ድሕሪ ዓወት ምስ ቃል ኪዳኑ ዝተጻልአ ህወሓት/ኢህወዴግ

ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ን17 ዓመታት ዘካየዶ መሪር ዕጥቃዊ ቃልሲ 20 ግንቦት 1983 ዓ/ም ብዓወት ዛዚሙ። ድሕሪ ዓወትከ?

ኣብ ዝተፈላለዩ ሰነዳትን መዛግብትን ከምዝተገለጸ፡ ቀንዲ ሽቶ'ቲ ቃልሲ፡ ንስርዓት ደርጊ ኣሊኻ ናብ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምስግጋር ዝብል እዩ።

ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ደርጊ፤ ናይ ሰለስተ ዓመታት መንግስታዊ ስግግር ከምዝቐውም ተገይሩ። ዕጥቃዊ ቃልሲ ዘካይዱ ዝነበሩ ከም በዓል ኦነግ ዝኣመሰሉ፡ ብርክት ዝበሉ ዝተወደቡ ሓይልታት ድማ ኣካል እቲ ስግግር ኮይኖም።

ቀጺሉ፤ እታ ሃገር እትምረሐሉ ዓብዪ ሰነድ ጸዲቑ።

ቀንዲ ዓንድታት'ቲ ሕገ መንግስቲ

እቲ ብ29 ሕዳር 1987 ዓ.ም ዝጸደቐ ሕገ መንግስቲ፡ በቲ ናይ ሽዑ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ፡ ዶ/ር ነጋሲ ጊዳዳ ተፈሪሙ ኣብ ስራሕ ዝወዓለ እዩ። ፌዴራላዊ ስርዓት ድማ ተኣዊጁ።

እቲ ሰነድ፡ ህዝቢ ልኡላዊ ወናኒ ስልጣን ምዃኑ ዘረጋገጽ እዩ።

ዓለምለኻዊ ሰብኣዊ መሰላት፡ ምውዳብን ምቅዋምን ሓዊሱ ንዜጋታት መሰረታዊ መሰላት ዘጎናጸፈ-ተባሂሉ ካብ ደገን ካብ ውሽጢ ዓድን ናእዳ ቐሪብሉ ነይሩ።

እንተኾነ፤ ዘይተለመደ ፡ 'መሰል ዓርሰ ውሳነ ክሳብ ምግንጻል' ዝብል ኣብ ዓንቀጽ 39 ዝሰፈረ ሓረግ፡ ኣደዳ ስግኣትን ነቐፌታን ኮይኑ። ሕዚ'ውን ገና ሕቶ ይለዓለሉ እዩ። ንገለ ድማ፡ ኣብ እዋን ጭንቂ ከም መዋጽኦ መሐለውታ ተገይሩ ይውሰድ።

ምኽንያቱ፡ እቲ ሕገ መንግስቲ ነቲ ዝጸንሐ ኣብ ሓደ ቋንቋን ባህልን መሰረት ዝገበረ፡ ህንጸት ሃገር ኣፍሪሱ ከም ብሓድሽ ዝነድቕ እዩ።

እንተኾነ፤ እቲ ውሳነ ኣብቲ እዋን ናይ ኣበዝሓ ሓይልታት ድሌት ዘንጸባርቕ ከምዝነበረ፤ ተመራማሪ ሰላምን ጎንጽን ኖርወጃዊ ፕሮፌሰር [ዶ/ር] ሼትል ትሮንቮል ንቢቢሲ ይዛረብ።

"ሕዚ'ውን እንተኾነ፡ ካብ ውሱን ሓይልታት ወጻኢ፡ ናይ ኣብዝሓ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምርጫ ከምዝኾነ እዩ ዝስመዐኒ" ይብል።

እዚ ምሁር፤ እቲ ዝዓበየ ጸገም ዝበሎ፤ ኣተገባብራ እቲ ሕጊ መንግስቲ እዩ። ከመይ?

