ሰብ ሞያ፡ ኢድ ኣእታውነት ፖለቲካዊ ውድብ፡ ንዕብየት ሚድያ ትግራይ ዓንቂፅዎ’ዩ

ዝሓለፈ ቀዳም፡ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ዋና መካየዲ ስራሕ መራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ ኮይኑ ይሰርሕ ዝነበረ ኣይተ ብርሃኑ ኣባዲ "ካብ ሓላፍነቱ ንክልዓል ተወሲኑ" ዝብል ዜና ኣቃሊሑ።

ድሕሪ እዚ፡ ብርክት ዝበሉ ውሃብቲ ርኢቶ ነቲ ውሳነ ተቓዊሞም ሓሳቦም ክገልፁ ቀንዮም።

ኣብቲ ዝተቓለሐ ዜና፡ እቲ ውሳነ "ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት ብዝርዝር ብምዝታይ ዘሕለፎ" እዩ ስለዝብል ድማ፡ እዚ ከይዲ ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል ሞገት ኣስዒቡ።

ሕፁይ ዶክተር ኣብርሃ ሃይለዝጊ፡ እቲ ውሳነ ብዓይኒ ሕጊ ክረአ ኸሎ "ዘይሕጋዊ፣ ዘይትካላውን ዘይመትከላውን" ክብል ይገልፆ።

ምኽንያቱ ከረድእ ከሎ "እቲ ትካል ተፀዋዕነቱ ንቤት ምኽሪ እዩ። እቲ ሓላፊ ድማ ተፀዋዕነቱ ንርእሰ ምምሕዳር እዩ። በየናይ መለክዒ ፈፃሚት ስራሕ ህወሓት፡ ንሓደ ብመንፅር ሕጊ ናይ ህዝቢ ንዝኾነ ትካል ዝመርሕ ሓላፊ ከልዕል ይኽእል?" ክብል ይሙግት።

ኣይተ ኣብርሃ ሃይለዝጊ፡ ቅድም ክብል ብተመሳሳሊ መገዲ ሕጊ እናተጥሓሰ ምምፅኡ 'ውን ይዛረብ።

"ልምዲ እዩ ልዕሊ ሕጊ ትክክለኛ እናኾነ መፂኡ ኣብ ትግራይ" ድሕሪ ምባል፤ ሓላፊ መራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ ንክለዓል፡ ፈፃሚ ስራሕ ህወሓት ውሳነ ምሕላፉ 'ውን ካብዚ ዝብገስ እዩ ክብል ይድምድም።

ኣይተ ኪሮስ ሃይለስላሴ ድማ ነቲ ውሳነ ዝቃወመሉ ካልእ ምኽንያት ኣለዎ።

"እቲ ሚድያ ተስፋ ዝህብ ለውጢ እናምፀአ ነይሩ። ዝግደሱ ሰባት እናዓደመ፡ ብዛዕባ ትግራይ፡ ሓሳቦም ዝገልፅሉ ኩነታት ተፈጢሩ ነይሩ" ይብል።

ኣይተ ኪሮስ ተኸታታሊ ቴሌቪዥን ትግራይ እንትኾን፡ ምኽንያት ናይዚ ለውጢ፡ እቲ ሓድሽ ኣካያዲ ስራሕ ነይሩ ኢሉ እዩ ዝኣምን።

ህወሓት ግን፡ ኣይተ ብርሃኑ ኣባዲ ኣብ ሓፂር ግዜ መዝነቱ ብዝገበሮም ለውጥታት ሕጉስ ኣይመስልን።

ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ፡ 12 ነሓሰ 2010 ዘውፀኦ ሓፂር መግለፂ ነዚ ዘመላኽት እዩ።

"ኣይተ ብርሃኑ መራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ ብምልዋጥ፡ ፃምእ ሓበሬታ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንምርዋይ ኣብዝግበር ኩለመዳያዊ ምንቅስቓስ እጃሙ ንምውፋይ ፃዕሪታት እናገበረ እኳ እንተኾነ፤ ኣብቲ ትካል መሰረታዊ ዝኾነ ለውጢ ንምርግጋፅ ግን ሐዚ እውን ፍሉይ ቕልጣፈ ስለዘድሊ ካብ ሓላፍነት ክልዓል ተገይሩ እዩ" ይብል እቲ መግለፂ።

ኣብ ዩንቨርሲቲ መቐለ መምህር ጋዜጠኝነት ኣይተ ማትዮስ ገብረሂወት ግን፡ እቲ ኣካያዲ ስራሕ ኣብ ሓፂር እዋን ዘርኣዮም ለውጥታት ኣብ ግምት ብምእታው፡ "ግዜ ክወሃቦ ነይርዎ" በሃሊ እዩ።

ኣይተ መብራህተን ገብረማርያም 'ውን ኣብ ዩንቨርሲቲ መቐለ መምህር ጋዜጠኝነት እዩ።

ብዛዕባ ኣብ ትግራይ ዝርከባ መራኸብቲ ሓፋሽ መፅናዕቲ ዘካየደ እዚ ምሁር፡ ኢድ ኣእታውነት ፖለቲካዊ ውድብ፡ መራኸብቲ ሓፋሽ ትግራይ ንቕድሚት ከይስጉማ ብድሆ ኮይንወን ከመዝፀንሐ ይሕብር።

"ናፅነት ሚድያ ክዕምብብ እንተደኣኾይኑ፡ ሕገመንግስቲ ዝሃቦ ትካላዊ ናፅነት ክሕለወሉ ይግባእ" ይብል ኣይተ መብራህተን።

ሞያዊ ናፅነት ሰብሞያ እውን ውሑስ ክኸውን እዩ ዝግባእ ዝብል እዚ ምሁር፡ "ሓደ ናይ ውድብ ኮነ ናይ መንግስቲ ሓላፊ ስለዝኾረየ" ኣብ ልዕሊ ትካላትን ሰብሞያን ሚድያ ፀቕጢ ክግበር ኣግባብ ኣይኮነን ይብል።

ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ቢቢሲ ትግርኛ ሕቶ ዘቕረበሉ ኣይተ ብርሃነ ኣባዲ፤ ካብ ሓላፍነት ምልዓሉ ዝተነግሮ ብቓል ምዃኑን ዕላዊ ደበዳበ ክሳብ ዝወሃቦ ዝኾነ ይኹን መግለፂ ንምሃብ ፍቓደኛ ከምዘይኮነን ሓቢሩልና።