'ህያው ሲኦል'፡ ሰቈቛ ሱዳናውያን ደቀንስትዮ ኣብ ሊብያ

"ኣብ ራዕዲ ኢና ንነብር ዘለና፡" ክትብል እንከላ ብሕሹዅታ እያ ዝተዛረበት - ሰብ ምእንቲ ከይሰምዓ።

ለይላ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ምስ ብዓል-ቤታን ሽዱሽተ ደቃን ውሕስነት ንምርካብ ካብ ሱዳን ሃዲማ ኣብ ሊብያ በጽሐት።

ከም ኵለን እተን ቢቢሲ ኣብ ምስግጋር ናብ ሊብያ ኣተኲሩ ዘዘራረበን ሱዳናውያን ደቀንስትዮ፡ መሰል ብሕትውናአን ንምሕላው ስመን ቀዪሩዎ እዩ።

(መጠንቀቕታ፤ እዚ ዛንታ ከተንብቦ ዝኸብድ ዝርዝራት ኣለዎ)

ኣብ 2023 ኲናት ሓድሕድ ክውላዕ እንከሎ፡ ኣብ ኦምዱርማን ዝርከብ ገዛኣ ከመይ ከም ዘንቀጥቀጠ ደሃያ እናተቘራረጸ ትገልጽ።

እዛ ስድራ ፈለማ ናብ ግብጺ እያ ከይዳ።

ጸኒሓ፡ ኣብ ጽሬትን ምስሳይ ኣጋይሽን ስራሕ ክትረክብን ዝሓሸ ህይወት ከም ዘሎን ስለ ዝተነግራ፡ ናብ ሊብያ ንምስጋር ንሰምሰርቲ 350 ዶላር ከፊላ።

ዶብ ብዝሰገሩ ግና ድቦላ እዩ ወዲቑዎም።

እቶም ኣሰጋገርቲ ጅሆ ሒዞም ከም ዝቐጥቀጡዎምን ዝያዳ ገንዘብ ከም ዝሓተቱዎምን ለይላ ተዕልል።

"ወደይ ኣብ ገጹ ብተደጋጋሚ ስለ ዝተወቕዐ ሕክምናዊ ረድኤት የድልዮ ነይሩ፡" ክትብል ንቢቢሲ ትገልጽ።

እቶም ኣሰጋገርቲ፡ ድሕሪ ሳልስቲ ምኽንያቱ ከይነገሩ ፈትሑዎም።

ለይላ ናብ ምዕራባዊ ወገን ናይታ ሃገር ድሕሪ ምብጽሓ፡ ህይወት ኣብ ሊብያ ክመሓየሽ ብምትስፋው ሓንቲ ገዛ ተኻርያ ስራሕ ጀመረት።

ሓደ መዓልቲ ብዓል-ቤታ ስራሕ ክደሊ ምስ ወጽአ ናብ ቤቱ ኣይተመልሰን።

ብድሕሪኡ፡ ጓል 19 ዓመት ጓላ፡ ኣብቲ ለይላ ትሰርሓሉ ምስታ ስድራቤት ብዝፋለጥ ሰብኣይ ተዓመጸት።

"ብዛዕባ'ቲ ዝዓመጻ እንተ ነጊራ፡ ነታ ንእሽቶ ሓብታ'ውን ክዕምጻ ምዃኑ ኣፈራሪሑዋ፡" ትብል ለይላ።

ብዛዕባ'ቲ ንጓላ ዘፈራርሓ ክትዛረብ እንከላ፡ ዋና ገዛኣ ከይትሰምዓ እሞ ከይተባርራ ስለ ዝሰግአት ብሕሹኽታ እያ ትዛረብ ዝነበረት።

ለይላ፡ ኣብቲ ግዜ'ቲ ኣብ ሊብያ ተዓጽዮም ከም ዘለዉ፣ ካብኡ ከይወጽኡ ከኣ ንኣሰጋገርቲ ዝኽፈል ገንዘብ ከም ዘይብሎምን ናብታ ብሰንኪ ኲናት ዝዓነወት ሱዳን ክምለሱ ከም ዘይክእሉን ትዛረብ።

"ቀለብ ዳርጋ የብልና፡" ዝበለት ለይላ፡ ደቃ ናብ ትምህርቲ ይኸዱ ከም ዘየለዉ ትዛረብ፣ "ቈልዑ ንወደይ ጸሊም ብምዃኑ ስለ ዝጸርፉዎን ዝሃርምዎን ካብ ገዛ ምውጻእ የፍርሖ እዩ። ኣእምሮይ ከይስሕት እየ ዝፈርሕ ዘለኹ፡" ትብል።