ጭላንጭል ዲሞክራሲ

547 ወንበራት ዝሓዘ ሃገራዊ ባይቶ ቆይሙ። ኣብቲ ፈላማይ መረጻ፡ ካብቲ ጠቕላላ ወንበራት ኢህወዴግ 481 ረኺቡ።

ገለ ተቓወምቲ ውድባት ድማ ወንበራት ረኺቦም ኣብቲ ባይቶ ሓሳቦም ዘስምዕሉ ኩነታት ነይሩ።

'ዝጠመየ ህዝቢ መራሒኡ ይበልዕ' ብዝብል ናይ ፓርላማ ዘረበኦም ዝዝከሩ መረራ፤ "ኢህወዴግ መወዳእትኡ ከምዚ ከምዝኸውን ርግጸኛ ነይረ" ይብሉ።

እቲ ዝሐሸ ሃዋህው ዝተራእየሉ፤ መረጻ 1997 ዓ.ም ነይሩ።

ዓሌታዊነት ዘንጸባርቓ'ኳ እንተነበራ፡ ብውልቀ ዝውነና ሚድያታትን ሲቪላዊ ማሕበራት ከም ልበን ተንቀሳቒሰን። ተቓወምቲ ውድባት ድማ ንፈለማ እዋን፡ ዝሐሸ ዓቕሚ ዘጥረይሉ ኩነታት ተፈጢሩ።

ውድባት ቅንጅትን ሕብረትን፡ ኣብ ጎስጓስ መረጻ ንህወሓት/ኢህወዴግ 'ብሓሳብ ዓብሊሎም' ተራእዮም።

ገዲም/ነባር ኣመራርሓ ህወሓት ኣይተ ገብሩ ኣስራት፡ ጎስጓስ'ቲ መረጻ ካብ ክልቲኡ ወገን ሓደገኛ ከምዝነበረ 'ሉኣላዊነትና ዲሞክራሲ በኢትዮጵያ' ኣብ ዝብል መጽሓፉ ኣስፊሩ።

ገለ ተሓለቕቲ ድማ፡ እቲ ገና ካብ ብጒሓቱ ዝተጀመረ ዓሌታዊነት፡ ኣብ ትግራይ ዝምስገን ልምዓት ከይመጽእን ህዝቢ ተዓንጊሉ ከይሓድርን፡ 'ፖለቲካዊ ስክፍታ' ኣስዒቡ ይብልዎ።

ሳዕቤን መረጻ 1997

'ድሕሪ እዚ ኢህወዴግ ብመረጻ ኣይሰዓርን' ኢሎም ተስፋ ዝቐበጹ ውድባት ተቓወምቲ፡ ንሓዋሩ ሰላማዊ ቃልሲ ጠጠው ኣቢሎም፡ ናብ ስደት ከምርሑ ተገዲዶም።

ከም በዓል ኣይተ ልደቱ ድማ፡ ሰላማዊ ቃልሲ ክቕጽሉ መሪጾም።

እንተኾነ፡ ኢህወዴግ እቲ ኩነታት ከምኡ ኢሉ ክቕጽል ኣይመረጸን። ቅድሚ'ቲ መረጻ ካብ ሓደ ሚልዮን ዘይበዝሑ ኣባላት ዝነበርዎ ኢህወዴግ፡ ክሳብ 7 ሚልዮን ኣባላት ክምልምል ኪኢሉ ነይሩ።

እቲ ብኣልማማ ዝተገብረ ምልመላ፡ ጽሬት ዝጎደሎን ኣብ ሓቃውነት ዘይተመስረተን ከምዝነበረ ገለ ፈለጥቲ ውሽጢ ይዛረቡ።

እቲ ምልመላ፡ ምስ መንግስታዊ ጥቕማጥቕምታት ዝተኣሳሰረ ምንባሩ ድማ፡ ይዝረብ።

እቲ ንረብሕኡ ኢሉ ዝኣቱ ኣባል ግን፡ ዳሕራይ ነቲ ግንባር መጥፍኢኡ ከይኸውን ዝመኸሩ ነይሮም።

ሓይልታት ተቓወምቲ፡ 'ኣብ ውሽጢ ኣቲኻ ምዝራግ' ዝብል ሸርሒ ከምዝነበሮም፡ ባዕሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ "ኢህወዴግ ክሰዓር ዝኽእል፡ ንኢህወዴግ መሲሎም ብዝኣትው ሰባት እዩ" ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ነቲ ሓድሽ ስትራተጂ ምልመላ ዝሃንደሰ፡ ኣቦ መንበር እቲ ግንባርን ህወሓትን ባዕሉ ኣይተ መለስ ምዃኑ ንዝፈልጡ ድማ መሊሱ ኣገሪሙሎም።

