እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ ኤርትራ ኣትዩ
ብኮሮናቫይረስ ዝተለኽፈ ሰብ ናብ ኤርትራ ከምዝኣተወ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
እቲ በቲ ሕማም ዝተለኽፈ ወዲ 39 ዓመት ኤርትራዊ ኣብ ኖርወይ መንበሪ ፍቃድ ዘለዎ ኮይኑ፡ ሎሚ ቅድሚ ቀትሪ እዩ ብዱባይ ኣቢሉ ንመዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣትዩ።
እቲ ሰብ ኣብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ኣብ ዝርከብ መመርመሪ ማእከል ምልክታት እቲ ቫይረስ ምስ ኣርኣየ፡ ብኡ ንብኡ ክውሸብ ከምዝተገብረን፡ መርመራ ተገይሩሉ እቲ ቫይረስ ከምዝተረኽቦን ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ሓቢሩ።
እቲ ዝሓመመ ሰብ ዘድሊ ሕክምናዊ ክንክን ይግበረሉ ከምዘሎውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ምኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ፡ ሕማም ኮሮናቫይረስ ኣብ ኤርትራ ከምዘየለ ድሕሪ ምሕባር፡ ተወሳኺ ሓበሬታታትን መምርሒታትን ንህዝቢ ኤርትራን ወጻእተኛታትን ኣመሓላሊፉ መንባሩ ይዝከር።
እቲ መምርሒታት ድማ፡
- ግድንን ህጹጽን እንተዘይኮይኑ፡ ህዝቢ ካብ ዝነብረሉ ከተማን ዓድን ዝግበር መገሻታት ክድርት
- ኩሉ ሰብ፡ ብዝተኻእለ መጠን ካብ ናይ ሰባት ምትእኽኻብ ክቑጠብ
- ካብ ሃገር ወጻኢ ንዝግበር መገሻታት ንህጹጽን ግድንን እንተዘይኮይኑ ክጎድል
- ንምዕባለታት ሕማም ኮሮናቫይረስ ተኸታቲሉ ኣድላዩ ዘበለ ሓበሬታታትን መምርሒታትን ከምዘመሓላልፍ ኣፍሊጡ
- ካብ ሃገራት ቻይና፤ ኢጣልያ፤ ደቡብ ኮርያን ኢራንን ዝመጽኡ ወይ በዘን ሃገራት ዝሓለፉ ገያሾ ግን ብቐጥታ ክውሸቡ ምዃኖም ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ገሊጹ።