እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ሕቡእ ንሕንሕ ቻይናን ኣሜሪካን
ኣብዚ እዋን ዓለም ጽቡቕ የላን፤ ኣብ ሞንጎ ቻይናን ኣሜሪካን ዘሎ ርክብ'ውን ጠገለ የብሉን።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ብተደጋጋሚ ኮሮናቫይረስ 'ቫይረስ ቻይና' ኢሉ ክጽውዖ መሪጹ።
ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ማይክ ፖምፕዮ፡ ንቤጂንግ ዓብዪ ቑጥዐ ዝፈጠረ ሓረግ ተጠቒሙ፡ "ቫይረስ ውሃን" ኢሉዎ።
ክልቲኦም ሰበ ስልጣን ኣሜሪካ፡ እዚ ለበዳ ካብ ስሩ ምቁጽጻር ኣይክኣለትን ኢሎም ነቒፎምዋ።
ወሃቢ ቃል ቻይና ግን፡ ነዚ ኹሉ ዘረባታት ብምንጻግ፡ ኣሜሪካ ብዛዕባ እቲ ዝፍጠር ዝነበረ ግልጺ ኣይነበረትን ኢሉ።
ቁሩብ ጽንሕ ኢሉ ድማ፡ እዚ ለበዳ "ኣሜሪካ ዝፈጠረቶ ስነ ህይወት መሰረት ዝገበረ ኲናት" ዝብል ብማሕበራዊ መራኸቢታት ቻይና ክዝርጋሕ ጀሚሩ።
እዚ፡ ዳርጋ ነጸብራቕ ወጥሪ እተን ሃገራት ምዃኑ ናብ ዘርኢ ደረጃ ሓፍ ኢሉ።
ተመራመርቲ፡ ኣመጻጽኣ እዚ ቫይረስ ተፈጥሮኣዊ ምዃኑ ሓቢሮም'ዮም።
ብሸነክ እዘን ክልተ ሃገራት ዝተንጸባረቐ ግን ናይ ቃላት ኲናት ጥራሕ ዘይኮነ፡ ዝኾነ ወሳኒ ነገር ከም ዘሎ ዘርእይ'ዩ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ኣሜሪካ ካብ ጥልያን ሓዊሱ ካብ ኩለን ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዝግበር ጉዕዞ ከም ዝኸልኸለት ወግዓዊ ምስ ገበረት፡ ቻይና ናብ ጥልያን ሰብ ሞያን ናውቲ ጥዕናን ብሓገዝ ከም እትልእኽ ገሊጻ።
ናብ ኢራንን ሰርቢያን'ውን ተመሳሳሊ ሓገዝ ልኢኻ። እዚ ብድሕሪ እቲ ዝርአ ዘሎ ፍጻሜታት ዘሎ ዓብዪ ምልክት ውግእ'ዩ።
ቻይና ነዚ ቅልውላው ተዓዊታ ብምውጻእ ኣብ ዓለም ዘለዋ ተራ ክተሕድስ እንትትጓየ፡ እማን ካብ ኢዳን ንዘምልጣ ዘሎ ኣሜሪካ ናይ ውግእ ሜዳ'ዩ እንተተብሃለ ምግናን ኣይኸውንን።
ሓይሊ ኣየር ኣሜሪካ ንጥልያን ዝገበሮ ንኡሽቶ ተንቀሳቓሲ ሓገዝ ድማ ነዚ ስልሒት ማዕረ ናይ ምግባር ተራ ክህልዎ'ዩ።
እዚ እዋን፡ ምምሕዳራውን ፖለቲካውን ስርዓት ኩለን ሃገራት ካብ ዝኾነ ግዘ ንላዕሊ ዝተፈተነሉ እዩ።
ኣብ ስልጣን ዘለው መራሕቲ፡ እዚ ለበዳ ኣብ ቁጽጽር ዘእትውሉ፣ ዘርእዩዎ ግልጽነትን ብቕዓትን ክምዘን'ዩ።