በቲ መረጻ ስልጣኑ ዝተነቓነቐ ኢህወዴግ "ብተመንያ ዝሰምበደስ ብልሕጺ ተድሃለ" ከምዝበሃል፤ ካልኦት ስጉምትታት'ውን ወሲዱ እዩ።

ሓደሽቲ ኣዋጃት ናብ ምርቃቕ ድማ ኣትዩ።

እቶም ኣዋጃት፡ ሕጊ ፕሬስ፣ ሕጊ መረጻን፣ ሕጊ ሲቪል ማሕበረሰብን እዮም። ደሓር ድማ፡ መረጻ 2002 እናቐረበ ምስ መጽአ፤ ኣዋጅ ጸረ ሽብር ራብዓይ 'ዓፋኒ ሕጊ' ኾይኑ ስዒቡ።

ኣይተ ገብሩ፡ 'ናይታ ሃገር ዕብየት ዲሞክራሲ ዝኾለፈ ክስተት' ይብሎ።

ዘይሻራዊ ትካላት ዲሞክራሲ

ኣብ እዋን መረጻ ኾነ ካብኡ ወጻኢ፡ መንግስታዊ ሚድያ ሓዊሱ ሃብቲ መንግስቲ ንፖሊቲካዊ ፕሮፖጋንዳ እንትውዕል ይረኣይ።

ንኣብነት፡ ጉዳዮም ኣብ ቤት ፍርዲ ዘሎ ፖለቲካዊ እሱራት፡ ከም ገነበነኛታት ገይርካ ኣፍካ መሊእካ፤ ሰነዳዊ ፊልም ምስራሕ ልሙድ ነይሩ። ብርግጽ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ከኣ ኣብ ልዕሊ እስራት ፖለቲካ ተደጊሙ።

ቤት ፍርዲ ድማ፡ ነቲ ተግባር ጠጠው ከብሎ ኣይረአን።

ፕሮፌሰር ሼትል ትሮንቮል፡ ኣብ ኢትዮጵያ "እቲ ዝኸፍአ ነጻ ትካላት ዲሞክራሲ ምፍጣር ዘይምኽኣል" ዝበሎ ዝንባለ፡ እቲ ገዛኢ ፓርቲ ከም ቁርዲድ ተጣቢቑ፡ እቶም ትካላት ዓርሶም ክኢሎም ደው ከይብሉ ኣምኪኑዎም በሃላይ እዩ።

እዚ ነቐፌታ ክሳብ ትካላት ፍትሒ፤ ትካላት ጸጥታን ድሕነትን ዝወስድ እዩ።

ካብኡ ሓሊፉ ድማ፡ ኣብ መንጎ ሰለስቲኦም ኣካላት መንግስቲ- ሓጋጊ፣ ሕጊ ተርጓሚን ፈጻሚን- ሕድሕዳዊ ቁጽጽር ከይህሉ ዝገበረ ሓደገኛ መንገዲ ይብሎ፡ ትሮንቮል።

ጠንቂ'ቲ ፖለቲካዊ ሕማም

ንገለ ሰባት፡ ኢህወዴግ ብመረጻ 1997 ዝሰንበደ እዩ ዝመስሎም። ካብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ ጀሚሩ፡ ምስ ህወሓት/ኢህወዴግ ዝጸንሐን ነቲ ውድብ ኣጸቢቑ ዝፈልጦን ኣይተ ገብሩ ኣስራት ግን፡ ነዚ ኣይቕበሎን።

ኣይተ ገብሩ ከምዝብሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር መለስ፡ 'ጎደሎ ኣልቦ መረጻ ክነካይድ ኢና' ኢሉ ክእውጅ እንተሎ፤ ዕላምኡ ነቶም ኣብ 1993 ካብ ህወሓት ንዝተፈለዩ ብጾቱ ንምውቃዕ ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

"ንሳቶም እዮም ጨምዲዶም ሒዞምዎ ነይሮም 'ምበር 'ንሱ ዲሞክራስያዊ እዩ" ዝብል መልእኽቲ ንምሕላፍን በቲ ምክፍፋል ንዝስኣኖ ተቐባልነት መሊሱ ንምርካብን።

