ቻይና ስለምንታይ'ያ ንኣመንቲ 'ጽዮን' ትኣስር ዘላ?

ግሬስ ጂን ድሬክሰል ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ቻይና ካብ ዝርከብ ፍሉጥ ፓስተር ኣቦኣ ካልእ ተወሳኺ ፓስተር ብምጥፍኡ ክትጽሊ ዝሕብር መልእኽቲ በጺሑዋ።

እቲ ፓስተር ኣብ ደቡባዊት ከተማ ሸንዘን ክበጽሕ ከሎ ከም ዝተኣስረ እዩ - እቲ ጽሑፍ ዝገልጽ።

ኣብ ኣመሪካ እትነብር ጂን ድሬክሰል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ድሕሪ ቍሩብ ግዜ፡ ኣደይ ንኣቦይ ክትረኽቦ ከም ዘይከኣለት፡" ደዊላ ነጊራትኒ።

ድሕሪ ሰዓታት፡ ስድራኣ ፓስተር ጂን ኣብቲ ክርስትያናት ንዓሰርተታት ዓመታት ክእሰርሉ ዝጸንሑ ዝዓበየ ቤት ማእሰርቲ ምዃኑ ዝእመነሉ ቦታ ከም ዝተወስደ ተገንዘቡ።

ኣብ ዝሓለፈ መወዳእታ ሰሙን ምስቲ ፓስተር ጂን ዝመስረቶ ቤተክርስትያን ጽዮን ዝተኣሳሰሩ እዮም ዝተባህሉ 30 ሰባት ተገፊፎም ነይሮም።

ገለ ሰባት፡ እዚ ስጕምቲ'ዚ ነተን ብሕቡእ ዝንቀሳቐሳ ኣብያተ ክርስትያን ንምጭፍላቕ ንዝግበር ዝዓበየ ስርሒት፡ መጀመርታ ከይከውን ስግኣት ኣለዎም።

ኣብ ቻይና ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝጸደቑ ሓደስቲ ሕግታት፡ ነቶም ብውሽጣ-ውሽጢ ዝካየዱ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ንምግታእ ዝዓለሙ ይመስሉ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብሰበስልጣን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ቤተክርስትያን ክካየድ ዝጸንሐ ጸቕጢ እናወሰኸ ምምጻኡ ይጠቕሱ።

ቻይና በቲ ኣብ ህላወ ፈጣሪ ዘይኣምን 'ቻይናዊ ዴሳዊ ፓርቲ' ትምራሕ እኳ እንተ ሃለወት፡ ቀሊል ዘይኰነ ብዝሒ ሰዓቢ ሃይማኖት ክርስትና ኣለዋ።

ብመሰረት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተረኽበ ጸብጻብ መንግስቲ፡ ኣስታት 38 ሚልዮን ፕሮቴስታንትን ዳርጋ ሽዱሽተ ሚልዮን ካቶሊኻውያንን ኣለዉ።

እዚ ኣሃዛት'ዚ ግን፡ ኣብቲ ወግዓዊ ፍቓድ ዝረኸበ ካቶሊኻዊ ማሕበርን በቲ ፓርቲ ደገፍ ዘለዎ ክፋል ፕሮቴስታትን ንዝተመዝገቡ ኣባላት ጥራሕ ዝውክል እዩ።

ተጠበቕቲ መሰላትን ምሁራትን ከም ዝግምቱዎ ግን፡ ናብተን ብስነሓሳብ ናይቲ መንግስቲ ዘይቅየዳ ዘይምዝጉባት ኣብያተ ክርስትያን ዝመላለሱ ዓሰርተታት ሚልዮናት ቻናውያን ከም ዘለዉ ይገልጹ።

ሓያሎ ካብዘን ኣብያተ ክርስትያን፡ መንግስቲ ቻይና ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ ጕጅለታት ዘለዎ ቍጽጽር ንምዕባይ ብዝገበሮ ስጕምቲታት ተጸልየን እየን።

