ኮሮናቫይረስ፡ ካሊፎርኒያ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ ኣዊጃ

ካሊፎርኒያ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ [ኮቪድ-19] ሞት ሓደ ሰብ ምስ ኣጋጠማ፡ ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ ኣዊጃ።

በዚ ምኽንያት ዋሽንግተንን ፍሎሪዳን'ውን ለበዳ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ኣዋጅ ህጹጽ ግዘ ኣዊጀን ኣለዋ።

ኣብ ኣሜሪካ፡ በዚ ሕማም ዘጋጥመ ሞት 11 በጺሑ'ሎ።

እዚ ኣብ ሆስፒታል ዝዓረፈ ወዲ 71 ዓመት ሰብኣይ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ኣብ መርከብ ተወሺቦም ካብ ሞንጎ ዝነበሩ ምዃኑ ሰበ ስልጣን ገሊጾም።

እዚ ነባሪ ካሊፎርኒያ ዝኾነ ሰብኣይ፡ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ሳንፍራንሲስኮ ናብ ሜክሲኮ ብመርከብ "ፕሪንሰስ ክሩስ" ክጉዓዝ እንከሎ'ዩ ናብዚ ሕማም ተቓሊዑ።

ኣብቲ ጊዜ፡ እታ መርከብ ናብ ወደብ ሳንፍራንሲስኮ ክትምለስ ተገይሩ'ዩ።

ኣሜሪካ፡ ኣብ ጃፓን ኣብ መርከብ 'ዳየመንድ ፕሪንሰስ' ተወሺቦም ዝጸንሑ ዜጋታታ ብኽልተ ነፈርቲ ወሲዳቶም።

ኣብ ኣሜሪካ ካብ ዘጋጠመ ሞት 11 ሰባት ናይቶም 10 ኣብ ዋሽንግተን ኮይኑ፡ ሕጂ ናብ ቴክሳስን ነብራስካን ኣስፋሕፊሑ ይርከብ።

ኣብ 16 ግዝኣታት ኣሜሪካ 150 ሕሙማት ኮቪድ-19 ተረኺቦም ኣለው። ምምሕዳር ኣሜሪካ ድማ፡ ብደረጃ ሃገር መርመራ ክካየድ ኣዊጁ።

ክሳብ ሕጂ 92 ሽሕ ሰባት በዚ ሕማም ዝተጠቕዑ ክኾኑ እንከለው፡ እቶም ልዕሊ 80 ሽሕ ኣብ ቻይና ዝርከቡ'ዮም። በዚ ምኽንያት ልዕሊ ሰለስተ ሽሕ ሰባት ሞይቶም ኣለው።

ገለ ሰበ ስልጣን ጥዕና ኣሜሪካ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ኣሜሪካ ንዝተኸሰተ ኮሮናቫይረስ ዘርኣዮ ምላሸ ዝተደናጎየ'ዩ ብምባል ይነቕፉዎ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ድማ፤ እቲ ተኸሲቲ ዘሎ ቫይረስ ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ወፍሪ ንምሕጋዝ ዝውዕል 8.3 ቢልዮን ዶላር ኣጽዲቑ።

ካብ ወርሒ ለካቲት ጀሚሩ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ቻይና በጺሖም ዝመጽኡ በጻሕቲ ዓዲ ናብታ ሃገር ኸይኣትው ኸልኪሉ'ዩ።

ማሕበር ጉዕዞ ኣሜሪካ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ክሳብ ሚያዚያ ኣብ ዘሎ ግዘ ቁጽሪ ናብታ ሃገር ዝኣትው በጻሕቲ ዓዲ ብ6 ሚእታዊት ክጎድል ምዃኑ ሓቢሩ።

እዚ ድሕሪ እቲ ኣብ 2008 ዓ.ም ዘጋጠመ ቁጠባዊ ቕልውላው ዝተርኣየ ዝለዓለ ምንካይ ቁጽሪ ዓለምለኻዊ በጻሕቲ ዓዲ ምዃኑ ይግለጽ።

ዝሓለፈ ዓመት ጥራሕ፡ 79.3 ሚልዮን በጻሕቲ ዓዲ ናብ ኣሜሪካ ተጓዒዞም'ዮም።