እቲ ጉዳይ ግን ናይ ውልቀሰባት ዘይኮነስ እቲ ውድብ ካብ ዝኽተሎ ዝነበረ ክልሰ-ሓሳብ ዝነቐለ ከምዝኾነ እዩ ዝዛረብ። ንባዕሉ'ውን ተሓታቲ ይገብር- ኣይተ ገብሩ።

ህወሓት ካብ እዋን ቃልሲ ጀሚሩ ዝኽተሎ 'ወያናይ ዲሞክራሲ መስመር' ምስቲ ሕገ-መንግስት ዝጻረር ባህሪ ከምዘለዎ እዩ ደጋጊሙ ዝጽሕፍ።

እቲ መስመር፡ ንሓረስታይን ሸቃላይን ጥራሕ ዝሕለቕ፣ ምሁር ተወላዋላይ ኢሉ ዝኣምነ፤ ንሰብ ሃብቲን ንዜጋታት ፈተውትን ጸላእትን ኢሉ ዝኸፋፍል- እዩ ይብሎ።

እቲ ካብ ሶሻሊዝም ዝቕዳሕ ኣተሓሳስባ ብተፈጥሮኡ፡ ከም ሰርዓት ንኹሉ ብማዕረ ኣይርእን። ፈታውን ጸላእን ኢሉ ይኸፍል።

"ኣብ እዋን ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ንህዝቢ ምልዕዓል 'ምበር ዲሞክራስያዊነት ሕቶ ኣይነበረን፡ እንተኾነ ድሕሪ ዓወት ከም መንግስቲ ብኸመይ ንቐጽል ዝብል መሰረታዊ ዘተ ኣይተገበረን" ይብል ኣይተ ገብሩ።

እቲ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክሳብ ዝዛዘም፡ ብመስመር ሶሻሊዝም ዝተመርሐ ህወሓት፡ ስልጣን ክሕዝ ኣብ ዝተቓረበሉ እዋን፡ እቲ ዝሑል ኲናት ዝበሃል ኣብቂዑ ዓለም ናብ ካልእ ተጻራሪ ስርዓት ዝኣተወትሉ ዘመን ነይሩ።

ኢህወዴግ'ውን እንተኾነ፡ ከም መንግስቲ ዝተኸተሎ ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ነጻ ዕዳጋን ምእዋጁ ምስቲ ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት ንምጥዕዓም ጻዕሪ ከምዝገበረ ምርዳእ ይከኣል።

እንተኾነ፡ ከም ውድብ እቲ ውሽጣዊ ባህሪኡ ከምዘይቀየረ ኣይተ ገብሩ የረድእ።

ብፍላይ ሚስጢራዊነትን ጠርናፊ ባህሪ ናይቲ ስርዓት ካብ መሰረቱ ክሳብ ሕዚ፡ ከምዘይተቐየረ ይዛረብ።

ዶክተር መረራ ጉዲና፤ ኢህወዴግ ዝኣተዎ ቃልን ተግባሩን ከምዘይሳነ እዮም ዝዛረቡ።

"እቲ ሕገ መንግስቲ ዝተጻሕፈ ካብ መንጽር ሊበራል ዲሞክራሲ እዩ። ኢህወዴግ ግን ካብ ሶሻሊዝም ዝቕዳሕ ብወያናይ ዲሞክራሲ እዩ ዝምራሕ። እቲ ፖሊሲን ክልስ-ሓሳብን ብተግባር ይዋቓዕ ነይሩ" ይብሉ።

ኢህወዴግ 'ተቓወምቲ ኣብ ባይቶ ኣለው ክበሃሉን ንወጻእተኛታት ክበሃልን 'ምበር ኣብ ወሰንቲ ጉዳያት ክሳተፉ ድሌት ኣይነበሮን' ዝብል እምነት'ውን ኣለዎም። ህላወ ብዝሐ-ውድባት [መድብለ ፓርቲ ስርዓት] ካብ ልቢ ዝቕበል ፓርቲ ከምዘይኮነ- ናይ ነዊሕ እዋን ትዕዝብቶም እዩ።

ሕቶ ልምዓታዊ መንግስቲ

ኣብቲ እዋን ተቐባልነት ዝረኸበ ናይ ኣይተ መለስ ኣብ ልምዓት ኣፍሪቃ ዘተኮረ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ቀስ ብቐስ ናብ ናይ ሃገር ፖሊሲ ተሰጋጊሩ።

