ብዕጡቓት ሚያንማር ተታሒዞም ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ናብ ዓዶም ተመሊሶም

ካብ ካምፕታት ሳይበራዊ ገበን ኣምሊጦም ኣብ ኢድ ዕጡቓት ካብ መንጎ ዝወደቑ 751 ኢትዮጵያውያን፡ እቶም ናይ መወዳእታ 49 ግዳያት፡ ብረቡዕ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝተመለሱ ኣተሓባባሪ ኮሚቴ ወለድን ኣብ ታይላንድ ዝርከቡ ምንጭታትን ገሊፆም።

ካብ ካምፕታት ገበን ምውፃእ ዘይኸኣሉ 42 ግዳያት ግና፡ ኣብዚ ግዜ'ውን ኣብ ኣፀጋሚ ኵነታት ዘለዉ ክዀኑ ከለዉ፡ "ንርእሱ ካብ ርሻን ኣፅዲፉ፡" ዝተባህለ ሓደ ኢትዮጵያዊ ከም ዝሞተ'ውን ተሓቢሩ።

እዞም ናብ ሃገሮም ዝተመለሱ ኢትዮጵያውያን፡ ካብ ዝሓለፈ ለካቲት ጀሚሩ ኣብ ኢድ ዓመፅቲ ሚያንማር ደሞክራቲክ ካረን ቤነቮለንት ኣርሚን (DKBA) ቦርደር ጋርድ ፎርስን (BGF) እዮም ነይሮም።

እዞም ኢትዮጵያውያን ምስ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት፡ ብኣስገዳድ ከም ሰራሕተኛ ተቐይዶም ካብ ዝነበርሉ ካምፕታት ሳይበራዊ ገበናት ድሕሪ ምህዳሞም እዮም፡ ኣብ ኢድ ዕጡቓት ወዲቖም።

እዞም ግዳያት ፅቡቕ ገንዘብ ከም ዝረኽቡ ተነጊርዎም ናብ ታይላንድ ምስ ተወሰዱ፡ ኣብ ሚያንማር ናብ ዝርከቡ ጕጅለታት ገበን ተሸይጦም።

ኣብቶም ካምፕታት ገበናት ምትላል ንኽፍፅሙ ይግደዱ ነይሮም፣ ተግባራት ምስቓይ'ውን ኣብ ልዕሊኦም ተፈፂምዎም።

ኣብ ኢድ ዕጡቓት ዝነበሩ ግዳያት ንምውፃእ፡ ኣብ ጃፓን ቶኪዮን ኣብ ህንዲ ኒው ዴልሂን ዝርከቡ ኤምባሲታት ከምኡ'ውን ኣብ ታይላንድ ዝርከቡ ዘይመንግስታዊ ትካላት ብሕብረት ክሰርሑ ፀኒሖም።

ኣብ ኢድ ክልቲኦም ዕጡቓት ዝነበሩ 751 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ምምላስ ዝተጀመረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ እዩ።

ኣካቢት ኮሚቴ ወለዲ ግዳያት ወይዘሮ ኣበበች ኣመል፡ ቅድሚ ኣስታት ክልተ ወርሒ፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ብዝተፈላለዩ ጕጅለታት እናተመደቡ (እናተኸፈሉ) ካብ ሚያንማር ናብ ታይላንድ ምስ ሰገሩ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክግዕዙ ከም ዝተገበረ ንቢቢሲ ተዛሪባ።

ኣብ ናይ መወዳእታ ጕጅለ ዝነበሩ 49 ኢትዮጵያውያን፡ ብሰሉስ 17 ሰነ 2017 (ግእዝ)፡ ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝኣተዉ ድማ ሓቢራ።

እዞም ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ንምምላስ፡ ናይ ዝተወሰኑ ወፃእታት ትኬት ምሽፋን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ሓገዛት ካብኡ መንጎ ዝገበሩ ኣብ ታይላንድ ዝርከቡ ዘይመንግስታውያን ትካላት ኣመራርሓ ዝዀኑ ካልእ ምንጭና ድማ፡ " ሎሚ ንግሆ እቶም ናይ መወዳእታ ዙር ኢትዮጵያውያን ናብ ገዝኦም ልኢኽና። እዚ ታሪኽ ዝቕፅል'ዩ፤ ሓደ ምዕራፍ ግና ተዛዚሙ'ሎ፡" ብምባል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እዞም ግዳያት ኵሎም ናብ ኢትዮጵያ ዋላ'ኳ እንተ ተመለሱ፡ ገና ካብ ኢድ ጕጅለታት ገበን ከምልጡ ዘይከኣሉ 42 ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ካምፕታት ከም ዝርከቡ ወይዘሮ ኣበበች ገሊፃ።

