እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብዓርካ ተታሊላ ምስላ ንጾታዊ ኣሳእል 'ዲፕፌክ' ዝዀነ ጐርዞ
“ጆዲ” ናይ ገዛእ ርእሳ ስእሊ ብዲፕፌክ ኣብ ዝተመስርሐ ቪድዮ ግብረ ጽዩፍ ረኺባቶ፤ ድሕሪኡ ኣዝዩ ዝኸፍአ ስንባደ ተፋሪቑዋ።
እዚ ዝገበረ ክኣ ሓደ ካብ ናይ ልቢ መሓዙተይ እትብሎ እዩ።
መጠንቀቕታ፡ እዚ ጽሑፍ ጽዩፍ ቃላትን መግለጺታት ጾታዊ ዓመጽን ዝሓዘ እዩ።
ብ2021’ዩ፤ ጆዲ (ትኽክለኛ ሽማ ኣይኰነን)፡ ካብ ዘይትፈልጦ ናይ ኢሜይል ኣድራሻ ናብ ሓደ መርበብ ግብረ ጽዩፍ (porn) መላግቦ (ሊንክ) በጺሑዋ።
ከፊታቶ፤ ምስ ዝተፈላለዩ ደቂ ተባዕትዮ ጾታዊ ርክብ እናፈጸመት ዘርኢ ናይ ባዕላ ስእልታትን ምስልን ርእያ።
ናይ ገጽ ምስሊ ጆዲ፡ በቲ ዲፕፌክ (deepfake) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዲጂታላዊ ምስናዕ ምስልን ስእልን ሰባት ናብ ኣካላት ካልእ ጓል ኣንስተይቲ እዩ ተሓዊሱ።
ጾታዊ ስምዒተይ “ተላዕለለይ’ያ” ዝበለ ሓደ ሰብ፡ ስእልታት ጆዲ ኣብቲ መርበብ ሓበሬታ ብምጥቃዕ ካልኦት ተጠቀምቲ ነዚ ስእልታት ተጠቂሞም ስኑዕ ቪድዮ ግብረ ጽዩፍ ክሰርሕሉ እንተኽኢሎም ይሓትት።
ከም መለሳ ከኣ፡ ተወሳኺ ስእልታትን ዝርዝር ሓበሬታን ጆዲ ከቕርብ እየ ክብል ተመጻብዐ።
ሕጂ ኣብ መፋርቕ 20ታት እትርከብ ጆዲ፡ “ብዛዕባ እቲ ዘንብቦን ዝርእዮን ዘለኹ ነገር ንክርዳእ ቴሌፎነይ እናተናኸፍኩ የእውን ይበክን ነይረ። እዚ ህይወተይ ክጽይቘ ከም ዝኽእል ተረዲኡኒ እዩ” ትብል።
እቲ ኣብ ቴሌፎና እትርእዮ ዘላ ምእማን ስለ ዝኸበዳ “ዓለም ምሉእ ትፈርሰኒ ዘላ መሲሉ” ተሰሚዑኒ ትብል።
ሽዑ ሓደ ኣዝዩ ዘሕዝን ሓቂ ዘግሃደላ ስእሊ ረኺባ።
ጆዲ፡ ዒላማ ከምዚ ዝኣመሰለ ክስተት ክትከውን እንከላ፡ እዚ ናይ መጀመርትኣ ኣይኰነን። እኳ ድኣ፡ እዚ ድምር ናይቲ ንዓመታት ብኦንላይን ክበጽሓ ዝጸንሐ ሕቡእ ግህሰት እዩ።
ጆዲ፡ ኣብ ናይ ዓሰርተታት ዕድሚኣ እንከላ፡ ብዘይፍቓዳ ሽማን ምስላን ሰባት ናይ ፍቕሪ መጻምዲ ንምርካብ ኣብ ዝጥቀሙሎም መተግበሪታት ረኺባቶ።
ዒላማ ዲፕፌካት ምዃን
እዚ ንሓደ ዓመት ቐጺሉ፤ ብ2019፡ ካብ ዘይትፈልጦ ሰብ ብፌስቡክ መልእኽቲ ይመጽኣ። ‘ዴት’ ስለ ዘለና ኣብ ለንደን ጐደና ሊቨርፑል ክኣ ክረኽበኪ እየ ይብላ።
እታ ከተዛርባ ዝጸናሕካ ኣነ ኣይኰንኩን እኳ እንተበለቶ፡ ብዛዕባኣ ዝፈልጦ ዝርዝር ነገራት ምህላውን ኣብ ኦንላይን ክረኽባ ብምኽኣሉን ግን ከም ዝርዓደት ትዛረብ።
