እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህወሓት ኮይንዎ ድዩ ምስ ኢህወደግ ተፋቲሑ?
ኣብቲ ዝሓለፈ ሓሙስ ዝተኻየደ ግንባር ናይ ምውህሃድ ሓሳብ፡ ብሙሉእ ድምጺ ዝጸደቐሉ ኣኼባ ኢህወደግ ከምዘይሳተፍ ቀዲሙ ዘፍለጠ ውድብ ህወሓት፡ ብተግባር'ውን ኣብቲ ኣኼባ እንከይተሳተፈ እዩ ተሪፉ።
ኣብ ዝሓለፉ እዋናት መንግሰቲ/ኢህወደግ ዘሕልፎም ውሳነታት፡ ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ከምዘይቕበሎም ብመግለጽታቱ ከፍልጥ ንዝጸንሐ ህወሓት፡ ኣብ ኣኼባ ኢህወደግ ዘይምርካቡ (ዘይምስታፉ) ብዝሓዞ መገዲ ተቓውሞ፡ ጎሊሁ ዝረኣይ ርትዓዊ ስጉምቲ ምዃኑ ይእመን።
ንምዃኑ ህወሓት በዚ መርገፂኡ ፀኒዑ፡ ምስ ኢህወደግ ክፋታሕ'ዶ ይኸውን? ናይ ኢህወደግን ህወሓትን ፍትሕ ግሁድ እንተድኣ ኮይኑ'ኸ፡ ኣብታ ሃገርን ፖለቲካ እታ ሃገርን እንታይ ከስዕብ ይኽእል? ዝብል፡ ሕቶ ብዙሓት ካብ ዝኸውን ውዒሉ ሓዲሩ'ሎ።
ውህደት ኢህወደግ ዝድግፉ ኣባላትን ኣሓት ውድባትን እቲ ግንባር ኮነ ህወሓት፡ ዋላ እኳ ኢህወደግ ክሳብ ሕዚ ብዝመጽአሉ መገዲ ክቕፅል ከም ዘይኽእል እንተኣመኑ፡ ድሕሪ ሕዚ ብኸመይ ይጓዓዝ ብዝብል ግን፡ ክሰማምዑ ኣይከኣሉን።
ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተኻየደ ኣኼባ ስራሕ ፈፃሚት ኢህወደግ ስዒቡ፡ ብፅባሒቱ ዕለተ ሰንበት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ምስ ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት ዝገበርዎ ዘተ፡ ፍረ ኣልቦ ምዃኑ ድማ ናይዚ ምስክር እዩ።
ኣብ ቀፀልቲ መዓልታት'ውን እንተኾነ፡ ናይ ክልቲኦም ወገናት ኣፈላላይን ምውጣጥን ዝቐፀለ ይመስል።
ኣብ ፖለቲካዊ ተቓውሞ ዝፀንሑ ኣይተ ሙሼ ሰሙ፡ ፖለቲካ ከም ሒሳብ፡ እዚ እንተኾይኑ እዚ ክኸውን እዩ ዝበሃል ስለዘይኮነ፡ ካብዚ ኣጋጣሚ ምጥቃም ዝከኣለሉ ዕድል ከምዘሎ እንተኣሚኖምሉ፡ ክልቲኦም ወገናት መሊሶም ክዛተዩ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት ኣለዎም።
ብኣንፃሩ፡ ብስምዒት ፅልኢ ናብ ምውንጃል ዘምርሑ እንተኾይኖም ግን፡ ንምዝርራብ ዝህልዎም ዕድል ከምክንዎ እዮም ይብሉ።
