እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ማእኸላት ገበን ምትላል ክሰርሑ ዝጸንሑ '138 ኢትዮጵያውያን' ነጻ ወጺኦም
ኣብ ሚያንማር ግዝኣት ካረን ኣብ ዝርከብ ማእኸላት ምትላል ቴሌኮም ክሰርሑ ዝጸንሑ ልዕሊ 250 ዜጋታት 20 ሃገራት ብሓደ ዕጡቕ ጕጅለ ናጻ ድሕሪ ምዉጽኦም ናብ ታይላንድ ኣትዮም።
እዚኦም "138 ኢትዮጵያውያን" ዝርከቡዎም ከም ዝዀኑን ትማሊ ናብ ታይላንድ ከም ዝኣተዉን ኣብታ ሃገር ዝርከብ ዘይመንግስታዊ ትካል ንቢቢሲ ገሊጹ።
ሰራዊት ታይላንድ፡ ነዞም ውልቀሰባት ክቕበሎም እንከሎ፡ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት እንተዀይኖም ንምፍላጥ የጻሪ ኣሎ።
ድሕሪ'ዚ፡ እቶም ውልቀሰባት ናብ ኢትዮጵያ ክምለሱ'ዮም ተባሂሉ ትጽቢት ከም ዝግበር ምንጪታት ቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብታ ኣብ ደቡብ ምብራቕ ኤዥያ እትርከብ ግዝኣት ካረን፡ ብርክት ዝበሉ ምትላላት ሳይበር ዝፍጽሙ ማእከላት ኣለዉ።
እዞም ሰራሕተኛታት ድማ፡ ካብ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ፊሊፒንስ፣ ማሌዥያ፣ ፓኪስታን፣ ቻይና፣ ኢንዶነዥያ፣ ታይዋን፣ ኔፓል፣ ኡጋንዳ፣ ላኦስ፣ ብሩንዲ፣ ብራዚል፣ ባንግላድሽ፣ ናይጀርያ፣ ታንዛንያ፣ ስሪላንካ፣ ህንዲ፣ ጋናን ካምቦድያን ዝመጽኡ 221 ደቂ ተባዕትዮን 39 ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም'ዮም።
እቶም ብዛዕባ ኢትዮጵያውያን ኣመልኪቱ ቢቢሲ ዝተወከሶም ምንጪታት፡ "ኣብዚ ጕጅለ ጥራሕ 138 ኢትዮጵያውያን ኣለዉ። እንተዀነ ንመንነቶም ዝገልጽ ፓስፖርት ኰነ ካልእ መረዳእታ ኣይተኣከበን፡" ኢሎም።
ንኢትዮጵያ ስዒቡ፡ ዝለዓለ ቍጽሪ ዝሓዙ ዜጋታት ኬንያ ኰይኖም 24 ኬንያውያን ነጻ ክወጽኡ ክኢሎም ኣለዉ።
እዞም ሰባት ብኸመይ'ዮም ናብ ሚያንማር ከይዶም?
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቀዳማይ ሚኒስተር ታይላንድ ፓቶንግታርን ሺናዋትራ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ ብምርኻብ ነተን ኣብ ዶብ ታይላንድን ሚያንማርን ዝርከባት ማእከላት ምትላል ንክዕጸዋ ተመጻቢዖም ነይሮም።
መንግስቲ ታይላንድ፡ ናብ ዶብ እታ ሃገር ዝኣቱ ሓይሊ ኤሌክትሪክን ነዳዲን ደው ኣቢሉ፡እቶም ማእከላት ምትላል ታይላንድ ከም መተሓላለፊት ሰራሕተኛታትን ገንዘብን ንከይጥቀሙላ ድማ ሕግታት ባንክን ቪዛን ኣትሪሩ።
ገለ ተቓወምቲ ኣባላት ባይቶ ኣብ ታይላንድ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ነዚ ዓይነት ስጕምቲ ክውሰድ ጸቕጢ ክገብሩ ጸኒሖም እዮም።
ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት፡ ጽቡቕ ደሞዝ ወይ ድማ ኣብ ሚያንማር ዘይኰነስ ኣብ ታይላንድ ዝተፈላለየ ስራሕቲ ንክሰርሑ መብጽዓ ተኣትዩሎምን ተስፋ ገይሮምን'ዮም ናብዘን ናይ ምትላል ማእከላት ዝኣትዉ።
እቶም መታለልቲ፡ ብቋንቋታት ናይቶም ንሳይበራዊ ምትላል ዒላማ ዝዀኑ ሰባት ኣቢሎም ክእለት ዘለዎም ሰራሕተኛታት ይደልዩ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ድማ እንግሊዝኛን ቻይናን ይጥቀሙ።
