ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ምንቅስቓስ ኣብ ዘይረኣያላ ከተማ ሮማ፡ ህይወት ከመይ ኣሎ?

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ታሕሳስ 2019 ዝተርኣየ ኮቪድ-19 ዝብል መጸውዒ ዝተውሃቦ ሕማም፡ ካብ ኤሽያ ተበጊሱ፡ ናብ ኤውሮጳ፣ ኣሜሪካ፣ ማእኸላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ተዘርሒሑ ይርከብ።

ጥልያን፡ እታ ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ኣዝያ በዚ ቫይረስ ዝተጸለወትን መዓልታዊ እቲ ዝለዓለ ሞት ዝምዝገበላን ሃገር ኮይና ኣላ።

ብቐዳም ጥራይ፡ ብዝሒ መወትቲ 793 ነይሩ፤ ትማሊ ድማ ኣብ 24 ሰዓታት 602 ሰባት ሞይቶም። እዚ ድማ፡ ዛጊት በቲ ቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብዝሒ ናብ 6078 ክብ ኣቢሉዎ።

መንግስቲ እታ ሃገር ነዚ ብዘሰክፍ ናህሪ ዝውስኽ ዘሎ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስን ዘስዕቦ ዘሎ ሞትን ንምዕጋት፡ ተሪር ዝተብሃለ ስጉምታት ብምውሳዱ፡ ንርእሰ ከተማ ጥልያን ሮማ ሓዊሱ መላእ ሃገር ኣብ ተውሽቦ ትርከብ።

ህይወት ግን እንታይ ይመስል? ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሲማ ኮቴቻ ትዕዝብታ ከምዚ ዝስዕብ ተዘንትዎ።

ወቕቲ ጽድያ ኣብ ከተማ ሮማ፡ ኣብታ ኩሉ ነገራ ንፍቕሪ ዘጣጥሕ እተደንቕ ከተማ።

ካልእ እዋን እንተዝኸውን፡ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ለንደን ናብ ጣልያን ክትብገስ ከላኻ ስምዒት ሰባት ኢኻ እትርእይ።

ፍቕሮም ከስተማቕሩ ናብ ሮማ ዝጓዓዙ ፍቑራት፣ ንዝናፈቑዎ ቤተሰቦም ክሓቱ ዝተሃንጠዉ፣ ንንግዲ ዝወፍሩ . . . ብዙሓት ነይሮም።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት፡ ኣብ ጥልያን ብዛዕባ ዘሎ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክጽብጽብ ክብገስ እንከለኹ ግን፡ ከምኡ ኣይነበረን።

እዚ በረራ ንዓይ ፈለማይ ነይሩ፤ ፍርሕን ጭንቅን ዝዓሰሎ በረራ።

ጥልያን ንኹሉ በረራታት ከይትዓጽዎ'ሞ፣ ኣብ ብሪጣኒያ ካብ ቤተሰባ ተፈልያ ከይትጸንሕ ዝሰግአት፡ ኣብ ጥልያን ምስ ዘለው ስድርኣ ክትጽምበር ዝሃጸጸት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ጎነይ ኾፍ ኢላ ነይራ።

ምዕርግቲ ጸሓይ ኣብ ዝበረቐታ ከተማ ሮማ ክበጽሕ ከለኹ፡ ፍርሒ ዝሸመሞ ኣዝዩ ዝሑል ኩነታት'ዩ ተቐቢሉኒ።

ሰባት ዓይኒ ንዓይኒ ከይርኣኣዩ ዝደለዩ ክሳዕ ዝመስል፡ ዳርጋ ኩሎም መሸፈኒ ኣፍንጫን ኣፍን ገይሮም ኣለዉ።

ሰራሕተኛታት እቲ መገዲ ኣየር ድማ፡ በቲ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ዝሸፈኖ ኣፎም ኣቢሉ ዝወጽእ ድምጺ ኩሉ ንክሰምዖ ንምግባር፡ ድምጾም ዓውኣቢሎም፡ ተፈናቲትና ደው ክንብልን ተደጋጋሚ መልእክቲ የቃልሑ። ትርር ኢሎም!

