ኣብ እዋን ኮሮናቫይረስ እእምሮኣዊ ጥዕናኹም ንምሕላው ክትገብሩዎ ዝግባእ ጥንቃቐ

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኮሮናቫይረስ ሰፊሕ ስነ ልቦናዊ ቅልውላው የስዕብ ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ ኣሎ።

እቲ ትካል፡ ትሑትን ሕጽረት ሕክምና ጥዕና ኣእምሮን ኣብ ዘለወን ሃገራት፡ ኮሮናቫይረስ ጭንቀትን ሕማማት ኣእምሮን የስዕብ ኣሎ እዩ ዝብል።

ዝርግሐ ኮሮናቫይስ፡ ኣብ ዓለም ዘይምርግጋእ ፈጢሩ ይርከብ፤ ብተኸታታሊ ብዛዕባ እዚ ቫይረስ ዝዝርግሑ ሓበሬታታት ድማ ዕረፍቲ ዝኸልኡ ክኾኑ ይኽእሉ'ዮም።

እዚ ኹሉ ስነ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ብፍላይ ድማ ኣብቶም ሕዱር ሕማም ጭንቀትን ፍርሕን ዘለዎም ሰባት ጸቕጢ ይፈጥር ኣሎ።

ብዛዕባ እዚ ሕማም ሓበሬታ ክትረክብ ምድላይ ርዱእ'ዩ፤ ግን ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ዘለዎም ብዙሓት ሰባት ተደጋጋሚ ብዛዕባ እዚ ቫይረስ ዝርእዩዎ ነገር ንሕማሞም ከጋድደሎም ይኽእል'ዩ።

ስለ'ዚ፤ ኣብዚ ናይ ለበዳ እዋን፡ እእምሮኣዊ ጥዕናኹም ንምሕላው እንታይ ጥንቃቀታት ክትገብሩ እዩ ዝግባእ?

ትካል ጥዕና ዓለም፡ ኣብ ግዘ ለበዳ እዚ ሕማም ብኸመይ ስነ ኣእምሮኣዊ ጥዕና ትከላኸሉ ዝብሉ መገድታት ወግዐዊ ምስ ገበረ፡ ብዙሓት ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ኣባጺሖምዎ።

ካብ ቑጽጽር ወጻኢ ምኻንን ዘይምርጋእ ክትዕገስ ዘይምኽኣልን ልሙዳት ባህርያት ጭንቀት ምኻኖም ሰብ ሞያ ይዛረቡ።

ብዙሓት ኣቐዲሙ ጭንቀት ዝነበሮም ውልቀሰባት ኣብዚ ሰዓት ክጽገሙ ምርኣይ ድማ ርዱእ እዩ። ስለዚ ከመይ ንከላኸሎ?

እትረኽቡዎ ሓበሬታ ገደብ ምግባር

ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ብብዝሒ ምንባብ፡ ራዕዲ ክፈጥርን ስንባደ ከስዕብን ይኽእል።

ኒክ ዝተባህለ ጭንቀት ዘለዎ ኣቦ ክልተ ቖልዑ ዝኾነ ሰብኣይ፡ "ጭንቀት ክስምዐኒ እንከሎ፡ ሓሳባተይ ኩሉ ክቆጻጸር ኣይኽእልን፤ በዚ ምኽንያት ዘስካሕክሕ ውጽኢት ብዛዕባ ዘለዎም ነገራት ክሓስብ ይጅምር" ይብል።

እንተኾነ፡ ንነብሱ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያን መርበባት ሓበሬታን ካብ ዝዝርግሑ ሓበሬታታት ብምርሓቕ፡ ጭንቀቱ ክቆጻጸር ክኢሉ'ዩ። ስለ ዝኾነ ድማ፡

  • ጽቡቕ ስምዒት ክፈጥሩልኩም ዘይክእሉ ነገራት ብምንባብን ብምርኣይን እተሕልፉዎ ግዘ ዓቅኑ
  • ብዙሕ ግጉይ ሓበሬታ ስለ ዝዝርጋሕ፡ ርጡብ ሓበሬታ ካብ ዝህቡ ትካላት [ኣብነት መንግስቲ] ዝወሃብ ሓበሬታ ጥራሕ ኣቐድሙ

ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዕረፍቲ ውሰዱ

ጓል 24 ዓመት ተቐማጢት ማንችስተር ኣሊሰን፡ ጭንቀት ጥዕና ስለ ዘለዋ፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ሓበሬታ ክትረክብን ከተንብብን ትደሊ።

ግን ድማ፡ ማሕበራዊ ሚዲያ ዚያዳ ስምዒታ ክለዋወጥ ከም ዝገብሮ ትፈልጥ።

"ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣቢሉ ዝርእዮም ዝነበርኩ ሃሽታጋት ትኽክለኛ ዘይኮኑ ብምንባሮም፡ እቲ ዘንበብኩዎ ነገር ክርብሸኒ ምስ ጀመረ ተስፋ ብምቑራጽ ይበኪ ነይረ" ትብል።

ሕጂ ግን፡ እንታይ ኣበየናይ ናይ ማሕበራዊ ሚዲያ መጥቀሚ ተንብብ ኣላ ትጥንቀቕ። ብዛዕባ ኮሮናቫይረስ ዝዝርግሑ #ሃሽታጋት ድማ ተወግዶም።