ህንጻታት ኣብያተ ክርስትያን ክፈርሱን መስቀላት ህዝቢ ካብ ዝርእዮ ቦታ ክእለዩን ከለዉ፡ ንዋየ ቤተክርስትያን ብፖሊስ ብጽኑዕ ክሕለዉ ተገይሩ። ገለ ክርስትያናዊ ትሕዝቶ ዘለወን መተግበሪታት (apps) እውን ተኣጊደን።

መንግስቲ ኣብ 2005 ከምኡ'ውን ዳግማይ ኣብ 2018 ብዛዕባ ሃማኖታውያን ጕጅለታት ዝምልከት ሕግታት ኣመሓዪሹን ከም ዝጸንዕ ገይሩን።

ኣብ 2016 መራሒ ቻይና ሺ ጂንፒንግ፡ ትካላት ሃይማኖት "ቻይናውነት ክላበሳ፡" ጸዊዑ።

ከም ጽዮን ዝኣመሰላ ብውሽጣ-ውሽጢ ዝንቀሳቐሳ ኣብያተ ክርስትያን፡ በቲ ኣብ 2018 ዝተደንገገ ኣብ ቃልዕ ንጥፈታትካ ከተካይድ ካብ መንግስቲ ፍቓድ ክትረክብ ዝገብር ሕጊ ተጸልየን እየን።

ብሰንኩ፡ ብዙሓት ህዝባዊ ንጥፈታት ደው ከብላ ተገዲደን። ብመንገዲ ኢንተርነት ኣገልግሎት ክህባ ተቐሲበን፣ ወይ ድማ ተዓጽየን።

ኣብ ዝቐጸላ ዓመታት'ውን፡ ገለ ፍሉጣት ፓስተራት ንማእሰርትን ፍርድን ክቃልዑ ተራእዮም።

ኣብ ግንቦት፡ ኣብ ሺኣን ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ጽዮን ፓስተር ዝዀነ ጋኦ ኳንፉ፡ "ሕጊ ንምድኻም ማሪታዊ ንጥፈታት ተጠቒሙ፡" ተባሂሉ ብፖሊስ ተታሒዙ ነይሩ።

ኣብ ዝቐጸለ ወርሒ፡ ሓያሎ ሰባት ካብታ ኣብ ሻንሲ እትርከብ ቤተክርስትያን ወርቃዊት መብራህቲ ሊንፈን፡ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ተዋሂቡዎም።

ተጠባቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ እቲ ዝተዋህበ ፍርዲ ብናይ ሓሶት ክሲ ምዃኑ ይምጕቱ።

ኣብ መስከረም፡ መንግስቲ ንመራሕቲ ሃይማኖት ዝኸውን ብዛዕባ ብኢንተርነት ዝግበር ስብከት ሓድሽ ሕጊ ኣፍሊጡ ነይሩ። እቲ ሕጊ፡ ከምዚ ዝመሰለ ንጥፈታት'ውን ፍቓድ ብዘለወን ጕጅለታት ጥራሕ ክካየድ ዝድንግግ እዩ።

ሰባት ነዚ፡ እተን ብውሽጠ-ውሽጢ ዝንቀሳቐሳ ኣብያተ ክርስትያን ብኢንተርነት ክህብኦ ንዝጸንሓ ኣገልግሎታት ንምድራት ዝዓለመ ስጕምቲ ገይሮም ይምልከቱዎ።

ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ኣባላት ቤተክርስትያን ጽዮን እውን ብኣባላት ፖሊስ ብዙሕ ሕቶታት ከም ዝቐረበሎም ጂን ድሬክሰል ገሊጻ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓርብን ቀዳምን ሰበስልጣን ቻይና፡ ኣብ በይጂንግን ሻንጋይን ሓዊሱ ብውሑዱ ኣብ 10 ከተማታት ተሪር ዝብሉዎ ስጕምቲ ወሲዶም ኣለዉ።

ብዘይካ እቲ ኣብ ኣውራጃ ጉዋንሲ ኣብ እትርከብ ከተማ በይሃይ ዝተወስደ ፓስተር ጂን፡ ካልኦት ፓስተራትን መራሕትን ኣባላት ቤተክርስትያንን ኣሲሮም ኣለዉ።