ርክብ ኣሜሪካን ቻይናን ኣብ ዘንቆልቆለሉ እዋን ዝተኸሰተ እዚ ለበዳ፡ ኣብ ሞንጎ እዘን ሃገራት ዘሎ ንግዳዊ ዘይምቅዳው ብኸፊል ክሃድእ ገይሩ'ዩ።
ክልቲኤን ሃገራት፡ ንመጻኢ ኣብ ፓስፊክ ኤዥያ ግጭት ክውልዓ ዘኽእለን ምድላው ብምግባር ይዓጥቃ እየን ዘለዋ።
ቻይና ኣብቲ ቐጠና ዓባይ ሃገር ምዃና ብምርግጋጻ፡ ሕጂ ዓለምለኻዊ ደረጃ ንክትወስድ እያ ተመዓዱ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድማ፡ ርክብ ቻይናን ኣሜሪካን ኣጸጋሚ ናብ ዝገብሮ ዝኸፍአ ኩነታት ከየደይቦ ይስጋእ።
እዚ ቫይረስ ምስ ተስዓረ ዝበራበር ቑጠባ ቻይና፡ ኣብ ዳግመ ህንጸት እቲ ዝተጋረደ ዓለማዊ ቑጠባ ዓብዪ ተራ ክጻወት'ዩ።
ንግዝኡ ግን፡ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምምካት ሓገዝ ቻይና ኣገዳሲ'ዩ። ቻይና ዓባይ መፍረይት ናውታት ሕክምናን ከም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን፣ መከላኸሊ ሓገዛትን ዝኣመሰሉ ሃለቕቲ ነገራትን ኮይና፡ እዚኦም ሕሙማት ኣብ ምሕካም ኣገደስቲ ኣቑሑ እዮም።
ቻይና ብብዙሕ መልክዑ ማእከል መፍረ ኣፋውስ ዓለም፣ ውሑዳት ሃገራት ክገብርኦ ብዝኽእል መገዲ ዓቕሚ ምፍራይ ክተዕቢ ዝከኣላ ሃገር'ያ።
ቻይና እቲ ኣጋጣሚ ተጠቒማ ኩሉ ትቆጻጸሮ'ያ ዘላ፤ ግን ድማ ብመሰረት ብዙሓት ነቐፍቲ ትራምፕ፡ ንሱ እዩ እታ ኩዕሶ ደርቢዩዋ።
ካብ መጀመርትኡ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ እዚ ቅልውላው ዘሻቕል ምዃኑ ኣብ ምቕባል ወዲቑ'ዩ።
ኣብ ክንድኡ፡ ካልእ መገዲ "ቐዳምነት ኣሜሪካ" ዝብል ጎስጓሶም ዘዐውትሉን ልዕልና እታ ሃገር ዘረጋግጽሉን ክስተት ገይሮም እዮም ርእዮምዎ።
ሕጂ ግን ዓለምለኻዊ ምምሕዳር'ዩ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ዘሎ።
ክልተ ሙሁራት ኤዥያ ከም ዝብሉዎ፤ ኣብ እዋን ምምሕዳር ባራክ ኦባማ ሓጋዚ ጉዳያት ወጻኢ ምብራቕ ኤዥያን ፓስፊክን ዝነበረ ኩርት ኤም ካምፕቤልን ራሽን ዶሺን፡ "ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓሰርታት ዓመታት ኣሜሪካ ኣብ ዓለም ዝነበራ መሪሕነት፡ ኣብ ሃብትን ሓይልን ጥራሕ ዝተደረኸ ዘይኮነ ካብ ሕጋዊ ውሽጣዊ ምምሕዳር እታ ሃገር