እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'መንእሰያት ካብ ኮሮናቫይረስ ከምልጡ ኣይክእሉን' ትካል ጥዕና ዓለም
ትካል ጥዕና ዓለም፡ መንእሰያት ካብ ኮሮናቫይረስ ከምልጡ ስለ ስለዘይክእሉ፡ ማሕበራዊ ርሕቀቶም ሓልዮም ጥንቃቐ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።
ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ሰባት 11 ሽሕ ከም ዝበጽሐ ብምግላጽ፡ ትካል ጥዕና ዓለም "ዋላ'ኳ ኣረጋውያን ዚያዳ ንኮሮናቫይረስ ዝተቓልዑ እንተኾኑ፡ መናእሰያት ካብዚ ሕማም ዝተርፉ ኣይኮኑን" ኢሉ።
ዳይሬክተር እቲ ትካል ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት እዚ ሕማም ብዕድመ ንዝደፍኡ ሰባት ከጥቅዕ ስለ ዝተራእየ ጥራሕ፡ መናእሰያት እቶም ዝወሃቡ ዘለው መልእኽታት ምክልኻል እዚ ሕማም ዕሽሽ ይብሉዎም ከም ዘለው ገሊጹ።
መናእሰያት ዝወስዱዎ ምርጫ ድማ "ንሓደ ሰብ ኣብ ሞንጎ ህይወትን ሞትን ዘሎ ኣፈላላይ ክከውን ይክእል'ዩ" ኢሉ።
ዋላ'ኳ ኣረጋውያን ብዝለዓለ ደረጃ ነዚ ሕማም ዝተቓልዑ እንተኾኑ፡ ንመናእሰይ'ውን ኣስጋኢ'ዩ ክብል ኣጠንቂቑ።
ብተወሳኺ፡ "እቲ ቫይረስ ክትጻወርዎ ኣይትኽእሉን፤ በዚ ምኽንያት ንሳምንታት ኣብ ሆስፒታል ክትድቅሱ፤ ክትሞቱ'ውን ትኽእሉ። እንተዘይሓመምኩም'ውን እትወስድዎ ውሳነታት ንህወት ካልኦት ሰባት ሓደጋ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም" ኢሉ።
ክሳብ ሕጂ ዘለው መጽናዕታት፡ ኮሮናቫይረስ ንኹሉ ክልል ዕድመ ዘጥቕዕ ምዃኑ የመልክቱ። ይኹን'ምበር ብዕድመ ዝደፍኡን ሕዱር ሕማም ዘለዎምን ሰባት ዚያዳ ቀልጢፎም ክጥቕዑ ይርአ።