እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሲፒጄ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሕጊ ሽበራ ንጋዜጠኛታት ይኣስር ምህላዉ ገሊጹ
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ቅድም ክብል ይጥቀመሉ ዝነበረ መገድታት ብምጥቃም ንመራኸብቲ ሓፋሽ ክቆጻጸርን ጋዜጠኛታት ክኣስርን ጀሚሩ ከምዘሎ፡ ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዓለምለኻዊ ትካል፡ ሲፒጄ [ኮሚቲ ቱ ፕሮቴክት ጆርናሊስትስ] ገሊጹ።
ድሕሪ እቲ ኣብ 22 ሰነ ዘጋጠመን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ምዃኑን ዝተገለጸ ፍጻመ፤ ብውሕዱ ክልተ ጋዜጠኛታት ብሕጊ ሽበራ ከምዝተቐየዱ ሲፒጄ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ድሕሪ እቲ ፍጻመ ኢንተርኔት ምዕጻዉ'ውን ሲፒጄ ኣብ ጸብጻቡ ከምስግኣት ጠቒስዎ ኣሎ።
ካብዚ ብተወሳኺ፤ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ሰብመዚ ኢትዮጵያ ንብዙሓት ጋዜጠኛታት ከምዝኣሰሩ ዝገለጸ ክኸውን ከሎ፤ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ "ኣብ መንጎ ሰራዊትን ህዝብን ዘይምትእምማን ይፈጥር ኣለዉ" ንዝበሎም ውልቀሰባትን መራኸብቲ ሓፋሽን ክኸስስ ይዳለው ምህላዉ'ውን ስፒጄ ጠቒሱ'ሎ።
ሲፒጄ ኣብ ጸብጻቡ፡ ንርእይቶ ጋዜጠኛታትን ሰብሞያን ዘካተተ ክኸውን ከሎ፤ እቶም ጋዜጠኛታት ስግኣታቶም ገሊጾም ኣለዉ። በዚ ዝቕጽል እንተኾይኑ ከኣ፡ መጻኢ ዕድል እታ ሃገር ዘስግእ ከምዝኾነ እቶም ርእይቶ ዝሃቡ ጋዜጠኛታት ገሊጾም።
ድሕሪ ምምጻእ ኣብዪ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛታትን ሚድያን፡ ምቹእ ባይታ ትፈጥር ኣላ ዝብል ናእዳ ክውሕዘላ ጸኒሑ እዩ።
ዝሓለፈ ግንቦት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተጸምበለ ዓለማዊ መዓልቲ ናጽነት ፕሬስ'ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ልዑል ናእዳ ረኺቡ እዩ።
ሲፒጄ ምስቲ ሕዚ ዘጋጥም ዘሎ ምእሳር ጋዜጠኛታት ኣዛሚዱ፤ እዚ ናእዳታት ብገንኡ ዝተውሃበ ግዲ እዩ ነይሩ? ዝብል ሕቶ ከምዝፈጥር ኣብ ጸብጻቡ ኣስፊሩ ኣሎ።
ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ምላሽ ክትህብ ዝተሓተት ውሃቢት ቃል መንግስቲ ቢልለኔ ስዩም፤ ምእሳር ጋዜጠኛታት ኩልሻብ ምስ ሞይኦም ዝራኸብ ከምዘይኮነን፤ መንግስቲ ንመራኸብቲ ሓፋሽ ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣር ይተግህ ምህላዉ ከምዝተዛረበት ስፒጄ ይጠቅስ።
ተሓላቒ ሰባዊ መሰላት ኣመነስቲ ኢንተርናሽናል'ውን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ናጽነት ሚዲያ ዘርኣዮ ለውጢ ንድሕሪት ይጎቶ ኣሎ ክብል ነቒፉ እዩ።