ልምዲ ሃገራት ምብራቕ ኤስያ ዝቐመመ እዩ ነይሩ። ብፍላይ ተሞክሮ ጃፓንን ታይዋንን ኣብ ግምት ዘእተወ ኾይኑ፤ ኣብ ክንዲ ብዓለም ባንክን ኤይኤምኤፍን ዝዝወር 'ፍሹል' ዝበሎ መገዲ ልምዓት፤ ንኣፍሪቃ እዚ ፍቱን መድሓኒት ከምዝኾነ ኣረዲኡ።

እተን ከም ብሉጽ ተሞክሮ ዝተወስዳ ሃገራት ፡ ሓደ ፖለቲካዊ ውድብ፡ ክሳብ ልዕሊ 50ን 60ን ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሑለን ኮይነን፡ በዚ ፖሊሲ ቅልጡፍ ቁጠባዊ ዝላ ዘመዝገባ እየን።

እንተኾነ፡ ቁጠባዊ ለውጢ ክሳብ ዝመጽእ ዲሞክራሲ ናይ ብዙሃን ኣተሓሳስባን ንጎኒ ኣወጊነን ጸኒሐን ተባሂለን እየን ዝንቀፋ። መለስ፤ ነቲ ነቐፌታ ምላሽ ዝኸውን 'ልምዓታዊ ዲምክራስያዊ መንግስቲ' ብዝብል፡ ክልቲኡ ኣጣሚርካ ምኻድ ከምዝከኣል ሓድሽ ምጉት ፈጢሩ።

ብሓደ ገጽ ቅልጡፍ ልምዓት ዘምጽእ ብኸልእ ገጽ ድማ ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ተመራጺ ኮይኑ ዝተረኸበ ሜላ ይመስል።

ብተግባርከ?

ኢትዮጵያ በዚ ናይ ልምዓት ፈለግ፡ ብርክት ዝበሉ ቁጠባውን ማሕበራዊን ለውጢ ዘመዝገበት ኮይና፤ ንዳርጋ ተኸታተሊ 10 ዓመት በዓል ክልተ ዲጂት ዕብየት ብምምዝጋብ ኣብ ዓለም ብፍጥነት ካብ ዝዓብያ ዝነበራ ሓሙሽተ ሃገራት ሓንቲ ኾይና ነይራ።

ካብ 2006 ጀሚሩ ክሳብ 2016/17 ተራእዩ ዘይፈልጥ ቁጠባዊ ዕቤት ከምዝተመዝገበ፡ ዓለማዊ ባንክ'ውን መስኪሩ እዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ 2011 ዓ/ም/ፈ ትሕቲ መዓሙቕ ድኽነት ዝነበረ ብዝሒ ህዝቢ 30 ሚኢታዊ ዝነበረ እንትኸውን፡ ኣብ 2016 ዓ/ም/ፈ ናብ 24 ክንኪ ከምዝኸኣለ እዚ ካብቲ ትካል ዝተረኽበ መረዳእታ ይሕብር።

ኣብ ካልኦት ዘፈራት'ውን ተመሳሳሊ ዕቤት ዝተመዝገበ ኾይኑ፤ ንኣብነት ሽፋን ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣብ 2006 ዝነበረ 79 ሚኢታዊ ኣብ 2016 ዓ/ም/ፈ ናብ 99 ሓፍ ከምዝበለ እቲ መረዳእታ የመላኽት።

ብርክት ዝበላ ዩኒቨርሲታት ድማ ተሃኒጸን።

ኣብ ጥዕናን ምፍጣር ስራሕን፣ ኣብ ህንጸት መንገድን ግድባትን ኣብ ሓጺር እዋን ብዙሕ ተሰሪሑ።

ንኣብነት ህንጸት መንገዲ እንተወሲድና፡ ኣስፋልቲ መንገዲ ኣብ 1991 ዓ/ም/ፈ 20 ሽሕ ኪሜ ዝነበረ ንውሓት፡ ኣብ 2015 ናብ 100 ሽሕ ኪሜ ሓፍ ክብል ክኢሉ።

ንግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ሓዊሱ፤ መንግስቲ ብርክት ዝበሉ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዘመንጭው ግድባት ሰሪሑ።

ጎደሎ ዓወት?

