እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካብ ጃምላዊ ህልቂት ናዚ ዝተረፋ ጓል 89 ኣደ ብፖሊስ ይሕለዋ ኣለዋ
ኣብ ዓዲ ጥልያን ካብ 'ምጽናት ዓሌት' ዝተረፋ ጓል 89 ኣደ፡ ብዙሕ ምፍርራሓት ይበጽሐን ስለዘሎ ብክልተ ፖሊስ ይሕለዋ ኣለዋ።
ሊሊያና ሰግረ፡ ጓል 13 ዓመተን እናሃለዋ፡ 'ኣሽዊዝ ካምፕ' እናተብሃለ ዝፍለጥ ምጽናት ዓሌት ዝፈጸመሉ ሕሱም ቦታ ንክቕተላ ተወሲደን ነይረን።
እተን ኣብቲ እዋን ንሕንጢጣ [ንስክላ] ካብ ቅትለት ዝደሓና ኣደ፡ ሕዚ ድማ ኣንጻር-ሴማውያን ምፍርሓት ዝሓዘለ መልእኽቲ ይበጸሐን ኣሎ።
መንቀሊ እዚ ድማ፡ እተን ንምሉእ-ህይወተን ኣባል ባይቶ ዓዲ ጥልያን ዝኾና ወይዘሮ ሰግረ፡ እቲ ባይቶ ኣንጻር-ጽልኢ ሕጊ ንከውጸእ ምሕታተን ስዒቡ እዩ።
እቲ ዝቐረበ ሓሳብ፡ ካብ ውድባት ክንፊ-የመናውያን ድጋፍ እንተዘይረኸበ'ኳ፡ ኣብቲ ባይቶ ከም ሕጊ ኾይኑ ክሓልፍ ክኢሉ እዩ።
እቲ ሓድሽ ኣዋጅ፡ ኣብታ ዓዲ ዝርአ ዘሎ ኩሉ ዓይነት ዘርኣውነት፣ ጽልእን ኣንጻር-ሴማውያን ስምዒታትን ተሪሩ ክቃለስ ዝኽእል ፍሉይ ኮሚሽን ክየጣየሽ'ውን ዝሓትት እዩ።
እቶም ድምጾም ካብ ምሃብ ዝተዓቀቡ ኣባላት እቲ ባይቶ፡ 'ኣብ ምድሪ ዳርጋ ዘየለኹም' ኣባለት ክብላ ወቒሰንኦም።
ላ ሪፓብሊካ ንዝተብሃለ ዓብይ ጋዜጣ እታ ዓዲ ከምዝተዛረበኦ፡ ብምሉአም ኣባላት እቲ ባይቶ ንሕልነኦም ክብሉ ናይዚ ኮሚሽን ምጥያሽ ዓለማ ክድግፍዎ እዮም ዝብል ተስፋ እዩ ነይሩወን።
እንተኾነ፡ ካብዛ መዓልቲ እዚኣ ጀሚሩ፡ ዛጊድ ኣስታት 200 ብጽልኢት ዝተመልአ መልእኽቲታት መዓልታዊ ይበጽሐን ከምዘሎ ኣፍሊጠን።
ገለ ካብቶም መልእኽታት መሰቀቕትን ዘስግኡን ኮይኖም ስለዘተረኸቡ፡ ኮሚተ ድሕነትን ጸጥታን ህዝቢ ዘትዩ እተን ኣደ ጥቡቕ ሓለዋ ክግበረለን ወሲኑ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ ድማ፡ ዓቃቤ ሕጊ ምስ ፖሊስ ኣንጻር ግብረ-ራዕዲ ኮይኑ ትሕዝቶ ናይቶም ዝተልኣኹ ናይ ጽልኢ መልእኽታት ኣብ ምጽናዕን ምጽራይን ይርከብ። ናይ ክሲ መዝገብ ከምዝኸፈተ ድማ ምፍላጥ ተኻኢሉ።
ወይዘሮ ሰግረ መን'የን?
ኣብ 1930 ኣብ ከተማ ሚላን እየን ተወሊደን። ካብኡ ድማ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 1943፡ ምስ ወላዲኣን ካብ ጣልያን ብምጥፋእ ካብ ምጽናት-ዓሌት ናዚ ከምልጡ ፈቲኖም።
እንተኾነ፡ ኣብ ስዊዘርላንድ መሰል ስደተኛነት ክረኽቡ ኣይከኣሉን። ነዚ ስዒቡ፡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ኣብ ፖላንድ ዝርከብ ኣብቲ 'ሽዑ እዋን ኣብ ቁጽጽር ናዚ ውዒሉ ዝነበረ መሬት ፖላንድ ዝርከብ፡ ጅምላዊ ጨፍጫፍ ዝፍጸመሉ ናብ ዝነበረ ኣሽዊዝ-ካምፕ ክቕተሉ ብባቡር ተሰዲዶም።
ወላዲአንን ኣባሓጎኣንን ኣብዚ ካምፕ እዮም ብጅምላ ተቐቲሎም።
ንሰን ግን ምስ ካልኦት ዓሌት ኣይሁድ፡ ኣብ ጀርመን ናብ ዝርከብ ካሊእ ጅምላዊ-መሳቐዪ ካምፕ ተላኢኸን።
ኣብ መወዳእታ እቲ ዝነበራሉ ሓደ መሳቐዪ-ካምፕ፡ ከም ዕድል ኮይኑ ቀይሕ-ሰራዊት እናተብሃለ ብዝጽዋዕ ሰራዊት ሩስያ ነጻ ወጺኡ።
ኣብ 2018፡ ወይዘሮ ሰግረ ዕድመ-ልክዕ ኣባል እቲ ባይቶ ክኾና፡ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ፕረዚደንት ጣልያን ወሲኑ።
ካብ 30 ሽሕ ንላዕሊ ተወለድቲ ኣይሁድ ኣብ ጣልያን ይርከቡ። ኣብቲ እዋን ምጽናት-ዓሌት ድማ፡ ካብ 7500 ንላዕሊ ኣይሁድ ኣብ ጥልያን ጥራሕ ተጨፍጪፎም።