ስኮትላንድ ነባሪ ዘይብላ ደሴት ዝሕሉ ሰራሕተኛ ትደሊ ኣላ

ኣይል ማርቲን ኣብ ዝተባህለት ደሴት ዝነብር ዋላ ሓደ ሰብ የለን። ስኮትላንድ ከኣ ነዛ ደሴት ዝሕልወላ ሰራሕተኛ ትደሊ ኣላ።

ሓላፍነት እቲ ነዛ ደሴት ዝሕሉ ደሴት ሰራሕተኛ፡ ነታ ደሴት ኣሽሞንሙኒ ምሕላውን ንበጻሕቲ ዓዲ ድልውቲ ክትኾን ምግባርን እዩ።

ካብቲ ዕግርግር ዝበዝሖ ዓለም ርሕቕ ኢሎም ንብሕቶም ክነብሩ ዝደልዩ ሰባት እዚ ስራሕ ክፈትውዎ ይኽእሉ’ዮም።

ስለዚ ናብዚ ስራሕ ዘመልክቱ ሰባት በይኖም ወይ’ውን መጻምዶም ኣብታ ደሴት ክነብሩ ይፍቀደሎም’ዩ።

ኣብታ ደሴት ኣብ ንኡሽቶ ኣጉዶ ውሽጢ ዝርከብ ቤተ መዘክርን ዝተፈላለያ ኣዕዋፍ ንምርኣይ ዝምችእ ጎቦን ኣሎ።

በብዓመቱ ኣብ ወርሒ መስከረም ንሸውዓተ መዓልታት ዝኽበር ጽምብል’ውን ኣሎ። ኣብዚ ወለንተኛታት ግዝያዊ ካፌ ክኸፍቱ ይፍቀደሎም።

ኣይል ማርቲን ዝተባህለ ማሕበር ላዕለዋይ ተቖጻጻሪ እታ ደሴት ኮይኑ፡ ብ1999 ትካል ገባሪ ሰናይ ዝኾኑ ኣይል ማርቲን ትረስት እዩ ነታ ደሴት ብውህብቶ ተረኪቡዋ።

ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ከኣ ኣብታ ደሴት ዋላ ሓደ ሰብ ነቢሩ ኣይፈልጥን።

እዚ ሓድሽ ነዛ ደሴት ንምሕላው ዝቑጸር ሰራሕተኛ ከኣ ድሕሪ 30 ዓመታት ኣብ ደሴት ዝነብር ፈላማይ ሰብ ክኸውን እዩ።

ካብ ፕላስቲን ካልእ ነገራትን ክትጸሪ ትጽቢት ዝግበር ኮይኑ፡ እቲ ዝቑጸር ሰራሕተኛ ኣብታ ደሴት ዝርከቡ ሽቓቓትን መንበሪ ኣባይትን ምጽራይ፣ ናብታ ደሴት ዝመጽኡ ኣጋይሽ ምቕባልን እቶም ኣጋይሽ መምርሒታት ምክልኻል ኮሮናቫይረስ ክትግብሩ ምክትታልን ሓላፍነቱ ከም ዝኸውን ሓላፊ እቲ ማሕበር ቤኪ ቶምሰን ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እዚ ስራሕ ኣብ መዓልቲ ሰለስተ ሰዓታት ጥራሕ ዝወስድ’ዩ።

እቲ ሰራሕተኛ ኣብታ ደሴት ብናጻ ዝነብር ኮይኑ ኣብ ሰሙን 150 ዩሮ ክኽፈሎ’ዩ።

እዛ 400 ሄክታር ትኸውን ደሴት ካልኦት ደሴታት’ውን ዘዋስንኣ ኮይነን፡ ቅድም ኢሉ ኣብ ውሽጣ ገዳምን ፋብሪካ ሕሩጽን ነይሩዋ።

ሕጂ ድማ ኣዕዋፍ ዝዕቀባላ ተባሂላ ተሓጺራ ትርከብ።

ኣብታ ደሴት ውዑይ ማይ ዝብሃል የለን፤ እቲ ኣሎ ዝብሃል ኤሌክትሪክ’ውን ቴሌፎንን ላፕቶፕን ቻርጅ ካብ ምግባር ወጻእ ካልእ ዓቕሚ የብሉን።

ሰባት’ውን ዝበዝሕ ግዝኦም ምስ ተፈጥሮ ንክራኸቡ ኣብ ደገ ኮይኖም’ዮም ዘሕልፉዎ።

ብሕጂ ነዛ ደሴት ንምሕላው ዝቑጸር ሰራሕተኛ ጀልባ ምግናሕን ካልኦት ኣብ ደሴት ንምንባር ዘኽእሉ ክህለታትን ክህልዎ ትጽቢት ይግበር።