ኢትዮጵያ፡ ኣብ ገዝአንን ጎደናታትን ጾታዊ ግህሰት ዝፍጸመን ሕሙማት ኣእምሮ መን'ዩ ተሓታቲ?

እዛ በዓልቲ ዛንታ መንእሰይ፡ ተምሃሪት ዩኒቨርሲቲ'ያ። ዩኒቨርሲቲ ምስኣተወት ኣብ ዝነበሩ ፈላሞት ዓመታት፡ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ስለዘጋጠማ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኣ።

ናብቲ ብዙሓት ሕሙማት ኣእምሮ ዝርከቡሉ ሆስፒታል ኣማኑኤል ክትኣትው ድማ ተገይራ።

ጥዕንኣ ኣብ ክንዲ ምምሕያሽ ዘርእይ እናበኣሶ ከይዱ። ኣብ ጎና ኮይኑ ዝከታተላ ሰብ ስለዘይነበረ ከኣ ናብ ጎደና ክትወጽእ ተገዲዳ።

ቅድሚ ገለ ዓመታት [ጓል 15 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ እዋን]፡ ንመጽናዕታ ዝኸውን መረዳእታ ትእክብ ዝነበረት ዶክተር ማጂ ሃይለማርያም ረኺባታ።

ሽዑ ንሳ ኣስታት 15 ደቂተባዕትዮ ኣብ ልዕሊኣ ጾታዊ ግህሰት ከምዝፈጸሙ ነታ ዶክትር ነጊራታ ነይራ።

ነቲ መጽናዕቲ ዘካይዱ ዝነበሩ ሰባት፡ መሊሶም ናብ ሆስፒታል ኣማኑኤል ብቐዋምነት ክትኣትው ገይሮም'የም።

ብተደጋጋሚ ኣብ ልዕሊኤን ጾታዊ ግህሰት ዝፍጸመን ሕሙማት ኣእምሮ፡ ንመልከፍቲ ኤች ኣይ ቪ ቅሉዓት'ኳ እንተኾና፡ እዛ መንእሰይ ካብዚ ነጻ እያ።

ቁሩብ እዋን ኣብቲ ሆስፒታል ምስጸንሐት ኣብ ጥዕንኣ ምምሕያሽ ስለዝተርኣየ ናብ ካልእ መዕቖቢ ክትውሰድ ክኢላ ነይራ።

ይኹን'ምበር ድሕሪ ቁሩብ ዓመታት ነቲ እትወስዶ ዝነበረ መድሓኒት ስለዘቋረጸቶ ነብሳ ተጎሳቚሉ ኣብ ጎደና ከምዝረኸበታ ዶክተር ማጂ ትዛረብ።

ንጾታዊ ግህሰት ምዝመዛ ጉልበት ይውሰኾ!

ዝበዝሕ እዋን እተን ብዛዕባ'ቲ ዘጋጠመን፣ መንነተንን ዝመጽኣሉ ከባብን ክዛረባ ዘይክእላ ጾታዊ ግህሰት ዝተፈጸመን ግዳያት ጥዕና ጸገም ኣእምሮ፡ ጾታዊ ጥቕዓት ንዝበጽሐን ደቂኣንስትዮ ደገፍ ናብ ዝህቡ ማእከላት'የን ዝውሰዳ።

ሓላፊት ማህበር መዕረፍን ልምዓትን ደቂኣንስትዮ ስምረት ተስፋዬ፡ እተን ግዳያት ኣካላዊ ማህሰይቲ ኣጋጢምወን፣ ጥንሲ ተሰኪመን ወይ ህጻናት ሒዘን ናብቶም ማእከላት ከምዝመጽኣ ትዛረብ።

እንታይ ከምዘጋጠመንን ከምዝተፈጸመንን ብግቡእ ከረድኣ ዘይምኽኣለን ከኣ እቲ ክግበረለን ዘለዎ ሓገዝ ንምፍልጥ ከምዘኽብዶ ትገልጽ።

ፆታዊ ግህሰት ብብዝሒ ዘጋጥመን ኣብ ጎደና'ኳ እንተኾነ "ብኣቦ፣ ሓው፣ ጎረቤትን መምህርን ተዓሚጸን ዝመጽኣ ሕሙማት ኣእምሮ ኣለዋ" ትብል ስምረት።

