ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ንምንታይ ትሽዓተ ላዕለዎት ጀነራላት ሰጒጉ?

ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ትሽዓተ ላዕለዎት ጀነራላት ብምብራሩ፡ ኣብ ዓሰርተ ዓመታት ዝወሰዶ ዝዓበየ ስጕምቲ ምዃኑ ተገሊጹ።

ምኒስትሪ ምክልኻል ቻይና፡ እዞም ትሽዓተ ጀነራላት ብዓበይቲ ፋይናንሳዊ ገበናት ከም ዝተጠርጠሩ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

መብዛሕትኦም ብዓል ሰለስተ ኮኾብ ጀነራላትን ኣካል ናይቲ ውድባዊ ውሳነ ዝህብ ፈጻሚት ሽማግለን እዮም ነይሮም። ካብ ምክልኻል እታ ሃገር'ውን ተባሪሮም ኣለዉ።

እቲ መግለጺ፡ ነቲ ምብራር ከም ኣካል ኣብ ጸረ-ብልሽውና ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ምዃኑ ክሕብር ከሎ፡ ተንተንቲ ግን ከም ፖለቲካዊ ምጽራይ ክርአ ከም ዝኽእል ይዛረቡ።

እዚ ስጕምቲ'ዚ ዝመጽአ ዘሎ፡ ማእከላይ ሽማግለ ብዛዕባ ውጥን ቍጠባ ናይታ ሃገር ኣብ ዝዛረበሉን ንዝኣትዉ ሓደስቲ ኣባላት ድምጺ ኣብ ዝወሃበሉን ግዜ እዩ።

ካብዞም ትሽዓተ ኣዘዝቲ፡ ሄ ዌይዶንግ፡ ድሕሪ ኣቦ መንበር ናይቲ ሰልፊ ዝዀነ ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ ኣብ ሓይልታት ቻይና ብኻልኣይ ደረጃ ዝርአ ጀነራል እዩ።

ጀነራል ዌይዶንግ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ መጋቢት ዝተራእየ ኰይኑ፡ ንነዊሕ እዋን ካብ ኣዕይንቲ ህዝቢ ምኽዋሉ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ዝካየድ ዘሎ ምጽራይ፡ ኣብ ትሕቲ መርመራ ክህሉ ከም ዝኽእል ግምታት ክወሃብ ጸኒሑ እዩ።

ንሱ፡ ኣካል ናይቲ ዝለዓለ ውሳነ ዝህብ ፈጻሚት ሽማግለ ብምንባሩ፡ ንመርመረ ዝቐረበ ናይ ፈለማ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ኰይኑ ኣሎ።

እቶም ትሽዓተ ኣዘዝቲ፡ "ሕጊ ሰልፊ ዝጠሓሱ፣ ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ዘጠቓለለን እምብዛ ሕማቕ ሳዕቤን ዘለዎ ኣብ ስራሕ ከቢድ ገበን ፈጺሞምን ብዝብል ከም ዝተጠርጠሩ፡" ምኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ገሊጹ።

ነቶም ጀነራላት ወተሃደራዊ ክሲ ከም ዝተመስረተሎምን፡ መቕጻዕቶም፡ "ሰልፊን ሰራዊትን ኣንጻር ብልሽውና ንዝገብሩዎ ዘለዉ ወፍሪ ርኡይ ዓወት፡" ምዃኑ ይገልጽ።

እቲ ናይ ምጽራይ ስጕምቲ ንኣዋርሕ ክቕጽል ምዃኑ ብምምልካት፡ ኣብ ሓምለ ኣብ ወተሃደራዊ ሓይሊ ናይታ ሃገር "መርዛም ጽልዋ፡" ንምውጋድ ዝጽውዕን ንኻድረታት "ሓጺናዊ ሕግታት፡" ምዃኑን ዝተገልጸ ሓድሽ መምርሒ ዘርዚሩ።

እዚ ዝካየድ ዘሎ ምጽራይ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ልዕሊ ምኒስተራት ምክልኻል ነበር ዌይ ፈንገ ከምኡ'ውን ሊ ሻንግፉ ድሕሪ ዝተወስደ ስጕምቲ ዝስዕብ ዘሎ እዩ።

ኣብ ሓይልታት ሮኬት ዝነበሩ ላዕለዎት ጀነራላት'ውን ተኣልዮም ኣለዉ። ነቶም ኣቐዲሞም ዝተሰጐጉ ዝተክአ ዋንግ ሁቢን ኣብዚ ናይ ሕጂ ሓደ ካብ'ቶም ዝተባረሩ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ዝተፈላለየ ቤትጽሕፈታት ዝዓዩ ስቪላውያን ሰራሕተኛታት'ውን ዝተባረሩ ኣለዉ።

ኣብ ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ማሕበረሰብ እስያ ኣብ ፖለቲካ ቻይና ዝሰርሕ ኒል ቶማስ፡ ንቢቢሲ ቻይና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ሺ ዝገብሮ ዘሎ ምጽራይ፡ ሓይሉ ንምንጽብራቕ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።

"ብኣረኣእያኡ [ንፕረዚደንት ሺ]፡ ብልሹዋት ወይ ዘይምእዙዛት ካድረታት ምእላይ፡ እቲ ሰልፊ ጽሩይ፡ ስነስርዓት ዘለዎን ውጽኢታዊ ውዳበ ንምዃንን ዝገብሮ ዘሎ 'ርእሰ-ሰውራ' እዩ።"

ኒል ቶማስ፡ እዚ ዝተወስደ ስጕምቲ፡ ተበግሶ ንምውሳድ ዘተዓናቕፍን ንምሕደራ ዓጺቕ ዝገብርን ክኸውን ከም ዝኽእል ኣመልኪቱ። "እዚ ሓይሊ ሺ ዘርኢ እዩ። እቲ ስርዓት ዝያዳ ጽሩይን ተኣዛዝን ይኸውን፣ ግን ከኣ ዝያዳ ጥንቁቕ ይኸውን፣ ሓድሓደ ግዜ ድማ ተሰባራይ ይኸውን።"

ብዙሓት ሰባት፡ ኣብቲ ብ20 ጥቅምቲ ዝጅምር ራብዓይ ጉባኤ መን ከም ዝሳተፍ ክዕዘቡ እዮም። "ውሑዳት ሰባት እንተ ተሳቲፎም፡ እቲ ምጽራይ ክሳብ ክንደይ ዓቢ ምንባሩ፡" ዘርኢ ክኸውን ከም ዝኽእል ቶማስ ይገልጽ።