እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ኒውጀርሲ ኣርባዕተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ሞይቶም
ኣብ ኒውጀርሲ ኣርባዕተ ኣባላት ሓንቲ ስድራ ብኮሮናቫእረስ ሞይቶም፤ ካልኦት ሰለስተ ድማ ኣብ ሆስፒታል ኣትዮም።
ጓል 73 ዓመት ግሬስ ፉስኮ ኣብ ገዝኣ ድሕሪ ዝተዳለወ ናይ ድራር እንግዶት፡ ምስ ሽዱሽተ ደቃ ሓሚማ።
ግሬስ ፉስኮ፣ ጓላ ሪታ ፉስኮ ጃክሰን፣ ካርሚን ፉስኮን ቪንሰንት ፉስኮን ድማ በዚ ቫይረስ ሞይቶም።
ካልኦት ኣስታት 20 ዝኾኑ ኣባላት ስድራ ንነብሶም ወሺቦም ውጽኢት መርመራ ይጽበዩ ኣለዉ።
ከም ጸብጻብ ኒውዮርክ ታይምስ፡ ግሬስ ፉስኮ ክልተ ደቃ በዚ ቫይረስ ከም ዝተለኸፉ ከይፈለጠት እያ ሞይታ።
ኣባል እቲ ስድራ ዝኾነት ኦፓራዲሶ ፎድራ ከምዝሓበረቶ፡ 19 ኣብቲ ናይ ድራር እንግዶት ዝተሳተፉ ስድራ-ቤት ንሓደ ሰሙን ዝኸውን ነብሶም ከም ዝወሸቡ ገሊጻ።
"እዚ ዓብዪ ቅልውላው ጥዕና'ዩ፤ ስለ ምንታይ እቶም ናብ ሆስፒታል ዘይኣተው ግን ድማ መርመራ ዝገበሩ ኣባላት ስድራ ክሳብ ሕጂ ውጽኢቶም ዘይንገሮም? ስለ ምንታይ ኣብ ክንዲ በቲ ቫይረስ ተለኺፉ ኣብ ሻቕሎት ዘሎ ስድራ ምልክታት እዚ ሕማም ዘይተርኣዮም ኣትሌታትን ፍሉጣት ሰባትን ቀዳምነት ይወሃቦም?" ክትብል ቑጥዕኣ ትገልጽ።
ወሲኻ፡ ሞት ኣባላት ስድራ ግሬስ ፉስኮ "ክትጻወሮ ዘይትኽእል ዘሕዝን ክስተት" እዩ ኢላ።
ጓል ሓፍታ ንፉስኮ ጃክሰን "ኣደይ ሓንቲ ካብቶም 11'ያ፤ ብሓሙስ ምስ 10 ሓትነታተይን ኣኮታተይን እየ ደቂሰ። ዓርቢ ንጉሆ ግን ንነብሰይ ምስ ትሸዓቲኦም ጥራሕ ረኺበያ። ድሕሪ ቁሩብ ደቓይቕ ድማ መሊሱ ሓደ ጎዲሉና" ኢላ።
ሰብ ሞያ፡ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ብምዕጋት ክህሉ ብዛዕባ ዝግብኦ ማሕበራዊ ርሕቐት [ሶሻል ዲስታንሲንግ] ተደጋጋሚ ማዕዳ ይህቡ ኣብ ዘለውሉ ግዘ፡ ኣብ አሜሪካ ዘጋጥም ሞት ይውስኽ ኣሎ።
'ኣብ ገዛኹም ኩኑ'
ኣብ ኣሜሪካ፡ ልዕሊ 200 ሰባት ብኮቪድ-19 ሞይቶም ኣለው፤ ኣብ ኩለን ግዝኣታት ኣሜሪካ ድማ ልዕሊ 15 ሽሕ ሰባት በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ኣለው።
ብርክት ዝበላ ከተማታት ኣሜሪካ ድማ፡ ዝርግሐ እዚ ቫይረስ ንምዕጋት ሰብ ካብ ገዝኡ ከይወጽእ የጠንቕቓን ይኽልክላን ኣለዋ።
ኮሮናቫይረስ ብናህሪ ክላባዕ ካብ ዝጅምር፡ ዓበይቲ ከተማታት ዓለም ኣይኮነን ፍጡር ሰብ፡ እተን ሰብ ዝምሃዘን ተሸከርከርቲ'ውን ይሕረመን ኣሎ።
እዚ፡ ኣብ ሓደ ዘፍርሕ ፊልሚ ዘሎ ፍጻሜ ክመስል፡ ዓመት መመላእታ በጻሕቲ ዓዲ፣ ዓበይቲ ዓለምለኻዊ ዋዕላታትን ካልኦትን ዘይፍለየን ዝነበራ ከተማታት፡ ጥርሐን ተሪፈን ኣለዋ።
በዚ ቫይረስ ኣዝየን ዝተሃሰያን ሓደሽቲ ዝተኸፉ ሰባት ዝረኽባ ሃገራትን፡ ኩሉ ነገር ክዕጾ ብምግባር ሰብ ካብ ገዝኡ ንከይወጽእ፣ ምንቅስቓሳቱ ክግድብ ብምግባር ብሓደ ዓይነት መገዲ ይጉዓዛ ኣለዋ።
ክሳብ መዓዝ ዝብል'ኳ እንተዘይተነጸረ፡ ብርክት ዝበላ ክፍለ ሃገራት ኣሜሪካ ኩሉ ነገር ክዕጾ ኣዚዘን፤ 20 ሚእታዊት ህዝቢ ኣሜሪካ ካብ ገዝኡ ከይወእ መምርሒ ተዋሂብዎ።
ኒውዮርክ ኣገደስቲ ዘይኮኑ ናይ ንግዲ ትካላት ክዕጸው ኣዚዛ፤ ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ነበርታ ድማ ካብ ገዝኦም ክወጽኡ ከም ዘይብሎም ኣጠንቂቓ።
መድሓኒትን መግብን ንምዕዳግ እንተዘይኮይኑ፡ ካልእ ኩሉ ኣብ ገዛ ኮይንካ ክስራሕ ኣለዎ ክትብል ምስ ከተማ ከነቲክት ሓደ ዓይነት ውሳኔ ኣሕሊፋ።