እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ንስንክልና በዲሁ ካብ ልመና ናብ ዶክተር ምዃን ዝበጽሐ መንእሰይ
ኣብ 1988 ኣብ ቻይና ዞባ ሄናን ካብ ድኻታት ሓረስቶት ዝተወልደ ሊ ቹኣንግየ፡ ወዲ ሸውዓተ ወርሒ ዕሸል እንከሎ ብሕማም ፖልዮ ስለ ዝተለኸፈ፡ እናተንፋሓዀ ጥራይ እዩ ክኸይድ ዝኽእል።
ሊ ቈልዓ እንከሎ ከም ካልኦት ቈልዑ ቦርሳ ሒዙ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ ይሓልም እኳ እንተ ነበረ፡ ብዙሕ ዳእላ ግን የጋጥሞ ነበረ።
ገለ ቈልዑ፡ "ብዅን" ይብሉዎ፤ ገሊኦም ድማ "ካብ ምብላዕ ጥራይ ካልእ ረብሓ ዘይብሉ፡" ይብሉዎ።
"እዚ ብዙሕ ጐዲኡኒ፡" ይብል ሊ።
ሊ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ምስ ኰነ ወለዱ ኣብ እግሩ መብጣሕቲ ምግባር ከም ዝከኣል ስለ ዝሰምዑ፡ ንመብጣሕቲ ዝኸውን ብዙሕ ገንዘብ ተለቂሖም።
ሊ በዚ ሕክምና ልዑል ተስፋ ነይርዎ።
"ኣብ ሕክምና ደቂሰ ከለኹ፡ ካልኦት ቈልዑ ይበኽዩ ነይሮም፤ ኣነ ግን ፍሽኽ ይብል ነይረ፡ ምኽንያቱ ኣብ ሓጺር ግዜ ከም ንቡር ሰብ ክኸይድ እየ ዝብል ስምዒት ነይሩኒ፡" ይብል።
እቲ መብጣሕቲ ግን ፈሺሉ።
እዚ ድማ ነቲ ሊ ደው ኢለ ብእግረይ ክኸይድ እየ ዝብል ተስፋኡ ኣጸልሚቱ፡ ናብ ዓሚቝ ጭንቀት ኣጥሒልዎ።
ህይወቱ ትርጕም ዘይብሉ ኰይኑ ተሰሚዕዎ፤ ሞት ከም ዝመርጽ ድማ ንኣዲኡ ነገራ።
ኣዲኡ ድማ ተስፋ ከይቈርጽ ነገረቶ።
"ምስ ኣረግና እነውግዖ ሰብ ንኽህልወና ኢና ነዕብየካ ዘለና። ድሙ ወይ ከልቢ ክዛረብ ኣይክእልን እዩ፣ ንስኻ ግን ትኽእል ኢኻ፡" በለቶ።
እዚ ቃላት ኣዲኡ ቀሊል ኣይነበረን።
"ወለደይን ስድራይን ምእንታይ ክሳብ ክንደይ መስዋእቲ ከም ዝኸፈሉ ሓሲበ፡ ነቢዐ። ሽዑ፡ ንነብሰይ ጥራይ ዘይኰነስ ንዓኣቶም ክነብር ከም ዘለኒ ተረዲኡኒ፡" ይብል ሊ።
ነዊሕ ከይጸንሐ ናብቲ ዝነብረሉ ከባቢ ሓደ ጋሻ ይመጽእ። ንሱ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ ዕጣን ዝሸጡ ስንኵላን ቈልዑ ይደሊ ነይሩ።
እቲ ሰብኣይ፡ ሊ ኣብቲ እዋን ክንዲ እቲ ወርሓዊ ደሞዝ ኣቡኡ ዝኸውን ገንዘብ ክልእኽ ከም ዝኽእል ይነግሮ።
"ወለደይ ብትሪ ይቃወምዎ ነይሮም፣ ኣነ ግን ገንዘብ ንምርካብን ጾር ስድራይ ንምቅላልን ዝሕግዝ ዕድል ገይረ እየ ርእየዮ።"
ስለዚ፡ ነቲ ሰብኣይ ክስዕቦ ተሰማምዐ።
ኣብ ጽርግያ ምልማን
እንተዀነ፡ እቲ ናይ ስራሕ መብጽዓ ምትላል እዩ ነይሩ።