እታ ኣብ ናይ ዴቲንግ መተግበሪታት ዘላ “ጆዲ” ድሃይ ምስ ኣጥፍአት እዩ ኣብ ፌስቡክ ረኺቡዋ።
ብግንቦት 2020፡ ኣብ ብሪጣኒያ ዕጽዋ እንከሎ፡ ጆዲ ፋይቶት ምዃና ዝገልጽ ጽሑፋት ዘለዎም ስእልታታ ኣብ ብዙሓት ናይ ትዊተር ኣካውንታት ይልጠፉ ከም ዘለው ካብ መሓዝኣ ሰሚዓ።
ኣብ ሓደ ካብ ናይ ውልቃ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝተወስደ ስእሊ (ናይ መሐንበሲ ክዳን ተኸዲና ዘላቶ) “ምስ ጐርዞ ጆዲ እንታይ ክትገብሩ ትደልዩ?” ዝብል ጽሑፍ ብምሓዝ ተጠቂዑ።
እቶም ስእላ ተጠቒሞም ዝጥቅዑ ናይ ትዊተር ኣካውንታት "slut exposer" ከምኡ’ውን "chief perv" ዝብል ሽም ነይሩዎም።
ኵሎም እቶም ስእልታት ክኣ፡ ኣብ ሓደ እዋን ሕጉስቲ ኰይና ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ምስ ዝርከቡ መሓዙታን ኣባላት ስድርኣን ዘካፈለቶም ስእልታት እዮም።
ድሕሪኡ፡ እዞም ኣካውንታት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ናይ እትፈልጠን ካልኦት ደቂ ኣንስትዮን መተዓብይታን’ውን ይጥቅዑ ከም ዘለው ትግንዘብ።
“ሽዑ፡ ኣነ ዒላማ ከም ዝዀንኩን ሓደ ሰብ ከጥቅዓኒ ይፍትን ከም ዘሎን ተረዲኡኒ” ትብል።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ ጆዲ ነተን ኣብቶም ስእልታት ዝርኣየተን ደቂ ኣንስትዮን ኣብዚ ዴዚ ኢልና እንጽውዓ ናይ ቀረባ መሓዝኣን ኣጠንቂቓተን።
ክልቲአን መሓዙት፡ ስእልታተን ዝጥቅዑ ካልኦት ናይ ትዊተር ኣካውንታት ይረኽባ።
“ብዝፈተሽና ቑጽሪ ክኣ ይገድድ” ትብል ዴዚ።
ነቶም ነዚ ኣካውንታት ዝጥቀመሉ ዘለው ሰባት ብጽሑፍ ብምርካብ ስእልታትና ካበይ ረኺብኩምዎ ብምባል ክትሓትቶም እንከላ፡ ሽሞም ክዕቀብ ካብ ዝደልዩ ሰባት ዝተልኣኸሎም ምዃኑ ክኣ ይሕብሩዋ።
ሓደ ካብኣቶም፡ “ኣፍቃሪኺ ዝነበረ ወይ ብኣኺ ዝሓረቐ ሰብ’ዩ” ዝኸውን ክብል ይምልስ።
ዴዚን ጆዲን፡ ዝርዝር ናይ'ቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ንክልቲአን ዝስዕቡወንን ናይ ክልቲአን ስእልታት ክረኽቡ ዝኽእሉን ደቂ ተባዕትዮ ክስንዳ ጀመራ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣፍቃሪ ጆዲ ዝነበረ ክኸውን ይኽእል’ዩ ኣብ ዝብል ድምዳመ ክበጽሓ እንከለዋ፤ ጆዲ ንዕኡ ኣዋጢራቶ፤ ቀጺላ ክኣ ካብቲ ናታ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣጊዳቶ።
