‘ስንክልናና ሓይልና'ዩ’ - ኣብ ሓደ ማሕበረሰብ ዝወረደ ጸገም እንታይ እዩ?

ወዲ 53 ዓመት ሙሴ ሙጋበ ካብ ምብራቓዊ ዩጋንዳ ዝመጸ ኰይኑ፡ ጠንቂ ዓይነ ስውርነቱ እንታይ ከምዝዀነ ኣይፈልጥን። ንመወዳእታ ግዜ ዝርኣያ ጸሓይ ብርሃን ግን ኣይርስዖን፤ ፈጺሙ ዘይርስዖ ተዘክሮ’ዩ።

“ዓይነ ብርሃነይ ከምዝስኣንኩ ዝፈልጥኩላ መዓልትን ዳግማይ ክርኢ ከምዘይክእል ምስተረዳእኹን ፈታኒ ህይወት ክነብር ጀሚረ” ይብል።

ሙሴ ሓደ ካብቶም ምሉእ ብምሉእ ወይ ከኣ ብኸፊል ክርእዩ ዘይክእሉ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ዩጋንዳውያን ከምዝዀነ ካብ ኣህጉራዊ ትካል ምክልኻል ዓይነ ስውርነት ዝተረኽበ መረዳእታ ይሕብር።

ኣብ መላእ ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ፡ ብገምጋም 100 ሚልዮን ሰባት ናይ ምርኣይ ጸገም ከምዘለዎም ይግለጽ። ገለ ክፋል ዩጋንዳ ሕክምናዊ ትካላት ክረክብ እንከሎ፡ ኣብ ገጠራት ዝርከቡ ግን መብዛሕትኡ ግዜ እኹል ክንክን ዓይኒ ንምርካብ ይጽገሙ።

ዩጋንዳ ውሑዳት ሓካይም ዓይኒ ኣለውዋ። ብዘይ ሕክምና ክነብሩ ዝተገደዱ ከም በዓል ሙሴ ዝኣመሰሉ ሰባት ዝናበርሉ ሜላ ክምህዙ ግድን ነይሩ።

ሙሴ ምስ በዓልቲ ቤቱን ሰለስተ ደቁን ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ ጫፍ ቀላይ ቪክቶርያ እትርከብ ቁሸት ሉቡ ይነብር።

ሙሴ ኣብ መጀመርታ 2000 ከም ቤት ትምህርቲ ናይቶም ምርኣይ ጸገም ዘለዎም ህጻናት ንዝተመስረተ ‘ጕጅለ ዓይነ ስዉራት ሉቡ’ ዝበሃል ማሕበረሰብ ይመርሕ። እቲ ማሕበረሰብ ኣስታት 25 ሰባት ዝሓቘፈ ኰይኑ፡ ዳርጋ ኵሎም ብገለ ደረጃ ናይ ምርኣይ ጸገም ዘለዎም’ዮም።

እቲ ቀጽሪ 10 ገዛውቲ፡ ናይ ሓባር መረባን ክልተ ናይ ሓባር ሽቓቕን ዘለዎ’ዩ።

እቲ ሕብረተሰብ ኵሉ ግዜ ሰኑይ ይእከብ እሞ ብዛዕባ ዘጋጥሞም ብድሆታት ይዛተዩ። ብሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ‘ኣቦ መንበር’ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሙሴ፡ ነቲ ኣኼባ ይመርሖ።

ሓደ ኣባል ናይቲ ጕጅለ፡ “ናይ ምስማዕ ዓቕምና ንምዕባይ መሳርሒታት መስምዒ ንሓትት” ይብል።

ካልእ ኣባል እቲ ጕጅለ ድማ ብዛዕባ ምውሳኽ ክፍሊት ትምህርቲ ደቆም ስክፍታኣ ትገልጽ። ሙሴ ከኣ ብልኡም ቃና "ስንኩላን ስለዝዀንና ሰባት መሰልና ክግህሱ ኣይነፍቅደሎምን፤ ኵሉ ሰብ ዋጋና ንኽፈልጥ ብዓውታ ክንዛረብ ኢና" ክብል ይምልስ።

ሙሴ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዞም ሰሙናዊ ኣኼባታት ኣገደስቲ እዮም። "ብኸመይ ንነብስና ክንድግፍ ከምዘለናን ደቅና ኣብ ቤት ትምህርቲ ብኸመይ ክጸንሑ ከምዝኽእሉን ንዛረብ። ንደቅና ብኸመይ ክንምግቦም፡ ክንክደኖም ከም እንኽእልን ከመይ ጌርና ጽሬት ዘለዎ ኣገልግሎት ጥዕና ክረኽቡ ከም ዝኽእሉን ንዛረብ።"

ኣብ ዩጋንዳ ዓይነ ስውር ኴንካ ምንባር

ነበርቲ ሉቡ ብሕማም ሽኮር፡ ዕንፍሩርን ትራኮማን ዝኣመሰሉ ምኽንያታት ምሉእ ብምሉእ ይዓውሩ ወይ ድማ ብኸፊል ናይ ምርኣይ ጸገም ከጋጥሞም ይኽእል።

ብዙሓት ግን ከም ሙሴ ብሓኪም ብልክዕ መርመራ ተገይሩሎም ኣይፈልጡን።

ኣብ 1990ታትን 2000ን ምብራቓዊ ዩጋንዳ ኣብ ዝርከብ ኣውራጃ ማዩጌ፡ ካብ ሩባታት ብዝነቅል ዓይነ ስውርነት ብሰፊሑ ተራእዩ ነይሩ።

