ኮሮናቫይረስ፡ ሃገራት ኣፍሪቃ እንታይ ይገብራ ኣለዋ?

ብርክት ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር ዝተፈላለዩ ጥብቂ ስጉምታት ይወስዳ ኣለዋ።

ደቡብ ኣፍሪቃ በቲ ቫይረስ ሕሱም ካብ ዝተጠቕዓ ሃገራት ዝግበር ጉዕዞ እንትኽልክል፡ ኬንያ ድማ ዝኾኑ ዜጋታት ወጻኢ ናብ ሃገራ ከይኣትዉ ኣጊዳ።

ዛጊድ 27 ኣፍሪቃውያን በቲ ሕማም ተለኺፎም።

ቤኒን፣ ላይቤሪያ፣ ሶማልያን ታንዛንያን ብበዝሒ በቲ ሕማም ዝተጠቕዑ ዜጋታተን ከም ዘለውወን ዘፍለጣ እየን።

ሞሮኮ 28 ሰባት በቲ ሕማም ከም ዝተትሓዙ ምስ ኣረጋገጸት፡ ሃማምስ ዝበሃል ህዝባዊ መሕጸቢ ማያት ዓጽያ። ካፌታትን ኣብያተ ምግብ፣ ሲነማ ከምኡ'ውን መስጊዳት ዓጽያ።

ብሓፈሻ ኣብ ኣፍሪቃ ዛጊድ 350 ሰባት መርመራ ኮሮና ተገይርሎም።

ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ኣፍሪቃ በቲ ሕማም 7 ሰባት እንትሞቱ 42 ድማ ድሒኖም ኢሉ።

መብዛሕተኦም ግዳያት፡ ምስ ካብ ኤውሮፓን ሰሜን ኣመሪካን ዝመጽኡ ሰባት ዝተተናኸፉ እዮም።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ እንታይ ተገይሩ?

ደቡብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ዓርሳ ካብ መግዛእቲ ጸዓዱ ናጻ እተውጽእ፡ ከምዚ ዓይነት እገዳታት ክተንብር ንፈለማ እዋን እዩ።

በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ቁጽሮም ናብ 62 ክብ ኢሉ። ፕረዚደንት ስሪል ራምፎሳ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኮሮናቫይረስ 'ሃገራዊ ሓደጋ' ክብል ኣዊጁ እዩ።

"መጀመርታ ካብ ኤውሮፓ ብፍላይ ድማ ጣልያን ዝመጽኡ ሰባት እዮም ተላኺፎም ነይሮም" ኢሉ።

ሕዚ ግን እቲ ለበዳ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ይመሓላለፍ ከም ዘሎ ተዛሪቡ። ፕረዚደንት ራማፎሳ፡ ጉዳያት እዚ ሕማም ዝውግን ቤት ምኽሪ ባዕሉ ክመርሖ እዩ።

ካብ መንጎ ዝኣወጆም ስጉምቲታት፡ 35 መእተዊ በርታት [ዶባት] እታ ዓዲ ክዕጸዉ፣ ምኽልካል ጉዕዞ ካብ ኣመሪካን እንግሊዝን ሓዊሱ ካብ 8 ሃገራት ዝብሉ ይርከቡዎም።

ሰባት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከይንቀሳቐሱ ብምግዳብ፡ ክሳብ ፋሲካ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸዋ ትእዛዝ ተሓላሊፉ።

ካብ 100 ንላዕሊ ሰባት ዝርከብሉ ዝኾነ ህዝባዊ ዋዕላታት ድማ ኣይክሳለጥን።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ እቲ ለበዳ ዝምጥን ፈጣን ምላሽ ኣይሃበትን፡ ዕሽሽ ኢላቶ ጸኒሓ ተባሂላ ክትሕመ ቐንያ።

ኬንያ ጥብቂ ዝበሃሉ ስጉምትታት ብምውሳድ ትጥቀስ ኮይና፡ ኣብያተ ትምህርቲ ክዕጸው፣ ዝኾነ ወጻእተኛ ገያሻይ ናብታ ሃገር ከይኣቱ ብምእጋድ፡ ካብ ወጻኢ ዝመጽኡ ዜጋታታ ን14 መዓልታት ክውሸቡ ኣዊጃ።

ካብኡ ሓሊፉ ድማ፡ ገለ ኣመሓደርቲ ክልላት እታ ሃገር ካብኡ ዝጠንከረ ስጉምቲ'ውን ይወስዱ ኣለዉ።

ዓበይቲ ዝበሃሉ ክለባት፣ ማእኸላት ስፖርትን ስልጠናን ይዕጸዉ ኣለዉ።

ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ስርሖም ካብ ገዛ ኾይኖም ክሰርሑ እንትትገብር፡ እዚ ክገብሩ ናይ ስርሖም ጠባይ ዘየፍቅደሎም ኣብ ከም ምጽዋት ሙዚቃ [ዲጄ]ን መስተንግዶን ዝተዋፈሩ ሰራሕተኛታት ግን ኣንጸርጽሮቶም ይገልጹ ኣለው።

መብዛሕቲኦም ኬኒያውያን ግን፡ ምስቲ መንግስቲ ዘውጸኦ ኣዋጅ ዝሳነዩ ይመስሉ፤ ክተሓባበሩዎ ጀሚሮም ኣለዉ።

ካብ ዝሓለፈ ሰኑይ ጀሚሩ፡ ዓበይቲ ሹቓት [ሱፐርማርኬታት] ብሰብ ተጨናኒቐን ተራእየን።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃኸ?

ጋና ዝኾነ ህዝባዊ ዋዕላ ከይካየድ እንትእግድ፡ ካብ 200 ሃገራት ዝመጽኡ ገያሾ ናብ ዓዳ ከይኣትዉ ኣጊዳ።

ጽወታት ኩዕሶ እግሪ ድማ ተሰሪዞም። ቱኒዝያ ድማ ብተመሳሳሊ፤ ኩሎም ዶባትን መስጊዳትን ዓጽያ።

ኣልጀርያ ብወገና ካብን ናብን መገሻታት ኤውሮጳ ኣጊዳ ኣላ።

ሞዛምቢ፡ ህዝባዊ ኣኼባታት ክስረዙ ብምግባር ተመሳሰሊ እገዳታትን ኣንቢራ። ሞሮኮን ጅቡትን'ውን ኩሎም ዓለም ለኻዊ በረራታት ሰሪዘን።