ደቡብ ኣፍሪቃ ንሰለስተ ሰሙን ዝኾነ ዓይነት ምንቅስቓስ ኣጊዳ

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ መዓልቲ ጥራይ፡ ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ብሽዱሽተ ዕጽፊ ዓብዪ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን 402 በጺሑ ኣሎ።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ንምክልኻል፡ መንግስቲ እታ ሃገር ንሰለስተ ሰሙን ዝጸንሕ እገዳ ምንቅስቓስ ዕላዊ ገይሩ።

ፕሬዝደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ስሪል ራማፎሳ ነዚ እገዳ ዘሕለፈሉ ምኽንያት እንከብርህ፡ ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምክልኻል "እዞም ቀጸልቲ መዓልታት ኣገደስቲ ስለ ዝኾኑ'ዩ" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ "እተን ዝርግሐ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምዕጋት ቅልጡፍን ዘደንቕን ስጉምቲ ዝወሰዳ ሃገራት፡ ውጽኢት ኣመዝጊበን እየን" ኢሉ።

እዚ ሓድሽ ስጉምቲ ድማ፡ ሓሙስ ፍርቂ ለይቲ [ብኣቆጻጽራ ሰዓት ደቡብ ኣፍሪቃ] ግብራዊ ክከውን ክጅምር'ዩ።

ትማሊ ሚኒስተር ጥዕና ደቡብ ኣፍሪቃ፡ 270 ሰባት በቲ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ኣፍሊጡ።

እዚ እገዳ ምንቅስቓስ፥

  • ውልቀሰባት ኣብ ጥቡቕ ሓለዋን ቁጽጽርን ኮይኖም እንተዘይኮይኑ፡ ብዝኾነ ዓይነት ምኽንያት ካብ ገዝኦም ክወጹ ኣይፍቀድን
  • ኣገዳሲ ኣገልግሎት ካብ ዝህቡ ወጻእ፡ ኩሎም ድኳናትን ናይ ንግዲ ትካላትን ክዕጸው እዮም
  • መጽለሊ ንዘይብሎም ሰባት ግዚያዊ መዕቆቢ ቦታ ክዳሎ'ዩ
  • እዚ እገዳ ምንቅስቐስ ግን፡ ንሰብ ሞያ ጥዕናን ኣካላት ጸጥታን ኣይምልከትን

ፕሬዝደንት ራማፎሳ ነዚ መምርሒ እንተብርህ፡ "ቁጽሪ ግዳያት ናይዚ ቫይረስ ንምንካይን፡ ኣብ ዝተናውሐ ግዘ ዝርግሕኡ ንምድንጓይን፡ ብዝተኽኣለ መጠን ዝከኣለና ኩሉ ክንገብር ይግባእ" ኢሉ።