እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ እቶት ለኣኽቲ ዕምበባ ኢትዮጵያ ይጎድእ ኣሎ
ኩባንያ ኢትዮ-ኣግሪሴፍት ኣብ ሆለታን ባህርዳርን፡ ዕምበባ ዘፍርየሉ ክልተ ናይ ሕርሻ መሬት ኣለዎ።
ኣብ ዓመት ክሳብ 40 ሚልዮን ዝበጽሕ ዘንጊ ዕምበባ ናብ ዕዳጋ ዓለም የቕርብ ምንባሩ፡ ኣካያዲ ስራሕ እቲ ትካል ኣቶ ኢሳይያስ ከበደ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ንሱ ከም ዝብሎ፡ ብቐጥታን ብጨረታን ናብ ዕዳጋ ዓለም ዝቐርብ ዝነበረ ዕምበባ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሳምንታት ዋግኡ ብዝለዓለ መጠን ነክዩ'ዩ።
መዓልታዊ ክሳብ 45 ሽሕ ዝበጽሕ ዘንጊ ዕምበባ ንዕዳጋ ዓለም ዘቕርብ ዝነበረ ኣግሪ ሴፍት፡ ካብ መጋቢት 15, 2020 ጀሚሩ ምፍራይ ደው ስለ ዘበለ፡ መዓልታዊ 21,200 ዶላር (678400 ብር) ይስእን ኣለኹ ኢሉ።
በዚ ምክንያት፡ ሰራሕተኛታቱ ዕረፍቲ ክወስዱ ይገብር ከምዘሎን፡ መዓልታዊ ናብ 100 ሽሕ ዝጽጋዕ ዘንጊ ዕምበባ ናብ ድኹዒ ክቕይር ተገዲዱ ኣሎ።
ካብ ከተማ ባህርዳር ውጽእ ዚሉ ዝርከብ ጣና ፍሎራ'ውን፡ ተመሳሳሊ ጸገም ኣጋጢሙዎ ኣሎ።
እቲ ትካል ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሳምንታት ጥራሕ፡ 1.8 ሚልዮን ዘንጊ ዕምበባ ዝዕድጎ ብምስኣኑ ክድርብዮ ከም ዝተገደደ ኣካያዲ ስራሕ መምርሒ መሸጣ እቲ ትካል ኣቶ ኣብነት በላይነህ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፉ ሸሞንተ መዓልታት ብዘጋጠሞ ጸገም ዕዳጋ ድማ፡ ናብ 10 ሚልዮን ብር ዝጽጋዕ ገንዘብ ከም ዝሰኣነ ኣፍሊጡ። ልዕሊ 700 ዝኾኑ ሰራሕተኛታቱ ድማ ካብ ስራሕ ጠጠው ክብሉ ተገዲዶም።
እዚ ኩሉ፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝፈጠሮ ጸቕጢ ኮይኑ፡ በዚ ምኽንያት እቶም ትካላት ብሚልዮን ዝቑጸር ገንዘብ ይኸስሩ ከም ዘለው ገሊጾም።
ዳይሬክተር ማሕበር ኣፍረይትን ልኣኽትን ዕምበባ ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ከም ዝበሎ፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ መዓልታዊ ስራሕ እቶም ትካላት ክፈጥሮ ዝኽእል ጽልዋ ንምንካይ ሰፋሕቲ መደባት ክሰርሕ ጸኒሑ'ዩ።
ካብ ለካቲት ክሳብ ግንቦት ዘለው ኣዋርሕ ዓብዪ ምንቅስቓስ ንግዲ ዕምበባ ዝርኣየሎም እኳ እንተኾኑ፡ ሕጂ ብዘሎ ኩነታት ግን ዋጋ ዕምበባ ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነጻጸር ብ85 ሚእታዊት ጎዲሉ'ዩ።
ዕምበባ፡ ቀልጢፉ ዝበላሾን ኸዚንካ ክቕመጥ ዘይኽእልን ምህርቲ ኮይኑ፡ እቲ ንግዲ ወጻኢ ብ80 ሚእታዊ ስለ ዝጎደለ፡ ኣፍረይቲ ከቢድ ፋይናንሳዊ ቅልውላው ከጋጥሞም ከም ዝጀመረ እቲ ማሕበር ይገልጽ።
በዚ ምክንያት፡ ሰራሕተኛታት ተገዲዶም ዕረፍቲ ክወጽኡ ይግበር ኣሎ።
ኣካያዲ ስራሕ ትካለ እምፍራይ ዕምበባ ኢትዮ ኣግሪሴፍት፡ ልዕሊ 800 ሰራሕተኛታት ዘለውዎ ኮይኑ እቲ ኩነታት በዚ እንተቐጺሉ ግን፡ ወርሓዊ ደሞዝ ንምኽፋል ከም ዝጽገም ሓቢሩ።
በዚ ሓሳብ ዝሰማማዕ ኣቶ ኣብነት'ውን መንግስቲ ኣብቲ ዓውዲ ንዝተዋፈሩ ሰባት ሓገዝ ክገብር ሓቲቶም።
ማሕበር ኣፍረይትን ልኣኽትን ዕምበባ ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ መንግስቲ እቶም ትካላት ልቓሕ ዝኸፍልሉ ግዘ ክናዋሕን ተወሳኪ ልቓሕ ክረኽቡን ብምግባር፡ ዕምበባ ናብ ዝለኣኸለን ሃገራት ኣገልግሎት ካርጎ ክጅመር ሓቲቱ፡ ኣብ ዝቕጽል ሰሙን ካብ መንግስቲ ምላሽ ክወሃቦ ትጽቢት ከም ዝገብር ገሊጹ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ቁጠባዊ ምንቅስቓስ እታ ሃገር ከስዕቦ ዝኽእል ጭቡጥ ጸቕጢ ብምግንዛብ፡ መንግስቲ ኣድላይ ምንቅስቓስ ከም ዝጀመረ ቀዳማእ ሚኒስተር ኣብዪአ ኣሕመድ ተዛሪቡ ነይሩ።