እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ መዓስኮን ለበዳ ኣብቂዑ ህይወት ናብ ንቡር ይምለስ ይኸውን?
ዓለም ማዕጾኣ ሸጊጣ፡ ኣብ ውሻጥኣ ተዓቚባ ትርከብ ኣላ።
ውዕዉዕ መዓልታዊ ህይወት ዝርኣየሎምን ብሰብ ወዛሕዛሕ ዝብሉ ዝነበሩን ቦታታት ሎሚ፡ መናፍስቲ ዝገዝእዎም ክሳብ ዝመስሉ ዘፍርሕ ህድኣት ሰፊንዎም ኣሎ።
ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ድማ ናይ ምንቅስቓስ እገዳታት ተነቢሩ፣ ኣብያተ ትምህርቲ ተዓጽየን፣ ማሕበራዊ ምትእኽኻባት ድማ ተኸልኪሎም ይርከቡ።
እዚ፡ ኣብ ዓለም ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ ግብረመልሲ'ዩ። ከምዚ'ልካ ግና ክሳብ መዓስ? እቲ ለበዳ ኣብቂዑ መዓስ'ዩ ህይወት ናብ ንቡር ዝምለስ?
ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ብሓሙስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብዘን ዝቕጽላ 12 ሳምንቲ ነቲ ለበዳ "ክንዓግቶ ንኽእል ኢና" ድሕሪ ምባል፡ "ኮሮና ቫይረስ ሳንጥኡ ጠቕሊሉ ከም ዝኸይድ ክንገብሮ ንኽእል ኢና" ክብል ተሰሚዑ።
ይኹን'ምበር፡ ኣብዘን ዝቕጽላ ሰለስተ ኣዋርሕ ቁጽሪ ዝተለኽፉ ክጎድል እንተኺ፡ መከራና ኣብቂዑ ማለት ኣይኮነን።
እቲ ማዕበል ከኽትም ነዊሕ ግዜ፡ ምናልባት'ውን ዓመታት ክወስድ ይኽእል'ዩ።
በዚ መንጽር ክርአ እንከሎ፡ እቲ ሕጂ ዝውሰድ ዘሎ ናይ ምንቅስቓስ እገዳታትን ናይ ምውሻብ ስጉምትታትን ንሓዋሩ ዘዋጽእ ኣይኮነን።
እዚ ስጉምታት ዘስዕቦ ማሕበራዊን ቁጠባውን መዓት መዘና ኣልቦ ክኽውን'ዩ።
ስለዚ ሃገራት ዘድልየን ቀንዲ ነገር "መዋጽኦ" ('ኤክዚት ስትራተጂ') እዩ፤ እዚ ማለት ነዚ ተነቢሩ ዘሎ እገዳታት ኣልዒልካ ናብ ንቡር ምምላስ።
ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ሓጺር እዋን ጠቕሊሉ ዝጠፍእ ኣይኮነን። እዞም ዝግበሩ ዘለዉ እገዳታት እንተ ተላዒሎም፡ ቁጽሪ በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ክውስኽ ምዃኑ ዘይተርፍ'ዩ።
"እቲ መዋጽኦ ስትራተጂ እንታይ ምዃኑን፡ ብኸመይ ካብዚ ክንወጽእ ንኽእል ኣብ ዝብል ዓቢ ጸገም ኣሎና" ይብል ፕሮፌሰር ስነተላባዒ ሕማማትት ዩኒቨርሲቲ ኤድንብራ ማርክ ዉልሃውስ።
"ብሪጣንያ ጥራይ ዘይኮነት፡ ስትራቴጂ መዋጽኦ ዘለዋ ሃገር የላን" ኢሉ።
ኮሮናቫይረስ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዓቢ ስነፍልጠታውን ሕብረተሰባውን ብድሆ እዩ።
