ኬንያ፡ ኣብ ልዕሊ ጽሙማን ዝበጽሕ ኣድልዎ ንምቅላስ ዝሕግዝ ዘሎ ፓሌት ካፌ

እዚ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ዝርከብ ካፌ፡ ብዙሓት ኣብ ልዕሊ ጽሙማን ዘለዎም ኣረኣእያ ንምልዋጥ ዘመልክት ሓደ ማሕበራዊ ቤተ ፈተነ ገይርካ ክውሰድ ይኽእል።

ፓሌት ካፌ፡ ዳርጋ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ህይወቶም ብርክት ዝበሉ ኣድልዎ ዝበጽሖም ጽሙማን ሰራሕተኛታት ብምቑጻር ውህደት ብኸመይ ክፍጠር ከም ዝኽእል የርኢ ኣሎ።

እቶም ኣብ ሓደ ኣትኽልቲ ዝበዝሖ ሓምለዋይ ቀጽሪ እትርከብ ካፌ ዘለው ሰራሕተኛታት፡ ናይ ምልክት ቋንቋ፣ ድምጺ ዘይብሉ ኣፋዊ ምንቅስቓስ ወይ ናይ ኢድ ምልክታት እዮም ዝጥቀሙ።

ኣብ ሓደ ግድግዳ ድማ፡ መሰረታዊ ናይ ምልክት ቋንቋታት ዘርኢ ጽሑፍ ተጠቂዑ ኣሎ።

ንኣብነት፡ እቶም ኣተኣናገድቲ እቲ ተጠቃሚ ዝሑል ዝስተ ማይ ዝደሊ እንተኾይኑ፡ ሰብነቶም ብምንቅጥቃጥ ይሓቱዎ፤ እቲ ተጠቃሚ ድማ ዓባይ ዓባይቶ ኣጻብዕቱ ብምርኣይ እወንታኡ ይገልጸሎም።

ኤድዋርድ ካማንዴ፡ እቲ ካፌ ብ2019 ክኽፈት እንከሎ ኣተኣናጋዲ ኮይኑ ተቖጺሩ፤ ሕጂ ግን ኣካያዲ ስራሕ እዩ።

እዚ ወዲ 26 ዓመት መንእሰይ፡ መስራቲ እዚ ካፌ ፈይሰል ሑሴን "ሓደ ነገር ኣባይ ከም ዘሎ ርእዩ፡ ዕድል ሂቡኒ" ይብል።

ሰራሕተኛ ሰብኣዊ ሓገዝ ዝነበረ መስራቲ ፓሌት ካፌ ፈይሰል፡ ጽቡቕ መግቢ ጥራይ ዘይኮነ ንጽሙማን ዝድግፍን ዕድል ስራሕ ዝፈጥረሎምን ናይ ስራሕ ቦታ ክኸፍት ብምድላይ'ዩ ኣበጊሱዎ።

"ናተይ ራእይ ጽሙማን ክፋል ሕብረተሰብ ምሕጋዝ'ዩ ነይሩ" ይብል።

እቲ ካፌ ሕጂ ሰለስተ ጨንፈራት ኣለውዎ፤ እቲ ሕጂ እነውግዓሉ ዘለና ላቪንግተን ኣብ ዝብሃል ከባቢ ናይሮቢ ዝርከብ እዩ።

እዚ ካፌ ካብ ዘለውዎ 40 ሰራሕተኛታት እቶም ልዕሊ 30 ናይ ምስማዕ ጸገም ዘለዎም ወይ ጽሙማን እዮም።

ካማንዴ፡ ኣብዚ እቲ ዝሰርሖ ነገር ዋጋ ምርካቡ እዩ ዝዛረብ። "ኣብ ትካልና ኣድልዎ የለን፤ ናጽነት ኣሎ" ኢሉ።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብዚ ካፌ ስራሕ ክቑጸር እንከሎ፡ ሓለቕኡ ሓናኽን ርህሩህን ኢኻ እኳ ይብሎ እንተነበረ ሕጂ ግን ምምሕዳራዊ ስራሕቲ ዝሰርሕ ሰብ ኮይኑ ኣሎ።

ነቶም ሰራሕተኛታት ምምሕዳር ጥራይ ዘይኮነ፡ ፋይናንስን ቐረባትን እቲ ካፌ'ውን ይቆጻጸር።

ስርሑ ከም ዝፈትዎ ዝዛረብ ካማንዴ፡ ብፍላይ ተጠቀምቲ ብዛዕባ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ሰራሕተኛታቱ ዘለዎም ርኢይቶ ክሕብሩዎ እንከለው ሓበን ከም ዝስምዖ ይገልጽ።

