ኮሮናቫይረስ፡ ሃገራት ዓለም ኮሮናቫይረስ ኣብ ምቅላስ ካብ ኤሽያ እንታይ ይመሃራ?

ኣብ ኤውሮጳ ዝረኣ ዘሎ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ፡ ብሓያል ናህሪ ንሰማይ ይዓርግ ኣሎ።

መብዛሕትአን ሃገራት፡ ኣዝዮም ከበድቲ ስጉምታት ብምውሳድ፡ ካብ ኣብያተ ትምህርቲ ጀሚሩ ብርክት ዝበሉ ትካላት ብምዕጻው ነዚ ከም መግትኢ መገዲ ብትሪ የተግብራ ኣለዋ።

ቅድም ኢሉ፡ እዚ ለበዳ ዓለም ዝኾነ ሕማም ንሃገራት ኤሽያ ኣጥቂዑ ነይሩ፤ ገሊአን እዚ ሕማም ኣብ ምቁጽጻር ዘርኣይኦ ዕውት ስራሕ ሞሳ ኣትሪፉለን።

ኣብነት፡ ሲንጋፓር፣ ከተማ ሆንግ ኮንግን፤ ታይዋንን፡ ኣብ ክሊ ነታ በዚ ቫይረስ ኣዐርያ ተጠቒዓ ዝነበረት ቻይና ዘለወን ቅርበት፡ ቑጽሪ በዚ ቫይረስ ዝተሓዙ ሰባት ኣዝዩ ዝተሓተ ክኸውን ገይረን'የን።

እንታይ ዝተፈለየ ነገር'ን ሰሪሐን? ካልኦት ሃገራት ክመሃርኦ ዝግባእ እንታይ ኣሎ?

ሓደ፡ ረዚንንቕልጡፍን ስጉምቲ ምውሳድ

ሰብ ሞያ ጥዕና፡ ብሰፊሑ መርመራ ምክያድ፣ ብዚ ሕማም ዝተለኸፉ ምውሻብን ማሕበራዊ ርሕቐት ክሕልው ምትብባዕን፡ እዚ ለበዳ ንምቁጽጻር ዝሕግዙ መገድታት'ዮም ዝብል ሓበራዊ ርድኢት ኣለዎም።

ገሊኦም ስጉምታት፡ ደረጅኦም ዝፈላለ እንተኾነ'ውን ተቐቢሎም ዝትግብሩዎም ኣለው። እቲ ቀንዲ ውራይ ግን፡ ብዙሓት ሃገራት ቅልጡፍ ስጉምቲ ኣብ ምውሳድ ይሰንፋ ምህላወን'ዩ።

ዳይሬክተር ፖሊሲ መጽናዕቲ ትካል ጥዕና ዓለም ዝነበረ ቲኪ ፓንገስቱ፡ "ኣሜሪካን ብሪጣንያን ዝነበረን ዕድል ስኢነን'የን፤ እዚ ሕማም ኣብ ቻይና ምስ ተርኣየ ቅድመ ምድላው ንምግባር ብውሑድ ክልተ ሰሙን ነይሩወን። ግን ድማ ቻይና ካባና ዝረሓቐት ስለ ዝኾነት ዝፍጠር ጸገም የለን ዝብል ስምዒት ነይሩ" ይብል።

ቻይና፡ ብ31 ታሕሳስ 2019፡ "ምስጢራውን ብእስትንፋስ ዝመሓላለፉ ዓይነት ሕማም" ከም ዝርኣየት ንትካል ጥዕና ዓለም ኣፍሊጣ።

ኣብዚ ግዘ፡ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝተርኣየ ምትሕልላፍ እዚ ሕማም ኣይነበረን፤ ብዙሕ ብዛዕብኡ ዝፍለጥ ነገር'ውን ኣይነበረን።

ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ግን፤ ሲንጋፖር፣ ታይዋንን ሆንግ ኮንግን፡ ኣብ ዶባት መርመራ ምክያድ ጀሚረን።

ታይዋን፡ ካብ ግዝኣት ቻይና ዝኾነት ውሃን ብነፋሪት ዝመጽኡ ተጉዓዝቲ ካብ ነፋሪት ከይወረዱ ክትምርመር ጀሚራ።

ጸኒሖም ተመራመርቲ ብዛዕባ እዚ ቫይረስ ሓደ ነገር ክዕዘቡ ጀሚሮም። ሰባት ምልክት ሕማም ከየርኣዩ'ውን ክልከፉ ስለ ዝኽእሉ፡ እቲ ዘዋጽእ ነገር መርመራ ምክያድ ምኻኑ ሓቢሮም።

