ኢትዮጵያ፡ ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ ብኣንደበት ፖለቲከኛታትን ጸሓፍቲ ታሪኽን

1933 ዓ.ም፡ ኢትዮጵያ ብሓደ ወገን ንጎብጣ ባዕዳዊ ገዛኢ ጥልያን እትከላከለሉ፡ ብኻልእ ወገን ድማ ህዝቢ ብዘርግፍ ዝነበረ ክፉእ ጥምየት ተጠቒኣትሉ ዝነበረት እዋን ምኻኑ ይንገር።

ኣብታ ብፍሉይ እትረኣይ መበል 13 ወርሒ ጳጉሜን፡ ህዝቢ ብተስፋ ሓድሽ ዓመት ክቕበል እንትዳሎ፡ ደምቢ ደሎ ኣብ ዝበሃል ከባቢ፡ ቀሺ ጊዳዳ ሰሎን ደቦል ቆልዓ ወሊዶም፡ ሸውዓተ ግዘ ተዓሊሉሎም።

እቲ ኣብዛ ዕለት ሓጎስን ተስፋን ሒዙ ናብዛ ዓለም ዝተጸምበረ ቖልዓ፡ ኣብ ሓደ እዋን ፕሬዝደንት ኢትዮጵያ ኮይኑ ዘገልገለ፡ ዝሓለፈ ቀዳም ካብዛ ዓለም ብሞት ዝተፈለየ ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ'ዩ።

ኢትዮጵያውያን "ጽንኩር እዋን ሰጊርና" ዝብልሉ እዋን ዝተወለደ ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ፡ ኣብ ሓደ እዋን ብዛዕባ ትርጉም ሽሙ ተሓቲቱ ነይሩ።

"ጥምየት ሓሊፉ፡ ሰባት ይሕጎሱ፣ እንኳዕ ደስ በለኩም ክብሉ'ውን ዕፉን ሒዞም ንገዛና ይመጽኡ ነይሮም" ይብል።

ኣብቲ እዋን፡ ሰላም'ውን ተመሊሱ ስለዝነበረ፡ ኣቡኡ "እንኮላይ ሰላም" ዝብል ትርጉም ዘለዎ "ነጋ ሶ" ዝብል ናይ ኦሮምኛ ስም ሂቦምዎ።

ንትምህርቲ ናብ ጀርመን ከይዱ ብማሕበራዊ ታሪኽ ሳልሳይ ዲግሪኡ ዝረኸበ ኮይኑ፡ 'ቖራጽነታ ማሪኹኒ' ክብል ምስ ዝገልጻ ጀርመናዊት በዓልቲ ቤቱ ናብራ መስሪቱ።

ካብ ሃገር እንከይወጽአ፡ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ከም ዝጀመረ ዝዝረብ ዶክተር ነጋሶ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ወተሃደራዊ ስርዓት ክቕየር ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ እምነት ካብ ዝነበሮም ተቓለስቲ ሓደ ምዃኑ ይጥቀስ።

"ካብ ምንቅስቓስ ተምሃሮ ጀሚሩ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝጎልሐ ግደ ዝነበሮ ሰብ'ዩ" ክብል ዝገልጾ ተጋዳላይን ተንታኒ ፖለቲካን ገብሩ ኣስራት፡ ንብሕቱ'ውን እንተኾነ ንዝኣመነሉ ዝቃለስ ሰብ'ዩ ክብል ይዝክሮ።

ቅኑዕ...በዓል መትከል...

ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ፡ ኣብ 1983 ዓ.ም ካብ ጀርመን ናብ ሃገሩ ተመሊሱ ብወግዒ ኣብ ፖለቲካዊ ዲሞክራሲያዊ ሰልፊ ኦሮሞ [ልፍንቲ ኢህወደግ] ተጸምቢሩ፡ ኣብ ምርቃቕ ሕገ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዘተሳተፉ 29 ኣባላት'ውን ሓደ ኮይኑ።

ኣብ 1987 ዓ.ም ፈላማይ ፕሬዝደንት ኢፌድሪ ኮይኑ ዝተሸመ ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ፡ ኣብ 1993 ዓ.ም ኣብቲ ልፍንቲ ፖለቲካዊ ሓርጎጽጎጽ እንትፍጠር ድማ ወጺኡ።

'ዝሓዘንናሉን ዝተበደልናሉን ግዘ ብሓደ ኣሕሊፍና ኢና' ዝብል ተጋዳላይ ገብሩ ኣስራት፡ ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ "ናይ ባዕሉ ዝኾነ ቅዋም ዘለዎ፣ ቅኑዕ፣ ብምኽባር መሰል ብሄረሰባት ኣሚኑ ንዝኣመነሉ ጠጠው ዝብል'ዩ" ክብል'ዩ ዝገልጾ።

ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ትምህርቲ ብሓባር ከም ዝተምሃሩ ዝዛረብ ኣቶ ሌንጮ ለታ ድማ፡ "ዶክተር ነጋሶ መተዓብይተይ'ዩ" ኢሉ።

"ተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ እናሃለና፡ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ናጻ ዝወጽኣሉ እዋን ስለ ዝነበረ፡ መሰል ዓርሰ ውሳነ ዝምልከት ብዙሕ ግዘ ነውግዕ ነይርና" ድማ ይብል።

"ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ክንምስርት እንከለና፡ ንሱ ንትምህርቲ ኣብ ጀርመን ስለ ዝነበረ፡ ንሕና ኣብዚ ታሪክ ክንሰርሕ ኢና፡ ንስኻ ድማ ታሪክ ተምሃር ኢለዮ ምንባረይ ድሕሪ ነዊሕ ግዘ ኣዘኪሩኒ። ኣነ ግን ረሲዐዮ ነይረ" ብምባል፡ ጽቡቕ ናይ ምሕዝነት እዋን ከም ዘሕለፉ የዘንቱ።

ዶክተር ነጋሶ፡ "ህልኸኛ" ምንባሩ ዝዛረብ ኣቶ ሌንጮ ለታ፡ "ኣብ ሓደ ነገር ቅዋም እንተሒዙ ምንቕ ስለዘይብል ይመስለኒ ካብ ኢህወደግ ዝወጽአ" ይብል።

ብኣተሓሕዛ ሰነዳት፣ ዝእክቦ መጽሓፍትን ካልእን እንትርአ ዓርሱ ዝኽኣለ ቤተ ንባብ'ዩ ዝብል ድማ ጋዜጠኛ ዳኒኤል ተፈራ'ዩ።

ጋዜጠኛ ዳኒኤል፡ ህይወት ታሪኽ ዶክተር ነጋሶ ዘዘንቱ 'ዳንዲ፡ የነጋሶ መንገድ' ዝተሰምየ መጽሓፍ ንሰለስተ ወርሒ መመላእታ ቃለ መሕትት ገይሩ ዝሰነደ ኮይኑ፡ ናብ ፖለቲካዊ ሰልፊ አንድነት ኣባል ኮይኑ ኣብ ዝተጸምበረሉ እዋን ከም ዝረኸቦ ይዛረብ።

ንክጽሓፍ ሓደ ዓመት ኣብ ዝወሰደ መጽሓፍ ዳንዲ፡ ፕሬዝደንት ሃገር ኮይኑ ዘገልገለ ሰብ፡ ኣይኮነን እንዶ ከም መራሒ ዝነበረ ከም ተራ ሰብ'ውን ክረኽቦ ዝግባእ ጠመተን ረብሓን ተኸሊኡ፡ ተገፊዑ ይነብር ምንባሩ ይጠቅስ።

ካብዚ ብምብጋስ፡ "ዶክተር ነጋሶ ግዳይ ክፍኣትን ተንኮልን ኢትዮጵያ'ዩ" ዝብል ጋዜጠኛን ፖለቲከኛን ዳኒኤል ተፈራ፡ ምድራዊ ህይወትን ንዋታዊ ድልየትን ዘየብህጎ 'ኣብ ሓቅን መትከልን ተሞርኲዙ' ዝሓለፈ ሰብ'ዩ እናበለ ይገልጾ።

ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ፡ ኣብ 1993 ዓ.ም ካብቲ ኣባል ኢህወደግ ዝኾነ ሰልፉ ወጺኡ፡ እዋን ፕሬዝደንታዊ መሪሕነቱ'ውን ኣብቂዑ ካብ ቤተ መንግስቲ እንትሰናበት፡ ኣቦ መንበር ናይቲ ግንባርን ቀዳማይ ሚኒስትር ሃገርን ምስ ዝነበረ ኣቶ መለስ ዜናዊ ተዃርዮም ከም ዝነበሩ ይዝረብ።

እዚ እዋን፡ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ምክፍፋል ዝነበረሉን፡ በዓል ገብሩ ኣስራት ዝርከቡዎም ኣባላት እቲ ውድብ ዝወጽእሉን ነይሩ።

ህወሓት ጥራሕ ዘይኮነስ ኢህወዴግ'ውን ኣይጠዓየን ኣብ ዝበሃለሉ ግዜ ድማ፡ ዶክትር ነጋሶ ጊዳዳ "እቲ ግንባር ናብ መላኺ ተቐይሩ'ዩ" ከም ዝበለን፡ ንኣካይዳ መለስ ከም ዝተቓወመን ኣቶ ገብሩ ይዛረብ።

ኣቶ መለስን ካልኦት ኣባላት እቲ ልፍንትን ኣብ ዝነበርሉ ዝተኻየደ፤ ዶክተር ነጋሶ ድማ ንመወዳእታ እዋን ዝተሳተፍሉ፡ "ኣቶ መለስ ልክዕ ከምቲ መንግስቱ ሃይለማርያም ንወተሃደራዊ ሓለፍቲ ስዒሩ ጃኬቶም ኣውጺእና ሰዲድናዮም ክብል ዝተናገሮ ስለ ዝተዛረበ፡ መንግስቱ መሲልካኒ ኢሉ ብድፍረት ተዛሪቡዎ'ዩ" ይብል።

ካብዚ ግዘ ጀሚሩ ኣቶ መለስን ሰዓብቱን ኣብ ልዕሊ ዶክተር ነጋሶ ቂምታ ከም ዝሓዙ'ዩ ዝንገር።

ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ፡ 'ሓቐኛ ቅዋሙ'ዩ ሒዙ ወጺኡ' ኣብ ዝበሃለሉ ግዘ፡ ፕሬዝደንት ሃገር ከም ዝነበረ ሰብ ክረኽቦም ዝግብኡ ጥቕማ ጥቕሚ ተኸሊኡ፣ ማይ ኣብ ዝልሑኸሉ ገዛ መንግስቲ ክነብር ተፈሪዱ፣ ብእግሩ ምስ ህዝቡ እናተዳፍአ ታኽሲ ክሕዝ ተገዲዱ፡ ብዝብል ብዙሕ ተጻሒፉን ተወጊዑን።

"ክልቲኡ ዓለም ርእዩ ዝሓለፈ ሰብ'ዩ" ዝብሎ ጋዜጠኛ ዳኒኤል፡ "በዚ ክሓፍሩ ዝግበኦን ንኢትዮጵያ ዝመርሑዋ ሰባት'ዮም። ቂምታ ተታሒዙ ንሱ ክዋረድ ብዝተኸደ ርሕቐት ግን፡ ሞራሉ ተጎዲኡ ሓዚኑ ከውግዕ ሰሚዐዮ ኣይፈልጥን" ኢሉ።

"ኢህወደግ፡ ብፍላይ ድማ መለስን ሰዓብቱን፡ ኣብ ኩላትና ዝገበሮ ሃገር ንዘገልገለ ሰብ ረብሕኡ ከልኪሉ ማይ ኣብ ዘፍስስ ገዛ ክነብር ብምግባር፡ ብዘይምጥን ደረጃ ክዋረድ ገይሩ'ዩ" ዝብል ኣቶ ገብሩ ድማ፡ "ንሱ ግን ቂምታ'ውን ከይሓዘ ካብ ሃገሩ ከይወጽአ ዝሓለፈ ሰብ'ዩ" ይብል።