"ካብ ስም ምፅውዋዕ፣ ምውንጃልን ዘፅልእ መግለፅትታ ካብ ምውፃእን፡ ክልቲኦም ወገናት ሰኺኖም ነቲ ኩነታት ክግምግሙ ይግባእ። እዚ እንተገይሮም ኩሉ ግዘ ዕድል ኣሎ። ብፍላይ ድማ ኣባል ኢህወደግ ዝኾኑ ውድባት፡ ድሕሪ ሕዚ ብዘሰጉምዎ ፕሮፖጋንዳ እዮም፡ ነዚ ዕድል ዝውስንዎ" ይብሉ ኣይተ ሙሼ።
ኣፈላላይን ዘይምርድዳእን ኣጋጢሙ ማለት፡ ኣብቂዑ ምዝርራብ ኣይከኣልን ማለት ኣይኮነን። እቲ ዘሎ ኣፈላላይ ደም ዘፋሰሰ እንተይኮነስ፡ ኣፈላላይ ርእዮተ- ዓለም እዩ። ይኹን'ምበር ነዚ ብምጻር፡ ነገራት መስመር ንክሕዙ ዘይምግባር፡ ንግንባራት እቲ ውድብ ከጥፍእ ይኽእል፡ ብምባል ስግኣቶም የቐምጡ ኣይተ ሙሼ።
ኢህወደግን ህወሓትን፡ "ዋላ'ኳ ኣብ ሓደ እንተኾንና ተፈላሊና ኢና"
ህወሓት ክቃለስ ዝነበሮ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ግንባር ኮይኑ'ምበር ወፂኡ ኣይኮነን ዝብል እምነት ዘለዎም ኣይተ ሙሼ፡ ህወሓት ኣቕቢፁ ካብ ኢህወደግ ዝምለስ'ዶ ይመስሎም? ንዝብል ሕቶና እንክምልሱ፡
"ቅድሚ ሕዚ ህወሓት በይኑ ነይሩ እዩ፣ ምስ ብኣዴን፣ ኦህዴድን ድህዴንን'ውን ሰሪሑ እዩ። ካልኦት ውድባት ብዘይተሳተፍሉ፡ እዞም ውድባት፡ ንፖለቲካ እታ ሃገር ከንቀሳቕሱ እዮም ፀኒሖም። እቲ ዓብይ ነገር ንበዓልካ ምስ ጭቡጥ ኩነታት ምዝማድ እዩ። ብኻልእ ወገን ድማ፡ ነገራት ብዘይካ ህወሓት ክሰርሑ ይኽእሉ ድዮም? ኢልካ ምሕታት የድሊ።
ከም ኣገላልፃ ኣይተ ሙሼ፡ በዓልካ ምስ ጭቡጥ ኩነታት ምዝማድ ከምዘሎ ኮይኑ፡ ህወሓት ከምዝብሎ፡ ህዝቢ ትግራይ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ምስ ህወሓት እንተድኣ ወጊኑ፡ ኢህወደግ ስነ-ልቦና ህዝቢ ትግራይ ንምርካብ ኣይክቐሎን።
ምስቲ ህዝቢ ብምዝታይ፡ ኣብ መፃኢ ዕድል ኢትዮጵያ ንምውሳን ዝህልዎ ዕድል'ውን ኣዝዩ ፀቢብ እዩ ክኸውን። ክንዲ ድላዩ ቁፅሪ ይኹን፡ ሓደ ክልል ብሙሉእ ልቡ ምስ መንግስቲ እንተድኣ ዘይሰርሕ ኮይኑ፡ ብዙሕ ጉድኣት እዩ ዘለዎ።
"ውድባት እዮም ዘይተረዳድኡ፤ ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ልቡ ክሽፍት የብሉን። ንህዝቢ ትግራይ ምስኣን ቀሊል ዋጋ ኣይኮነን ኢለ እየ ዝኣምን" ብምባል ሓሳቦም ይዛዝሙ።
እቲ ምፍልላይ ዘላቒ ኣይኮነን ዝብል እምነት ዘለዎም ኣይተ ሙሼ፡ ገመድ ህወሓትን ኢህወደግን ንሓዋሩ ተበጢሱ ክተርፍ እዩ፡ ኢሎም ኣይኣምኑን። እዚ እምነቶም፡ መራሕቲ እቲ ውድብ፡ ብነዊሕ መገዲ ቃልሲ ስለዝሓለፉ፡ ንምኽንያታውነት ቦታ ክህቡ እዮም፡ ብዝብል ሓሳብ ዝተደረኸ እዩ።
ህወሓት ከም ተቓዋሚ?