ክልተ፡ ሰፊሕን ተመጣጣንን መርመራ ምክያድ

ኣብ ደቡብ ኮርያ፡ ብዝሒ በዚ ሕማም ዝተሓዙ ሰባት ቀልጢፉ ክውስኽ ተራእዩ።

እንተኾነ፡ ቀልጢፋ መርመራ እዚ ቫይረስ ጀሚራ። ኣብዚ እዋን ልዕሊ 290 ሽሕ ሰባት መርመራ ኮሮናቫይረስ ከምዝገበሩን፤ መዓልታዊ ድማ ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት ብናጻ ይምርመሩ።

"ናብ መርመራ ዝኣተውሉ ቅልጣፈን ብዝሒ ዝምርመርዎ ህዝብን ዘደንቕ'ዩ" ይብል ፕሮፌሰር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዩኒቨርሲቲ ሲንጋፓር ኦይ ኢንግ ኦንግ።

ደቡብ ኮርያ፡ ኣብ 2015 ዓ.ም ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ብዝተርኣየ ሕመም መተንፈሲ ኣካላት 35 ሰባት ድሕሪ ምስኣና፡ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ኣብ ምምርማር ቕልጡፍ ስጉምቲ እያ እትወስድ።

ምስዚ ብምውድዳር፡ ኣሜሪካ ዘንጊዓ'ያ። መጀመርታ ጸገም መመርመሪ ናውታት ኣለኒ ኢላ፤ ስዒቡ ኣብ ናይ ብሕቲ ቤተ ፈተነታት ዝተረኽበ ውጽኢት ተቀባልነት ኣይረኸበን።

ብዙሓት ሰባት፡ መርመራ ክገብሩ ክቡር'ውን ስለ ዝኾኖም ክጽገሙ ጀሚሮም፤ ኣብ መወዳእታ ኩሉ ብናጻ ክምርመር ዝገብር መምርሒ ተመሓላለፈ።

ቀጺላ፡ ብሪጣኒያ ናብ ሆስፒታል ዝኣተው ጥራሕ መርመራ ከም ዝግበረሎም ገሊጻ። እዚ፡ ቀሊል ናይ ሕማም ምልክት ዘለዎም ሰባት ፈሊኻ ንምፍላጥ ዘጸግም ኮይኑ።

ገለ ሃገራት እኹል መመርመሪ ናውቲ ሕክምና ከም ዘይነበረን ዝጠቅስ ፕሮፌሰር ቲኪ ፓንገስቱ፡ ተደጋጋሚ መርመራ ምግባር ግን "ቀዳምነት ዝወሃቦ ጠቓሚ ኣገባብ" እዩ ይብል።

ሳልሳይ፡ ምክትታልን ምፍላይን

ምልክታት እዚ ቫይረስ ዘርኣዩ ሰባት ምምርማር ጥራሕ ዘይኮነ፡ እዞም ሰባት ክረኽቡዎም ይኽእሉ'ዮም ዝበሃሉ ሰባት እውን ምክትታል ኣገዳሲ'ዩ።

ኣብ ሲንጋፖር፡ ነንሕድሕዶም ተናኺፎም እዮም ዝበለቶም ልዕሊ 6000 ሰባት መርመራ ገይራ፤ ውጽኢቶም ክሳብ ዝፍለጥ ድማ ነብሰ ውሸባ ገይሮም ክጸንሑ ኣዚዛ።

ኣብ ሆንግ ኮንግ፡ እዚ ዓይነት መርመራ ሓደ ሰብ ምልክት እዚ ሕማም ከየርኣየ ኣብ ዘሎ እዋን ዝጀመሩ፡ ንክልተ መዓልታት ንድሕሪት ተመሊሳ ምክትታል ጀሚራ።

እዚ ጥራይ ኣይኮነን፡ እቶም ነብሶም ወሺቦም ውጽኢቶም ክጽበዩ መምርሒ ዝተዋህቦም ሰባት፡ እቲ ትእዛዝ ኣኽቢሮም ኣብ ገዝኦም ኾፍ ኢሎም ንኸሕልፍዎ ክትትል ገይረን እየን።

ከተማ ሆንግ ኮንግ፡ ካብ ደገ ዝመጽኡ ተጉዓዝቲ መዓልታዊ ምንቅስቓሶም ንምክትታል ኣብ ኢዶም ኤሌክትሪክ ዘለዎ መቆጻጸሪ ትኣስረሎም ነይራ።

