ህወሓት ምቅይያር መራሕቲ ከም ዘይተገበረ ገሊጹ

ወሃቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ድሕሪ’ቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም፡ ነቲ ኣብ መሓውር ኣመራርሓ ለውጢ ከም ዝተገብረ ዝገልጽ ወረ ነጺጉ።

ጌታቸው ረዳ ትማሊ ሰንበት፡ "ንድሕነትን ህላወን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘድልዩ ነገራት ዝተመስረተ ንለውጢ ምርድዳእ ኣሎ፡ ካቢነ ሚኒስተራት ግን ኣይተመስረተን ወይ ዳግመ ኣሰላልፋ ኣይተገብረን" ክብል ኣብ ትዊተር ገሊጹ።

ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ንኣስታት ክልተ ዓመታት ዝጸንሐ ኲናት ከብቅዕ ብዕለት 2 ሕዳር ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ስምምዕ ስዒቡ ህወሓት ንገለ ላዕለዎት ኣባላቱ ካብ ሓላፍነቶም ኣልዒሉ ዝብል ወረ ብኢንተርነት ተዘርጊሑ ምንባሩ ይዝከር።

ብኻልእ ወገን፡ ጥርጡራት ዓመጽቲ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ትማሊ ሰንበት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ክልል ኣምሓራ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 25 ሓይልታት ጸጥታ ከም ዝቐተሉ ናይ ብሕቲ መደበር ቴሌቪዥን ኢሳት ሓቢሩ’ሎ።

መብዛሕትኦም ዕጡቓቱ ኣብ ጎረቤት ክልል ኦሮምያ ዝንቀሳቐሱ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ፡ ኣብ 2021 ብመንግስቲ "ግብረሽበራዊ ጉጅለ" ተባሂሉ ከም ዝተመደበ ይፍለጥ።

መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን፡ ናብ ትግራይ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ገደብ ክኣቱ፡ ተቛሪጾም ዝጸንሑ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ክምለሱ፡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቆም ክፈትሑን ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ሓይልታት ወጻእን ኣባላት ፌደራል ዘይኮኑ ዕጡቓት ክወጹን ዝብሉ መሰረታዊ ነጥብታት ንምፍጻም ምስምመዖም ዝዝከር እዩ።

ከም ኣካል ናይቲ ስምምዕ ሰላም፡ ሓይልታት ህወሓት ከበድቲ ኣፅዋር ንሰራዊት ፌደራል ከረክቡ ፀኒሖም ኣለዉ።

ብኻልእ ወገን፡ ሰራዊት ኤርትራ ተቖጻጺርዎ ካብ ዝጸንሐ ከባቢታት ዓድዋን ኣኽሱምን ብበዝሒ ይወጽእ ከምዘሎ ይግለጽ።

ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ብቐንዱ ምስ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያን መስርሕ ኣፈጻጽማ ውዕል ሰላምን፡ ዘርእዮ ዘሎ ምዕባለታትን ካልእን ኣልዒሉ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከም ዝተዘራረበ ኣፈኛኡ ነድ ፕራይዝ ከም ዘፍለጠ ይዝከር።

እቲ ኣፈኛ ኣብ ገጽ ሓበሬታ ክፍሊ ወጻኢ ኣሜሪካ ከም ዘስፈሮ፡ ብሊንከንን ኣቢይ ኣሕመድን ብቐዳም 21 ጥሪ ዘካየድዎ ዘተ፡ ንምውጻእ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ሰሜን ትግራይን ንኣገደስቲ ምዕባለታት'ቲ ምርኡይ ስጕምቲ ዘርኢ ዘሎ ትግባረ መስርሕ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን፡ ከምኡ'ውን ንግጭት ክልል ኦሮሚያን ዘተኰረ እዩ ነይሩ።

እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኦም ሰበስልጣን ንዝተኻየደ ዝርርብ ኣመልኪቱ ክፍሊ ወጻኢ ኣሜሪካ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብኽልቲኦም ወገናት፡ ብ 2 ሕዳር 2022 ድሕሪ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት፡ "ዓቢይ ምዕባለ" ከም ዘርኣየ ይጠቅስ።

ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ኣብ እዋን ኲናት ዝተፈጸመ ግህሰት ንምጽራይ ዓለምለኻውያን ተቘጻጸርቲ ሰብኣዊ መሰላት ክኣትዉ ክፍቀደሎም ከም ዝጸውዐ’ውን ይዝከር።

ብሊንከንን ኣቢይ ኣሕመድን ኣብቲ ብቐዳም ዘካየድዎ ዝርርብ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ኣብ ዝምልከት ከምዝተዘራረቡ'ውን ተገሊጹ፤ ክልቲኦም፡ ንኣገዳስነት መኸተምታ እዚ ዘይምርግጋእ [ክልል ኦሮሚያ] ዘትዮም’ዮም።

መንግስቲ ፈደራልን ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት 'ቲ ክልል ንዝፍጠር ግጭት ንምቛም፡ "ኵሉ ዓይነት ኣማራጺታት" ኣብ ግብሪ የውዕሉ ከም ዘለዉ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ገሊጾም ነይሮም።

በዚ መሰረት፡ ናብ ሰላማዊ ናብራኦም ክምለሱ ንዝደልዩ ዕጡቓት ኣፍደገ መንግስቲ ክፉት ምዃኑ ብምምልካት፡ ካብዚ ወጻኢ ንዝንቀሳቐሱ ግን ሓይልታት ጸጥታ “ዘድሊ ስጕምቲ” ክወስዱ ምዃኖም፡ ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ምግላጹ ይፍለጥ።