እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕሮፌሰር ህዝቅኤል፡ "ሃገር እትብተን -ዓንቀጽ 39 እንትእለ እዩ"
ፕሮፌሴር ህዝቅኤል ገቢሳ ትማሊ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ስርዓት ፌዴራሊዝምን ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣመልኪቶም ብዘቕረቡዎ መጽናዕቲ መሰረት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ቀሪቦምሎም ምላሽ ሂቦም። ኣብቲ መጽናዕቶም ተደሪኽና ድማ ገለ ሕቶታት ኣቕሪብናሎም።
ህብረ ብሄራዊ ፌደራሊዝም ኣብ ኢትዮጵያ ክተኣታተው ዝተገብረ፡ ስልጣን ንምክፍፋል ጥራሕ ኣይኮነን ክብሉ ይጅምሩ።
"ታሪኻዊ ሕቶታት ንምምላስ እዩ" ኣብ ተግባር ውዒሉ ዝብል እምነት እዩ ዘለዎም። እንታይ እዩ እቲ ታሪኻዊ ሕቶ?
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት እንተረደኡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ዕብለላን ብሄራዊ ወፅዓን ዘስዐቦ ሕቶ መንነት ነይሩ ዝብል እዩ።
እዚ ቋንቋ፣ ኣሰፈፍራን ስነ-ልቦና ህዝብታትን መሰረት ገይሩ ዝቖመ ስርዓት ፌዴራሊዝም፡ ቅድሚ 28 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ እንትእወጅ ዝነበረ ኩነታት እንታይ ከምዝመስል'ውን ንድሕሪት ምልስ ኢሎም ምርኣይ ዝመርጹ ይመስሉ።
እዚ ቋንቋ መሰረት ዝገበረ ስርዓት ሃገር ይብትን እዩ ዝብል ናይ ካልኦት ሓሳብ ፈጺሞም ኣይቕበሉዎን። ሃገር ኣጽኒሑ'ምበር ኣይበተነን፡ እዮም ዝብሉ። ካብዚ ወጻኢ ካልእ ኣሃዳዊ ዝመስል መልክዕ ዘለዎ ስርዓት እዩ ንኢትዮጵያ ክብትን ዝኽእል ዝብል ሓሳብ ኣንጸባሪቖም።
"ኣብዚ ሃገር ናይ ብሄር ወፅዓ ዝበሃል ኣይነበረን ዝብሉ ኣለዉ። ኣነ ግን ነይሩ ኢለ እየ ዝኣምን፥ ኣሎ ኢልና ዝተስማማዕናሉ እዋን እዩ ነይሩ። ካብዚ እዩ ድማ ዝብገስ። ሕዚ ኣብ ካሊእ ሓድሽ ኩነታት ስለዘለና እዩ መሊሱ ዝለዓል ዘሎ"።
ጎንጽታት ኣስዒቡ'ዶ ይኸውን?
ስርዓት ፌዴራሊዝም ብባዕሉ ጸገም ፈጢሩ ጎንጽታት ኣልዒሉ ኢለ ኣይኣምንን ዝብሉ ፕሮፌሰር ህዝቅኤል፡ እቲ ስርዓት ግን ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ብዝግባእ ኣብ ተግባር ዘይምውዓሉ ጸገማት ኣስዒቡ ክኸውን ከምዝኽእል ይዛረቡ።
ካልአይ ድማ ጸገማት እንትፍጠሩ፡ ኣብ መጽናዕትን ምርምርን ተመርኲዝካ ፍታሕ ዘይምሃብ ኩነታት ከምዝነበረ ወሲኾም ይዛረቡ።
ሳልሳይ፡ እቲ ስርዓት ናብ መሬት ክወርድ ሕዚ'ውን ኣይስራሕን ዘሎ ይብሉ። ካሊእ ተሪፉ እቲ ስርዓት ንምፍራስ ምንቅስቓስ ኣሎ ይብሉ።
"ካብዚ ብዝተረፈ ግን ስርዓት ፌደራሊዝም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ታሪኻዊ ሕቶ ብሄረሰባት ንምምላስ ዓሊሙ ዝቖመ ስርዓት እዩ። ካብኡ ወጻኢ ካልእ ዝሐሸ መልሲ ዘሎ ኣይመስለንን።" ኢሎም።
ብገረባት፤ ቃላያትን እምባታትን እንዝዋቐር ይሕሽ ዝብል ካብ ምንታይ ተልዒልና ዝብል ሕቶ እዩ ዘስዕብ-ይብሉ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እቲ ስርዓት ጎዲሉዎ ዝበሉዎ ብስርዓት ዲሞክራሲ ኣይተዓጀበን ዝብል ቅዋም ድማ ኣለዎም።
እቲ ስርዓት ዲሞክረታይዝ እንተዘይገርናዮ ግን፡ ናይ ሃገር ምብታን ሓደጋ ከስዕብ ይኽእል እዩ ዝብል መጽናዕቲ እዮም ኣቕሪቦም።
ብመሰረቱ ግን ህብረ ብሄራዊ ስርዓት ኣፍሪስካ ካሊእ ስርዓት ንምቛም ዝግበር ጻዕሪ ኣይሳኻዕን፤ እዮም ዝብሉ።
ኣሃዳዊ ስርዓት ተመሊሱ ክመጽእ ይኽእል'ዶ?
