እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህዝቢ ደሴት ቦጎንቪልያ ምሉእ ናጻነት ንኽረክብ ኣድሚጹ
ነበርቲ፡ ነታ ሓንቲ ንፓፓዋ ኒው ጊኒ ካብ ዘቑማ ደሰቴት ዝኾነት ቦጎንቪልያ፡ ምሉእ ናጽነት ንክረኽቡ ብዓብላሊ ድምጺ ኣድሚጾም።
እቶም ነበርቲ ኣብ ዝተካየደ ረፈረንዶም (ድምጺ ህዝበ ውሳነ)፡ ርእሰ ምሕደራዶ ዋላስ ምሉእ ናጽነት ዝብል ሕርያ'ዩ ቐሪብሎም ነይሩ።
ካብቶም 181000 ዘድመጹ ነበርቲ ደሴት ቦጎንቪልያ፡ 98 ሚእታዊት ንምሉእ ናጽነት ከም ዘድመጹ እቲ ዝወጽአ ሓበሬታ የብርህ።
እዛ ንሃገረ ንፓፓዋ ኒው ጊኒ ካብ ዘቑማ ደሴት ዝኾነት ቦጎንቪልያ፡ ረፈረንደም ንክተካይድ መንግስቲ ንፓፓዋ ኒው ጊኒ እዩ ኣጽዲቑላ።
እዛ ደሴት ኣስታት ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ነባሪ ዘለዋ ኮይና ካብዚኦም እቶም 206,731 ድምጾም ክህቡ ተመዝጊቦም።
ኣብ ታመናሊ ኣብ ዝተኻየደ መስርሕ ምሃብ ድምጺ ኸኣ 181,067 ሰባት ተረኺቦም።
- 176,928 ንምሉእ ናጽነት ኣድሚጾም
- 3,043 ርእሰ ምሕደራ ኣድሚጾም
- 1,096 ዘይብቑዕ ድምጺ ተባሂሉ
እዚ ውጽኢት ብኣቦ መንበር ኮሚሽን ረፈረንደም ቦጎንቪልያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣየርላንድ ነበር በረቲ ኣህረም፡ ኣብ ከተማ ቡካ'ዩ ተሓቢሩ።