ኢትዮጵያ በቲ ዘመዝገበቶ ቁጠባዊ ልምዓት ስማ ኣብ ዓለም ለኸ ሚድያታት ገኒኑ ምውጻእ ጀሚሩ ነይሩ።

እቲ ካብ ሕርሻ ናብ ኢንዳስቱሪ ስግግር ንምፍጻም ዝዓለመ ቁጠባዊ ፖሊሲ ዕውት ከምዝነበረ ካብ ዘኢኮኖሚስት ጀሚሩ ካሳብ ኒውዮርክ ታይምስ መስኪሮም።

እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ቁጠባዊ ዓውዲ ዝተረኽበ ዓወት፡ ኣብ ፖለቲካ ክድገም ነይርዎ።

ኣበጋግስኡ'ውን እንተኾነ ግን፡ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ድጋፍ ዝዓለመ ነይሩ ይብልዎ- ዶ/ር መረራ ክዛረቡ። ኣብ መረጻ 2002 ዓ/ም [2010] ተደሪኾም።

ኢህወዴግ፡ ንባይቶ ጠቕሊሉ ዝቆጻጸረሉ መንገዲ ምሂዙ። 'ሰራዊት መረጻ' ዝብሃል ሓደ ን ሓሙሽተ ኔትወርክ ብምህናጽ፡ ምስ ረድኤትን ካልኦት ጥቕማ ጥቕምታትን ብምትእስሳር፡ ተቓወምቲ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ፍሕት ከይብሉ ከምዝተገብሩ ይዛረቡ።

እቲ መረጻ ብኸምዚ ተዛዚሙ፡ ኢህወዴግ 99 ሚኢታዊ ከምዝተዓወተ ተነጊሩ ሓሊፉ።

ተቓወምቲ ነቲ ውጽኢት መረጻ ኣይተቐበልዎን። ክሳብ ቤት ፍርዲ በጺሖም ድማ ለውጢ ኣይረኸብሉን።

ናይቲ ስርዓት ገባርን ሓዳግን

ናይቲ ስርዓት ገባርን ሓዳግን፡ ንልዕሊ 30 ዓመት ኣቦ መንበር ህወሓትን ኢህወዴግን ዝኾነ መለስ ዜናዊ፣ ስሙ ኣብ ዓበይቲ መድረኻት ዓለም'ኳ እንተገነነ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ፡ ፖለቲካዊ ነጻነት ኣየምጸአን ተባሂሉ ተነቒፉ።

"እቲ ግንባር ሓደጋ ምብስባስ ከየጓንፎ" ብዝብል ዝጀመሮ ናይ መሪሕነት ምትኽኻእ ፖሊሲ፤ ኣብ ምዕራፍ ከየብጸሐ ድማ፡ ኣብ 57 ዓመቱ ነሓሰ 2012 ዓ/ም/ፈ ዓሪፉ።

ካብ መራሕቲ ኣፍሪቃን መራሕቲ ዓለምን 'ሊቅ፣ ምሁር፣ ሞጋቲ፣ ጥበበኛ ተዛራቢ' ወዘተ ዝብሉ ቃላት ዘኒቦምሉ እዮም። ከም ኣፈኛ ናይ ኣፍሪቃ እውን ይቑጸር ነይሩ።

እቲ ፍሉጥ መጽሄት ዘኢኮኖሚስት ግን፡ 'The man who tried to make dictatorship acceptable' (ንምልኪ ቅቡል ክገብር ዝፈተነ ሰብ) ክብል እዩ ገሊጹዎ።

መለስ ከም ዓብላላይን መራሒ ህወሓት/ኢህወዴግ ካብቲ ናይቲ ግንባር ታሪኻ ነጺልካ ምርኣይ ከቢድ እዩ።

ብድሕሪ መለስ፡ ፖለቲካዊ ምብትታን ከየጋጥም ስግኣት እኳ እንተነበረ፡ እቲ ተቐባሊ ሕድሪ እየ ዝበለ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝተፈለየ ስራሕ ክሰርሕ ኣይተራእየን።