ጥንታዊት ከተማ ሮማ፡ ታሪኽን ሃይማኖትን ምስ ዓለምለኻዊ ቱሪዝም ጠሚራ ዝሓዘት ከተማ'ያ። ከም ሓወልቲ ሮማ፣ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ፍሉጣት ሰባት ዝቕበርሉ ቦታን፡ ካልኦት ታሪኻዊ ህንጻታንት ብምሓዝ ኣብ ዓለም ካብ ዘለው ፍሉጣት መስሕባት በጻሕቲ ዓዲ ሓንቲ እያ። ሕዚ ግን፡ ትውር ዝብል ሰብ የለን።

ኣብቲ ጽምዋ ዝዓሰሎ ጎደናታት ሮማ ምውስዋ፡ ፍርሒ እዩ ዝሰድካ። ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል ዝወጽአ መምርሒ ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር፡ ሰባት ምንቅስቓስ ከይገብሩ ስለዝኣገዶም ኣብ ደገ ዝረኣይ ሰብ የለን።

ኣብታ ከተማ፡ ካብ ኣብያተ ክርስቲያን ዝወጽእ ድምጺ ደወል እንተዘይኮይኑ ካልእ ዝስማዕ ነገር የለን።

ኣብ ሓደ ፍሉጥ ጎደና ፋሽን ናይታ ከተማ ኮይንና፡ ስእሊ ኣብ እንስእለሉ ዝነበርና እዋን፡ ሓደ ትጽቢት ዘይገበርናሉ ክስተት ተፈጥረ። ሃንደበት፡ እቲ ጸጥታ ኣብ ገዝኦም ዝተወሸቡ ሰባት ብመስኮት ተቐልቂሎም ብዝፈጠሩዎ ጣቕዒት ተረትዐ።

ቀጺሎም፡ ኣብቲ ዘለውዎ ኮይኖም "እዚ ምእንተ ሓድነትን ጸዋርነትን'ዩ፤ እዚ ቫይረስ ንምዕጋት ዝተመሓላለፈ መመርሒ ካብ ገዛኻ ዘይምውጻእ ንቕበሎን ንሰማምዐሉን'ዩ" ኢሎምኒ።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር፡ ኣብ ግዝኣት ሎምባርዲ ድማ፡ ሃስያ ናይቲ ሕማም ዝገደደ እዩ። ሆስፒታላት፡ እዚ ቫይረስ ዘስዕቦ ሞት ዜጋታትን ቅልውላውን ንምስዓር ይቃለሳ።

ኣብ ክሊ እቲ ዘይተሓለለ ጻዕሮም ግን፡ ሕጽረት መሰረታዊ ናይ ሕክምና ናውትታትን ሕጽረት ሰብ ሞያን፡ ይፍትኖም ነይሩ።

ፕሬዝደንት ግዝኣት ሎምባርዲ፡ ሰባት ዓሪፎም ኣብ ገዝኦም ኮፍ እንተዘይሎም፤ ብምኽንያት ሕጽረት ቀረባት፡ ሆስፒታላት ንተሓከምቲ ክቕበላ ከምዘጸግመለን ኣጠንቂቑ።

ሓደ ዶክተር፡ ኣብ ሆስፒታል ዝርከቡ ክፍልታት ሃንደበታዊ ሕማማት "ናይ ኲናት ቀጠና'ዮም ዝመስሉ" ኢሉኒ።

ናብ ሮማ ንመለስ። ኣብታ 4.5 ሚሊዮን ህዝቢ ዝነብረላ ከተማ፡ ብብዝሒ ዝተኣከቡ ኮነ ካብ ገዝኦም ዝወጽኡ ሰባት ምስ ዝረኽቡ ንምብታንን ንምጥንቃቕን፡ ፖሊስ ይዞሩ ነይሮም።