ኣብ 2023 ኣብ መንጐ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ኲናት ድሕሪ ምብርዑ፡ ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት እዮም ካብ ሱዳን ሃዲሞም።

ክልተኦም ወገናት ኣብ 2021 ብሓባር ዕልዋ መንግስቲ እኳ እንተ ኣካየዱ፡ ኣብ መንጐኦም ብዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ቍሩቝስ ግን ናብ ኲናት ሓድሕድ ኣምሪሖም።

ልዕሊ 12 ሚልዮን ሰባት ቤተ-ንብረቶም ክሓድጉ ክግደዱ ከለዉ፡ ዓጸቦ ናብ ሓሙሽተ ከባቢታት ናይታ ሃገር ተዘርጊሑ፡ ኣስታት ፍርቁ ህዝባ - 24.6 ሚልዮን - ተጸባዪ ህጹጽ ሓገዝ ኰይኑ።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ዛጊት ልዕሊ 210 ሽሕ ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ከም ዘለዉ ይገልጽ።

ቢቢሲ ንሓሙሽተ ፈለማ ናብ ግብጺ ዝተሰደዱ ስድራቤታት ኣብ ዘዘራረበሉ፡ ኣብ ግብጺ ዓሌትነትን ዓመጽን ስለ ዘጓነፎም፡ ስራሕ ብምርካብ ዝሓሸ ህይወት ክመርሑ ብምምናይ ናብ ሊብያ ከም ዝሰገሩ ይገልጹ።

ሳልማ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኣብ ዝተወልዓሉ እዋን፡ ድሮ ኣብ ካይሮ፡ ምስ ብዓል-ቤታን ሰለስተ ደቃን ትነብር ከም ዝነበረት፡ ብብዝሒ ስደተኛታት ናብታ ሃገር ምስ ኣተዉ ግን ኵነታት ስደተኛታት እናገደደ ከም ዝኸደ ትገልጽ።

ሽዑ ናብ ሊብያ ክግዕዙ ወሲኖም፣ ኣብኡ ዝጽበዮም ዝነበረ ግን "ህያው ሲኦል" ምዃኑ ሳልማ ትዛረብ።

ዶብ ምስ ሰገሩ ንእለቱ ኣብ መኽዘን ናይቶም ኣሰጋገርቲ ከም ዝተዓጽዉ ትገልጽ።

እቶም ሰምሰርቲ ካብቲ ኣቐዲሙ ነቶም ኣብ ግብጺ ዝነበሩ ዝተኸፍለ ገንዘብ፡ ብጽሒቶም ይጽበዩ ነበሩ፣ እንተዀነ ፈጺሙ ኣይበጽሖምን።

ስድራኣ ኣብቲ መኽዘን ዳርጋ ክልተ ወርሒ ኣሕሊፎም።

ኣብ ሓደ እዋን ሳልማ ካብ ብዓል-ቤታ ተፈልያ ናብ ሓደ ንደቀንስትዮን ህጻናትን ዝኸውን ክፍሊ ተወስደት።

ነቲ ገንዘብ ስለ ዝደለዩ ከኣ ኣብ ልዕሊኣን ክልተ ዓበይቲ ደቃን ፍሉይ ዓይነት ጭካነ ከም ዝፈጸሙ ትዛረብ።

"መግረፍቶም ኣብ ኣካላትና በሰላ ገዲፉልና። ንጓለይ እናቐጥቀጡዋ፣ ንኣእዳው ወደይ ኣብ ልዕሊ ዝተወልዐ ፎርኖ እና'ንደዱዎ ይርእዮም ነይረ።"

"ሓድሓደ ግዜ ሓቢርና ክንመውት እምነ ነበርኩ። ኣብቲ ግዜ'ቲ ካልእ ዝርኣየኒ መዋጽኦ ኣይነበረን።"

ሳልማ፡ ወዳን ጓላን በቲ ዘሕለፉዎ ተመኵሮ ከም ዝተጐድኡን ሕማም ናይ ምኽልኻል ዓቕሞም ከም ዝተዳኸመን - ድምጻ ኣትሕት ኣቢላ ትዛረብ።

"ዝተፈላለዩ ሰብኡት ናብ ሓደ ፍሉይ ክፍሊ - መዐመጺ ክፍሊ - ይወስዱኒ ነይሮም፣ ናይ ሓደኦም ድቂ ድማ ቋጺረ ኣለኹ፡" ትብል።

መወዳእታኡ፡ ብመንገዲ ኣብ ግብጺ ዝነበረት መሓዝኣ ኣቢሉ ገንዘብ ተዋጺኡ፡ እታ ስድራ ካብ ኢድ'ቶም ሰምሰርቲ ተገላጊላ።

ብድሕሪኡ ናብ ሕክምና ብዝኸደት፡ እቲ ጥንሲ ክስደደሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ ከም ዝበጽሐ ተነግራ።