ሲንጋፖር ድማ፡ እቶም ነብሶም ዝወሸቡ ሰባት መዓልታዊ ብምክትታል፡ ኣበይ ኣለው ዝብል ንምፍላጥ ስእሊ ክልእኹ ትገብር ነይራ።

ሲንጋፖር፡ ከቢድ መቕጻዕቲ'ውን ወሲኻትሉ'ያ፤ ዝኾነ ነብሱ ወሺቡ ኣብ ገዛ ክጸንሕ ዝተውሃቦ መምርሒ ከይኣኽበረ ዝተረኽበ ሰብ ክሳብ ማእሰርቲ ዝጽሕ መቕጻዕቲ ወሲና።

እዚ ንመብዛሕትአን ምዕራባውያን ሃገራት ምስ ዘለወን ብዝሒ ህዝብን ጉዳይ ናጽነትን ሰብኣዊ መሰልን፡ ብቐሊሉ ዝውሓጠለን ስጉምቲ ዘይክኸውን ይኽእል'ዩ።

ፕሮፌሰር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ዩኒቨርሲቲ ሲንጋፖር ኦይ ኢንግ ኦንግ፡ "ንሕና ውሑዳት ስለ ዝኾንና፡ እቲ ዝገበርናዮ ከነፈጽም ይከኣለና'ዩ። ንሕና ዝገበርናዮ ካልኦት'ውን ክወስድኦ ምግባር ግን ትርጉም ዝህልዎ ኣይመስለንን፤ እቲ ዝውሰድ ስጉምቲ ንነፍሲ ወከፍ ሃገር ዝሰማማዕ ክኸውን ኣለዎ" ይብል።

ራብዓይ፡ ማሕበራዊ ርሕቐትካ ምሕላው

ማሕበራዊ ርሕቀት ምሕላው፡ ካብቶም ነዚ ቫይረስ ኣብ ምቁጽጻር ዝሕግዙ እዮም ዝተብሃሉ መገዲታት እቲ ውጽኢታዊ ምዃኑ ይእመን።

እዚ ቫይረስ ኣቐዲሙ ተራእዩላ እትብሃል ውሃን፡ ቅድሚ ሙሉእ ህዝቢ ምውሻባ ሓሙሽተ ሚልየን ሰባት ካብቲ ከባቢ ጠቕሊሎም ወጺኦም እዮም።

እዚ፡ ኣብ ታሪኽ ወድሰብ እቲ ዝዓበየ ዝኾነ ስጉምቲ ምውሻብ ክውሰድ ምኽንያት ኮይኑ።

ጥልያንን ስፔንን፡ ቁጽሪ በዚ ሕማም ዝልከፉ ሰባት ክውስክ ምስ ጀመረ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሰዲን። ኒውዮርክን ካሊፎርኒያን ነበርቲ ካብ ገዝኦም ክወጽኡ ከም ዘይብሎም ኣጠንቂቐን።

ብኣንጻሩ፡ ሲንጋፖር ኣብያተ ትምህርቲ'ኳ እንተዘይዓጸወት፡ ማሕበራዊ ምትእኽኻባትን ግን ክስረዙ ገይራ። ሆንግ ኮንግ፤ ኣብያተ ትምህርቲ ብምዕጻው ሰባት ካብ ገዝኦም ክሰርሑ ከተፍቅድ እንከላ፤ ሬስቶራንትን ባራትን ግን ኣይተዓጽዉን።

ፕሮፌሰር ኦይ፡ እቲ ኣፈላላይ፡ መንግስታት ማሕበራዊ ርሕቐት ብየናይ ፍጥነት ግብራዊ ክኸውን ገይሮም ዝብል እዩ ይብል።

"ብዙሓት ስጉምቲ ምቁጽጻር እዚ ቫይረስ ዝወሰዳ፡ ብዝሒ ዝተትሓዙ ሰባት ሓፍ ምስ በለ'ዩ" ኢሉ።

ማሕበራዊ ርሕቀት ምሕላው ዝብል መገዲ ምክልካል ምዝርጋሕ እዚ ቫይረስ ግን፡ መንግስታት ጥራሕ ዘይኮነ ሰባት'ውን ተቐቢሎም ኣብ ምትግባር ዘለዎም ድልውነት ብልክዕ ክሕሰበሉ ዝግባእ ነገር እዩ።