ገለ ሰባት፡ ፌደራላዊ ዲሞክራስያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ምስቲ ሽዑ ዝቖመ ሕገ-መንግስቲ ሓዊሱ ክፈርስ፡ እንተነኣሰ ድማ ክመሓየሸን ገለ ዓንቀጻት ተበርቂቖም ክድርበዩን ድሌት ኣለዎም። እዚኦም ሰባት ኣሃዳዊ ስርዓት ኣብ ኢትዮጵያ መሊሱ ክትከል ሓሳብ ዘለዎም እዮም።
ኣብዚ እዋን 'ፖለቲካ ዜግነት' ብዝብል ዝንቀሳቐሱ ከምኡ ዓይነት ዝንባለ ዘለዎም ከምዘኾነ ይዝረብ።
እቶም ፕሮፌሰር ግን ነዚ መልሲ ኣለዎም።
"ድሕሪ ሕዚ ናብ ኣሃዳዊ ስርዓት ናይ ምምላስ ዝንባለ ዘሎ ኣይመስለንን። ብሓሳብ ደረጃ እወ ኣሎ። ናብኡ ንምመላስ እቲ ሕገ-መንግስቲ መሊስካ ምኽላስ እዩ ክመጽእ። እዚ ድማ ዝከኣል ኣይመስለንን" ኢሎም።
እቲ ስርዓት ብካልእ መንገዲ ክዋቐር ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ፡ "እንታይ ዓይነት ሕቶ ንምምላስ?" ዝብል ሕቶ እዮም መሊሶም ዘቕርቡ።
ኣብቲ እዋን ዝነበረ ናይ ማዕርነትነን ናፅነትን ሕቶ ንምምላስ እዩ ክተኣታተ ተገይሩ፤ ዘይነበረ ሕቶ ንምምላስ ምጽዓር ግን ደስ ስለዝበለና ጥራሕ ክንጥቀመሉ ኣይንኽእልን ዝብል ምላሽ እዩ ዘለዎም።
ናይ ውክልና ጸገም ኣሎ ድዩ?
ስርዓት ፌዴራሊዝም ኮነ ንዕኡ ስዒቡ ኣብ ስራሕ ዝርከብ ሕገ-መንግስቲ እንትርቀቕ ኣይተወከልናን ዝብሉ ኣለዉ።
እቶም ፕሮፌሰር፡ "ኣብቲ እዋን ዝነበረ አወዳድባ ገይርና እንተወሲድና ካብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሕብረተሰብ ፤ ካብ ደቂ ኣንስትዮ፤ መናእሰይ፥ ምሁራት ዩኒቨርሲቲ፡ ኮታስ ካብ ኩሉ ኣወዳድባታት ከይተረፈ ተሳትፎ ገይሮምሉ እዩ ረቒቑ። ዘይተመረጹን ሕጋዊ ውክልና ዘይነበሮምን ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ብዝተኽኣለ መጠን ግን በቲ ዝነበረ ኩነታት እኹል ውክልና ክህሉ ተገይሩ እዩ።" ይብሉ።
እቲ ቀንዲ ሕቶ ግን እዚ ኣይመስለንን ይብሉ።
እቲ ሕገ-መንግስቲ ክቕየር ይኽእል'ዶ?
"ሕገ-መንግስቲ 15 ሰባት ከርቅቑዎ ይኽእሉ እዮም። እቲ ሕገ-መንግስቲ ነታ ሃጋር ይጠቅም'ዶ ኣይጠቅምን እዩ እቲ ዋና ሕቶ። ግቡእ ድዩ ተባሂሉ እዩ ክሕተት ዘለዎ። እቲ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ ናይ ፖለቲካ ጽዋታ'ምበር ሓቅነት ዘለዎ ሕቶ ኣይኮነን" ኢሎም።
ከም መነጻጸሪ ሕገ-መንግስቲ ኣመሪካ ዝረቐቐሉ ከይዲ ይጠቕሱ።
ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ኩሉ ዓይነት መሰላት ካብ ውልቃዊ መሰል ክሳብ ብሄረሰባዊ መሰላት ዘጎናጸፈ ከምዝኾነ ፤ ንመሰል ደቂ ኣንስትዮ ኮነ ንመሰል ህጻናት ሰፊሕ ቦታ ከምዝህብ ውን ይዛረቡ። ብዓለም ለኸ ዝሰፈሩ መሰላት ኩሎም ኣካቲቱ ዝሓዘ እዩ ይብሉ።
ከም ናይ ኣመሪካ ሕገ-መንግሰቲ ካብ ግዘ ናብ ግዘ እቲ ሕገ-መንግሰቲ ክምሐየሽ ከምዝኽእል ግን ይዛረቡ።
"ይኹን'ምበር ሕዚ እቲ ሕገ-መንግስቲ ደጊምና ኣብ እንጸሕፈሉ እዋን ኣይኮናን። ሕገ-መንግስቲ እናጸሓፍና ክንነብር የብልናን። እቲ ዘሎ ዝመሐየሽ ነገር እንተለዎ እቲ ሕገ-መንግስቲ ባዕሉ መሰረት ገይርካ ምምሕያሽ ይከኣል እዩ " ይብሉ።
ዓንቀጽ 39'ከ?
