከይወጽኡ ተኣዚዞም።
ኣብያተ ፍርዲ ፌደራል'ውን ብኸፊል ከም ዝዕጸው ፕሬዝደንት ቤት ፍርዲ ፌደራል መኣዛ ኣሸናፊ ገሊጻ ነይራ።
ሰሉስ 24 መጋቢት ድማ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ፌደራል፡ ዕዮታቶም ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ከሰርሑ ከምዝተወሰነ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
"ኣብ ገዝኦም ኮይኖም ዕዮታቶም ክፍጽሙ ዝኽእሉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ብነብሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪታቶም ክምመዩ እዮም" ይብል እቲ መግለጺ።
ካብ ካልኦት ሃገራት ዝኣትዉ ኩሎም ሰባት ድማ፡ ን 14 መዓልታት ኣብ መወሸቢ ማእከል ክጸንሑ ግድን ኮይኑ ኣሎ።
ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ኩነታት እንታይ ይመስል?
ኣብ ኢትዮጵያ ዛጊት፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ወጻኢ በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፈ ዝተረጋገጸ ሰብ የለን።
ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎድፋይ፡ ኣብ ትግራይ ዛጊት 16 ዝተጠርጠሩ ሰባት፡ ቅምሶ (ሳምፕል) ናብ ኣዲስ ኣበባ እናተልኣኸ፡ ተመርሚሮም ናጻ ኮይኖም ከምዝተረኸቡ ገሊጹ እዩ።
እቲ ሓላፊ፡ ናይ ኮሮናቫይረስ ላቦራቶሪ ምርመራ ኣብ ትግራይ ንምጅማር ድማ ምድላዋት ይግበር ከምዘሎ ገሊጹ እዩ።
ኣብታ ክልል፡ ኣብ መቐለ ማእከል መወሸቢ ኮሮናቫይረስ ተዳልዩ ከምዘሎ'ውን ገሊጹ እዩ። ኣብ ከተማ ሽረ እውን ካልእ ተመሳሳሊ መወሸቢ ማእከል የዳልዉ ምህላዎም ገሊጹ ነይሩ።
ክንደይ ሰባት ምርመራ ገይሮም?
ሚኒስተር ጥዕና ኢትዮጵያ ሊያ ታደሰ፡ ክሳብ 22 መጋቢት፡ ኣብ 392 ቅምሶታት ምርመራ ከምዝገበረ፡ ምስቶም በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ርክብ ዝነበሮም ሰባት ድማ ናይ ምክትታል ስራሕ ይሰርሕ ምህላዉ ገሊጹ እዩ።