እዚ፡ 'ፒግ ቡቸሪንግ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ምትላል፡ ካብ ፍቕራዊ ምትላልን ክሪፕቶን ክሳብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብን ዘይሕጋዊ ጠላዕን ዝበጽሕ ገበናዊ ንጥፈታት ኢንተርነት ዝሓዘ'ዩ።
ቢቢሲ፡ ኣብ መወዳእታ ታሕሳስ 2024 ኣብ ዝዘርግሖ ሰፊሕ መርመራዊ ጸብጻብ፡እቶም ኣብ መርበብ ጕጅለታት ገበን ሚያንማር ዝኣትዉ ኢትዮጵያውያን ብኸመይ ግዳያት ይዀኑ ከም ዘለዉ ኣቃሊዑ ከም ዝነበረ ይዝከር።
ገሊኦም፡ ነቲ ስራሕ ክሰርሑ ፍቓደኛታት እዮም፣ ገሊኦም ግን ኣብ ዘይደለዩዎ ኵነታት ንክጸንሑ ይግደዱ።
ካብቲ ዘለዉሉ ኵነታት ንክፍትሑ ክኣ፡ ስድራቤቶም ኣዝዩ ልዑል በጃ ክኸፍሉ ይሕተቱ።
ገለ ካብቶም ዝሃደሙ ድማ ስቅያት ከም ዝበጽሖም ገሊጾም ኣለዉ።
እቶም ዝተፈትሑ ወጻእተኛታት ሰራሕተኛታት 'ዴሞክራቲክ ካረን ቤኖቨለንር ኣርሚ' - DKBA - ብዝተባህለ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ካረን ዝርከብ መሬት ዝቈጻጸሩ ዘለዉ ሓያሎ ዕጡቓት ጕጅለታት እዮም ተረኪቦም።
እዞም ዕጡቓት ጕጅለታት፡ እቶም ማእከላት ምትላል ኣብ ትሕቲ ሓለዋኦም ክሰርሑ ብምፍቃዶም፡ ከምኡ'ውን ነቲ ኣብቲ ቀጽሪታት ክሰርሑ ዝግደዱ ግዳያት ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ዝፍጸም ዘሎ ሰፊሕ ግህሰት ክኽሰሱ ጸኒሖም'ዮም።
መንግስቲ ሚያንማር ድሕሪ ናጽነት 1948 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ኣብ ልዕሊ መብዛሕትኡ ክፋል ግዝኣት ካረን ዘለዎ ቁጽጽር ከስፍሕ ኣይከኣለን።
ብሰሉስ ምስ ኤፍ.ቢ.ኣይ ኣመሪካ ዝመሳሰል ክፍሊ ፍሉይ መርመራ ታይላንድ፡ ንሰለስተ ኣዘዝቲ ናይቲ ብሃገራዊ ሰራዊት ካረን ዝፍለጥ ካልእ ዕጡቕ ጕጅለ ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣዉጽኢ ኣሎ።
እቲ ትእዛዝ ማእሰርቲ፡ ኣብ 2017 ምስ ሓደ ያታይ ዝተባህለ ቻይናዊ ኵባንያ፡ብዓቢኡ በቶም ኣብ ተግባራት ምትላል ዝተዋፈሩ ሰባት እትምወል ሽዌ ኮኮ ዝተባህለት ሓዳስ ከተማ ንምህናጽ ስምምዕ ዝገበረ ሳው ቺት ቱ ዝተባህለ ግኑን ነፍጠኛ ዘጠቓልል እዩ።
ቢቢሲ ናብታ በቲ ኵባንያ ዝተሃነጸት ከተማ በጺሑ'ዩ።
ያታይ፡ ኣብ ሽዌ ኮኮ ናይ ምትላል ማእከል የለን ይብል።
ኣብ መላእ እታ ከተማ፡ ብቋንቋታት ቻይና፡ በርማን እንግሊዝን፡ ግዱድ ስራሕ ከም ዘይፍቀድን፡ "ናይ ኦንላይን ንግዲ" ክወጽኡ ከም ዘለዎምን ዘተሓሳስብ ዝነግሩ መወዓውዒታት ኣለዉ።
ይኹን'ምበር፡ ነበርቲ እቶም ማእከላት ምትላል ሕጂ'ውን ኣብታ ከተማ ይነጥፉ ከም ዘለዉ ሓቢሮም።
ካልእ ኣብ ሓደ ማእከል ተቘጺሩ ዝሰርሕ ዝነበረ ሰራሕተኛ'ዉን ተመሳሳሊ ቃል ሂቡ።
ሳው ቺት ቱ ልክዕ ከም ዲ.ኬ.ቢ.ኤ ካብቲ ቀንዲ ዕጡቕ ጕጅለ ካረን ዝዀነ ኬይኤንዩ -KNU - ኣብ 1994 ተፈልዩ ምስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሚያንማር ክተሓባበር ጸኒሑ።
ብጸቕጢ ታይላንድን ቻይናን፡ ክልቲኦም ሳው ቺት ቱን ዲኬቢኤን ነቶም ናይ ምትላል ንግዳዊ ትካላት ካብ ግዝኣቶም ይሰጉዎም ከም ዘለዉ ገሊጾም።
ኣዛዚ ዲኬቢኤ፡ ነቶም 260 ሰራሕተኛታት ንምትሕልላፍ ብሰሉስ ምስ ሓደ ኣባል ባይቶ ታይላንድ ተራኺቡ።