ቴሌቪዥን ብምርኣይ፣ መጽሓፍ ብምንባብ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እተጥፍኦ ግዘ ብምንካይ ካብኡ ክትርሕቕ ትፍትን ኣላ።

  • ሕማቕ ስምዒት ክፈጥሩልኩም ዝኽእሉ ናይ ትዊተር ወይ ካልኦት ማሕበራዊ ሚዲያ መጥቀሚታት ሓበሬታ ምጥፋእ

ኢድኩም ተሓጸቡ ግን ድማ ክበዝሕ የብሉን

ኮሮናቫይረስ፡ ኣብ ብዙሓት ፍርሒ ዝፈጥሮ ምዝባዕ ጥዕና ኣእምሮ [ኦሲዲ] ይፈጥር ኣሎ።

እዚ ዓይነት ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ኮነ ጭንቀት ንዘለዎም ሰባት፡ ብተደጋጋሚ ኢድኩም ተሓጸቡ ዝብል ማዕዳ ምልጋስ፡ ነናሻዕ ክሰምዑዎ ዘጸግም ክኸውን ይኽእል።

ድሮ'ኳ፡ ገለ ግዳያት እዚ ጸገም ጥዕና ዝኾኑ ሰባት፡ እቲ ዘሕደረሎም ጸቕጢ ምክፋል ጀሚሮም።

ሊሊ ቤሊ ደራሲት "ዊ ኣር ባድ" ዝተሰምየ ብዛዕባ ምስ ፍርሒ ዝወለዶ ጸገም ጥዕና ዝነብሩ ሰባት [ኦሲዲ] ዝድህስስ መጽሓፍ ደራሲት እያ።

ፍርሒ ምምራዝ፡ ሓደ ካብቶም ነዚ ጸገም ጥዕና ዘቃልዑዋ ምኽንያታት ምኻኑ ትጠቅስ።

ብዛዕባ ምሕጻብ ኢድ ዝመሓላለፍ ተደጋጋሚ መልእኽቲ ድማ፡ ካብዚ ቁሩብ ሩፍታ ረኺቦም ንዝነበሩ ሰባት ዳግም ከልዕለሎም ከም ዝኽእል ትዛረብ።

"ከወግዶም ዝጸናሕኹ ባህርያት ክገብር ስለ ዝግደድ ንዓይ ብጣዕሚ ከቢድ'ዩ። ሳሙናን ካልእ መሐለዊ ጽርየትን ምጥቃም ሓደ ምስ ወልፊ ዝወዳደር ነገር እዩ" ትብል።

ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል፡ ሰባት ዓርሶም ክውሽቡን ሰብ ካብ ዝእከበሎም ቦታታት ክቑጠቡን ይምከር።

ግን ድማ፡ ካብ ዓይነት ጸገም ጥዕና ኣእምሮ 'ኦሲዲ' ምዕባለታት ዘርኢ ሰብ ማለት ካብ ገዛ ምውጻእ ምኽኣል ማለት ምኻኑ ብምግላጽ፡ ንነብስኻ ምውሻብ ካልእ ጸገም ክኸውን ከም ዝኽእል ቤሊ ትዛረብ።

"ኣብ ገዛ ክንጸንሕ ንግደድ እንተኾይንና፡ እቲ ዝበዝሕ ሰዓት ኣብ ኢድና ስለ ዝኸውን፡ ጽዕንዕንታ ክስምዐናን እቲ ሕማም ከጋድደልናን ይክእል'ዩ" ኢላ።

ምስ ሰባት ተራኸቡ

ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ቑጽሪ ዓርሶም ካብ ሰባት ዘርሕቑ ክውስኽ ይክእል'ዩ፤ ኣብዚ ሰዓት ትኽክለኛ ቑጽሪ ስልክን ናይ ኢሜይል ኣድራሻን ዘድልዩኹም ሰባት ከም ዘለኩም ኣረጋግጹ።

ምስ እዞም ሰባት ድማ ስሩዕ ምድሃይ ብምግባር ምሳኹም ከም ዘለው ክስምዓኩም ክገበሩ።

ንነብስኹም ካብ ሰብ ዘግለልኩም ወይ እቲ እትገብሩዎ ዘለኹም ተደጋጋምን ለውጢ ዘይፈጥርን መሲሉ እንተተሰሚዕኩም ድማ፡ መዓልታዊ ዝተፈላለዩ ሜላታት ፈትኑ።

ዕለታዊ ክትሰርሑዎ እትኽእሉ ዝነበርኩም መደብ ክትሰርሑዎ ብምፍታን ወይ መጽሓፍ ብምንባብ፡ ካብ ሰብ ምርሓቕ ካብ ዝፈጥረልኩም ስምዒት ብሕታውነት ክትወጽኡ ጽዓሩ።

ብተወሳኺ፡ ዝጥዕም ኩነታት ምስ እትረኽቡ ጸሓይ ምጽላውን ካልኦት ተፈጥሮኣዊ ዝኾኑ ነገራትን ምግባር ኣዘውትሩ።

ኣካለዊ ምንቅስቓስ ምግባር፣ ብኣግባቡ መግቢ ምምጋብን ማይ ምስታይን እውን ክዝውተር ይግባእ።