እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሰኔጋል ካልኣይ ግዳይ ኮሮናቫይረስ ከምዝረኸበት ወግዓዊ ገይራ
ኣብ ሰኔጋል ካልኣይ ግዳይ ኮሮናቫይረስ ከምዝተረኸበ ሚንስትሪ ጥዕና'ታ ሃገር ኣፍሊጡ።
እቲ ወዲ 80 ዓመት ግዳይ ፈረንሳዊ ዜግነት ዘለዎ ኮይኑ፡ ናብታ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብ29 ለካቲት [ዝሓለፈ ቀዳም] ምእታዉ ተገሊጹ።
ካልእ ፈረንሳዊ ግዳይ እቲ ቫይረስ ምክትታል ሕክምና ናብ ዝረኸበሉ ኣብ ዋና ከተማ ሰኔጋል - ዳካር ዝርከብ ሆስፒታል ተወሲዱ'ሎ።
እዚ ኣብ ሰኔጋል ዝተረኸበ ካልኣይ ሰብ ንቑጽሪ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ግዳያት እዚ ቫይረስ ናብ 10 ክብ ኣቢልዎ'ሎ።
ግዳያት ዝተረኸብወን ኣፍሪቃውያን ሃገራትን ቁጽሪ ግዳያትን
ኣልጀርያ - 5 ሰባት
ግብጺ - 2 ሰባት
ሞሮኮ - 1 ሰብ
ናይጀርያ - 1 ሰብ
ቱኒዝያ - 1 ሰብ
ሰኔጋል ሓንቲ ካብተን ናውቲ ምርመራ ኮሮና ቫይረስ ዘለወን 33 ሃገራት ትሕቲ ሳህራ'ያ። ሰበስልጣን እታ ሃገር ነቲ ቫይረስ ንምክልኻል ድልዋት ከምዝኾኑ ይገልጹ።
ዝተረፋ 14 ሃገራት ትሕቲ ሳህራ ኣፍሪቃ ነቲ መሳርሒ ምርመራ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ከምዝማልኣለን ትካል ጥዕና ዓለም ብሰኑይ ንቢቢሲ ሓቢሩ ነይሩ።