ንሒደት ኣዋርሕ ዝኸውን እቲ ዝልጠፍ ስእልታት ደው እኳ እንተበለ ጸኒሑ ግን ሓደ መንነቱ ዝሓብአ ሰብ ብኢሜይል መልእኽቲ ይሰድድ።
"ስመይ ምዕቃበይ ይቕሬታ" ይብል እቲ ኢሜይል፡ “እዚ ወዲ ግን ናትኪ ስእልታት ይጥቅዕ ኣሎ፤ እዚ ክኣ ናይ ብሓቂ ዘፍርሕ ክኸውን ከም ዝኽእል እፈልጥ እየ” ይብላ።
ጆዲ፡ ነቲ ዝበጽሓ ፈለግ (ሊንግ) ምስ ከፈተቶ፡ ናታን ናይ ክልተ መሓዙታን ስእሊ ዝጠቅዐ ተጠቃሚ ሬዲት (መተግበሪ ዴቲንግ) ይወስዳ።
ካልኦት ተጠምቲ ድማ፡ ኣብዚ ምስ ኣየነይቲ ጾታዊ ርክብ ክትፍጽሙ ትደልዩ፣ ነየነይቲ ትምርዓው፣ ነየነይቲ’ኸ ምቀተልኩም ዝብል ተሳትፎ ክገብሩ ዕድመ ተገይሩሎም።
ኣብ ትሕቲ እቲ ልጥፎ፡ 55 ሰባት ርኢይቶ ሂቦም።
እቶም ስእልታት ዴዚ ንኣፍቃሪኣ ዝነበረ ምስ ዓጸወቶ ዝተለጠፉ ናይ ቀረባ ግዜ’ዮም። ክልቲአን መሓዙት በዚ ክስተታት ብጌጋ ንኻልእ ሰብ ይነቕፋ ከም ዘለዋ ይግንዘባ።
ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ፡ ብተመሳሳሊ እቲ ኣቐዲሙ ኢሜይል ዝልኣኸ ሰብ መልእኽቲ ይሰድድ፤ ናይ ሕጂ ዲፕፌካት’ዮም ነይሮም።
‘ደረት ኣልቦ ጥልመት’
ጆዲን ዴዚን፡ ዝርዝር ናይቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝስዕቡወን ደቂ ተባዕትዮ ከቐምጣ እንከለዋ፡ ንቀንዲ መሓዛ ጆዲ ኣሌክስ ዉልፍ ሓዊሱ ካብ ስድራቤት ጀሚሩ ዘለው ዝኣምንኦም ደቂ ተባዕትዮ ኣብቲ ዝርዝር ኣየእተወኦምን ነይረን።
ጆዲን ኣሌክስን ናይ ቁልዕነት መሓዙት’ዮም፤ ጆዲ ስእልታተይ ካብ ፍቓደይ ወጻኢ ኣብ መተግበሪታት ዴቲንግ ኣትዮም ኣብ ዝበለትሉ እዋን ኣሌክስ ኣጸናኒዑዋ’ዩ።
ንሱ፡ ብ2012 መንእሰይ ኣወሃሃዲ ሙዚቃ ብዝብል ሽልማት ቢቢሲ ተዓዊቱ ነይሩ።
“ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ኣብ ኢንተርነት ብዛዕባ ዝገጥመን ነገራት ይፈልጥ’ዩ፤ ግዱስ ይመስለኒ ነይሩ” ትብል ጆዲ።
እቲ ብዲፕፌክ ዝተመስርሐ ናይ ግብረ ጽዩፍ ስእልታት ምስ ርኣየት ግን፡ ብድሕሪኣ ኬምብሪጅ ዝርኣዮ ኣብ ኪንግስ ኮሌጅ ዝተስኣለቶ ስእሊ ረኺባ።
መዓዝ ከም ዝተስኣለ ክትዝክሮ እንከላ፡ ዉልፍ ኣብቲ ስእሊ ከም ዝነበረ ትዝክር። እቲ ስእሊ ክኣ ንዕኡ ጥራይ’ያ ኣካፊላቶ።
