ስደተኛታት ንምትላል ዶብ ሃገር ዝሓንጸጸ ደላሊ (ሰምሳሪ)

ፊንላንድን ሩስያን ኣስታት 1,340 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ናይ ሓባር ዶብ ኣለወን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፊንላንድን ሩስያን ኣስታት 1,340 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ናይ ሓባር ዶብ ኣለወን።

ኣብ ሩስያ፡ ሓደ ደላሊ (ሰምሳሪ) ንኣርባዕተ ስደተኛታት ባዕሉ ብዝተኸሎ ናይ ሓሶት ታቤላ ናብ ፊንላንድ ኣቲኹም ክብል ብምትላሉ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።

እቲ ዘይሕጋዊ ኣሰጋጋሪ፡ ኣብቲ ባዕሉ ዝሰቐሎ ታቤላ፡ ኣብ ውሽጢ ሩስያ ዝርከብ ናይ ሓሶት ጫካ ኣብጺሑ፡ ዶብ ሕብረት ኤውሮጳ በጺሕኩም ብምባል ገዲፉዎም ከይዱ።

ድሕሪ ቁሩብ ግዜ ግን እቶም ካብ ደቡብ ኤስያ ዝመጽኡ ኣርባዕተ ሰባት፡ ብሓለውቲ ዶብ ተታሒዞም፡ ኣብ መሬት ሩስያ ከም ዘለዉ ተነጊርዎም።

እቲ "ሰምሳሪ" ንነፍሲ ወከፎም ልዕሊ €10,000 ($11,000) ዩሮ ከም ዘኽፈሎም'ውን ተገሊጹ።

እቶም ሓምሽተ ሰባት ከኣ ብ28 ጥቅምቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዮም።

እቶም ዝተታሕዙ ስደተኛታት ብረቡዕ ኣብ ሰይንት ፒተርስበርግ ኣብ ዝርከብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ናብ ዓዶም ክጥረዙ ተወሲኑሎመ።

እቲ ሰምሳሪ በቲ ዝገበሮ ምትላል ዝበኣሰ ክሲ ገጢምዎ ኣሎ። ንሱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተታሒዙ ውሳነ ቤት ፍርዲ ይጽበ ኣሎ።

እቶም ሰበ ሰበስልጣን ብዛዕባ መበቆል-ዓዲ እቶም ስደተኛታት ዝኾነ ሓበሬታ ኣይሃቡን።

ፊንላንድን ሩስያን ኣስታት 1,340 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ናይ ሓባር ዶብ ኣለወን።