ናብ ማእከላት ክኣትዋ ከለዋ ቅድሚ ኩሉ ዝስራሕ ስራሕ፡ ኣብ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ኩነታተን ምርመራ ምግባር'ዩ። በዚ ድማ ጥዕነአን ክምለስ ሓገዝ ይረኽባ።

እተን ጾታዊ ግህሰት ኣጋጢምወን (ተደፊረን) ናብ መዕቆቢ ማእከላት ዝኸዳ ግዳያት ጸገም ጥዕና ኣእምሮ፡ ካብ 10-30 ዓመት ዕድመ ይርከባ።

"ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ሓደ ጉዳይ ኮይኑ፡ እቲ ጥቕዓት ከኣ ምስ ጓልኣንስተይቲ ምዃን ዝተሓሓዝ ተደራቢ ጸገም'ዩ። ስለዚ 'እዛ ሰብ ጸገም ኣጓኒፍዋ'ዩ ዝኸውን' ዝብል ነገር ናብ ኣእምሮ ኩሉ ሰብ ክመጽእ ኣለዎ" ክትብል ተረድእ ስምረት።

ግዳያት ጸገም ጥዕና ኣእምሮ ዝኾና ደቂኣንስትዮ ኣብ ትካላት ጥዕና ኮይነን'ውን ግህሰት ከምዝፍጸመን ካብ ፖሊስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

ዶክተር ማጂ፡ ኣብ ጥቓ እተን ንግዳያት ጥዕና ኣእምሮ ዝሕብሕባ ማእኸላት ዝርከቡ ገለ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ፡ ነቶም ሕሙማት (ደቂኣንስትዮ ኮና ደቂተባዕትዮ) ብዘይክፍሊት ከምዘስርሕዎም ትዛረብ።

እቲ ስራሕ ንጥፈታት ሕርሻ ከምዝሕውስ ብምዝኽኻር፡ እተን ደቂኣንስትዮ ድማ ጾታዊ ግህሰት (ምድፋር) የጋጥመን ምንባሩ ተረድእ።

ነዚ ጸገም ዝፈትሕ መሓውር መንግስቲ ኣሎ'ዶ?

ኣብ ጥዕንአን ምምሕያሽ ስለዝተርኣየ ካብ ከም ሆስፒታል ኣማኑኤል ዝመሰሉ ማእከላት ምስተፋነዋ መሊሰን ናብ ጎደናታት ዝወጽኣ ደቂኣንስትዩ ብዝሐን ውሑድ ኣይኮነን።

ዶክተር ማጂ ከምእትብሎ፡ እተን ቤተሰብ ወይ ዘመድ ኣዝማድ ዘይብለን ደቂኣንስትዮ ካብቶም ማእከኸላት ምስወጽኣ ናብ መዕቆቢ ወይ መጽንሒ ቦታታት ክኣትዋ ስለዝግበር፡ መሊሰን ናብ ጎደናታት ክወጽኣ ይግደዳ።

ናይታ ካብ ዩኒቨርሲቲ ወጺኣ ኣብ ጎደና ዘላ መንእሰይ ታሪኽ'ውን ካብዚ ዝተፈለየ ኣይኮነን።

"ክትትል እናገበረ ዘሕክማ ሰብ ዘይብላ፤ ብዛዕባ ነብሳ ክትዛረብ ዘይትኽእል ግዳይ ጸገም ጥዕና ኣእምሮ፡ ጾታዊ ግህሰት ከጋጥማ ምርኣይ ብጣዕሚ ዘሕዝን'ዩ" ትብል ዶክተር ማጂ።

ካብ ጎደናታት ናብ መጽለሊ ቦታታት ናይ ምምላስ ስራሕ መሰረታዊ ለውጢ'ኳ እንተድለዮ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ግን ነዚ ስግግር (ለውጢ) ዝኸውን መሓውር ዘይምህላው ደቂኣንስትዮ ብዝገደደ ተቓላዕቲ ክኾና ገይሩ'ዩ።

እታ ሕምምቲ ኣእምሮ መንእሰይ ካብቲ ማእኸል ንምንታይ ከምዝወጽአት ክትሕተት ከላ "ኣብዚ ጸጉርኺ ምምሻጥ ኣይትኽእልን" ፤ "ኣብዚ ኮፍ ኣይትብልን"፤ "በዚ ሰዓት ኢኺ መግቢ ክትበልዒ ዘለኪ" ዝብሉ መምርሕታት ክትጻወሮም ከምዘይከኣለት ትዛረብ።