እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስደተኛታት ንምትላል ዶብ ሃገር ዝሓንጸጸ ደላሊ (ሰምሳሪ)
ኣብ ሩስያ፡ ሓደ ደላሊ (ሰምሳሪ) ንኣርባዕተ ስደተኛታት ባዕሉ ብዝተኸሎ ናይ ሓሶት ታቤላ ናብ ፊንላንድ ኣቲኹም ክብል ብምትላሉ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
እቲ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ፡ ኣብቲ ባዕሉ ዝሰቐሎ ታቤላ፡ ኣብ ውሽጢ ሩስያ ዝርከብ ናይ ሓሶት ጫካ ኣብጺሑ፡ ዶብ ሕብረት ኤውሮጳ በጺሕኩም ብምባል ገዲፉዎም ከይዱ።
ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ግን እቶም ካብ ደቡብ ኤስያ ዝመጽኡ ኣርባዕተ ሰባት፡ ብሓለውቲ ዶብ ተታሒዞም፡ ኣብ መሬት ሩስያ ከም ዘለዉ ተነጊርዎም።
እቲ "ሰምሳሪ" ንነፍሲ ወከፎም ልዕሊ €10,000 ($11,000) ዩሮ ከም ዘኽፈሎም'ውን ተገሊጹ።
እቶም ሓምሽተ ሰባት ከኣ ብ28 ጥቅምቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዮም።
እቶም ዝተታሕዙ ስደተኛታት ብረቡዕ ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ናብ ዓዶም ክጥረዙ ተወሲኑሎመ።
እቲ ሰምሳሪ በቲ ዝገበሮ ምትላል ዝበኣሰ ክሲ ገጢምዎ ኣሎ። ንሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዙ ውሳነ ቤት ፍርዲ ይጽበ ኣሎ።
እቶም ሰበ ሰበስልጣን ብዛዕባ መበቆል-ዓዲ እቶም ስደተኛታት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃቡን።
ፊንላንድን ሩስያን ኣስታት 1,340 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ናይ ሓባር ዶብ ኣለወን።