ዶክተር ሊ፡ እቲ ዝወሰዶ ሰብ ልመና ከም ዘካየድን ንዝቐጸሉ ሸውዓተ ዓመታት ድማ ምስ ካልኦት ስንኵላን ቈልዑን ዓበይትን ኣብ ጐደናታት ክልምን ከም ዝተገደደን ይዛረብ።
ኣብታ ምስቲ ሓድሽ "ሓላፊኡ" ዝነበረቶ ናይ መጀመርታ ምሸት፡ ሓደ ካብቶም ቈልዑ ንሊ ኣበርቲዑ ክሰርሕ፡ እንተዘኰይኑ ክቕጥቀጥ ምዃኑ ኣጠንቀቖ።
እዚ ሓቂ ኰይኑ ረኺቡዎ።
ንጽባሒቱ ንግሆ ሊ ንነብሱ፡ ስረ ዘይብሉ፡ ኣእጋሩ ዝያዳ ድንጋጸ ብዝፈጥር ኣቃውማ ኣብ ሕቘኡ ተጠውዩ፡ ሳንቲም መአከቢ ኩባያ ሒዙ ረኺቡዋ።
ሊ፡ ሓለፍቲ መንገዲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ክኸውን እናተገብኦ ስለምንታይ ይልምን ከም ዘሎ ክሳብ ዝሓቱዎ፡ ሰባት ስለምንታይ ናብቲ ኩባያ ገንዘብ የእትው ከም ዝነበሩ ኣይተረድኦን ነይሩ።
"ኣብ ዓደይ ልመና ዘሕፍር ነገር እዩ ነይሩ። ከምኡ ይገብር ከም ዝነበርኩ ኣይተረድኣንን። ነዚ ምስትውዓለይ ሃስዩኒ፡" ይብል ሊ።
ሊ፡ ኣብ መዓልቲ ውሑዳት ኣማኢት ዩዋን ክረክብ ይኽእል ነይሩ - ኣብ 1990ታት ብዙሕ ገንዘብ - ኵሉ ግን እቲ ሓላፊኡ እዩ ዝወስዶ።
"ካብቶም ካልኦት ቈልዑ ዝወሓደ ኣታዊ ኣብ ዝረኽበሉ፡ ይጸርፈኒ፤ ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ይሃርመኒ፡" ብምባል፡ ከበድቲ ዓመታት ከም ዘሕለፈ ይረዛብ።
ኣብቶም ኣብዚ ኵነታት ዝጸንሓሎም ዓመታት፡ ካልኦት ቈልዑ ሃዲሞም ወይ ብፖሊስ ናብ ገዝኦም ይለኣኹ ነበሩ።
ሊ ግን ንስድርኡ ክሕግዝ እየ ብምባል ጸኒሑ።
ፖሊስ ክንሕግዘካ ምስ በሉዎ፡ ምስ ኣዝማዱ ከም ዘሎ ብምግላጽ ኣይተቐበሎምን።
ንሸውዓተ ዓመት፡ ክረምትን ሓጋይን፡ ሊ ኣብ መላእ ሃገር እናተዘዋወረ ለሚኑ።
"ኣብ ሲኦል ምንባር ኰይኑ ተሰሚዑኒ፣ ሓፊረ። ሰባት ንኽድንግጹ ብዝብል ኣእጋረይ ብቃቓዛ ንድሕሪት እየን ዝጥወያ ነይረን። ናብ ልመና ንኸይከይድ ዝናብ ክዘንብ ወይ ክጽልምት እጽሊ ነይረ፡" ኢሉ።
ኣብ ነፍሲወከፍ ድሮ ሓድሽ ዓመት ናብ ገዝኡ ደዊሉ፡ ንወለዱ ኵሉ ጽቡቕ ከም ዘሎን ክጭነቑ ከም ዘይብሎምን ይነግሮም ነበረ።
"ድሕሪኡ ግን ኣብ ክፍለይ ኰይነ እነብዕ። ኣብ ጽርግያ እልምን ከም ዘለኹ ክነግሮም ኣይከኣልኩን፡" ይብል።
ሕጂ እውን እንተዀነ ድሕሪ 20 ዓመት እቲ ስንባደ ኣይሓወየን ዘሎ።
"ልመና ዓሚቝ ስነ-ኣእምሮኣዊ በሰላ ገዲፉለይ'ዩ - ክሳብ ሕጂ ብሕልመይ ይርኣየኒ፡" ኢሉ።
ሓድሽ መንገዲ ብትምህርቲ