እዚ ሕማም ብሓደ ጽግዕተኛ ሓሰኻ ዝመጽእ ኰይኑ፡ በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ጸለምቲ ጽንጽያታት ብተደጋጋሚ ብምንካስ ናብ ደቂ ሰባት ይመሓላለፍ። ብፍላይ ከም ሉቡ ዝኣመሰሉ ኣብ ወሰን ቀላይ ዝነበሩ ሰፈራታት ተጸልዮም እዮም።

ይዅን እምበር ኣብ ከባቢ 2017፡ ዝርገሐ እቲ ጽግዕተኛ ንምድራት ዝዓለመ ሓያሎ መደባት ህዝባዊ ጥዕና ድሕሪ ምክያዱ፡ ዓይነ ስውርነት ካብቲ ኣውራጃ ምእላይ ተኻኢሉ’ሎ።

እቲ ሕማም ካብ ሱሩ ተወጊዱ ክኸውን ይኽእል’ዩ፤ እታ ዓይነ ስውራት ዝነብሩላ ቁሸት ግን ትቕጽል ኣላ።

"ከምቲ ኣብ ድፋዕ ዘሎ ሰራዊት፡ ክንተሓጋገዝ ምእንቲ ብሓባር ንነብር ኣለና። ስለዚ ሓደ ነገር ምስ ዘጋጥም ንምውህሃድ ኣዝዩ ቀሊል'ዩ" ይብል ሙሴ።

ኣገልግሎት ክንክን ዓይኒ ዘይምህላው

ዶክተር ዋይስዋ ጁሉይስ እታ እንኮ ኣብታ ቁሸት ሉቡ እትርከበሉ ኣውራጃ ቡካተቤ ዘገልግል ሓኪም እዩ። ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ ኣብ ማእከል ጥዕና ማዩጌ ዝሰርሕ ኰይኑ፡ ኣብ ሉቡ ንዝርከቡ ሰባት ብቐጻሊ ይሕክም።

ድኽነትን ድኹም ጽሬትን ገለ ካብቶም ቀንዲ መንቀሊ ዓይነ ስውርነት ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከቡ ደቂ ዓዲ ምዃኑ ይዛረብ። ሰባት ኣብ ክንዲ ሕክምናዊ ሕውየት ባህላዊ መድሃኒት ክጥቀሙ ዝመርሕ ባህላዊ እምነታት እውን ተራ ኣለዎ።

ዶክተር ጁልየስ፡ እዚ እምነታት እዚ ሰባት ዘድልዮም ክንክን ንኸይረኽቡ ክኽልክሉ ከምዝኽእሉን መብዛሕትኡ ግዜ ድማ፡ ናብ ሓኪም ኣብ ዝረኣዩሉ እዋን፡ ኣመና ደንጉዩ ከምዝዀነን ይዛረብ።

"መንግስቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣውራጃ ቍጽሪ ክኢላታት ዓይኒ ክውስኽ እንተኽኢሉ፡ ዝሓሸ ስራሕ ክሰርሕ ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ" ይብል።

ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ዩጋንዳ ክኢላ ትሮፒካዊ ሕማማት ዶክተር ኣልፍረድ ሙባንዚዚ፡ መንግስቲ ንሰልጠንቲ ሓካይም ኣብ ክንክን ዓይኒ ተወሳኺ ትምህርቲ ንኽረኽቡ የተባብዕ ከምዘሎ ይዛረብ።

“ሓካይም ነሰልጥን ኣለና። መንግስቲ ኣብ ክንክን ዓይኒ ክኢላታት ንክዀኑ ብሕክምና ዓይኒ ማስተርስ ዲግሪ ክመሃሩ የተባብዖም ኣሎ” ይብል።

'ስንክልናና ሓይልና'ዩ’

ኣብ ገጠራት ዩጋንዳ ዝመደበሮም ሓካይም ዓይኒ ክሳብ ዝህልዉ፡ ሙሴን ማሕበረሰቡን ነንሕድሕዶም ምትሕግጋዝ ክቕጽሉ እዮም።

"መጀመርታ ንነብስና ዝመሃርናዮ ሓባራዊነት’ዩ። ኵሉ ሰብ ናይ ነንሕድሕድና ደገፍ የድልዮ’ሞ ኣብዚ ስንክልናና ሓይልና’ዩ" ይብል።

ንዓይነ ስዉራን ዘጋጥሞም ሰለስተ ቀንዲ ብድሆታት፡ ማሕበራዊ ተነጽሎ ምብዳህ፡ ንብረት ስድራቤት ከም ዝወርሱ ምርግጋጽን ፍቕራዊ መጻምድቲ ምርካብን ምዃኖም ይዛረብ።

ማሕበረሰቡ ዓይነ ስዉራን ወይ ናይ ምርኣይ ጸገም ዘለዎም ህጻናት ዋላ ካብ ገዛኦም ርሒቘም ናብ ፍሉያት ኣሕዳሪ ኣብያተ ትምህርቲ ንምልኣኽ ኣበርቲዑ ይሰርሕ።

ሙሴ፡ ደቁ ናብ ዩኒቨርሲቲ ኣትዮም ዲግሪ፡ ማስተርስን ‘ፒኤችዲ’ን ክምሃሩ ተስፋ ይገብር ኣሎ። ከምኡ ብምግባር ድማ ተነጽሎታት ክብድሁን ነቲ ሕብረተሰብ እወታዊ መጻኢ ንምሃብን ክሕግዙ ምዃኖም ይዛረብ።

"እኹል ትምህርቲ ምስ ዝረኽቡ፡ ዓይነ ስዉራት ምዃኖም ዘስተብህለሉ ሰብ የለን። ካብ ቅድመ-ፍርዲ ሰባት ንዓወታቶም ክጥምቱ እዮም" ይብል።