ኣብ መረጻ 2007 ዓ/ም፡ 100 ሚኢታዊ ስዒረ ምስ በለ ብዙሓት ተስፋ ቖሪጾም።

ዘይፍጸም ጉድለት 'ኣፈጻጽማ'

ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ነበር ብርሃነ ጽጋብ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘሐተሞ መጽሓፍ 'የኢህአዴግ ቁልቁለት ጉዞ' እቲ ግንባር ድሕሪ መለስ፡ ናበይ ከምዝኣንፈተ ኣመልኪቱ።

'እቲ ብምግምጋምን ብዓርሰ ምንቕቓፍን ዝፍለጥ ውድብ፡ ብምትእጅጃልን፣ ብምትሕዝዛልን /ብሕኸኒ ክሓከካ/ ተተይ ክብል ጀሚሩ።

ኣሸሓት ደሞም ዝኸፈልሉ ስርዓት፤ ውልቀ መራሕቲ ውድብ፡ ውልቃዊ ረብሐኦም ንምሕላው፤ ናብ ገደል ከምዘጽደፍዎ' የረድእ።

ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝመርሖ ግንባር '100 ሚኢታዊ ስዒረ' ኢሉ መንግስቲ ኣብ ዝምስርተሉ ወርሒ መስከረም 2008፡ ዝተጀመረ ህዝባዊ ተቓውሞ'ዩ ካብ ስልጣን ንኽወርድ ኣገዲድዎ።

ምስ ዕላምኡ ዝተጻለአ ውድብ ህወሓት

እቲ ብሃገር ደረጃ ዝተገልጸ ተጻብኦን ዓወትን ከም ኢህወዴግ ይገለጽ 'ምበር ብቐንዱ ካብ ህወሓት ዝመንጩ እዩ ዝመስል።

ብተደጋገሚ ኣብ ህወሓት ዘጓንፍ ሕማቕ ኮነ ጽቡቕ ክስተት፡ ቀልጢፉ ኣብቶም ካልኦት ውድባት ኢህወዴግ'ውን ይንጸባረቕ።

ንኣብነት ብ1993 ዓ/ም ኣብ ህወሓት ዝተፈጠረ ምክፍፋል፡ ነቲ መላእ ግንባር፣ ምክልኻልን ሃገርን ድሕነትን ከይተረፈ ኣነቓኒቑዎ ነይሩ።

እንተኾነ፤ ገለ ሓይልታት እንተስ መሲልዎም እንተስ ኮነ ኢሎም ንከስቢ ፖለቲካዊ፤ ህዝቢ ትግራይ ናይቲ ስርዓት ሓለፋ ተጠቃሚ ገይሮም እንተሰኣልዎ'ኳ እቲ ሓቂ ግን ብተጻራሪኡ ይመስል።

ድሕሪ መለስ፤ መበል 40 ዓመት ልደት ህወሓት እንትኽበር፤ ዓበይቲ መራሕቲ ህወሓት ምስ ጋዜጠኛታትን ስነጥበባውያንን ናብቲ ቃልሲ ሀ! ኢሉ ዝተወለዐሉ ደደቢት ጉዕዞ ነይሮም።

ኣብቲ ጻንሒት፤ ነቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ዝቐረበሎም ሕቶ "ንምንታይ ግን ህዝብኹም ዘይከሓስክምዎ?" ዝብል ነይሩ።

ዘጽግብ ምላሽ ኣይነበሮምን።

ነቲ ዓሌታዊ ፕሮፖጋንዳ፤ ካብ ባዕሉ ካብ'ቲ ውድብ ዝወጽኡ ዝነበሩ ናይ ሕሶት ጸብጻባት- ነቲ ኩነታት ኣጋዲደምዎ ዝብሉ ኣለው።

ነዚ ኩሉ፤ ዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ናብ ሓላፍነት'ቲ ውድብ ምስ መጽአ፤ ዝኣመነሉ እዩ።

ኾይኑ ግና፡ ኣብ ልዕሊ እቶም 'ሓበሬታ ዝሰንዑ መደናገርቲ' ዛጊድ ዝተወስደ ሕጋዊ ኮነ ምምሕዳራዊ ስጉምቲ የለን።

ከም መዛዘሚ

ኣብርሃ ሃይለዝጊ ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ፤ መምህር እዩ። ካብ 2003 -2006 ኣባል ውድብ ነይሩ። ኣብ እቲ ውድብ ኣትዩ ክቃለስ'የ ዝብል ተሰፋ ሰኒቑ እዩ ኣትዩ ነይሩ።