ሊ ኣብ ጽርግያ ዝነበረት ጋዜጣ ኣልዒሉ ከንብብ እንከሎ፡ ነተን ብሽሙ ዝጽሓፋ ቃላት ጥራይ ከንብብ ከም ዝኽእል ምስ ተረድአ ኵሉ ነገር ተቐየረ።
ድሕሪኡ ወዲ 16 ዓመት ከሎ ናብ ዓዱ ክምለስን ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድን ወሰነ።
"ከንብብን ክጽሕፍን ኣይክእልን እየ፣ ብትምህርቲ ጥራይ'የ ድማ ህይወተይ ክቕይሮ ዝኽእል፡" ኢሉ ሓሰበ።
ኣብቲ እዋን እቲ፡ መንግስቲ ሓድሽ ፖሊሲ ብምትእትታው፡ ስኵላን ቈልዑ ከም መለመኒ ምጥቃም ገበን ገይርዎ ነይሩ።
ሊ ፋይናንሳዊ ኵነታት ስድርኡ ከም ዝተመሓየሸ እውን ሰምዐ።
ንሓላፊኡ፡ ንስድርኡ ክበጽሕ ከም ዝደሊ ነገሮ፡ ክኸይድ ድማ ተፈቕደሉ።
ምስ ወለዱ ምስ ተራኸበ ብሓቂ ከመይ ክነብር ከም ዝጸንሐ ፈለጡ - ሊ ድማ እቲ መዝማዚኡ ካብቲ ዝተመባጽዖ ኣዝዩ ዝወሓደ ገንዘብ ከም ዝሰደደሎም ምስ ፈለጠ ኣዝዩ ተቘጢዑ።
ሊ ብደገፍ ወለዱ ኣብ ካልኣይ ዓመት መባእታ ቤት ትምህርቲ ተመዝጊቡ፡ ተመሃሮ ካብኡ ብ10 ዓመት ይንእሱ።
ኣብታ ቀዳመይቲ መዓልቱ፡ ቈልዑ ኣብ ዙርያ ከፍ መበሊኡ ተኣኪቦም፤ ንዕኡ ግን ክምህ ኣየበሎን።
"ኣይተረበሽኩን - ቅድሚ ሕጂ ብዙሕ ላግጽን ጸገምን ኣጋጢሙኒ ነይሩ። ሽዑ ከም ተመሃራይ መጠን ኣብ ትምህርቲ ጥራይ ከድህብ ደልየ ነይረ፡" ይብል።
ሊ ዋላ እኳ ኣካላዊ ኵነታቱ ናብ ከም ዓይኒ-ምድሪ ምኻድ ዝኣመሰሉ ዕማማት ኣጸጋሚ እንተ ገበሮም፡ ዝያዳ ጻዕራም ተመሃራይ ግን ኰነ።
"ናብ ዓይኒ-ምድሪ ንምኻድ ብዙሕ ጻዕሪ ስለ ዝሓትት፡ ብዙሕ ግዜ ኣብ ቤት ትምህርቲ ማይ ኣይሰትን ነይረ፡" ይብል።
ሊ ብቘራጽነት ኣብ ውሽጢ ትሽዓተ ዓመት መባእታን ካልኣይን ደረጃ ትምህርቱ ዛዚሙ።
ናብ ኮሌጅ ዘመልክተሉ ግዜ ምስ በጽሐ፡ ኣካላዊ ኵነታቱ ኣማራጺታቱ ድሩት ገበሮ።
ይዅን'ምበር፡ ንናይ ሕክምና መደባት ከመልክት ይኽእል ነይሩ።
"ዶክተር እንተዀይነ ምናልባት ናይ ገዛእ ርእሰይ ኵነታት ክምርምር፡ ንስድራይ ክሕግዝ፡ ህይወት ከድሕንን ኣብ ሕብረተሰብ ኣበርክቶ ክገብርን ይኽእል እየ፡" ኢሉ ሓሰበ።
ሊ ኣብ መበል 25 ዓመት ዕድሚኡ ናብ ቤት ትምህርቲ ሕክምና ዘእትዎ ዕድል ረኺቡ።
ኣብኡ ኣገልግሎት ናይ መሳለጥያት ክረኽበሉ ዝኽእል እኳ እንተ ነበረ፡ እቲ ናይ ግብሪ ትምህርቲ ግን ከቢድ ኰይኑ ረኺቡዎ።
"መማህርተይ ኣብ እዋን ልምምድ ንሕሙማት ክበጽሑ ወይ ኣብ መንጎ ክፍልታት ክጐዩ ነቲ መምህር ብቐሊሉ ክስዕብዎ ክኽእሉ እንከለዉ፡ ናተይ ጸገም ምንቅስቓስ ግን ነዚ ኣጸጋሚ ገይርዎ። ካልኦት ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝመሃርዎ ንዓይ ኣዝዩ ነዊሕ ክወስደለይ ይኽእል'ዩ።"