ቅንዕናን ፖለቲካን

ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ ዝሓለፎ ፖለቲካዊ ህይወት፣ ዝነብሮ ዝነበረ መነባብሮን ካልእን ዘዘንቱ መጽሓፍ ዳንዲ፡ እቲ ሰብ ቅኑዕ፣ የዋህን ናይ መትከል ሰብን ምኻኑ'ዩ ዝገልጽ።

ካብዚ ተበጊሶም፡ ብዙሓት "የዋህ ፖለቲከኛ" እንትብሉዎ፡ ጸሓፊ እቲ መጽሓፍ ጋዜጠኛ ዳኒኤል'ውን፡ "ንሕና ንነዊሕ ግዘ ብናይ ተንኮለኛታት ፖለቲካዊ ትንተና ዝመጻእና ስለ ዝኾንና፡ ቅኑዓት ሰባት ፖለቲከኛታት ዝኾኑ ኣይመስለናን" ብምባል፡ ኩል ግዘ ሓቂ ዝዛረብ ሰብ ዓሻ ወይ ርህሩህ ጌርካ'ዩ ዝቕረጽ ይብል።

ብዛዕባ ዝኣምነሉ ዘየንሳሕብ፣ "ንህዝቢ ኣብ ዝጎድእ ዝካታዕ ጥንቁቕ ፖለቲከኛ ምንባሩ'የ ኣነ ዝፈልጥ" ዝበለ እቲ ጸሓፊ፡ ሃገር ዘድልያ'ውን ከምዚ ዓይነት ሰብ'ዩ ይብል።

ዶ/ር ነጋሶ "ዝተኣሰረ ኣንበሳ"

ብዙሓት ኣብ ዘንበቡዎ መጽሓፍ 'የጋዜጠኛው ማስታወሻ'፡ ተስፋዬ ገብረኣብ ንዶክተር ነጋሶ "ኣብ ቤተ መንግስቲ ብዝተኣሰረ ኣንበሳ" ብምባል እዩ ዝገልጾ።

ዶክተር ነጋሶ ካብ ኢህወደግ ተፈልዩ ናብ ደምበ ተቓውሞ ምስ ተጸንበረ ግን፡ ንዕኡ ዝርእየሉ ዝነበረ መነጽር ከም ዝተቐየረ ይዛረብ።

ዝተኣሰረ ኣንበሳ ዝበለሉ ምኽንያት፡ ዶክተር ነጋሶ ዓቕሚ እንተሃለዎ'ውን ኣገልጋሊ ኮይኑ ስለ ዝጸንሐ'ዩ ዝብል ተስፋዬ ገብረኣብ፤ "ኣብ የጋዜጠኛው ማስታወሻ፡ ዝተኣሰረ ኣንበሳን ደሓር ኣብ ጉዳይ ህዝቢ ብሰፊሑ ዝተሳተፈ ዶክተር ነጋሶን ዝተፈላለዩ'ዮም" ይብል።

ብድሕሪ እዚ ክልቲኦም ብስልክን ኢሜይልን ይራኸቡ ምንባሮም ዝዛረብ ጸሓፊ ተስፋዬ፡ "ዶክተር ነጋሶ ሚኒስትር እናሃለወ ካብ መኪና ወሪዱ ሲጋራ ዓዲጉ ዝኸይድ ሰብ'ዩ" ክብል ይገልጾ።

ኣብ መጽሓፉ 'ዝተኣሰረ ኣንበሳ' ክብል ዝገለጸሉ ምኽንያት፡ ከምኡ ዝበለ ሙሁር ታሪኽ፣ ቅኑዕን ጽቡቕ ስብእና ዘለዎን ሰብ ከመይ፡ ምስቲ ስርዓት ሓቢሩ ይሰርሕ ብዝብል ምዃኑ ይዛረብ።