ስለዚ፡ እቶም ናብ ዲፕፌክ ክቕየሩ ስእልታት ጆዲ ዝሰድድ ዝነበረ ሚስጥረኛ ኣሌክስ ምዃኑ ተገንዘበት።
“ኣብ ህይወተይ ብዛዕባ ዘለዎ ጽልዋ እናፈለጠ ከምኡ ይገብር ነይሩ” ትብል።
ብነሓሰ 2021፡ ወዲ 26 ዓመት ዉልፍ፡ ጆዲ ናይ እትርከበን 15 ደቂ ኣንስትዮ ስእልታት ካብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብምውሳድ ናብ መርበባት ግብረ ጽዩፍ ይጽዕኖም ከም ዝነበረ ተፈሪዱ።
ቤት ፍርዲ፡ ማእሰርቲ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፣ ንኽልተ ዓመታት ክእገድን ነፍሲ ወከፍ ግዳያት 100 ፓውንድ ካሕሳ ክኸፍልን ወሲኑ።
ንሱ፡ በዚ ተግባሩ ከም ዝሓፍር ብምግላጽ “ብዛዕባ እቲ ዘንቀልኩዎ ቃንዛ መዓልታዊ’የ ዝሓስብ፤ ክሳብ መወዳእታ ህይወተይ ከም ዝመላለሰኒ ኣይጠራጠርን። ነቲ ዝገበርኩዎ መመኽነይታ የለን፤ ኣብቲ እዋን'ቲ ስለ ምንታይ ከምኡ ገይረ’ውን ክገልጾ ኣይኽእልን” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ዉልፍ፡ ምስቲ ቅድሚ እቲ ዝተኸሰሰሉ ፍጻመታት ኣብ ልዕሊ ጆዲ ዘጋጠመ ግህሰት ዝዀነ ርክብ የብለይን እዩ ዝብል። ጆዲ ግን፡ ግብሪ መሓዝኣ “ናይ መወዳእታ ጥልመትን ውርደትን" እዩ ነይሩ ክትብል ትገልጾ።
ብዛዕባ እዞም ልጣፋት፡ ንኤክስ (ትዊተር ነበር) ከምኡ’ውን ረዲት ሓቲትና።
ኤክስ መልሲ ኣይሃበን፤ ወሃቢ ቃል ረዲት ግን “ካብ ፍቓድ ወጻእ ዝዀነ ነገር ኣብ መተግበሪ ረዲት ፍቑድ ኣይኰነን” ብምባል እቶም ሕቶ ዘልዓሉ ከም ዝተኣገዱ ገሊጹ። እቲ መርበብ ግብረ ጽዩፍ ክኣ ክወርድ ተገይሩ።
ኣብ 2023፡ ብዲፕፌክ ዝተመስርሐ ናይ ግብረ ጽዩፍ ምስልን ስእልን ምዝርጋሕ ገበን ኰይኑ ጸዲቑ።
ኣብ ኦንላይን፡ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ቪድዮታት ዲፕፌክ ክህልው እንከለው፡ ኣብ ቀረባ ዝተኻየደ መጽናዕቲ 98 ሚኢታዊት ግብረ ጽዩፍ ምዃኖም ኣመልኪቱ።
ይኹን’ምበር፡ ዲፕፌክ ንክስርሓሉ ዝሓትት ሰብ ገበነኛ ዝገብር መቕጽዒ ሕጋጋት ዘይምህላው ከም ዘሕዝና ትዛረብ።
ዲፕፌክ ምምስራሕ’ውን ገበን ኣይኰነን።
“እዚ ንኣሽሓት ደቂ ኣንስትዮ ይጸሉ’ዩ ዘሎ፤ ስሩዕ ሕጋጋትን ነዚ ዝሰርሑ ሰባት ደው ዘብሉ ኣገባባትን የድልዩና’ዮም” ትብል ጆዲ።
ኣብዚ ዛንታ ብዘለው ዛዕባታት ተጸሊኹም እንተዀይንኩም፡ ካብ BBC ACTION LINE ሓበሬታን ሓገዝን ክትረኽቡ ትኽእሉ።