ሊ ክተብዕ ከም ዘለዎ ስለ ዝተሰምዖ፡ ኣኽራን ምሕዃር ክጅምር ወሰነ።
ኣብቲ ናይ መጀመርታ ጕዕዞኡ ኣብ ጫፍ እምባ ታይ ንኽበጽሕ ሓሙሽተ መዓልትን ለይትን ወሲድሉ።
እዳዉን ኣእጋሩን እናደመየ'ውን ተስፋ ኣይቈረጸን።
ዶክተር ሊ፡ እናሓዀረ ዘርኢ ቪድዮታት ክጥቅዕ ምስ ጀመረ፡ ብዙሕ ምትብባዕ ረኺቡ።
ሕጂ ዶክተር ሊ ኣብ ዚንጂያንግ ንእሽቶ ክሊኒክ ይመርሕ ኣሎ፤ ኣብኡ ድማ ን24 ሰዓታት የገልግል።
ተሓከምቱ፡ "ተኣምራዊ ሓኪሞና፡" ይብሉዎ።
"ኣእዳወይ ንሕሙማት ክናብያ፡ ጥዕና ጐረባብተይ ምምሕያሽ ከርኢ ክርኢ እንከለኹ፡ ልዕሊ እዚ ዘዕግበኒ ነገር የሎን፡" ይብል።
እዚ ታሪኹ ኣብ መላእ ቻይና ምብጽሑ፡ ኣተሓሳስባ ሰባት ንምቕያር ክሕግዝ እዩ ዝብል ተስፋ ኣለዎ።
"ገሊኦም ንስንኵላን ከም ዘይጠቕሙ ይርእይዎም። ኣብ ቤት መግቢ፡ ስለ ዘንፋሓዅኩ ለማኒ መሲለዮም መግቢ የሎን ኢሎምኒ እዮም። ፍሽኽ ኢለ እየ ዝኸይድ - መብዛሕትኦም ሰባት ግን ሕያዎት እዮም፡" ይብል።
ዓርሰ እምነትን ዕላማን ዘለዎ ህይወት
ብዙሓት ሰባት፡ ስለምንታይ ነቲ ዝመዝመዘካ ሰብኣይ ዘይትኸሶ ኢሎም ይሓቱዎ።
ኣነ ግን እቲ፡ "ሕሉፍ፡ ሕሉፍ ክኸውን ወሲነ'የ። እተን ሸውዓተ መረርቲ ዓመታት ተመኵሮ'ኳ እንተ ነበራ፡ ኣካል ህይወተይ እየን ነይረን፡" ኢሉ።
ጕዕዞ ሊ ንኣረኣእያኡ ክቕየር ገይሩ እዩ።
"ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸይድ ድሕሪ ምኽኣለይ፡ ብዛዕባ ርእይቶ ወይ ፍርዲ ካልኦት ምግዳስ ገዲፈዮ። እቶም ነገራት ትርጕም ከም ዘይብሎም ተረዲኡኒ። ግዜይን ጕልበተይን ኣብ ምጽናዕን ዕላማ ህይወተይ ኣብ ምዕዋትን ከውዕሎ ደልየ፡" ይብል።
ብዙሓት ስንኵላን፡ ሰብ እንታይ ክብለኒ ብዝብል ወይ ላግጺ ስለ ዝፈርሑ፡ "ንቕድሚት ክስጕሙ" ከም ዝጽገሙ ይዛረብ።
"ንዓይ ግን እቲ ቍዉም-ነገር ንሱ ኣይኰነን። ኣብ ካምፓስን ከተማታትን ወይ ኣብያተ ዕዮ ይዅን ንኣማኢት ስንኵላን ኣዕሩኽተይ ኣብ ስራሕ ኣብ ዝሕግዘሉ፡ ፊሑዅ እናበልኩ እየ ዝኸይድ። ርእሰ ተኣማንነተይ ልዑል እዩ ዝመስለኒ። ድሕሪ ሕጂ ብዛዕባ መልክዕ ካልኦት ኣይግድሰንን'ዩ።"
"ህይወትና ከም ኣኽራናት እዩ - ኣብ ሓደ ሓዂርና ኣብ እንውድኣሉ፡ ካልእ ድማ ኣብ ቅድሜና ኣሎ። ብቐጻሊ ንጽዕርን ንስጕምን ኣለና። ሰብ፡ ወትሩ እወታዊ፡ ተስፋ ዘለዎ፡ ብሕልምታቱ ድማ ፈጺሙ ተስፋ ዘይቘረጽ ክኸዉን ኣለዎ፡"።