መብዛሕትኦም ኣብዚ ካፌ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ቅድሚኡ ስራሕ ዘይነበሮም ስለ ዝኾኑ፡ እዚ ስራሕ ህይወቶም ንክልወጥ ሓጊዙዎም'ዩ።

ሑሴን፡ መጀመርታ ነዚ ካፌ ክኸፍቶ እንከሎ ሰባት ስኢኑ ተጸጊሙ ነይሩ፤ ሕጂ ግን ብዙሓት ስራሕ ደለይቲ ምህላዎም ይገልጽ።

እቲ ካፌ'ውን ዕውት ስራሕ ክሰርሕ ብምኽኣሉ ካልኦት ተመሳሰልቲ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ጽሙማን ሰራሕተኛታት ኣብ ምቑጻር ንክሕግዞም ይሓቱዎ።

ካማንዴ ከም ዝብሎ ኣብ ኬንያ እቲ ዓብዩ ጽሙማን ዘጋጥሞም ጸገም መጀመርታ ክሰርሕሉ ዝኽእሉ ቦታ ምርካብ እዩ።

"ብዙሓት ናይ ስራሕ ዕድላት ዘይረኸቡ ጽሙማን'ዮም ዘለው" ይብል።

ኣብታ ሃገር ኣስታት 600 ሽሕ ጽሙማን ከም ዘለው ይግመት። ኣብ ባይታ ፍሉይ ድልየት ዘለዎም ሰባት ምጉናይ ብሕጊ ዝተኸልከለ እኳ እንተኾነ፡ ኣገልግሎታት ሕክምና፣ ትምህርትን ስራሕን ኣብ ምርካብ ግን ሕጂ'ውን ይጽገሙ ኣለው።

ኣብ ኬንያ ናይ ምልክት ቋንቋ ብሰፊሑ ሰባት'ዮም ዝርድኡዎ፤ ካብ ሰብ መዚ'ውን ብዛዕባ እዚ ቋንቋ ኣፍልጦ ዘለዎም ውሑዳት እዮም።

ብተወሳኺ ውሑዳት ተርጎምቲ ናይ ምልክት ቋንቋ እዮም ዘለው። ናይ ቴሌቪዥን ፕሮግራማት ኣብ ፈነወአን ናይ ምልክት ቋንቋ ከካትታ ይግባእ፤ ግን ነዚ ዘተግብራ ውሑዳት እየን።

ካማንዴ፡ ሰባት ንክርድኡዎ ክዛረብ ይኽእል'ዩ፤ መብዛሕትኦም መሳርሕቱ ግን ጽሙማን ስለ ዝኾኑ ኣይኽእሉን።

"ኣብ ሃገርና ኣብ ዙርያ ጉዳያት ጽሙማን ትምህርቲ የድሊ'ዩ" ይብል።

ኣብ ቀረባ፡ ብዛዕባ ሓደ ፖሊስ ኣብ መገዲ ጠጠው ኣቢሉ መለለዪ መንነት ዝሓተቶ መሓዝኡ የልዕል።

"ናብ ቤት ማእሰርቲ ክንወስደካ ኢና ኢሎም ኣፈራሪሖምዎ፤ ንሱ ግን ክምልሰሎም ኣይክኣለን" ኢሉ።

ኣብቲ ግዜ፡ ናብቲ መሓዝኡ ዘለወሉ ቦታ ብምኻድ መሓዝኡ ጸማም ምዃኑ ነቶም ፖሊስ ከም ዘረድኦም ሓቢሩ።

ከምዚኦም ዝበሉ ተጓንፎታት ኣብ ኣዝዩ ጽንኩራት ኩነታት ጽሙማን ንባዕሎም ጠጠው ዝብሉ ክኾኑ ከም ዘለዎም ከም ዘምሃሩዎ ይዛረብ።

ፓሌት ካፌ፡ ንካማንዴ ዕድል ስራሕ ዝረኸበሉ ቦታ ጥራይ ዘይኮነ ምስ በዓልቲ ቤቱ'ውን ዝተራኸበሉ ቦታ እዩ።

በዓልቲ ቤቱ ጃክሊን፡ ጸማም ኮይና ኣብቲ ካፌ ትሰርሐሉ ኣብ ዝነበረት ግዜ'ዮም ተራኺቦም። ሕጂ ቈልዓ 11 ወርሒ ውላድ ኣለዎም።

"ብምኽንያት እዚ ካፌ ናብ ቐጻሊ ምዕራፍ ህይወት ክሰጋገር ክኢለ'የ" ይብል።