ብዓል-ቤታ ነፍሰ-ጾር ምዃና ምስ ፈለጠ ስለ ዝሓደጐም ካብ ጓሓፍ ተረፍ-መረፍ ክበልዑ፡ ክልምኑንን ኣብ መንገዲ ክድቅሱን ከም ዝተገደዱ ትዛረብ።

ንዝተወሰነ እዋን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሊብያ ዝርከብ ናይ ሕርሻ ቦታ ዕቝባ ረኸቡ። እንተዀነ፡ ምሉእ መዓልቲ ሰሪሖም ንእሽቶ መግቢ ወይ ከይረኸቡ ይውዕሉ ነበሩ። ኣብ ጥቓኦም ካብ ዝነበረ ብኩል ዒላ እናሰተዩ ድማ ጽምኦም የርውዩ።

"ወደይ ብጥሜት ይመውት ከም ዘሎ ክዛረብ ክሰምዖ እንከለኹ ልበይ ይጕዳእ፡" ትብል ሳልማ ብተለፎን - ኣውያት ወዳ እናተሰምዐ።

"እምብዛ ጠምዩ ኣሎ። ኣብ ኣጥባተይ እኹል ጸባ የብለይን፡" ትብል።

ኣብ መፋርቕ 40ታት ዕድመኣ እትርከብ ጀሚላ፡ ኣብ ሊብያ ዝሓሸ ህይወት ከም ዘሎ ብሱዳናውያን ክዕለል ምስ ሰምዐት ከም ሓቂ እያ ዝተቐበለቶ።

ጀሚላ፡ ኣብ መወዳእታ 2023 ናብ ሊብያ ቅድሚ ምስጋራ፡ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፎር ኣብ 2014 ካብ ዝነበረ ግጭት ሃዲማ ኣብ ግብጺ እያ ንዓመታት ክትቅመጥ ጸኒሓ።

እተን ሽዑ ደቂ 19ን 20 ዓመት ዝነበራ ደቃ ከኣ ብተደጋጋሚ ከም ዝተዓመጻ ትዛረብ።

"ተጸሊኡኒ ስለ ዝነበረ ናብ ስራሕ ጽሬት ሰዲደየን፣ ምሸት ብርስሓትን ደምን ተዓሊሰን መጺአናኒ። እታ ሓንቲ ሃለዋታ ክሳዕ እተጥፍእ፡ ኣርባዕተ ሰብኡን እናተበራረዩ ዓሚጾመን፡" ክትብል ንቢቢሲ ትገልጽ።

ንባዕላ'ውን ገዛኡ ከተጸራርየሉ ምስ ተቘጽረት፡ ብኣዝዩ ካብኣ ዝንእስ ወዲ ተባዕታይ ተታሒዛ ንሰሙናት ከም ዝተዓመጸት ትዛረብ።

"'ጠቃር ፍንፍንቲ' ይብለኒ ነይሩ። ምስ ዓመጸኒ ድማ 'ደቀንስትዮ ንኸምዚ እየን ተፈጢረን' ኢሉኒ፡" ክትብል ጀሚላ ትዝክር።

"ኣብዚ ዘለዉ ቈልዑ ከይተረፉ ንዓና ጨካናት እዮም፣ ከም እንስሳታትንን ጠንቋሎን እዮም ዝርእዩና። ጸለምትን ኣፍሪቃውያንን እናበሉ ይጸርፉና፣ ንባዕሎም ኣፍሪቃውያንዶ ኣይኰኑን?" ትሓትት ጀሚላ።

ደቃ ፈለማ ምስ ተዓመጻ ናብ ሆስፒታል ወሲዳ ንፖሊስ ሓቢራ።

እቲ ፖሊስ ስደተኛታት ምዃነን ምስ ፈለጠ ግን ነቲ ክሲ ከም ዝሰሓቦን ናብ ቤት ፍርዲ እንተ ቀሪቡ ክትእሰር ምዃናን ከም ዘጠንቀቓ ትዛረብ።

