እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ትግራይ ኣብ ዝተኻየደ ኩናት ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ሞይቶም - ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ኲናት ኣብ ምውዳእ ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ፡ ኣብቲ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊጹ።
ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኮይኑ ዘገልገለ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦባሳንጆ፡ ንጋዜጣ ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብቲ ኲናት ኣስታት 600 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ኲናት ክንደይ ዝኣክል ሰብ ከም ዝሞተ ግን ብርግጸኝነት ምግላጽ ኣይከኣልን እዩ።
ኣቐዲሙ ብሓደ ዩኒቨርሲቲ ቤልጅየም ዝተገብረ መጽናዕቲ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ገሚቱ ነይሩ።
ኦባሳንጆ ዝጠቐሶ ብዝሒ ሞት ብዝምልከት፡ ጋዜጣ ፋይናንሻል ታይምስ ዝሓተቶ ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ዳኒኤል በቀለን፡ ብዝሒ ሞት ብዝምልከት ጥንቃቐ ከም ዘድሊ ገሊጹ።
ንሱ፡ ብዝሒ ብሰንኪ እቲ ኲናት ዝሞቱ ሰባት ብዝምልከት "ምሉእ ቁጽሪ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ" ምዃኑ ሓቢሩ፡ ብኹሎም ወገናት ዝቐረቡ ግምታት ብጥንቃቐ ክምርመሩ ከም ዘለዎም'ውን ሓቢሩ።
ብኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ዝምራሕ ጻዕርታት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣን ትግራይን ኣብ ዝሓለፈ 23 ጥቅምቲ 2015 ሓፈሻዊ ስምምዕ ሰላም ተፈሪሙ እቲ ኲናት ደው ከምዝብል ምግባሩ ይፍለጥ።
ኦባሳንጆ ንጋዜጣ ፋይናንሻል ታይምስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ኲናት ንምቁራጽ ስምምዕ ኣብ ዝፈረመላ መዓልቲ፡ ሓደ ኢትዮጵያዊ በዓል ስልጣን "መዓልታዊ ሞት 1000 ሰባት ደው ኣቢልና ኣለና" ከም ዝበለ ጠቒሱ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቤልጅየም ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ጌንት ዝተፈላለየ ሜላታት ተጠቒሙ ብዛዕባ እቲ ኲናት ዘስዓቦ ጉድኣት ዝምልከት መጽናዕቲ ብምክያድ ኣስታት 400 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱ ገሊጹ።
ኣብዚ ናይ ክልተ ዓመት ኲናት ብዘይካ’ቶም ብቀጥታዊ ውግእን መጥቃዕትን ዝሞቱ ሰባት ብሰንኪ ሕጽረት መግብን መድሃኒትን ዝሞቱ ሒደት ከም ዘይኮኑ ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።