ዝቕዳሕ ኣብ ዓለም ንዘጋጥሙ ጸገማት ንምሕጋዝ ኩለመዳያዊ መልሲ ንምሃብን ንምውህሃድን ዝነበራ ድልውነት ብደረጃ ዓለም ኣዝዩ ኣገዳሲት ይገብራ" ይብሉ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ድማ ይብሉ፡ "ሰለስተ መሰረታዊ ነገራት ምምሕዳር ኣመሪካ ይፍትን ኣሎ፤ ክሳብ ሕጂ ኣሜሪካ መርመራ ኣብ ምክያድ ወዲቓ። ኣሜሪካ ደርበሽበሽ ክትብል እንከላ ቻይና ግን ብስሕተት ኣሜሪካ ዝተፈጥረ ነዃል ተጠቒማ ብፍጥነትን ብቑዕ ብዝኾነ መገድን እቲ ዕድል ክትጥቀመሉ ትግስግስ ኣላ።
ነቲ ዝተፈጥረ ለበዳ ዝኸውን ምላሽ ይህብ ኣለኹ ብዝብል መገዲ፡ ንነብሳ መራሒት ዓለም ገይራ ብምውሳድ እቲ ዝተፈጥረ ክፍተት ትመልእ ኣላ።
ኮምቤልን ዶሺን ከም ዝብሉዎ፡ ቻይና ኣብዚ ሰዓት እተርእዮ ብዘላ ትብዓት ብዙሓት ከመይ ኢላ ኣብዚ ግዘ ክትጥቀም ትሓስብ ኢሎም ክግረሙ ይኽእሉ።
ቻይና፡ መጀመርታ ኣብ ውሃን ዝተኸሰተ ቫይረስ ንምቁጽጻር ዝሃበቶ ምላሽ ሚስጢራዊ'ዩ ነይሩ።
ኣባል ቦርድ ትካል ናጽነት ፕሬስ ኣሜሪካ [ፔን ኣሜሪካ] ሱዛን ኖሴል ኣብ ዝጸሓፈቶ ሓደ ጽሑፍ፡ "መጀመርታ ነቲ ለበዳ ንምቁጽጻር እትኸዶ ኣገባብ ሕማቕ እንተኾይኑ፡ ማሕበራዊ ቅልውላውን ዘይምርግጋእን'ዩ ዘስዕብ። ቻይና እዚ ለበዳ ንምትራፍ ዝገበረቶ ጻዕሪ ምስ ካልኦት ሃገራት ምዕራብ ዝወሰድኦ ስጉምቲ ብፍላይ ድማ ኣሜሪካ እንትነጻጸር፡ ዝርግሐ እቲ ለበዳ ኣብ ምንካይ ዓብዪ ተራ ተጻዊታ እያ" ኢላ።
ምዕራባውያን፡ ቻይና መላኺ ስርዓት ዘለዋ ሃገር እያ ኢሎም ስለ ዝወስዱዋ፡ እዚ ዓይነት ምሕደራ ዝርግሐ እቲ ቫይረስ ኣብ ምቅልጣፍን ቑጠባዊ ክሳራታት ኣብ ምምጻእን ዓብዪ ግደ ኣለዎ ኢሎም ይሰግኡ።
መላፍንቲ ኣሜሪካ፡ ነጥቢ ይሕዛ ኣለዋ እየን።
ብገሃድ ምምሕዳር ኣሜሪካ ዘይክነቕፋ ይኸእላ፤ ግን ንቻይና [ውጥጥ ኩባኒያ ቴክኖሎጂ ቻይና ዝኾነ ሁዋዌ]፣ ንኢራንን ካልኦት ሃገራትን ኣብ ዝህልወን ኣረኣእያ፡ ርኡይ ኣፈላላይ ክህልወን ይኽእል።
ቻይና፡ እዚ ግዘ ለበዳ ንመጻኢ ዝተፈላለየ ዝምድናታት እትፈጥረሉ መደላድል ገይራ እያ ትጥቀመሉ ዘላ። መን ይፈልጥ፡ ኣብ ሓጺር እዋን "ዓብላሊት ዓለም" ክትኸውን ትክእል።
ኮሮናቫይረስ ኣብ ምቅላስ ምስ ጎረባብታ ዝኾና ጃፓንን ደቡብ ኮርያን ብምዃን እተርእዮ ዘላ ተወፋይነት፣ ናብ ኤውሮጳ እትልእኾ ሓገዝ ሕክምና፡ ሓደ ኣንፈት እዚ ግስጋስኣ ክኸውን ይኸእል።