እዚ ተጓንፎ'ዚ ኣብ ምዕራብ ሊብያ እዩ ነይሩ።

ሊብያ ንውዕል ስደተኛታት 1951 ወይ ንፕሮቶኮል 1967 ኣይፈረመትሉን።

ንስደተኛታት ሓተትቲ ዑቝባ ድማ ከም "ዘይሕጋውያን ስደተኛታት" እያ ትቘጽሮም።

እታ ኣብ ክልተ ተኸፋፊላ ዘላ ሃገር፡ ብኽልተ መንግስታት እያ ትመሓደር።

ጕጀለ ሓለዋ ገበን ሊብያ ዝተባህለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ከም ዝሕብሮ፡ እቶም ኣብ ምብራቓዊ ወገን ዝርከቡ ስደተኛታት ከይተኣስሩ ወግዓዊ ጥርዓን ከቕርቡን ጥዕናዊ ክንክን ብቐሊሉ ክረኽቡን ስለ ዝኽእሉ፡ እቲ ኵነታቶም ዝሓሸ ምዃኑ ይገልጽ።

ደቃ እንጌራ ዕለቶም ንኽረኽቡ ዝተደርበዩ ናይ ማይ ፕላስቲካት እትእክብ ሃናእ ዝተባህለት ሱዳናዊት፡ ኣብ ምዕራብ ሊብያ ተጨውያ ናብ ጫካ ተወሲዳ ጠበንጃ ብዝሓዙ ዕስለ ደቂ-ተባዕትዮ ከም ዝተዓመጸት ትዛረብ።

ንጽባሒቱ ናብቲ ብመንግስቲ ዝመሓደር ብዓልመዚ ቀዋሚ ሓገዝ (SSA) ዝበሃል ወሲዶም ኣእሰሩዋ። ንሃናእ ንምንታይ ከም ዝተመቝሐት ዝሓተታ ኣይነበረን።

ሃናእ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "መንእሰያት ክቕጥቀጡን ክዳውንቶም ከውጽኡ ክግደዱን ርእየ፡" ትብል።

"ንመዓልታት ኣብኡ እየ ጸኒሐ። ርእሰይ ብሸበጠይ እናተተርኣስኩ ኣብ መሬት ደቂሰ። ንሰዓታት ምስ ለመንኩዎም ሽንቲ-ቤት ክጥቀም ኣፍቂዶምለይ። ርእሰይ ብተጋጋሚ እየ ዝቕጥቀጥ ነይረ።"

ቅድሚ ሕጂ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ስደተኛታት ኣብ ሊብያ ግህሰት ከም ዝበጽሖም ዝገልጽ ብዙሕ ጸብጻባት ይቐርብ ነይሩ።

እታ ሃገር ከም ቀንዲ መሰጋጋሪ ናብ ኣውሮጳ እያ ትርአ - ዋላ'ኳ እተን ቢቢሲ ዘዘራረበን ደቀንስትዮ ናብ ኣውሮጳ ክሰግራ መደብ ዝነበረን እንተ ዘይኰና።

ኣብ 2022 ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ንኤስ.ኤስ.ኤ "ብዘይሕጋዊ ቅትለት፡ ኢደወነናዊ ማእሰርቲ፡ ጭውያ፣ ነዚ ስዒቡ ድማ ብዘይ ፍቓድ ምእሳር፡ ምስቓይ፡ ግዱድ ዕዮ፡ ካልእ ዘስካሕክሕ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ገበናትን፡" ከሲሱዎ ነይሩ።

ሓለዋ ገበን ሊብያ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ትሪፖሊ ኣብ ዝርከብ ዕሉል ቤት ማእሰርቲ ኣቡ-ሳሊም ሓዊሱ፡ ኣብ ወግዓዊ መዳጐኒ ስደተኛታት ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝተወሃሃደ ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፍጸም ይገልጽ።

ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ክፍሊ ምክልኻል ዘይሕጋዊ ስደትን ኣብ ትሪፖሊ፡ ርእይቶኡ ክህብ ቢቢሲ ንዘቕረቦ ሕቶ ምላሽ ኣይሃበን።

ሳልማ ኣብዚ ግዜ'ዚ፡ ናብ ሓድሽ ክፍሊ ተሰጋጊራ ኣላ። እንተዀነ፡ ንሳን ስድራቤታን ካብ ስግኣት ግፋን ግህሰትን ገና ኣይተገላገሉን።

ብሰንኪ እቲ ዘጋጠማ፡ ናብ ዓዳ'ውን ክትምለስ ከም ዘይትኽእል ትዛረብ።

"እዚ ንስድራቤትና ውርደት እዩ፡ ክብሉኒ እዮም። ዋላ ንሬሳይ ክቕበሉዎ ይኽእሉ ድዮም እውን ኣይፈልጥን፡" ትብል።