እዞም ግዳያት ከምቶም ካልኦት ኢትዮጵያውያን ንምህዳም ኣብ ዝፈተንሉ ከም ዝተታሓዙ ድማ ወሲኻ ሓቢራ።

"ኣብ ኢድ ኣዝዮም ኣፀገምትን ሕሱማትን ዝበሃሉ ትካላት'ዮም ዘለዉ። ይስቀሉ'ዮም፤ ኣብ መንደቕ ኣእዳዎም ናብ ምዕራብን ምብራቕን ወጢሮም ንልዕሊ ክልተ ሰዓታት ይኣስርዎም። ብፍላይ ድማ እቶም 14 ዝርከብሉ (ካምፕ)፡ ጫምኦም ኣውፂኦምም ኣብ ሓርጓፅ መንገዲ (ጭንጫ መሬት) ንኽጓዓዙ ኣገዲደሞም፡ እግሮም ቈሲሎም፡" ብምባል፡ እቶም ኢትዮጵያውያን ዝረከብሉ ኵነታት ኣረዲኣ።

"ህይወት ናይዞም ቈልዑ እንተ ስኢንና፡ ንስድራን እዚ ንዝፈልጥ ማሕበረሰብን ከቢድ ሓዘን'ዩ ዝኸውን፡" ትብል ወይዘሮ ኣበበች፡ ኣብ መወዳእታ ግንቦት ኣብ ካልእ ካምፕ ዝነበረ ሓደ ኢትዮጵያዊ ከም ዝሞተ ገሊፃ።

ብዛዕባ ሞት እዚ ግዳይ፡ ምስኡ ዝነበሩ ካልኦት ክልተ ኢትዮጵያውያን ከም ዝሓበርዎም ድማ ተዛሪባ።

ክልቲኦም ኢትዮጵያውያን ሬሳ እቲ ግዳይ ከም ዝረኣዩ ትዛረብ ወይዘሮ ኣበበች፡ "ብጭንቀት ንርእሱ ካብ ሻውዓይ ደርቢ ብምፅዳፍ ሞይቱ፡" ኢሎም እቶም መሰኻኽር ከም ዝተዛረቡ ገሊፃ።

ወይዘሮ ኣበበች፡ "ሬሳ እቲ ቈልዓ ምስ ረኣናዮ፡ ካብ ሻውዓይ ደርቢ ዝወደቐ ኣይመስልን። መጥቃዕቲ'ውን ክኸውን ይኽእል። ርእሰ-ቕትለት ፈፂሙ'ውን ክብሉ ይኽእሉ። እንታይ መረጋገፂ ኣሎ?" ብምባል ትሓትት።

ስድራ ግዳያት፡ ፎቶ ሬሳ ናይቲ መዋቲ ብምርኣይ መንነቱ ከም ዘረጋገፁ ድማ ወሲኻ ሓቢራ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ኣባል ስድራ መዋቲ፡ ህይወት እቲ ግዳይ ከም ዝሓለፈ ዘረጋገፀ ክኸውን ከሎ፡ ኣብቲ ጉዳይ ግና ርእይቶ ክህብ ድሌት ከም ዘይብሉ ገሊፁ።

ኣካቢት ኮሚቴ ወለዲ ግዳያት ወይዘሮ ኣበበች፡ "ሬሳ እቲ ዝሞተ ኢትዮጵያዊ ንምምፃእ ዝዀነ ፃዕሪ ከም ዘይተገበረ፡" ገሊፃ።

ኣብቲ ካምፕ ምስኡ ዝነበሩ ክልተ ኢትዮጵያውያን፡ "ሃዲሞም ከም ዝወፅኡን ዝርከብሉ ከም ዘይፍለጥን፡" ሓቢራ።