ህወሓት ምስ ኢህወደግ እንተድኣ ተፋቲሑ፡ ቀጻሊ ስጉምቱ እንታዩ'ዩ ክኸውን ኣብ ዝብል ዝተፈላለዩ ሓሳባት ይንፀባረቑ፤ ተቓዋሚ ኮይኑ ክቕጽል እዩ ዝብል ድማ ሓደ ቅድመ ግምት እዩ። ኣይተ ሙሼ፡ ካብ ኢህወደግ ምውፃእ ተቓዋሚ ምዃን ድዩ? ኢሎም ይሓቱ።
"እቲ ሓደ ወገን'ውን ተቓዋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ህወሓት ንካልኦት ብምትሕብባር፡ መንግስቲ ክኾነሉ ዝኽእል ዕድል ኣብቂዑ ማለት ኣይኮነን" ብምባል፡ ኩነታት ብኻልእ ኣንፈት ክጓዓዘሉ ዝኽእል ዕደል ከምዘሎ ይገልፁ።
ኣባል ኮሚቴ ስራሕ ፈፃሚ ህወሓትን ምክትል ሓላፊ ቤት-ፅሕፈት ህወሓትን ኣይተ ጌታቸው ረዳ ምስ ቪኦኤ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕተት፡ መፃኢ ዕድል እቲ ውድብ፡ በቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ወይ ድማ ብኢህወደግ እንተይኮነስ፡ ብህወሓት፣ ብደገፍቱን ብህዝቢ ትግራይን እዩ ዝውሰን፡ ምባሎም ይዝከር።
ኣብ ትግራይ 'መንግስታዊ ቁመና'?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ልሳን ህወሓት ዝኾነት መፅሄት ወይን፡ ኣብ ትግራይ "መንግስታዊ ቁመና" (de facto state) ንምግባር ምድላዋት ክግበር ጠሊባ ነይራ፤ እዚ ጥራጥ ኣይኮነን ኣብታ መጽሄት ዝወፅአ ፅሑፍ፡ ናይ ህወሓትን ኢህወደግን ውጥረት ጫፍ ዝረገፀ ምዃኑ ዘርኣየ እዩ ምባል ይከኣል።
እዚ ድማ፡ 'ምግንፃል ትግራይ' ንዝብል ሓሳብ ብዝተፈላለየ መገዲ ብዙሓት ዝዘራረብሉ ኣጀንዳ ንክኸውን ገይርዎ እዩ።
ሙሁር ሕጊ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮንን ፍስሃ፡ ኣብ መፅሄት ወይን ዝወፅአ ፅሑፍ፡ ሙሉእ ብሙሉእ መርገፂ ህወሓት እዩ፤ ኣይኮነን ንምባል'ውን የፀግመለይ እዩ፡"ግና ዘመልክቶ ሓደ ነገር ኣሎ" ይብሉ።
እዚ ሓሳብ ቅድሚ ኣብ መፅሄት ወይን ምውፅኡ፡ ውሑዳት ኣብ ዘይበሃሉ 'ኣክቲቪስታት' ትግራይ'ውን ክንፀባረቕ ፀኒሑ እዩ።
ህወሓት፡ ትግራይ ናይ ምግንፃል ሓሳብ ፈፂሙ የብሉን ምባል ኣይከኣልን ዝብሉ ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮንን ፍስሃ፡ እቲ ውድብ ተገዲደ እየ እዚ ኣማራፂ ወሲደ ክብል ይኽእል። እዚ ኮይኑ'ውን ግን ህወሓት በይኑ ዝውስኖ ኣይኮነን።
ከም ሓደ ትግራዋይ ናቶም ሓሳብ እንታይ ከምዝኾነ ዝሓተትናዮም ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮንን፡ "ዓባይ ትግራይ ኣብ ዓባይ ኢትዮጵያ እየ ዝደልይ፤ ዓባይ እንክበሃል ህዝቢ እዩ ዓብይ ዝኸውን" ኢሎምና።
ይኹን'ምበር፡ ኣብ ህዝቢ ትግራይ፡ 'ቃልስና ይዕፀፍ ኣሎ፤ ንግፋዕ ኣለና' ዝብል ስምዒት ብሰፊሑ ከምዘሎ ይዛረቡ።
ብርግፅ ክንደየናይ ዝኣክል ህዝቢ ትግራይ እዩ ምግንፃል ዝድግፍ? ዝብል ዓሚቕ መፅናዕቲ ዝሓትት እዩ።
ኢህወደግ እንተዘይተስማዕሚዑ ክፈርስ እዩ፤ ክፈርስ'ውን ይግባእ። እዚ ግና፡ መጻኢ ዕድል ኢትዮጵያ ክውስን ኣይግባእን ዝብል መርገፂ ዘለዎም ሓጋዚ ፕሮፌሰር መኮንን፡ "ሞቱ ኣይተኣወጀን'ምበር ኢህወደግ ካብ ዝመውት እኮ ፀኒሑ እዩ" ይብሉ።
ኣባልን ኣሓትን ዝኾኑ ውድባት ኣብ ጉዳይ ውህደት ብመዓረ ይውስኑ