ሓምሻይ: ህዝቢ ወት ሓበሬታ ክህልዎ ምግባር

"ህዝቢ ክተሓባበረካ እንተዘይክኢሉ፡ ከተዕውቶ እትኽእል ፖሊሲ የለን። እቶም ፖሊሲታትካ ሳይንሳዊ መረዳእታ ዘለዎም ምዃኖም ብምርኣይ ከተፈጽሞም ይግባእ" ይብል ፕሮፌሰር ፓንገስቱ።

ቻይና፡ ተርእዮ ኽስተት እዚ ቫይረስ ንምቕባል ዘርኣየቶ ምዝንጋዕ፡ ናብ መዋጥር ኣእቲዩዋ'ዩ።

ስግኣት ኮሮናቫይረስ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ እዋን እንተኾነ'ውን፡ ኣብ ውሃን ዓበይቲ ፖለቲካዊ ምትእኽኻባት ይካየዱ ነይሮም።

ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ድማ፡ ብዛዕባ እዚ ቫይረስ መጠንቀቕታ ንዝሃቡ ሰብ ሞያ ሕክምና ይቐጽዑ ነይሮም፤ ሓደ ካብኣቶም በቲ ቫይረስ ሞይቱ'ዩ።

ድሕሪኡ ግን፡ ቻይና ንሕሙማት እዚ ቫይረስ ንምሕካም ዘኽእሉዋ ሆስፒታላት ኣብ ውሽጢ መዓልታት ብምህናጽን ብምውሻብን ብዘርኣየቶ ዕውት ስራሕ ናእዳ ኣትሪፉላ።

ሆንግ ኮንግ፡ ምልክታት ኮሮናቫይረስ ዘርኣዩ ውልቀሰባት ዝነብሩሎም ህንጻታት ከይተረፈ ዝሕብር ካርታን ካልኦት ኣገደስቲ ሓበሬታታን፡ ኩሉ ብቀጥታ ክረኽበሉ ዝኽእል ኣገባብ ተጠቒማ።

ደቡብ ኮርያ ብወገና፡ ሰባት በቲ ቫይረስ ዝሓመሙ ምዃኖም ዝሕብር ናይ ቴሌፎን መጠንቀቕታ ሰሪሓ።

ሲንጋፖር፡ ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ግልጺ ዝኾነ ሓበሬታ ትህብ ነይራ፤ ቀዳማይ ሚኒስተር ሓዊሱ ሰባት በዚ ሕማም ሰንቢዶም ኣድላዪ ዘይኮነ ዕድጊ ከይገብሩ ዘሕለፎ መልእኽቲ እታ ሃገር ክትንኣድ ገይሩዋ'ዩ።

ሻድሻይ፡ ኣተሓሳስባ ውልቀሰባት

ኤሽያውያን፡ ብዙሓት ከም ዝብሉዎ ትእዛዝ መንግስቲ ተቐቢሎም ዘተግብሩ ህዝቢ'ዮም ኢልካ መደምደምታ ክትህበሉ ቀሊል ክኸውን ይኽእል እዩ።

ግን ድማ ኣብ ሆንግ ኮንግ፡ ኣብ መንግስቲ ዘለዎም እምነት ትሑት'ዩ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንኣዋርሕ ዝዘለቐ ተቓውሞ ህዝቢ ነይሩ።

ግን ድማ፡ ኣብዛ ኣብ ዓለም ብዙሕ ህዝቢ ካብ ዘለወን ከተማታት ሓንቲ ዝኾነት፡ ብዙሓት ብዓርሰ ተበግሶ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል፡ ማሕበራዊ ርሕቀቶም ሓልዮም እዮም።

ካልእ ተሪፉ፡ ህዝባዊ ምትእክኻብ ንምውጋድ ማዕረ ፍጻሜታት በዓል ልደት ዝኾነ ሓድሽ ዓመት ሉናር ክተርፍ ገይሮም።

ፕሮፌሰር ፓንጌስቱ፡ "ደቂ ሆንግ ኮንግ ኣብ መንግስቲ እምነት እንተዘይሃለዎም'ውን፡ ብሆንግ ኮንግ ግን ኩሩዓት ስለ ዝኾኑ እዚ ቫይረስ ከም ስግኣት መንነቶምን ሉእላውነቶም'ዮም ርእዮምዎ' ኢሉ።

ኣተሓባባሪት ሰብ ሞያ ዶብ ኣልቦ ዶኳትር ኾይና ኣብ ዙርያ ኮሮናቫይረስ ንሓደ ወርሒ ኣብ ሆንግ ኮንግ ስልጠና ዝሃበት ነርስ ካሪን ሃስተር፡ ኣብ 2003 ኣጋጢሙ ዝነበረ ለበዳ ሕመም መተንፈሲ ኣካላት [ሳርስ] ስለ ዝዝክሩዎ "ነፍሲወከፍ ሓላፍነት ዝስምዖም'ዮም" ክትብል ትገልጾም።