ካብዚ ኣቲናዮ ዘሎና ዓዘቕቲ ንምውጻእ ሰለስተ መንገድታት ጥራይ'ም ዘለዉ፥
- ክታበት
- ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ኣካላዊ ናይ ምጽዋር ዓቕሚ ከማዕብሉ ምግባር
- ወይድማ ንሓዋሩ ሕብረሰተባዊ ባህሪ ምቕያር። ካብዚኦም እቲ ሓደ፡ ናይ ምልባዕ ዓቕሚ እቲ ናይቲ ቫይረስ ክጉድሎ ይኽእል'ዩ።
ክታበት - ብውሕዱ ካብ 12 - 18 ኣዋርሕ ክወስድ'ዩ
ክታበት፡ ናይ ሰባት ሕማም ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከዕብዩ ዝገብር ኮይኑ፡ ዋላ'ውን ነቲ ቫይረስ ዝተቓልዑ እንተኾኑ ክሓሙ ግን ኣይኽእሉን።
እኹል ሰባት እቲ ክታበት ክረኽቡ ብምግባር ድማ [ንኣብነት ኣስታት 60 ሚእታዊት ህዝቢ] እቲ ቫይረስ ናብ ለበዳ ክዓቢ ምግባር ይከኣል።
እዚ 'ሀርድ ኢሚዩኒቲ (herd immunity) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሳይንሳዊ ክልሰሓሳብ እዩ።
ኣብዚ ሰሙን'ዚ፡ ኣብ ኣመሪካ ንፈለማ እዋን ንፈተነ ሓደ ሰብ ተኸቲቡ ነይሩ።
ተመራመርቲ፡ ንህጹጽነት ናይቲ ለበዳ ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ነቲ መጀምርታ ኣብ እንስሳታት ክገብርዎ ዝነበሮም ፈተነ ሰጊሮም ድማ ኣብ ሰብ ፈቲኖምዎ።
ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ብዘይፈልጥ ፍጥነት ክታበት ንምርካብ መጽናዕታት ይካየድ ኣሎ። ዕዉት ክኸውን ድዩ ግን ውሕስነት የለን። ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ዓለም ብምልኡ ክኽተብ ከድሊ'ዩ።
በዚ ዝኸዶ ዘሎ እንተቐጺሉ፡ እቲ ዝድለ ክታበት ካብ 12 ክሳብ 18 ኣዋርሕ ኣብ ዘሎ ክርከብ ይኽእል ይኸውን ኢልካ ክግመት ይከኣል።
ነዚ ቅድሚ ሕጂ ተራእዩ ዘይፈልጥ እገዳታት ኣብ ግምት ብምእታዉ፡ ግን እዚ ነዊሕ ግዜ'ዩ።
"ንክታበት ምጽባይ ስትራተጂ ተባሂሉ ክጽዋዕ የብሉን፡ ስትራተጂ ኣይኮነን" ይብል ፕሮፌሰር ዉልሃውስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ።
ባህርያዊ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ- ክልተ ዓመት ክወስድ'ዩ
ናይ ብሪጣንያ ናይ ሓጺር እዋን ስትራተጂ፡ ሆስፒታላት ኣብ ከቢድ ጽቕጢ ከይኣትዋ ምእንቲ ንቑጽሪ ዝተለኽፉ ምጉዳል'ዩ - ናይ ህጹጽ ረዲኤት ክፍልታት (ኣይሲዩ) ዓራት እንድሕር ተወዲኡ ቁጽሪ ምውታት ይንህር ስለዝኾነ።
ቁጽሪ ዝተለኽፉ እንተድኣ ነክዩ፡ ገለ ካብቲ ተኣዊጁ ዘሎ እገዳታትን ክልከላታትን ክለዕል ይኽእል፡ መሊሱ እቲ ቀጽሪ ክሳዕ ዝልዕል ማልት'ዩ። መሊሱ ኣብ ዝደግሰሉ እዋን ድማ ተመሳሳሊ እገዳታት ይውሰድ።