ኣብ ቤት-ፅሕፈት ኢህወደግ ውህደት እቲ ግንባር ናይ ዘፅነዐ ጉጅለ መራሒ ዝኾኑ፡ ዶክተር ተመስገን ቡርቃ፡ ቅድሚ ሕዚ'ውን፡ ፖሊስን ስትራተጂን ኢህወደግ የቐፅሉ ስለዝነበሩ፡ ኣባል ውድባት ጥራሕ እንተይኮኑስ፡ ኣሕዋት ውድባት'ውን፡ ንባዕሎም ብምፍራስ፡ ብመዓረ 'ውድብ ብልፅግና' ከምዝምስርቱ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
"ኢህወደግ ነቲ ውድብ መስሪቱ ዘምፅኦም እንተይኮኑስ፡ ብመዓረ ተዛትዮም ዝምስርትዎ እዩ ክኸውን። ናትና መፅናዕቲ ነዚ እዩ ዘመልክት፡ ንሳቶም ዝውስንዎ ድማ ክንርእይ ኢና" ይብሉ ዶክተር ተመስገን።
እቲ ውህደት መዓስ እዩ ብዕሊ ክእወጅ? ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተቐመጠ ነገር ኣሎ'ዶ? ዝብል ሕቶ ዝቐረበሎም ዶክተር ተመስገን፡ " ንሕና፡ ፀገማት ንምፍታሕ ሕዚ ተወሃዱ ኢና ኢልናዮም ነይርና፡ ግን እቲ ምውሳን ናይ ፖለቲካ እዩ" ዝብል መልሲ ሂቦም።
ውህደትን መፃኢ ዕድል ህወሓትን
ነታ ሃገር ንሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ንዘመሓደረ ግንባር ጠኒሱ ብምውላድ፡ ቀንዲ ብጽሒት ዝወስድ ህወሓት፡ ኣብቲ ዝተመስረተ ውሁድ ውድብ ግና ሓቢሩ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ እዩ።
እቶም ዝተረፉ ኣባላትን ውድባትን እቲ ግንባር ድማ፡ እቲ ውህደት ጋህዲ ንምግባር ኣድለይቲ ዝበሃሉ መስርሓት ብቕልጡፍ የሳልጡ ኣለዉ። ብስራሕ ፈፃሚት እቲ ግንባር ኣኼባ ዝጀመረ ከይዲ እቲ ውሳነ፡ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዘ፡ ብውሳነ ባይቶ ናብ ዝቕፅል ምዕራፍ ሰጊሩ ኣሎ።
ድህሪ ሕዚ ውድባት ምስ ኣባላቶም ብምዝታይ፡ ሕቶ እቲ ውህደት ናብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ብምውሳድ፡ ናይ መወዳእታ ዕልባት ክህብዎ እዮም። እዚ ድማ ብመንፅር ክሳብ ሕዚ ዘሎ ከይዲ፡ ብዙሕ ማሕለኻ ዘጋጥሞ ኣይመስልን።
ህወሓት'ውን ክሳብ ሕዚ ብዘሎ መርገፂኡ እንተድኣ ቀፂሉ፡ ኣብቲ ውህደት ኣለኒ ዝብሎም ሕጋዊ ሕቶታት ብምልዓል ክሙግት ይኽእል። ካብዚ ብተወሳኺ ቅድሚ ሕዚ ገለ ኣባላቱ ከምዝሓበርዎ፡ ምስ ካልኦት ውድባት ፖለቲካ ብምሽራኽ፡ ነቲ ሓድሽ ውሁድ ውድብ ዝነሓናሕ ሃገራዊ ግንባር ወይ ድማ ሕብረት ብምፍጣር፡ ኣብ ቀፃሊ መረፃ ክሳተፍ ከምዝኽእል ትፅቢት ይግበር።
ክሳብ ሕዚ ብዝወሰዶም መርገፅታት ግና፡ ህወሓት ንባዕሉ ኣጥፊኡ፡ ቅድሚ ሕዚ ምስ ዝነበሩ ፖለቲካውን ወተሃደራውን መሻርኽቱ፡ ኣባል 'ውድብ ብልፅግና' ናይ ምዃን ዕድሉ ዝመንመነ እዩ።
እኳድኣስ፡ ምንጪ ደገፍቱ ኣብ ዝኾነት ክልል ትግራይ፡ ነዚ ውህደት ዝቃወም ሰለማዊ ሰልፊ ንምክያድ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ይግለፅ። እዚ ድማ ህወሓት ናበይ የምርሕ ከምዘሎ ዘርእይ እዩ።
ብመንፅር እዚ፡ ኢህወደግ ብመገዲ ውህደት እንተድኣ ዝቕፅል ኮይኑ፡ ህወሓት ኣብቲ ውሁድ ውድብ ክፀንሕ ኣይሕሰብን። ንኹሉ ነገር ግና፡ እቶም ውድባት ፖለቲካ ኣብ ቀፀልቲ መዓልታት ዘሕልፍዎ ውሳነ፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ወሰንቲ መስመራት ዘስምሩ ክኾኑ እዮም።