ኣብ ኤሽያ ገጽካ ብመሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ሸፊንካ ምንቅስቓስ ድማ፡ "ንኻልኦት ዘለዋ ክብሪ" ዝግለጸሉ እዩ ኢላ።

ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ፡ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብዘይምግባራ ሰባት ምስኣ ክቐርቡ ከም ዘይደልዩ ከም ዝተዓዘበት እያ ትዛረብ።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ግን፡ መሸፈኒ ገጽ ክትገብር ስለ ዘይመዓድ፡ ነዚ ተጠቒሞም ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ኤሽያውያን መጥቃዕቲ ክበጽሕ ተራእዩ እዩ።

ገለ ሰብ ሞያ ኤሽያ፡ ኢድካ ካብ ምሕጻብ ብዝሓሸ ውጽኢታዊ መከላኸሊ መገዲ'ዩ ኢሎም እንተኣመኑ፤ እንተኾነ ኣብዚ ጉዳይ ዘሎ ርድኢት ሰብ ሞያ ዝተፈላለየ'ዩ።

ፕሮፌሰር ሕማማት ለበዳ ዩኒቨርሲቲ ሆንግ ኮንግ ቤንጃሚን ኮውሊንግ፡ "መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ተኣምራታዊ መከላከሊ ኮሮናቫይረስ ኣይኮነን። ኩሉ ሰብ እቶም ካልኦት መገዲታት ምክልኻል ሓዊሱ ዝጥቀሞ እንተኾይኑ ግን፡ ናይ ምትሕልላፍ ዕድላት ክንኪ እኽእል'ዩ" ይብል።

እዚ ቫይረስ ደው ንምባል ግን እዚ እኹል ድዩ?

ሰብ ሞያ፡ ብርክት ዝበላ ሃገራት ዝርግሐ ኮቪድ-19 ንምንካይ፡ ከበድቲ ስጉምታት ወሲደን እየን ኢሎም ይኣምኑ።

እንተኾነ፡ እዚ ዓይነት ስጉምቲ ድሕሪኡ ከስዕቦ ዝኽእል ፈተና ርእሱ ዝኸኣለ ጸገም ምዃኑ የጠንቅቑ።

እዚ ቫይረስ ምቁጽጻር ክኢለን ዝነበራ ሃገራት ቻይና፣ ደቡብ ኮርያ፣ ታይዋንን ሲንጋፖርን ካብ ደገ ኣብ ዝመጽኡ ሰባት ይረኽብኦ ኣለዋ እየን።

እዚ ለበዳ ክሳብ መዓዝ ክጸንሕ ከም ዝኽእል ዝፍለጥ ነገር የለን።

ፕሮፌሰር ኦይ፡ ሁበይ ንኽልተ፣ ሰለስተ ሰሙን ክትዕጾ ብምግባት ሓድሽ ረክሲ ምንካይ ከም ዝተኽኣለ ብምግላጽ፡ እዚ ቫይረስ ምቁጽጻር ይከኣል እዩ ኢሉ ተስፋ ይገብር።

"እዚ ንኻልኦት ሰባት ኣብነት ክኸውን ይግባእ፤ ከቢድ'ዩ ግን ድማ ዝከኣል ነገር እዩ" ኢሉ።

ብኣንጻሩ፡ ፕሮፌሰር ኮውሊንግ ከተማታት ዓጺኻ ጸኒሕኻ ዳግም ምኽፋት ሓድሽ ረክሲ ክፈጥር ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዎ።

"ማሕበራዊ ርሕቀት ምሕላው ዘላቒ ኮይኑ ይቕጽል'ዶ ዝብል ነገር ኣይፈልጥን። ክታበት ክሳዕ ዝርከብ ድማ ክንዘናጋዕ የብልናን- 18 ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል'ዩ። ኣብ ሆንግ ኮንግ ዘለው ሰባት ድማ እዚ ነገር ሰልቺዩዎም'ዩ" ክብል ስግኣቱ ይገልጽ።

"ለበዳ ጥዕና ህዝቢ እንትጎድእ ንነዊሕ እዋን ዝቕጽል ምዕጻው ከተማታት ድማ ቑጠባዊ ዝሕታለ ከስዕብ ይኽእል'ዩ። ጽቡቕ ምርጫ የለን"።