እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ብምኽንያት ኮሮናቫይረስ ልዕሊ 10 ሰብ ከይእከብ ከልኪላ
ዛጊት ብኮሮናቫይረስ ዝተለኸፈ ሓደሰብ ከምዝረኸበት ዘረጋገጸት ኤርትራ፡ ለበዳ እቲ ሕማም ንምዕጋት ልዕሊ 10 ሰብ ከይእከብ ከልኪላ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ፡ ኩሉ ሰብ ኣብቲ ዝነብረሉ ከተማ ኮነ ገጠር ኣገደስቲ ዘይኮኑ ምንቅስቓሳት ከወግድ፡ ናብ ካልእ ቦታታት እታ ሃገር ከይጓዓዝ ውሳነ ከምዝሓለፈ ኣብቲ ሎሚ ዘውጸኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ብተወሳኺ፡ ኣገዳስን ህጹጽን እንተዘይኮይኑ ሰባት ብኣውቶቡስን ታክስን ክጓዓዙ የብሎምን ክብል እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
ልዕሊ 10 ሰብ ዝእከበሎም ህዝባዊ ኣኼባታት፡ ከምኡ'ውን ማሕበራዊ ንጥፈታት (ከም መርዓ፣ ቀብሪ፣ ሓዘንን ጥምቀትን) ተኸልኪሉ ኣሎ።
ኩሉ ሰብ ድማ፡ ጸሎትን ካልእ ሃይማኖታዊ ስርዓተ ኣምልኾን ኣብ ገዝኡ ኮይኑ ክፍጽም ከምዘለዎ ድማ እቲ መምርሒ የብርህ።
ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ድማ፡ ኣብ ዘለውዎ ጥንቃቐታት ክገብሩን ናብ ኤርትራ ጉዕዞ ካብ ምግባር ክቑጠቡን ኣለዎም ኢሉ።
ሲነማን ኣብያተ ለይታዊ-ትልሂትን ዕጹዋት ክኾኑ'ውን እቲ መምርሒ ኣዚዙ።
ነዚ ተበሊጾም፡ ኣብ ልዕሊ ወሰኽ ዋጋ ዝገብሩን ኣቑሑ ዝሓብኡን ነጋዶ ድማ፡ ተሪር ስጉምትታት ከምዝውሰድ መንግስቲ ኤርትራ ገሊጹ'ሎ።
ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም፡ ኣብ ኖርወይ መንበሪ ፍቃድ ዘለዎን ብዱባይ ኣቢሉ ንመዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዝኣተወን ወዲ 39 ዓመት ኤርትራዊ፡ በቲ ሕማም ከምዝተለኸፈ ኣረጋጊጻ እያ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እቲ በቲ ሕማም ዝተለኸፈ ሰብ፡ ኣድላዪ ሕክምና ይግበረሉ ምህላዉን፡ ኣብታ ንሱ ዝመጸላ ነፋሪት ዝነበሩ ተጉዓዝቲ ድማ ከምዝተወሸቡን ገሊጹ።