እዚ ንጹር ኣብ ዘይኮነሉ እዋን ግን "ናይ ዝኾነ ነገር ናይ ግዜ ሰሌዳ ክትሰርዕ ዝከኣል ኣይኮነን" ይብል፡ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ስነፍልጠታዊ ጉዳያት መንግስቲ ብሪጣንያ፡ ሰር ፓትሪክ ቫላንስ።
ብኸምዚ ምትሓዙ፡ ብዙሓት ሰባት ስለዝልከፉ ዘይትሓስበ ናይ እኩብ ተጻዋርነት ክምዕብል ይኽአል'ዩ።
ይኹን እምበር፡ እዚ'ውን ዓመታት ዝወስድ መስርሕ'ዩ ይብል፡ ኣብ ኢምፐሪያል ኮለጅ ለንደን ዝምህር ፕሮፌሰር ኒል ፈርግሰን።
"ነቲ ለበዳ ናብቲ ዝወሓደ ክፋል ናይታ ሃገር ጥራይ ናብ ዝልከፍሉ ደረጃ ንምውራድ ኢና ንዛረብ ዘለና።"
"ምናልባት ብኸምዚ ኣገባብ ንልዕሊ ክልተ ዓመት እንተቐጺልና፡ እኩል ቁጽሪ ምስ ተለኽፈ ገለ ደረጃ ናይ ማሕበረሰብ ተጻዋርነት ክምዕብል ይኽእል ይኸውን"
ቀጻልነቱ ክሳብ ክንደይ'ዩ ዝብል ግን ኣብ ምልክት ሕቶ ዝኣቱ'ዩ።
ካልኦት፡ ትሑት ምልክታት ናይ ቁሪ ሰዓል (ጉንፋዕ) ዘስዕቡ ዓይነታት ኮሮናቫይረስ፡ ድኹም ኣካላዊ ተጻዋርነት ክህሉ ስለ ዝገብሩ፡ ሰባት ኣብ ዕድሚኦም ብተደጋጋሚ ክጥቅዑ ይኽእሉ።
ካልኦት ኣማራጺታት - ንጹር መወዳእታ የብሉን
"እቲ ሳልሳይ ኣማራጺ፡ ትሑት ምምሕልላፍ ክህሉ ዝድርኽ ነባሪ ለውጢ ኣብ ኣነባብራና ክንገብር'ዩ" ይብል ፕ/ር ዉልሃውስ።
እዚ'ውን ንገለ ካብቶም ተወሲዶም ዘለዉ ስጉምትታት ዘጠቓልል'ዩ። ወይ ድማ ዕቱብ መርመራ ብምግባር፡ ነቶም ዝተለኽፉ ብምፍላይ ነቲ ለበዳ ምቁጽጻሩ ከድሊ'ዩ።
"እቲ መጀመርታ ዝገበርናዮ፡ ቀልጢፍካ ዝተለኽፉ ኣለሊኻ፡ ንዝተራኸብዎም ናይ ምድላይ ኣይሰርሐን" ይብል ፕ/ር ዉልሃውስ።
ንኮቪድ-19 ክፍውስ ዝኽእል ምድሃኒት ምምዕባል፡ ነቶም ካልኦት ስትራተጂታት ክሕግዝ ይኽእል'ዩ።
ነቲ ምልክታት ዘርኣዩ ሰባት በቲ መድሃኒት ብምፍዋስ፡ ናብ ካልኦት ከየሕልፍዎ ምቁጽጻር ኣገዳሲ'ዩ።
ንግዳያት ኣብ ሆስፒታላት ብምእላይ፡ እቲ ሕማም ከም ዝዳኸም ብምግባር ኣብ ህጹጽ ክፍልታት (ኣይሲዩ) ጸቕጢ ምጉዳል'ውን ሓጋዚ'ዩ። ብኸምዚ ድማ፡ ሃገራት ኣብ ተሪር እገዳታት ከይኣተዋ ነቲ ኩነታት ክቆጻጸርኦ ይኽእላ።
ህጹጽ ክፍልታት ምስፋሕ'ውን ተመሳሳሊ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል።
ኣማኻሪ ሕክምናዊ ጉዳያት መንግስቲ ብሪጣንያ ዝኾነ፡ ፕሮፌሰር ክሪስ ዊቲ፡ ናይ መዋጽኦ ስትራተጂኡ እንታይ ምዃኑ ምስ ተሓተተ፡ "ንሓዋሩ፡ ክታበት ሓደ ካብዚ ኩነታት ዘውጽኣና መንገዲ ምዃኑ ርዱእ'ዩ። ተስፋ ንገብር ቀልጢፉ ክኾነልና።"
"ብዓለም ደረጃ ኸኣ፡ ሳይንስ ፍታሕ ክፈጥር'ዩ" ክብል ደምዲሙ።