ቻይና፡ ን11 ኣባላት ስድራቤት ማፍያ ንሞት ፈሪዳ

ቤትፍርዲ ቻይና ኣብ ሚንያንማር ዝተፈላለዩ ገበናት ከካይዱ ዝጸንሑ ዝበሎም 11 ኣባላት ሓንቲ ፍልጥቲ ስድራቤት ማፍያ ብሞት ከም ዝቕጽዑ ገሊጹ። ዓሰርተታት ካልኦት ድማ ንነዊሕ ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዶም።

ስድራቤት ሚንግ ጥቓ ዶብ ቻይና ኣብ እትርከብ ከተማ ላውካይ ካብ ዝርከቡ ኣርባዕተ ዓሌታት ሓደ እዮም። ነዛ ከተማ ድማ ናብ ናይ ጠላዕን ሓሽሽን ማእከል ጕሕለት ከም ዝቐየሩዋ እየን መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ቻይና ዝገልጻ።

ዕጡቕ ጕጅለ ሚንያንማር ስርሒት ብምግባር ንብዙሓት ኣባላት ናይዛ ስድራ ብምሓዝ ኣብ 2023 ንቻይና ኣረኪቡዎም።

ኣብ ምብራቓዊ ቻይና ኣብ እትርከብ ከተማ ዌንዝሆው ኣብ ዝነበረ መጋባኣያ፡ 39 ኣባላት ናይታ ስድራቤት ናብ ፍርዲ ከም ዝቐረቡ ሲሲቲቪ ሓቢሩ።

ካብዚኦም እቶም 11 ንሞት ተፈሪዱዎም። ካልኦት ሓሙሽተ ድማ ንኽልተ ዓመት ከይተፈጸመ ዝጸንሕ ናይ ሞት ፍርዲ ተበይንሎም። 11 ምሉእ ዕድመኦም ክእሰሩ ክፍረዱ ከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ካብ ሓሙሽተ ክሳዕ 24 ዓመት ማእሰርቲ ተወሲንሎም።

እቲ ቤትፍርዲ፡ እቶም ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ካብ 2015 ጀሚሮም ኣብ ምትላል ብተለፎን፡ ዘይሕጋዊ መቋመሪታት (ካዚኖታት)፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስን ምንዝርናን ዝኣመሰሉ ገበናት ከም ዝተዋፈሩ ገሊጹ።

በቲ ናይ ቍማርን ምትላልን ንጥፈታቶም ኣስታት 1.4 ቢልዮን ዶላር ከም ዝረኸቡ እቲ ቤትፍርዲ ገሊጹ።

ብተወሳኺ፡ ስድራቤት ሚንግን ካልኦት ጕጅለታትን ኣብቲ ማእከላት ጕሕለት ንዝተፈጸሙ ሞት ናይ ሓያሎ ሰባት ተሓተትቲ ምዃኖምን ሰራሕተኛታት ናብ ቻይና ከይምለሱ ተዅሲ ከም ዝኸፍቱሎምን ገሊጹ።

እቶም ኣብ ላውካይ ዝርከቡ ካዚኖታት፡ ነቲ ኣብ ቻይናን ካልኦት ጐረባብቲ ሃገራትን ዘይሕጋዊ ዝዀነ ቍማር ንረብሓኦም ተጠቂሞምሉ፣ ምስግጋርን ምሕጻብን ገንዘብ፡ ከምኡ'ውን ዝተፈላለየ ተግባራት ጕሕለት ዝፍጽሙ ዓበይቲ ማእከላት ንምዃን ድማ ክኢሎም።

ሕቡራት ሃገራት ነዚ ከባቢ ቀንዲ ማእከል "መታለልቲ" ክብል ዝገለጾ ኰይኑ፡ ልዕሊ 100,00 ወጻእተኛታትን ሓያሎ ቻይናውያንን ናብዚ ማእከላት ውሒዞም። ኣብኡ ተዓቚቦም ድማ ብመንገዲ ኢንተርነት ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ሰባት ግዳያት ገይሮም።

ስድራቤት ሚንግ ኣብ ሚያንማር ግዝኣት ሻን ኣዝዮም ሓያላት እዮም። ኣብ ላውካይ ብውሑዱ 10,000 ሰራሕተኛታት ዘለዎም ማእከላት ጕሕለት የካይዱ ነይሮም። እቲ ኣዝዩ ዕሉል ቦታ፡ "ክሩቺንግ ታይገር ቪላ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ቀጽሪ፡ ሰራሕተኛታት ዝቕጥቀጥሉን ዝሳቐይሉን ቦታ እዩ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ዕጡቓት ጕጅለታት መጥቃዕቲ ብምፍጻም ንወተሃደራዊ ሓይሊ ሚያንማር ካብ ሰፊሕ ክፋል ግዝኣት ሻን ብምምብራር ንላውካይ ተቘጻጺሮማ። ኣብ ልዕሊ እዞም ጕጅለታት ጽልዋ ዘለዋ ቻይና፡ ነቲ መጥቃዕቲ ከም ዝደገፈቶ ይግመት ነይሩ።

ሚንግ ዙቻንግ ዝተባህለ ሓላፊ ስድራቤት ገዛእ ርእሱ ከም ዝቐተለ ይንገር፤ ካልኦት ኣባላት እታ ስድራ ድማ ንሰበስልጣን ቻይና ተረኪቦም። ገሊኦም ከም ዝተጣዕሱ ተናዚዞም እዮም።

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰራሕተኛታት ናይቲ ማእከል ጕሕለት'ውን ናብ ፖሊስ ቻይና ተረኪቦም ኣለዉ።

ቻይና በዚ ዝተወስደ ብይን፡ ኣብ ዶባታ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ገበናት ንምቍጽጻር ትሰርሕ ኣላ። እንተዀነ፡ ኣብ ሚያንማር ጠቕሊሉ እኳ እንተ ዘይጠፍአ፡ ብዙሕ ካብኡ ናብ ካምቦድያ ተሰጋጊሩ ኣሎ።