እንታይ ዓይት ምምሕያሽ ክግበር ይከኣል? ክንብል ሓቲትናዮም። እቶም ፕሮፌሰር እቲ ሕገ-መንግስቲ ኣብቲ ስርዓት ፌዴራሊዝም መሰረታዊ ለውጢ ዘምጽእ ዝኾነ ምምሕያሽ ክግበረሉ ኣይመኽሩን። ምስ እዋናዊ ኢኮኖሚያዊ ኩነታትን ምስ ቀረጽን ተኣሳሲሩ ጥራሕ ክግበሩ ዝኽአሉ ለውጥታት ክህልዉ ከምዝኽእል ይዛረቡ።
ይኹን'ምበር መሰረታዊ ለውጢ ክግበረሉ ኣይግባእን በሃሊ እዮም። ንኣብነት ተደጋጊሙ ምስ ዝለዓል መሰል ዓርሰ ውሳነ ዝምልከት ዓንቀጽ 39 እንተዝእለ'ዶ ይሕሽ ንዝብል ሕቶ ምላሾም ካልእ እዩ።
"ብናተይ እምነት ዓንቀጽ 39 ናይቲ ሕገ-መንግስቲ ሰረት እዩ። እቶም ብሄረሰባት ፈትዮም ዘቖሙዎ መሰረት እቲ ፌዴሬሽን እዩ። ኣብ ዝደለዩዎ ሰዓት ድማ ወጺኦም ክኸዱ ይኽእሉ ዝብል እዩ ሓቢሩ ኣጽኒሑዎም። እዚ እንተተንኪፉ ፡ መሰሎም ተገዲቡ ማለት እዩ። ብዙሓት መስዋእቲ ዝኸፈልሉ መሰል ብሄረሰባት ዓብይ ዓወት እዩ። ዓንቀጽ 39 ዘጉደሎ ነገር የለን። ንሱ ስለ ዘሎ ካብዚ ዓዲ ክወጽእ ዝበለ ክልል ወይ ከኣ ብሄረሰብ የለን። ሃገር እትብተን ዓንቀጽ 39 እንትእለ እዩ"።
ብሓፈሻ ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ፤ ክልላትን ብሄር ብሄረሰባትን ዓርሶም ዝኸኣሉ ሉኣላዊ ስልጣን ዘለዎም ኣካላት'ምበር ከምቲ ገለ ሰበስልጣናት ኣቕሊሎም ዝሪኡዎ ናይ ምሕደራ ወሰናት ከምዘይኮኑ'ውን ተረጊጾም ተዛሪቦም።
መረጻ 2012 ብዝምልከት
እዚ'ውን ካብቲ ሕገ-መንግስቲ ፈሊኻ ዝረአ ሕቶ ኣይኮነን። እቶም ምሁር ምስኡ እዮም ዘዛምድዎ።
"እዚ'ውን ሕገ-መንግስታዊ ሕቶ እዩ። እቲ ሕገ-መንግስቲ ዝፈቅድ ንሓሙሽተ ዓመት እዩ። መረጻ እንተዘይ ኣካይድካ እቲ ሕገ-መንግስቲ ጥሒስካ ማለት እዩ። ጸገም እንተሎ እንተንዘራረበሉ። ስቕታ ምምራጽ ግን ኣብ ዘብጸሐና የብሉን" ኢሎም።
"እቲ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኣብ ዝደለዮ ሰዓት ምናልባሽ ኣብ መጻኢ ዓመት ወርሒ ለካቲት ክልተ ወርሒ ምስ ዝተርፎ እቲ መረጻ ይናዋሕ ክብል ኣይኽእልን። እዚ ንምግባር ሕገ-መንግስታዊ መሰልን ሓይልን የብሉን" ኢሎም።
እቲ መጸኢ ዓመት ምስተወደአ ብመረጻ ናብ ስልጣን ዝመጽእ ሓይሊ እንተዘይሃልዩ፤ እቲ ሕዚ ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ሕጋዊ ኣይኮነን'ውን ኢሎም።
ነቲ ሕገ-መንግስቲ ካብ ስራሕ ወጻኢ እንተገይሩዎ'ውን ከምኡ ተደማጸነት ዘለዎ ቅቡል ኣይኸውንን ዝብል ቅዋም እዩ ዘለዎም።
ዲሞክራስያዊ ስግግር፡ ሕጋውን ትካላውን ክኸውን እዩ ዘለዎ፤ ብዒጋም ጠሐስ ዝግበር ስግግር የለን።
ክሳብ ሕዚ እቲ መንግስቲ ስቕታ ምምራጹ፡ " ልክዕ ኣይኮነን" ዝብሉ ፕሮፌሰር ህዝቅኤሀል፤ ኣብዚ እዋኑ ክዝረበሉን ግልጺ ክግበርን ኣለዎ ኢሎም።