ማሕበራዊ ርሕቀትካ ምሕላው፡ እማን ብግብሪ ዝተርኣየሉ ኩነታት ተፈጥረ። ሓደ ንጉሆ፡ ኣብ ደገ ኣፍ ሓደ ሱፐርማርኬት ኮይንና ንስእል ነይርና።

ኣባላት እዚ ንስራሕ ዝወፈረ ጉጅለ ቢቢሲ ዝኾንና ነንሓድሕድና ተፈናቲትና ደው ዝበልናሉ ርሕቐት እኹል ኣይነበረን ዝበለት ሓንቲ ዓባይ ሰበይቲ፡ ንኣዳላዊት እቲ ፕሮግራምና ተቖጢዓታ።

እዚ እቲ ኣብ ሮማ ዘሎ ሓቂ'ዩ። "ሓላፍነት ይሰማዕኩም" ኢላትና ድማ ተዓዘረት።

'ይጉዳእ ኣለኹ'

ውቁባት ኣብያተ ክርስቲያን ሮማ፡ ተኸፊቶም እንከለው'ውን ኣገልግሎት ግን ኣይህቡን።

ጳጳስ ቫቲካን ከይተረፈ፡ ካብ ገዝኡ ኣይወጽእን። ሓንቲ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ቤተክርስቲያን ዝረኸብናያ ጀርመናዊት መምህር፡ ከምዚ ዓይነት ቅልውላው ኣብ ዘጋጠመሉ ግዘ ጸሎት ጠቓሚ እዩ ኢላትና።

ሓንቲ ጓል 50 ዓመት ሰበይቲ ድማ፡ ኣብ ህይወታ፡ ሮማ ከምዚ ብጽምዋ ተሳዒራ ርእያታ ከም ዘይትፈልጥ ኣውጊዓትና።

"በዚ ኩነታት ይጉዳእ'የ ዘለኹ፤ እዚ ነገር መዓዝ ከም ዘብቅዕን መዓዝ ህይወት ናብ ንቡር ከም ዝምለስን ዝፈልጥ ዋላ ሓደ ሰብ የለን። እዚ ብጣዕሚ ዘጨንቕ ነገር'ዩ፤ መዓዝ'ዩ ደው ከብል?"

ካልእ ነባሪት እታ ከተማ ዝኾነት ወናኒት ቤት መግቢ፡ ነቶም ኣብ ገዝኦም ተዓጽዮም ዘለው ሰባት መግቢ ብምብጽጻሕ እናሓገዘት ረኺብናያ።

ጥልያን በቲ ለበዳ ኣዐርያ እንተተሃሰየት'ውን ለጋስነት ህዝባ ግን ኣይተደረተን።

እቲ ዝዓረፍናሉ ሆቴል ድማ፡ ብመሰረት መምርሒ መንግስቲ ኣገልግሎቱ ይዓጺ ነይሩ፤ ብርክት ዝበላ ሃገራት ድማ በረራ ካብን ናብን ደው የብላ ስለ ዝነበራ፡ ክንምለስ ግድን ኮነ።

ንሮማ ገዲፍካ ምኻድ፡ ልክዕ ከምቲ ክተኣቱ እንከለኻ ዝፈጥረልካ ስምዒት፡ ቀሊል ኣይኮነን።

ካብ ጁልየስ ቄሳርን ውድቀት ስልጣነ ሮማን ክሳዕ ፋሽሽታዊ ስርዓት ጥልያንን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተፈጸመ ደብዳብን ዝነበሩ ፍጻሜታት ዘዕቆበት ከተማ፡ ኮሮናቫይረስ ዝፈጠሮ ራዕድን ጸበባን ክትስንድ'ዶ ትኸውን?

ዝኾነ ክሳዕ ዝኸውን ግን፡ ንህዝቢ ጥልያንን ከተማ ሮማን ጽቡቕ ዕድል ንምነየሎም።