እንተኾነ፤ ኣርባዕተ ዓመት ከይመልኦ ነቲ ውድብ ጠንጢንዎ ወጺኡ።

"እቲ ውድብ ካብ ሓዲድ ህዝባዊነቱ ወጺኡ ውሑዳት ንረብሓ ህዝቢ እንተይኮነስ፤ ንውልቀ ረብሐኦም ከውዕልዎ ኣስተውዒለ። ኣብ ውሽጢ ውድብ ኮይንካ ንምቅላስ ዘኽእል ሃዋህው ከምዘይነበረ ድማ ተረዲአ።" ኢሉ ካብቲ ውድብ ደብዳበ ጽሒፉ ከምዝተሰናበተ ይዝክር።

ኣብርሃ፤ ኣብ ውሽጢ ኾይኑ ገለ ክነቅፍ ዝፈተነ ሰብ፤ ካብ ስራሕ ምብራር፤ ብህይወቱ ምፍርራሕን ምክትታልን ይበጽሖ ከምዝነበረ ይዝክር።

"ዝሓተተ ከም ጸላኢ እዩ ዝረአ። ጸቢብ፣ ትምክሕተኛ ገለ ዝብሉ ናይ ዓፈና መሳርሒ ቃላት እዮም" ይብል።

ኣብርሃ ብውሳንኡ ይናሳሕ'ዶ ይኸውን?

"ምስ መሓዙተይ ኮይነ ትኽክለኛ ውሳን ምውሳነይ ይስመዐኒ። እተን ንዓና ከም መውቅዒ ዝጥቀሙለን ዝነበራ፤ ደሓር፤ ኣብቲ 'ዓᎁቕ ገምጋም' ጌጋ ምዃኑ ኣሚኖምሉ እዮም" ኢሉ።

ህወሓት ካብ ወርሒ ጥቅምቲ- ሕዳር 2010 ዓ/ም ኣብቲ ዓᎁቕ ዝተብሃለን 35 መዓልታት ዝወሰደን ገምጋም ማእኸላይ ኮሚተ፤ ዜጋታት ሕገ መንግስታዊ መሰላቶም ከምዝተዓፈነ፤ ኣብ ውሽጢ እቲ ውድብ ናይ ስርዓት ኣልቦነት ከምዝነገሰ፣ ጸረ-ዲሞክራስያዊ ኣሰራርሓ፣ ምጥቕቓዕን ምጉጅጃልን መግለጺ ናይቲ ውድብ ኮይኑ ከምዝነበረ ኣሚኑ ንህዝቢ ይቕረታ ሓቲቱ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት፤ ድኽነት፣ ዝፍጸም ዝነበረ ግፍዕን ሕገ መንግስታዊ ጥሕሰትን፣ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታትን ኣብ ትግራይ ዝኸፍአ ከምዝነበረ ተንተንቲ ይዛረቡ።

"ኣብ ስልጣን ነዊሕ ዝጸንሐ ዝኾነ ገዛኢ ውድብ መወዳእትኡ 'ብልሽውናን ስርዓት-ኣልቦነትን እዩ' ዝብል ፕሮፌሰር ሼቲል ትሮንቮል፤ ህወሓት ከም ውድብ ኮነ ከም ግንባር ካብቲ ዝተቓለሰሉ ሓዲድ ወጺኡ- እዩ ክብል ሓሳቡ ይዛዝም።

ዶክተር መረራ፤ ብዛዕባ ህወሓት/ኢህወዴግ ዝዝክርዎ ጽቡቕ ነገር እንተሎ ተሓቲቶም "ካብቲ ሰይጣን ደርጊ ነጻ ስለዘውጸአና ጥራሕ የመስግኖ" ኢሎም።

[ኣብ ውሽጢ እቲ ግንባር ናይ መሪሕነት ለውጢ ምስተገብረ- እቲ ውድብ ናይ ብሓቂ ዓርሱ ኣሐዲሱ'ዶ- ጽባሕኸ ናበይ እዩ ዘቋምት ዘሎ ዝብል ኣብ'ቲ ናይ መወዳእታ ሳልሳይ ክፋል የራኽበና።]